ኣመሪካ መዓልታዊ ልዕሊ 50,000 ሓደሽቲ ብኮሮና ቫይረስ ይልከፍዋ፡ ዶናልድ ትራምፕ እቲ ቫይረስ ክጠፍእዩ ይብል።

ብዓለም ደረጃ መልከፍቲ ብኮሮና ቫይረስ እናወሰኸ ኣብዝኸደሉ ዘሎ አዋን ናይ ዉድብ ጥዕና ዓለም ሓለቓ ተድሮስ ኣድሓኖም መዓልታዊ ልዕሊ 160,000 ሓደሽቲ ተለኸፍቲ ይርከቡ ከምዘለዉ ገሊጹ።

Coronavirus US

Source: AFP

ኣብ ኣመሪካ ሓደሽቲ ብኮሮና ዝልከፉ ሰባት መዓልታዊ ልዕሊ 50,000 ክኸውን ጀሚሩ ኣሎ። ዉድብ ጥዕና ዓለም ብወገኑ፡ ዓለማዊ ለበዳ ይጋደድ ከምዘሎ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ብሰንኪ እቲ ካብ ዓለም ብዝኸፍ አ ዝላባዕ ዘሎ ቫይረስ ካብ ካሊፎርኒያ ክሳብ ኣብያተ መግቢ፡ ባራትን ገማግም ባሕሪን ተዓጽዮም ኣለዉ። 

ኣብ መላእ ዓለም ለበዳ እቲ ቫይረስ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ዝኸፍ አ ብራኸ ከምዝደየበ ናይ WHO ሓለቓ ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብ ሓደ መዓልቲ ጥራይ  "160,000 " ሓደሽቲ ከምተለኽፉ ገሊጹ ኣሎ።
US President Donald Trump said he hoped the coronavirus would disappear.
رییس جمهور ترامپ گفت که او امیدوار است ویروس کرونا ناپدید شود. Source: The New York Times
እዚ ሕማቕ ኣንፈት ዝግለጽ ዘሎ ሕብረት ኣውሮጳ ንነበርቲ ኣመሪካ፡ ብራዚልን ራሻን ናብ ዶባቱ ከይጽጽግዑ ኣብቲ ናብቲ ምትእኽኻብ ክ ኣትዉ ዝተፈቕደሎም ዝርዝር ካል ኦት ሃገራት ዘውጽ አን ኮይነን ኣለዋ።

ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት ልዕሊ 52,000 ሓደሽቲ ብCOVID-19 ተለኺፎም ከምዘለዉ ሓበሬታ  Johns Hopkins University የመልክት። ብዙሓት ግዝ ኣታት ኣመሪካ በጻሕቲ ናይ 14 መዓልታት ውሸባ ክገብሩ መምርሒ ኣውጼአን ኣለዋ።

ካሊፎርኒያ ኣብ ዉሽጢ ኣብያተ መግቢ ናይ ለስ ኣንጀልስን ብዙሓት ከባቢታትን ምጥቃም ዝኸልከለት ኮይና፡ ኒው ዮርክውን ካብዝመጽእ ሰሙን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ክትወስድ እያ።

ፕረሲደንት ዶናልድ ትራምፕ ግና እቲ ተላጋቢ ሕማም "ሓደ መዓልቲ ክጎሓፍዩ" ኢሉ ይኣምን።

እቲ ናይ ኣመሪካ መራሒ ዛጊት መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ወድዩ ዘይተራእየ ኮይኑ፥ ነዚ ምግባር "ጸገም የብሉን" ይብል።

ሕብረት ኣውሮጳ ነቲ እገዳ የፍኩሶ

ሕብረት ኣውሮጳ ካብ 15 ሃገራት ንዝመጹ ኣጋይሽ ዶባቱ ከፊቱ ኣሎ።

እቲ ምትእኽኻብ ካብ ኣልጀሪያ ክሳብ ኡራጉዋይ ዝርከቡ ሃገራት ንዝርከቡ ዜጋታት መጺኦም ቁጠባ እተን ኣባላት ሃገራት ከበራብሩ ይጽበዩ።

ካብታ ፈለማ እቲ ቫይረስ ዝተራእየላ ቻይና ናብ ሕብረት ኣውሮጳ ንኽመጹ ብቐዳምነት በይጂንግ ንሕብረት ኣውሮጳ ክትከፍት ተሓቲቱ ኣሎ።
እታ በዚ ቫይረስ ብምልካፍ ብኻልኣይ ደረጃ ትስራዕ ብራዚል'ውን ዜጋታት ናብ ሕብረት ኣውሮጳ ከይኣትዉ ተኸልኪሎም ኣለዉ።

ኣብታ ሃገር 60,000 በቲ ቫይረስ ዝበጽሀ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት ኣብ ብራዚል 1,000 ሞት ምስ ኣጋጠመ እዩ።

እዚኮይኑ፡ኣብ መላእ ዓለም  ልዕሊ 10 ሚሊዮን በዚ ቫይረስ ዝተለኽፉን  ልዕሊ 500,000 ሞት ዘስዓበ ለበዳ "ዘብቅዓሉ እዋን ገና ምዃኑ  WHO ኣጠንቂቑ ኣሎ።

በቲ ናይ ዉሕሃ ትካል ጥዕና ዝኾነ ዝወጸ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ ኣብ ሓደ መዓልቲ ብሰነ 28, ጥራይ ልዕሊ 189,500 ሓደሽቲ መልከፍቲ ተራእዩ ኣሎ።
ብመሰረት ዉሕሃ ኮሮና ቫይረስ ንዓለማዊ ትሩዚም ካብ $1.2 ክሳብ $3.3 ትሪሊዮን ኣታዊ ክሰኣንዩ።

ግሪክ ትሕቲ  200 በዚ ቫይረስ ዝሞትዋ እንተኾነትኳ ብሰንኪ ምዕጻውን ምእጋድን ጽላት ትሩዚማ ተሃስዩ እዩ።


 

 

  • ኣብ ኣውስትራልያ ሰባት ብውሑዱ 1.5 ሜትሮ ካብ ካልኦት ክርሕቁ ኣለዎም። ደረታት ብዝሒ ኣብ ምትእኽኻባት መምርሒታት ግዝኣትኩም ተወከሱ።
  • መርመራ ንኮሮናቫይረስ ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ኣብ መላእ ኣውስትራልያ ብሰፊሑ ተቐሪቡ’ሎ። ምልክታት ጉንፋዕ ወይ ፍሉ/ኢንፍሉወንዛ ይስመዓኩም እንተሃልዩ ቆጸራ መርመራ ክትሕዙ ኣብዶክተርኩምደውሉወይከኣሃገራዊሓበሬታጥዕናኮሮናቫይረስዝህብ Coronavirus Health Information Hotline ብቁጽሪ 1800 020 080 ደውሉ።
  • ናይ ፈደራል መንግስቲ ኮሮናቫይረስ መከታተሊ ኣፕ፡ ኮቪድሰይፍ፡ ካብ ናይ ሞባይልኩም መኽዘን ኣፕ (ኣፕ ስቶር) ንኽትጽዕንዎ ተቐሪብልኩም ኣሎ።
  • ኤስቢኤስ ንዝተፈላለዩ ማሕበረሰባት ኣውስትራልያ ብዛዕባ እዋናዊ ምዕባለታት ለበዳ ኮቪድ-19 ሓበሬታ ኣብ ምሃብ ተጸሚዱ ኣሎ።  ዜናታትን ሓበሬታታትን ብ63 ቋንቋታት ኣብ’ዚ ኣለኩም 
 


Share
Published 3 July 2020 4:46pm
Source: AFP, SBS


Share this with family and friends