ብ ኣየር ናብ ኣውስትራሊያ ዝኣተዉ እሞ ሕቶ ዑቕባ ኣቕሪቦም ዝተነጽጉ ንምስጓጎም ዝግበር ዘሎ ጉያ ጉያ ደው ክብልን ስጉምቲ እንተተወሲዱ "ዘይሓዊ ጥፍኣት" ከምዝኸውን ኪኢላታት ሕጊ ሚግረሽን ኣጠንቂቖም።
ብመሰረት ጸብጻባት መንግስቲ እቶም ብ ኣየር ናብ ኣውስትራሊያ ዝኣተዉ እሞ ሕቶ ዑቕባ ዝተነጽጉ ኣብ መወዳእታ ናይ ወርሒ ጥሪ 50 ሽሕ በጺሑ ኣሎ።
ኣስታት 37,913 ብነፈርቲ ዝኣተዉ ካልኦትውን እቲ ናይ ስደተኛ ጉዳዮም ገና ኣይተወሰነን ዘሎ።
እንተኾነ ካብ Macquarie ዩኒቨርሲቲ ዶ/ር ዳኒኤል ገዘልባሽ Daniel Ghezelbash ን SBS News ከምዝበሎ ነቲ ተጸፍጺፉ ዝጸንሐ መስርሕ ምምያ ብሃታ ሃታ ስጉምቲ ምውሳድ ሳዕቤን ክህልዎ አዩ ኢሉ።
"ካብዞም ተባሂሎም ዘለዉ ብዙሓት ካብኦም ኣብ ዓዶም ምስዝኸዱ ማእሰርቲ ዝጽበዮም ኣለዉ፡ ብዕሙት ሱቕ ኢልካ ኣይትጉሕፎምን ኢኻ," ኢሉ።
"ከም ናይ ህጹጽ ዕላማ ስጉምቲ ኣንተኾይኑ ብዙሕ ሓርጎጽጎጽ ፈጢሩ ካብ ዘይብቕ ዓትን ፍትሓውነት ምስ ኣንን ዝገደደ ሳዕቤን ከምጽኣልና እዩ"
ዝበዝሐ እዚ ሕቶ ዑቕባ ካብተን ናይ ኣውስትራሊያ ቪዛ ንምርካብ ዝቐለለን ሃገራት ዝመጹ ኮይኖም አቶም ዝበዝሑ ሕቶ ዑቕባ ዝሓተቱ ካብ ህንዲ፡ ቻይናን ማለዢያን ዝመሹ እዮም።

Macquarie University's Dr Daniel Ghezelbash. Source: Macquarie University
ኣብዚ እዋን 46,391 ሰባት ክጥረዙ ዝጽበዩ ዘለዉ ኮይኖም ኣብዝሓለፈ ወርሒ ልዕሊ 20 ሰባት ናብ ዓዶም ተጠሪዞም ኣለዉ።
እቶም ስደተኛታት ምዃኖም ክፍለጠሎም ዝሓተቱ ሰባት ኣብ ወርሒ ሕዳር 2019 ብዝሖም 1,136 ዝነበረ ናብ 2,468 ክብ ኢሉ ኣሎ።
ሰልፊ Labor መንግስቲ ኣብ ምቁጽጻር ዶባት ደኺሙ ኣሎ ኢሉ ይወቅስ።
እዚ ኣሃዝ ዘመልክቶ ውጺኢት ሕማቕ ምሕደራ ሰልፊ ልፍንቲ ኣሰጋገርቲ ነቲ ስር ዓት ክጥቀምሉ ኪኢሎም ክብል ሰልፊ ተቓዋሚ ከሲሱ።
ተጠባባቒ ሚኒስተር ኢሚግረሽን ኣላን ታጅ ነዚ ናይ ተቓዉሞ ክሲ ብምንጻግ መንግስቲ ከም ካብ ማለዢያ መጺኦም ግጉይ ሕቶ ዝሓቱ ክቆጻጸሮ ኪኢሉ አዩ ኢሉ።
"ኣውስትራሊያ ሓንቲ ካብተን ለጋሳት ሃገራት ዓለም ኮይና ዓመታዊ ኣማኢት ሰባት ብሰብኣዊ ምጥያስ ትቕበልያ," ኢሉ።.
"ገለ ሰባት ግና ነቲ ዘለና ዓለማዊ ሕጊ መዝሚዞም ኣብውሽጢ ሃገር ምስ ኣተዉ ንዘይ ዕወትሉ ሕቶ ዑቓ ይሓቱን ኣብ ኣውስትራሊያ ዝጸንሕሉ ግቡእ እዋን የናውሑን ኣለዉ" ክብል እቲ ምኒስተር ገሊጹ።
እቶም ኣብ ሰንፈላል ዘለዉ ስደተኛታት ናይ ይግባይ ሕቶ ብምቕራብ ኣብ ኣብያተ ፍርዲን ካልእን ብዙሕ ዓመታት ክወስደሎም ይኽአልዩ።

Acting Immigration Minister Alan Tudge. Source: AAP
መንግስቲ ሞሪሶን ከምዝገልጾ ዝበዝሑ ካብዞም ክጥረዙ ዝተባህሉ ነቲ ዝሓተትዎ ናይ ይግባይ ሕቶ ኣሉታዊ መልሲ ተዋሂብዎ ኣብ ኣውስትራሊያ ዝጸንሕሉ ከናውሑ ዝደሊዩ ሰባትዮም።
"አቶም ብነፋሪት ዝመጹ ሰባት ቪዛ ኣለዎም፡ መን ምዃኖም ንፈልጦም ኢና፡ ብኣንጻሩ እቶም ብጀላቡ ብዘይሓጋዊ መገዲ ዝመጹ መን ምዃኖም ኣይንፈልጦምን ኢና። ናይ ጸጥታ ድሕረባይታኦም ኣይንፈልጦን ኢና፡ ኩነታትት ጥዕናኦም ኣይንፈልጦን ኢና፥" ክብል ሚስተር ታጅ ይገልጽ።
አቶም ብነፋሪት ብቪዛ ዝ ኣትዉ እሞ ሕቶ ዑቕባ ዘቕረቡ ብሪጂንግ ቪዛ ተዋሂብዎም ክሳብ እቲ መስርሕ ዝውዳእ ክሰርሑ ይፍቀደሎም አዩ።
ናይ ሰልፊ Labor' ወሃቢት ቃል Home Affairs ክርስቲና ከንሊ ብወገና እዚ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ቁጽሪ ናይቶም ብነፋሪት ዝኣትዉ ሰባት ዘመልክቶ ኣሰጋገርቲ ዝሰርሕዎ ዘለዉ ሸርሒ እዩ።
"ዑቕባ ምሕታት ጌጋ ኣይኮነን፡ እዚ ኣድላዪ መሰል እዩ፡ እንተኾነ 90 ሚእታዊ ካብዚ ሕቶታት መሰረት ዘይብሎም እዮም"
እቶም ብነፋሪት ናብ ኣውስትራሊያ ኣትዮም ዑቕባ ዝሓቱ ሰባት ካብቲ ናይ 2018-19 ብ 12 ሚእታዊ ከምዝጎደለ ፈአራል መንግስቲ ይካታዕ።

Opposition Home Affairs spokeswoman Kristina Keneally. Source: AAP
Er-Kai Wang ካብ Australian National University ን SBS News ከምዝትለጾ አዚ ኣሃዝ ማለት 50,00 ክጥረዝ ዝጽበ ዘሎ ህዝቢ ማለት ኩሉ እቲ ሕጋዊ መገዲታቱ ተዓጽዩ ማለትዩ።