ኣብ 1948 ኣብ ምጽዋዕ ተወሊዱ ኣብ ኣስመራ ዝዓበየ ዑስማን፡ ካብ ግዜ ንእስነቱ - ኣብ ፈለማ 60ታት ኣትሒዙ ኣብ ሙዚቃ ዓለም ዝኣተወን ካብቶም ኣብ 60ታት ዝተቐልቀሉ ኣብ ዘመናዊ ሙዚቃ ትግርኛ ኤርትራ ዓቢ ኣሰር ዝገደፉ ብሉጻት ስነጥበባውያን ምዃኑ ይንገረሉ።
ዑስማን ዓብዱልራሒም ኣብቲ ወርቃዊ ዘመን ሙዚቃ ኤርትራ ተባሂሉ ዝጥቀስ ናይ 1960ታትን 1970ታትን ኣብ በበይኑ መድረኻት ሙዚቃዊ ስራሓት ብምቕራብ፡ ሓደ ካብቶም ቀዲሞም ዝጥቀሱ ድምጻውያን’ዩ። ዑስማን ዓብዱልራሒም፤ “ዝሕው ኢሉ መዓንጣይ”፡ “ፍቕሪ ዕዉት ኣሚነ”፡ “ኣብ ከተማ ምጽዋዕ”፡ “ትነብር ኔራ”፡ “ዓቕሊ ጽበት”፡ “ኣይፋልክን ግርህነተይ፡” ወዘተ ብዝብላ ኣብ ሰማዕቲ ሙዚቃ ትግርኛ ዘይሕከኽ ዝኽርታት ዝገደፋ ደርፍታት ዘፍረየ ድምጻዊ’ዩ።
ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ኣስመራ ክቕመጥ ጀሚርሩ ነይሩ፡ ዑስማን፡ ካብቶም መላግቦ ወለዶታት ድምጻውያን ምንባሩ’ውን ፈልጥቱ ይጠቕሱ።
ኣድነቕቱን ፈተውቱን ብመገዲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ሓዘኖም ይገልጹ ኣለዉ።