ኣንጻር ዓሌታዊ ኣድልዎን፡ ጭካነ ፖሊስን ዝቃወም ናዕቢ ሻሙናይ መዓልቱ ሒዝሉ ኣብዘሎ እዋን፡ ነቲ ኩነታት ንምቁጽጻር ፐንታጎን 1,600 ወተሃደራት ኣብ ዞባ ዋሽንግቶን ዲሲ ከምዘዋፈረ ኣፍሊጡ።
ጸሊም ኣመሪካዊ ጆርጅ ፍሎይድ ኣብ ትሕቲ ጨካን ስጉምቲ ፖሊስ ህይወቱ ድሕሪ ምማቱ ንዝቕጽል ዘሎ ቁጥዐ ህዝቢ ንምቁጽጻር ፕረሲደንት ዶናልድ ትራምፕ ብተደጋጋሚ ወተሃደራት ወይ ሃገራዊ ሓለዋ ከዋፍር ምዃኑ ብተደጋጋሚ ክገልጽ ጸኒሑ ኣሎ።
"ኣብ ዋሺንግቶን ዲሲ ዘይኮነ ኣብ ዞባ ዋና ከተማ ንጡፍ ኣባላታ ሰራዊት ዕርዶም ሒዞም ኣለዉ።" ክብል ወሃብ ቃል ፐንታጎን ጆናታን ራዝ ሆፍማን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።
ንሱ ከምዝገለጾ እቶም ወተሃደራት ኣብ "ዝለዓለ ተጠንቀቕ" እዮም ዝርከቡ እንተኾነ "ነቶም ንስርሒታት ሲቪላዊ ሰብመዚ ዝድግፉ ኣብ ምቅዋም ኣይኮነን ዘሎ።"
ኣብ ዋና ከተማ ኣመሪካ ዝተኣከቡ ኣሻሓት ተቓወምቲ "ስቕታ ዓመጽ እዩ" ከምኡውን "ፍትሒ እንተዘየለ ሰላም የለን" ኢሎም ይጭርሑ ኣለዉ።
ኣብ ዋሽንግቶን ዲሲ ነቲ ተነቢሩ ዘሎ ማዕቀብ ንምጽናዕ ወተሃደራት ከምዘዋፍር ቃል ኣትዩ ኔሩ። እቲ ቅድሚ ሕጂ ዘይተራእየ ብዝሒ ተሳተፍቲ ዝተራእየሉ ተቓዉሞ ዝተባህለሉ፡ ተቓወምቲ ከይተዓግቱ ናብ ዋይት ሃውስ ክቐርቡ ተራእዮም።
እቶም ኣብቲ ሰላማዊ ተቓዉሞ ዝሳተፉ ዘለዉ ነቲ ናይ ሰዓት 7 ሕላፍ ሰዓት እንተኣኸለዉን ካብ ምቕጻል ድሕር ዝብሉ ኮይኖም ኣይተረኽቡን። እቲ ፕረሲደንት እንተኣጠንቀቐኳ፡ ተቓወምቲ ኣብተቓዉሞ ዝሓድሩዮም ዝመስሉ።
ብሰሉስ ኣብ ከም ከተማታት ሎስ ኣንጀልስ፡ ዋሽንግቶንን ፊላደልፊያ ብዙሕ ህዝቢ ዝተሳተፎ ሰላማዊ ሰልፊ ተጌሩ እዩ።
ኣብ ኒው ዮርክ ኣሻሓት ሰባት ክሳብ '86th Street' ብ ኣማኢት ዝቑጸኡ ፖሊስ ብመኪናን ብእግርን እናሰዓብዎም መሪሾም። ብሰሉስ ፕረሲደንት ዶናልድ ትራምፕ ከምዘፍለጦ ነቲ ዝባራዕ፡ ስርቂን ዕንወት ገዛውቲን ደው ንምባል ሃገራዊ ሓለዋ ክዋፈር ጸዊዑ ኔሩ።
ኣብታ ናይ ፍሎይድ ናይ ዉልደት ከተማኡ ዝኾነት ህዩስተን፡ ብ ኣዕሩኽን ስድራቤት ጆርጅ ፍሎይድ ዝተወደበ ኣሻሓት ሰባት ዝተሳተፍዎ ሰልፊ ተጌሩ። ኣብት ናይ ሆሊዉድ ጽርግያታት ናይ ሎስ ኣንጀልስ ኣማኢት ሰባት ነቲ ጽርግያታት መሊኦሞ ኣምስዮም።
እዚ ናይ ተቓዉሞ ሰልፊ እናተሓደሰን እናገደደን እንተኸደኳ እቲ ፕረሲደንት ግና እቲ ብፖሊስን ወተሃደራትን ዝተወስደ ስጉምቲ ዕዉትዩ ኢሉ።
"ትማሊ ለይቲ ዲሲ ጸገም ኣይነበራን፡ ብዙሓት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ። ብኹሎም ጽቡቕ ስራሕ እዩ ተሰሪሑ," ክብል ብትዊተር ጽሒፉ።
"ካብ መጠን ንላዕሊ ሓይሉ፡ ዓብላልነት ዝመልኦ። ብተመሳሳሊ ኣብ ሚንያፖሊስውን ጽቡቕዩ ኔሩ (የቐንየልና ፕረሲደንት ትራምፕ!)."
በዓልቲ ቤት እቲ ፕረሲደንት መላኒያ ትራምፕ ብወገና ህዝቢ ነቲ ሕጊ ሰዓት ሕላፍ ከኽብርን ን 'ሕውየትን ሰላምን' ኣብ ትዊተር ብምጽሓፍ ጸዊዓ።
"መሬት እናመሰየ ንኹሎ ዜጋታት ክጽውዖ ዝደሊ ነቲ ሰዓት እቶ እቶ ከኽብሩን ጽርግያታት ነጻ ኮይኑ ናብ ዉሽጢ ኣትዮም ምስ ስድራኦም ግዜ ከሕልፉን እጽውዕ።" ክትብል ብትዊተር ጽሒፋ።
"ኩለን ከተማታት ማሕበረሰባትን ዜጋታትን ድሕነቶም ክሕሎን ይግባእዩ፡ እዚ ዝኸውን ኩላትና ሓቢርና ን ሕውየትን ሰላምን ምስንሰርሕ እዩ።" ኢላ
ሚስተር ትራምፕ ሰራዊት ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ክዋፈር ጸዊዑ፡ ኣብ ካል እ ከባቢታት ድማ ፖሊስ ምስ ሰልፈኛታት ተጋጭዮም ሓሙሽተ ኣባላት ፖሊስ ተተኩስሎም ቆሲሎም ኣለዉ።
ብሰኑይ ሰልፈኛታት ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ናይ ስቶራት መስኮት እናሰበሩ ኣብ ስርቂ ዝተዋፈሩ ኣብ ሎስ ኣንጀልስ ድማ ሓዊ ምቕጻል ቀጺሉ።
ኣብ ሴን ሉዊስ ሙሱሪ ኣርባዕተ ኣባላት ፖሊስ ብዝተተኮሰሎም ቆሲሎም። ሓደ ኣብ ላስ ቬጋስ ብጽኑዕ ከምዝቖሰለ ሰብ መዚ ብሰሉስ ገሊጾም።
ሚስተር ትራምፕ ን ኣመሓደራቲ ክፍላተ ግዝኣት ወሲኹ ኩሎም ሰብ መዚ ሰራዊት ከዋፍሩ ጸዊዑ።
"ኒው ዮርክ ሲቲ ንሃገራዊ ሓለዋ ኣዋፍሪ! እቶም ድርቡያትን ዝነደዩን የጽንቱኹ ኣለዉ፡ ህጹጽ ስጉምቲ ውሰዲ!" ክብል ሚስተር ትራምፕ ብሰሉስ ብትዊተር ጽሒፉ።
ናይ ኒው ዮርክ ጋቨርነር ኣንድሪው ኩሞ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ኣመሪካ ተኸሲቱ ዘሎ ቁጥዐ ብምድጋፍ ከንቲባን ሓይሊ ፖሊስን "ትማሊ ምሸት ስርሖም ብዝግባእ ኣይሰርሑን" ኢሉ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣብ ሉዮስቪል ከንታኪ ብ ፖሊስ ዝተተኮሰሉ ወናኒ ፍሉጥ ናይ ባርቢኲ ቦታ ናብ ኡ ገጾም ዝመጹ ዝነበሩ ኣባላት ፖሊስ ብጥይት ተኲስሎም፥ ክብል ናይታ ከተማ ኣዛዚ ፖሊስ ገሊጹ።
ተጸዋዒ ኣዛዚ ፖሊስ ሮበርት ስችሎይደር ከምዝገለጾ ናይ ሰኲሪቲ ካመራ ከምዝሕብሮ ኣባላት ፖሊስ ነቲ እኩብ ህዝቢ ንምብታን እናመጹ ደቪድ ማካቲ ተኲስሎም።

Demonstrators kneel in Los Angeles during a protest over the death of George Floyd. Source: AP
ሚስተር ስችሮልደር ብተወሳኺ ንግልጽነት ክበሃል ፖሊስ ነቲ ቪድዮ ዘርጊሕዎ ኢሉ።
"ንምንታይ ተኩሱ? ፖሊስ ኣብቲ እዋን ኣበይ ኔሩ ዝብብሉን ካልእን ንኹሉ ሕቶ ዝምልስ ኣይተረኽቦን" ክብል ብሰሉስ ገሊጹ።
ኣብቲ ናይ ሚስተር ማካቲ ምትኳስ ዝተሳተፉ ኣባላት ፖሊስ ሎስቪለ ኣብቲ እዋን ምትዃስ ነቲ ኣብ ነፍሶም ዘሎ ካመራ ብዘይምውልዖም ሓለቓ ፖሊስ ናይቲ ከተማ ካብ ስርሑ ተባሪሩ።
እቲ ኣብ መላእ ኣመሪካን ኣብ ካልእ ክፋል ዓለምን ልሒሙ ዘሎ ተቓዉሞታት፡ ወዲ 46 ዓመት ጸሊም ኣመሪካዊ ጆርጅ ፍሎይድ ብ 25 ግንቦት ብጻዕዳ ፖሊስ ኣብ ክሳዱ ን ኣስታት ትሽዓተ ደቓይቕ ብብርኩ ረጊጹ ሞት ምስ ኣስዓበሉ ዝተላዕለ ናዕቢታት እዩ።

Demonstrators run from tear gas used by police to clear the street near the White House in Washington, Monday, 1 June, 2020. Source: AAP
እቲ ወዲ 44 ናይ ሚኒኣይፖሊስ ኣባል ፖሊስ ዝኾነ ደረክ ቻኡቪን ብሳልሳይ ደረጃ ቅትለትን ብካል ኣይ ደረጃ ናብ ቅትለት ዘምርሕ ተግባርን ተኸሲሱ ኣሎ።
እቶም ኣብቲ ፍጻመ ዝነበሩ ሰለስተ ኣባላት ፖሊስ ግና ክሲ ኣይተመስረተሎምን።