Breaking

ዶናልድ ትራምፕ መበል ሳልሳይ ፕረሲደንት ኣመሪካ ብገበን ምጥሓስ ብ ወከልቲ ህዝቢ ዝተኸሰ (impeached) ፕረሲደንት ኮይኒ።

ናይ ኣመሪካ ፕረሲደንት ዶናልድ ትራምፕ ብወከልቲ ህዝቢ ገበነኛ ብምዃን ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ መበል ሳልሳይ ሰብ ኮይኑ።

President Donald Trump speaks during a campaign rally at Kellogg Arena, Wednesday, Dec. 18, 2019, in Battle Creek, Mich. (AP Photo/ Evan Vucci)

Donald Trump has become the third US president to be impeached. Source: AAP

ብኣፈኛ ናንሲ ፖለሲ  ዝምራሕ ናይ ሰልፊ ደሞካት ዝዕብልሎ ወከልቲ ህዝቢ ኣመሪካ ኣብቲ ቀዳማይ ዓንቀጽ ናይቲ ፕረሲደንት ስልጣኑ ተጠቒሙ ገበን ሰሪሑ ብዝብል ገበነኛ ዘግብር ድምጺ ክህዝቡ ዊዒሎም።  

ሚስተር ትራምፕ ስልጣን መንግስቲ ንውልቁ ብምውዓልን ብምዕጋት መስርሕ ኮንግረስን እዩ ተኸሲሱ ዘሎ።

ድሕርዚ ጉዳይ ሚስተር ትራምፕ ኣብ ወርሒ ጥሪ ናብ ሰነት ክሓልፍ እዩ። ኣብ ሰኔት ሰልፊ ሪፑብሊካዊያን  53-47 ዓብለልቲ መናብር ዘለዉዎ እዩ።
Speaker of the House Nancy Pelosi walks into the chamber where the Democrat-controlled House of Representatives just voted to impeach President Donald Trump.
Speaker of the House Nancy Pelosi walks into the chamber where the Democrat-controlled House of Representatives just voted to impeach President Donald Trump. Source: AP
ኣብኡ ናይ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዳኛ ጆን ሮበርትስ እዩ ነቲ መጋባኣያ ክዳንዮ፡ 

እቲ ፕረሲደንት ካብ ስልጣኑ ንኸልግስ ኣብ ሰኔት 2 ሲሶ ደገፍ ክርከብ ኣለዎ። ስለዚ ሪፖብሊካዊያን እንተዘይተሓሓቢብሮም እቲ ፕረሲደንት ካብ ስልጣኑ ክእለ ኣይክእልን እዩ፡፤
ሚስተር ትራምፕ ዝኽሰሰሉ ዘሎ ጉዳይ ነቲ ኣብ 2020 ዝግበር ምርጫ መናሓንሕቱ ዝኾነ ደሞክራት ጆ ባይደን ንምጽላም ምስ ወዱ ዝተገብረ ጉዳይ ዩክሬን ናይ ብልሽውና ገበን ብሓይሊ ከተቕርብ ብምግዳድ ነታ ሃገር ክወሃብ ዝተሃስበ ናይ ገንዘብ ከምዝደናገ ብምግባሩ እዩ። 

እቲ ፕረሲደንት ብተወሳኺ ምስቲ ዝኽሰሰሉ ዘሎ ጉዳይ ኣብ ኮንግረስ እቲ መስርሕ ንኸይካየድ ክተሓባበር ፍቓደኛ ብዘይምዃኑን እዩ፡፤

ሎሚ እቲ ድምጺ ኣብዝወሃበሉ ዝነበረ እቲ ፕረሲደንት ዘለዎ ፍርሕን ምንጽርጻርን ዘንጸባርኽ ናይ ትዊተር መልእኽቲታት ክፍኑ እዩ ዊዒሉ።

"Can you believe that I will be impeached today by the Radical Left, Do Nothing Democrats, AND I DID NOTHING WRONG! A terrible thing," ዝብል ሓደ ካብቲ ብትዊተር ዝሰደዶ መልእኽቲ እዩ፡፤
Donald Trump lands in Michigan, set to attend a campaign rally while the House voted on his impeachment.
Donald Trump lands in Michigan, set to attend a campaign rally while the House voted on his impeachment. Source: AP



Share
Published 19 December 2019 1:00pm
Updated 19 December 2019 6:35pm
Source: AFP, SBS


Share this with family and friends