ናይ ኢትዮጵያ ምርጫ: ከምብሓድሽ ተናዊሑ።

ኣብ ኢትዮጵያ - ኣብ ፈለማ ነሓሰ 2020 ክካየድ ተመዲቡ ዝነበረ ምርጫ ፡ ብምኽንያት ለበዳ ተመኽንዩ ድሕሪ ምምሕልላፉን ኣብ ክልል ትግራይ ኲናት ድሕሪ ምግጣሙንን ፡ ተወሳኺ ናይ ምድንጓይ ተርእዮታት ኣጋጢምዎ ።

Congregants pray during a Sunday morning service of the Ethiopian Orthodox Tewahedo Church in Mekele, Tigray.

Congregants pray during a Sunday morning service of the Ethiopian Orthodox Tewahedo Church in Mekele, Tigray. Source: AAP

ሓላፊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ትማሊ ቀዳም ከምዝገለጸቶ ሓድሽ ዕለት ከይሃበት እቲ ኣብ 5 ሰነ ናይ ፖርላማና ምርጫ ክካየድ ተመዲቡ ዝነበረ ብሰንኪ ምኽንያታት ሎጂስቲክስ ናብ ካልእ እዋን ተናዊሑ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ኣብ ስልጣን ምስ ደየበ ፡ ነቲ ዝጸንሀ ምልካዊ ስርዓት ኣፍሪሱ ፡ እታ ሃገር ክሳብ ሕጂ ካብ ዝረኣየቶ ዝበለጸ ደሞክራስያዊ ምርጫ ክገብር ምዃኑ ቃል ኣትዩ ነይሩ ።

እቲ ምርጫ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ድሮ ተደናጉዩ ኔሩ ፡ ካብ ሽዑ ጀሚሩ እቲ ጸገም ተጋዲዱ ኣብ ትግራይ ግጭት ተወሊዑ ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ድማ ዘስካሕክሕ ዓሌታዊ ጎንጺ ተፈጢሩ ይርከብ ።

ኣደ ወንበር ቦርድ ምርጫ ከምትብሎ "እቲ ድምጺ ምሃብ ኣብ 5 ሰነ ኣይፍጸምን እዩ ፡ እቲ ቦርድ ካብ ፓርቲታት ዝረኸቦ ናይ ሓሳባት ክምርምሮ ስለዘለዎ እታ ዕለት ክንነግረኩም ኣይንኽእልን ኢና" ኢላ።

ከም ምዝገባ መረፅቲ ፡ ስልጠና ሰራሕተኛታት ምርጫ ፡ ምሕታምን ወረቐት ሓበሬታ ምዝርጋሕን ዝኣመሰለ ሎጂስቲካውያን ጸገማት ከምዘለዉ ጠቒሳ ።

"ነዚ ዅሉ እዚ ነገራት ኣብቲ ናይቲ ፈለማ ዝተባህሎ ዕለት ከተብጽሖ ኣይከኣልን እዩ ።"

ብርቱካን ሚደቅሳ ፡ እታ ሓድሽ ናይ ምርጫ ዕለት ፡ ነቲ ካብ ከባቢ ወርሒ ሰነ ክሳብ መስከረም ወቕቲ ዝናብ ኣብ ግምት ዘእተወ ክከውን ከምዝኽእል ገሊጻ ።

ቲእቲ ምርጫ ዝግበረሉ ዉሑዳት ሰሙናት ተሪፍዎ ኣብዘሎ ብዙሕ ናይ ጎስጓስ ምልክታት ኣይተራእዮን ፡ ሓያሎ ተቓወምቲ ውድባት ኣብቲ ምርጫ ከምዘይሳተፉ ገሊጾም ኣለዉ።

ማእለያ ዘይብሎም ቅልውላዋት

እታ 110 ሚልዮን ዝኸውን ህዝቢ ዘለዋ ሃገር ፡ ኣብ ሳጹን ብዝ ኣቱ ድምጺ ሃገራዊን ክልላውን ኣባላት ፓርላማ ክትመርጽዩ መደብ ተታሒዙ ኔሩ።

እቶም ዝምረጹ ኣባላት ፓርላማ ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተርን ነቲ ጽምብላዊ ግደ ጥራይ ዘለዎ ናይ መንግስቲ ሓላፊ ዝዀነ ፕረዚደንትን እዮም ዝመርጹ ፣

ዋላ እውን ምድንጓይ እንተ ኣጋጠመ ፡ ሓያሎ ጸጥታዊ ቅልውላዋት ፡ ኣብ ብዙሕ ከባቢታት እታ ሃገር ስለዘሎ ድምጺ ምሃብ ከም ዘይከኣል ይግለጽ ።
Ethiopia's Prime Minister Abiy Ahmed.
Ethiopia's Prime Minister Abiy Ahmed. Source: AAP
ኣብ ትግራይ ዘሎ ጃምላዊ ቅትለትን ሰፊሕ ጾታዊ ዓመጽ ዝፍጸመሉ ዘሎ ከቢድ ኲናት ዘጠቓልል ኣብ ኢትዮጵያ ይካየድ ኣሎ ።

ወ/ት ብርቱካን ከም ዝሓበረቶ ፡ ክሳብ ሕጂ ኣስታት 36 ሚልዮን ኣድመጽቲ ከም እተመዝገቡ ፡ ኣብ ገለ ከባቢታት ብዙሕ ህዝቢ ኣብ ዘለዎ ከባቢታት እታ ሃገር ኣብ ክልላት ኦሮምያን ኣምሓራን ከቢድ ዓሌታዊ ጎንጺ ዝረኣየሉ ከባቢታት ምዝገባ ከም ዘይካየድገሊጻ ።

ናይ ሰላም ሽልማት ንዂናት

ሚስተር ኣቢይ ኣብ 2019 ናይ ሰላም ኖቤል ሽልማት ተዓዊቱ ፡ እዚ ድማ ምስ ጎረቤት ሃገር ኤርትራ ኣብ ዶባዊ ምስሕሓብ ዝጸንሐ ግጭት ምውጋድ ዘጠቓልል ብዘር ኣዩ ስራሕ እዩ ነቲ ሽልማት ረኺብዎ።

ሚስተር ኣብይ ነቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ሃገራዊ ፖለቲካ ዓብሊልዎ ዝነበረ ብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ዝምራሕ ኢህወደግ ብምፍራስ ብልጽግና ዝበሃል ፖለቲካዊ ሰልፊ መስሪቱ።

ውድብ ህወሓት ፡ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ዝተደናጎየ ሃገራዊ ምርጫ ብምቅዋም ፡ ንስልጣኑ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናተጣበቐ ፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ክልላዊ ምርጫ ኣካይዱ ።
Children and other congregants pray during a Sunday morning service of the Ethiopian Orthodox Tewahedo Church in Mekele, in the Tigray region.
Children and other congregants pray during a Sunday morning service of the Ethiopian Orthodox Tewahedo Church in Mekele, in the Tigray region. Source: AAP
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ንህወሓት ኣብ ልዕሊ ልፈደራላዊ ወተሃደራዊ መዓስከራት መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመ ብምኽሳስ ነቲ ሓይሊ ካብ ስልጣን ንምእላይ ወተሃደራት ናብ ትግራይ ምስ ለኣከ እቲ ዝጸንሐ ምፍሕፋሕ ናብ ዝለዓለ ጎንጺ ዓረገ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ዓሌታዊ ዓመጻ እናገደደ ይኸይድ ኣሎ: ካብ መጋቢት ጀሚሩ ኣብ ክልል ኣምሓራ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብኣማእታት ዝቝጸሩ ሰባት ተቐቲሎም: ኣብ ሓያሎ ነቝጣታት ድማ ቍጽሪ ናይቶም ግዳያት ወሲኹ ኣሎ ።

ኢትዮጵያ ኣብ 10 ብርእሰ-ምምሕዳራዊ ፌደራላዊ ዞባታት ተመቒላ ትርከብ ፡ እዚ ምክፍፋል ኣብ ብሄራት ምርኩስ ዝገበረ እዩ ፡ ኣብ መንጎ ግዝኣታት ዘሎናይ መሬትን ፖለቲካዊ ዘይምርድዳእን ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ጎንጺ ይፈጥር ኣሎ ።


Share

Published

Updated

Source: AFP, SBS


Share this with family and friends