መንግስቲ ኢትዮጵያ ብ ሰሉስ፡ ዜጋታት ኣንጻር እቲ ናብ ማእከል ኢትዮጵያ ዝግስግስ ዘሎ ናይ ትግራይ ሓይሊ ክኸትት ጸዊዑ። እቲ ትሽዓተ ወርሒ ዝገበረ ኲናት፡ ሓይሊታት ትግራይ ካብ ናይ ዞባኦም ናብ ዉሽጢ ኢትዮጵያ ይግስግሱ ንዘለዉ ንምምካት ኩሉ ክኸትት ተማሕጺኑ ።
እቲ ናይ ክተት ጻውዒት ካብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝመጸ ኮይኑ "ዕድሚኦም ንዝኣኸለ ኢትዮጵያውያን ኣብ ሓይልታት ምክልኻል ፡ ፍሉያት ሓይልታትን ሚሊሻን ክጽንበሩ ሕጂ እቲ ግቡእ ግዜ እዩ" ኢሉ ።
እቲ መግለጺ መንግስቲ ኣብ ትግራይ ዝግበር ዝጸንሐ ኲናት ናይ በይናዊ ምቁራጽ ተኹሲ ድሕሪ ምእዋጁ ድሕሪ ናይ ሸሞንተ ኣዋርሕ ግጭትን ሓይልታት ትግራይ ንርእሰ ከተማ መቐለ ምስተቖጻጸሩ ድሕሪ ሽዱሽተ ሰሙን እዩ እዚ መጺኡ ።

ኣብ ክልል ዓፋር ብሓሙስ ኣብ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ፡ 12 ሰባት ብዓመጽ ከምእተቐትሉ ፡ ኣብ ሆስፒታል ዱብቲ ሓላፊ ዝዀነ መሓመድ የሱፍ ሓቢሩ ።
ካልኦት 46 ሰባት ድማ ብዝወረዶም መጉዳእቲ ኣብቲ ሆስፒታል ይእለዩ ምህላዎም ንሮይተርስ ብቴሌፎን ገሊጹ ። ንሱ ብዝሃቦ ሓበሬታ መሰረት እቲ ተሃስዮም ዘለዉ: በቲ ኣብቲ ከባቢ እተፈጥረ ምፍንጃር ተኸቲሉ ምዃኑ ናይ ገለ ቁሱላት ዝነደደ ኣካል የመላኽት ኢሉ ።
እቶም እተቐትሉን ዝቘሰሉን ፡ ኣብ ሓደ ቤት ትምህርትን ኣብ ክሊኒክ ጥዕናን ተዓቚቦም ከም ዝነበሩ ሓቢሩ እዩ ።
ነዚ ብህሎ መረጋገጺ ንምርካብ ዝከኣል ኣይነበረን ። መንግስቲ ክልል ዓፋር ብዓርቢ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓይልታት ትግራይ ነቲ ኣብ ከባቢ ጋሊኮማ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ክወስድሉ ኣለዎም ኢሉ ።