ትስፉው መጻኢ ዝነበራ መንእሰይ ኤርትራዊት ተቐዳዳሚት ብሽግለታ ደሴት ኪዳነ ኣብ ልምምድ እንከላ ብመኪና ተሃሪማ ዓሪፋ

ትስፉው መጻኢ ኣብ ቅድሚኣ ዝጽበያ ዝነበረ መንእሰይ ተቐዳዳሚት ብሽግለታ ኤርትራ ደሴት ኪዳነ ኣብ ልምምድ እንከላ ብመኪና ተሃሪማ ከም ዝሞተት ይግለጽ ኣሎ።

Desiet Kidane

Source: Cycling Weekly

ንመጻኢ ሓያል ክትከውን ተስፋ ተነቢሩላ ዝነበረ ጓል 21 ኤርትራዊት መንእሰይ ተቐዳዳሚት ደሴት ኪዳነ ኣብ ኣስመራ ልምምዳ እናካየደት እንከላ ብመኪና ተሃሪማ ካብ'ዛ ዓለም ብሞት ከምዝተፈልየት ተፈሊጡ።

ደሴት ተስፋ ዘለዎ ውጽኢታት ኣብ ደረጃ ቅድድማት መንእሰያት ድሕሪ ምምዝጋባ ንኣህጉራዊት ጋንታ ማእከል ቅድድም ብሽግለታ ሕብረት ቅድድም ብሽግለታ (ዩሲኣይ) ክትወዳደር ዝበቕዐት እያ ኔራ። ኣብ ሻምፒዮናታት ኣፍሪቃ መንእሰያት 2018 ኣብ ክልቲኡ ማለት ኣብ ቅድድም ቅልጣፈ ግዜን ኣብ ቅድድም መንገዲን ወርቂ ዓቲራ።

ንሳ ንኤርትራ ወኪላ ኣብ ግጥማት ኦሎምፒክስ መንእሰያት 2018 ቦነስ ኣይሪስ፡ ኣርጀንቲና፡ ዝተሳተፈት'ያ። ንመጻኢ ዝነበራ ሓያል ብቕዓት ብምምስካር ከኣ ዝድነቕ መበል 11 ወጺኣ።

ኣብ ወቕቲ 2021 ብሉጽ ውጽኢታ ዘመዝገበትሉ ኣብ ፈረንሳ ከይዳ ኣብ ዝተቐዳደመትሉ ኮይኑ ኣብ ቅድድም ፔሪጎርድ ደቀንስትዮ መበል 18 ደረጃን ኣብ ቅድድም ኮላሪስ ፎርሚስ ፈሚኒን ከኣ መበል 22 ደረጃ ዝወድኣትሎም ኔሮም።

ደሴት እዚ ሓደጋ ሞት ዘጋጥማ ዘሎ ኣብ ፈረንሳ ኣብ ዝተኻየደ ግራንድ ፕሪ ዱ ሞርቢሃን ፈሚኒን ድሕሪ ምውድዳራ ድሕሪ ሰለስተ ሰሙን'ዩ።

ዝርዝራት ናይ'ቲ ጠንቂ ሕልፈት ህይወታ ዝኾነ ሓደጋ መኪና ክሳብ ሕጂ ኣይተዘርግሑን ክብል ኣብ መርበብ ሓበሬታ ሳይክሊንግቲፕስ.ኮም፡ ቢቢሲን ካልኦትን ዝሰፈረ ዜና ሓቢሩ። 

'ምስ'ቲ ቀጻሊ ፍሽኽትኣ፡ ሕያውነታ፡ ክብራን ዓሚቕ ስምዒት ቅድድም ብሽግለታን፡ ደሴት ኪዳነ ተስፋ ዝነበራ መንእሰይ ተቐዳዳሚት ኔራ። ንቤተሰባ፡ መቕርባን ደቂ ጋንትኣን ኣሰልጠንታን ኣብ'ዚ ከቢድ እዋን ጽንዓት ክረኽቡ ንምነየሎም፡ ብኽብሪ ከኣ ክንዝክራ ኢና' ክብል ሕብረት ቅድድም ብሽግለታ ዓለም ወይ ዩሲኣይ ሰሉስ መግለጺ ኣውጺኡ።

ደሴት ኣብ'ቲ ኣብ ኤውሮጳ ዝመደበሩ መደብ ቅድድም ብሽግለታ ኣብ 2021 ተሳቲፋ ዝተወዳደረት ኮይና ኣብ ሻምፒዮናታት ዓለም ኣብ በልጅምን ኣብ ብዙሓት ዝለዓለ ክብሪ ዝወሃቦም ቅድድማትን፡ ከም በዓል ዙር ደቀንስትዮ በሏስ (Baloise Ladies Tour)ን ቅድድም ቢንቻ-ሺመይ-ቢንቻ (Binche-Chimay-Binche)ን፡ ተወዳዲራ'ያ።

ማእከል ቅድድም ብሽግለታ ዓለም (World Cycling Centre) ሞት ደሴት ብቓላት ክንገልጾ ዘይንኽእል'ዩ ክብል ናይ ሓዘን መልእኽቱ ብመንገዲ ትዊተር ዘርጊሑ።

ትንሳኤ ቅድድም ብሽግለታ ኣፍሪቃ (ኣፍሪካ ራይዚንግ ሳይክሊንግ) 'ደሴት ኪዳነ ፈጺምኪ ኣይክትርስዒን ኢኺ' ዝብል መንእኽቲ ትዊተር ብምዝርጋሕ 'ካልእ ብመኪና ሓደጋ ዓለም ዝኸሰረታ ሓያል ተቐዳዳሚት' ብምባል ገሊጽዋ።

ደቀስንትዮ ቅድድም ብሽግለታ ኣፍሪቃ (ኣፍሪካ ውመን ሳይክሊንግ) ከኣ 'ደሴት፡ ፍሽኽታኽን ናይ ውድድር መንፈስክን ክንናፍቖ ኢና' ብምባል ዝተሰምዐን ሓዘን ገሊጸን።


Share

Published

Updated


Share this with family and friends