ኣብዚ ማእከል ለበዳ ኮሮና ቫይረስ፡ ናይ ብጉጅለ ዝግበር ግጭታት ካብ ቁጽጸ ወጻኢ ከይከውን ብምስጋእ እሱራት ኣብ ሓደ ተጨቓጭቖም ክእሰሩ ሰብ መዚ ኤል-ሳልቫዶር ይገብሩ ኣለዉ።
ብሰራሕተኛታት ቤት ማእሰርቲ እታ ሃገር ዝተዘርግሐ ስእልታት ከምዘመልክቲ፡ ኣማኢት እሱራት ክዳውንቶም ተቐንጢጦም ብሰንሰለት ተተሓሒዞም፡ ብዘይካ ዉሑዳት መሸፈኒ ገጽ ከይወደዩ ኣብ መሬት ሮፍዕ ኢሎም ይረኣዩ።
ኣብዚ እዋን ኮረና ቫይረስ ናይ ብጉጅለ ዝግበር ግጭት እናሳዕረረ ብምኻዱ፡ ናይ ኤል-ሳልቫዶር ፕረሲደንት ናዪብ ቡከለ ኣብዚ ሰሙን ዝምልከቶም ሰራዊትን ፖሊስን 'ቀታሊ ሓይሊ' ኣንጻር ኣባላት ጉጅለ በጋሚዶ ክወስዱ ኣዚዙ ኣሎ።

Only some inmates were given masks to wear during the prison search. Source: El Salvador President Press Office
ኣብታ ናይ ማእከላይ ኣመሪካ ሀገር ዝሓለፈ ዓርቢ 24 ቅትለት ዝተፈጸመ ኮይኑ ሚስተር ቡከለ ኣብ ወርሒ ሰነ ስልጣን ካብዝሕዝ ንነጆ ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝበዝሐ ቅትለት ዝተፈጸመሉ እዩ። እዚ ኩነታት ነቶም ኣባላት ተበኣስቲ ን24 ሰዓታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክጥርነቑ ተወሲኑ።
ብእምነት ሰብ መዚ ብድሕሪቲ ዝተፈጸመ ቅትለታት ብትእዛዝ እዞም ተኣሲሮም እዩ።
ሰንበት ናይ ምሸት ካልኦት ናይ 29 ሰባት ቅትለት ምስሰዓበ ሚስተር ቡከለ ተሪር ስጉምቲ ክወስድ ከምዝተገደደ ይገልጽ፡ እቲ ፕረሲደንት ብተወሳኺ ከምዝገለጾ እዞም ተበኣስቲ ጉጅለታት ነዚ ቀልቢ ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ቃልሲ ኮሮና ቫይረስ ተጸሚዶምሉ ዘለዉዎ እዋን ተጠቒሞም ክብለጹ ስለዝደልዩ እዩ ኢሉ።
ናይ ኤል-ሳልቫዶር ናይ እሱራት ዳይረክተር ኦሲሪስ ሉና መዛ እዩ ነቲ ናይቶም እሱራት ዘለውዎ ኩነታት ዝገልጽ ስእሊ ብትዊተር ዘርጊሕዎ።
"ናብቲ መዳጎኒ ሓንቲ ጸረር ጸሓይውን ኣይት ኣትዎን እያ," ክብል ሚስተር መዛ ጽሒፉ።
ሰብ መዚ ማእሰርቲ ኤል-ሳልቫዶር ከምዝገልጽዎ ኣስታት 12,862 ኣባላት ናይ ጉጅለ ተባኣስቲ ተቐፊዶም ይርከቡ ኣለዉ።