ኣብ ቀብሪ ናይቲ ብ ኣመሪካ ኣብ ባቕዳድ ዝተቐትለ ፍሉጥ ኢራናዊ ጀነራል ብዙሓት ሓዘንተኛታት ብሰንኪ ጽቕጥቅጥ ብምማቶም እቲ ክግበር ተሓሲቡ ዝነበረ ስነ ስርዓት ቀብሪ ናብ ካልእ እዋን ክግበር ተወሲኑ።
"ኣብቲ ስነስርዓት ቀብሪ ዝተሳተፉ ብዙሓት ህይወቶም ሲኢኖምን ቆሲሎምን” ክብል ናይ ኢራን ሓላፊ ኣገልግሎት ህጹጽ ኩነታት፡ ፒርሆሴን ኩሊቫንድ ንመዲያ ገሊጹ።
ወኪል ማዕከን ዜና AFP ካብ ከተማ ከርማን ከምዝገለጾ እታ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ እትርከብ ከተማ ኣዛዚ ሰራዊት ሓለዋ ሰውራ ቓስም ሱሌማኒ ንምቕባር ብ አማኢት ኣሻሓት ሓዘንተኛታት ተጠርኒቓ እያ ዊዒላ።
ልዕሊ 50 ሰባት ዝተቐትሉ ክኾኑከለዉ 212 ሰባት ድማ ብጽቕጥቅጥን ኣራግጽን ተጎዲኦም። ንሰብመዚ እታ ከተማ ተቒሱ ወኪል ዜና ISNA ጸብጺቡ።
ስነ-ስርዓት ቀብሪ ሱሌማኒ ንካልእ ግዜ ምትሕልላፉ እቲ ናይ ኢራን ወኪል ዜና ISNA እንተገለጸኳ ክሳብ መዓስ ከምዝደናገ ግና ኣይገለጸን።

Thousands of Iranians take to the streets to mourn the death of commander of the Quds Force Qasem Soleimani. Source: AAP
ኣብታ ትውልዲ ከተማ ኣዛዚ ሓለዋ ሰውራ ስርሒት ወጻኢ ጀነራል ሱሌማኒ ኣብ ዝኾነት ከተማ ብ አማኢት ኣሻሓት ሃዘንተኛታት ተጠርኒቓ ከምዘላን እዚ ቁጽሪ ምስቲ ኣብ ተሂራን፡ ኩኦም፡ ማሽሃድን አሕቫስን ዝተኣከበ ቁጽሪ ዝመጣጠን ምዃኑ ተሓቢሩ።
እቲ ናይ ኢስላማዊት ሪፑብሊክ ኢራን ኣዚዩ ፍሉጥ ዝኾነ ጀነራል ሶሌማኒ ብዓርቢ እዩ ኣብ ጥቓ መዓርፎ ነፈርቲ ባቕዳድ ብትእዛዝ ዶናልድ ትራምፕ ብ መጥቃዕቲ ኣየር ተቐቲሉ። ድሕርቲ ፍጻመ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ወጥሪ ሰፊኑ፡ ኢራን ድማ ዝግባእ ግብረ መልሲ ከምትህበሉ ፈኪራ ኣላ፡፤
"ጸላኢ ብዘይፍትሃዊ መገዲ ቀቲልዎ ኣሎ," ዝበለ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሓለዋ ሰውራ ሜጀር ጀነራል ሖሴን ሳላሚ፤ " ኣመሪካ ካብዚ ዞባ ትወጸሉ ግዜ ጀሚሩ ኣሎ” ኢሉ።
"መትከልና ጽኑዕ እዩ። ንጸላእትና ድማ ሕነ ከምንፈዲ ነጊርናዮም ኢና። ደጊሞም መጥቃዕቲ እንተፈንዮም ነቲ ዘፍቅርዎ ነገር ኢና ከነንድደሎም፡፤” ብምባል ነቲ ባሕሪ ዝኾነ ሓዘንተኛ ህዝቢ ገሊጹ።
"እቲ ኣነ ዝብሎ ዘለኹ ቦታ ንሶምውን ኣጸቢቖም ይፈልጥዎ እዮም."
ቅትለት ሶሌማኒ ኣብ መንጎ ኢራንን ኣመሪካን ዝጸንሐ ናይ ቃላት ኲናት ናብ ዝለዓለ ደረጃ ኣደይብዎ ኣሎ።

Mourners gather to pay their respects to the slain Soleimani in his hometown. Source: Iran Press
ኣመሪካ ን52 ዒላማታት ከምተጥቅዕ ድሕሪ ምፍርራሓ፡ ፕረሲደንት ሓሳን ሮሓኒ ካብ ተሂራን “ብፍጹም ከይተፈራርሕ” ብምባል ንሚስተር ትራምፕ ኣተንቂቕዎ ።
ድሕሪ ቅትለት ጀነራል ሶሌማኒ ንኹሎም እቶም ኣብ መላእ ዓለም ተዋፊሮም ዘለዉ ሃይልታት ኣመሪካ “ኣሸበርቲ” ብምባል ፖለቲከኛታት ኢራን ብሰሉስ ድምጺ ሂቦም ኣለዉ።
ንሓይልታት ኩድስ ንምጥንኻር $244 ሚሊዮን (200 ሚልዮን euros) ፓርላማ ኢራን አጽዲቑ ኣሎ።
'
እቲ ብዓርቢ ዝተፈጸመ ቅትለት ኣብ ልዕሊ ወዲ 62 ጀነራል ሶሌማኒ፤ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሃድሽ ሓያል ኲናት ከልዕልዩ ዝብል ስግኣት ሰፊኑ ኣሎ።
Image
ኣምሳያ ናይቲ ብናይ ኣመሪካ ድሮናት ዝተቐትለ ዒራቓዊ ኣዛዚ ሰራዊት ኣቡ ማሕዲ አል ማሃንዲስ መንግስቲ ዒራቕ 5,200 ኣመሪካዊያን ሰራዊት ካብታ ዕራቕ ከምዝወጹ ክገብር ፓርላማ ዒራቕ ሓቲቱ ኣሎ።