ዶናልድ ትራምፕ ንኣዋርሕ ዝኣክል ግምታዊ ሓበሬታ ክወሃብ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ 2024 እንደገና ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ፕሬዝዳንት ክኸውን ክወዳደር ምዃኑ ኣፍሊጡ ኣሎ ።
እቲ ፕረዚደንት ነበር ፡ ሰሉስ ምሸት ኣብ መንበሪኡ ማር-ኣ-ላጎ ኣብ ዘስመዖ መደረ'ዩ ፡ ብግልጺ ከም ዝወዳደር ኣፍሊጡ ።
እዚ ዝመጸ፡ ድሕሪ እቶም በቲ ናይ ቀደም ፕረዚደንት ተቐባልነት ዝረኸቡ ሓያሎ ሪፓብሊካዊያን ሕጹያት ኣብ ናይ መፋርቕ እዋን ምርጫ ምስ ተሳዕሩ እዩ ።
ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ካብ 20 ጥሪ 2017 ክሳዕ 20 ጥሪ21 ፕረዚደንት ኰይኑ ድሕሪ ምግልጋል ፡ ንኻል ኣይ እዋን ተወዳዲሩ በዚ ሕጂ ዘሎ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ተሳዒሩ ። ብድሕር'ዚ እቲ ዝተገብረ ምርጫ ምትላል ከም ዘለዎ ብምግላጽ ፡ ነቲ ውጽኢት ንምስራዝ ከኣ ወፍሪ ጀሚሩ ኔርሩ ።ዶናልድ ትራምፕ ስልጣን ብዘይግቡእ ብምጥቃምን ዕግርግር ንኽፍጠር ብምጉስጓስን ክሲ ናይ ፈለማ ክሲ ዝቐረበሉ ፕረሲደንት እዩ።