Breaking

ዶናልድ ትራምፕ ኣብ 2024 ዝግበር ፕረሲደንታዊ ምርጫ ኣመሪካ ከምዝወዳደር ኣፍሊጡ።

እቲ ፕረዚደንት ድሕሪ ናይ ኣዋርሕ ጥርጣረታት ፡ ኣብ 2024 ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ፡ ኣባል ሪፓብሊካን ብምዃን ፕረሲደንት ክኸውን ከም ዝወዳደር ብወግዒ ኣፍሊጡ ኣሎ ።

Donald Trump speaking at podium with United States flags in background.

Donald Trump has announced his candidacy for the United States presidential election in 2024. Source: Getty / Joe Raedle

ዶናልድ ትራምፕ ንኣዋርሕ ዝኣክል ግምታዊ ሓበሬታ ክወሃብ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ 2024 እንደገና ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ፕሬዝዳንት ክኸውን ክወዳደር ምዃኑ ኣፍሊጡ ኣሎ ።
እቲ ፕረዚደንት ነበር ፡ ሰሉስ ምሸት ኣብ መንበሪኡ ማር-ኣ-ላጎ ኣብ ዘስመዖ መደረ'ዩ ፡ ብግልጺ ከም ዝወዳደር ኣፍሊጡ ።
እዚ ዝመጸ፡ ድሕሪ እቶም በቲ ናይ ቀደም ፕረዚደንት ተቐባልነት ዝረኸቡ ሓያሎ ሪፓብሊካዊያን ሕጹያት ኣብ ናይ መፋርቕ እዋን ምርጫ ምስ ተሳዕሩ እዩ ።
ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ካብ 20 ጥሪ 2017 ክሳዕ 20 ጥሪ21 ፕረዚደንት ኰይኑ ድሕሪ ምግልጋል ፡ ንኻል ኣይ እዋን ተወዳዲሩ በዚ ሕጂ ዘሎ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ተሳዒሩ ። ብድሕር'ዚ እቲ ዝተገብረ ምርጫ ምትላል ከም ዘለዎ ብምግላጽ ፡ ነቲ ውጽኢት ንምስራዝ ከኣ ወፍሪ ጀሚሩ ኔርሩ ።ዶናልድ ትራምፕ ስልጣን ብዘይግቡእ ብምጥቃምን ዕግርግር ንኽፍጠር ብምጉስጓስን ክሲ ናይ ፈለማ ክሲ ዝቐረበሉ ፕረሲደንት እዩ።



Share
Published 16 November 2022 2:42pm
By Jessica Bahr
Source: SBS


Share this with family and friends