ብ ኣባላት ሰልፊ ደሞክራትስ ዝዕብለል ወከልቲ ህዝቢ ኣብዝተገብረ ምሃብ ድምጺ 232 ብ 197 ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ታሪኽ ፕረሲደንትታት ኣመሪካ ናይ ፈለማ ንኻልኣይ ግዜ ዝኽሰስ ፕረሲደንት ኮይኑ።
ዓሰርተ ተወከልቲ ሪፖብሊካዊያን ምስ ደሞክራሲያዊያን ብምሕባር ዶናልድ ትራምፕ ብገበን ክኽሰሰ ብዓብላሊ ድምጺ ወሲኖም።
ዝሓለፈ ሰሙን ደገፍቲ ትራምፕ ነቲ ወከልቲ ህዝቢ ዝርከብዎ ህንጻ ካፒቶል ብምውራር ዕንወትን ቅትለትን ፈጺሞም፡ በቲ እቲ ፕረሲደንት ዘይተቐበሎን ዘናሽዎን ህዝባዊ ምርጫ ስዒቦም መሰረት ብዘይብሉ ድምጺ ተሰሪቑ፡ ዝምሩጽ ባይደን ከም ሕጋዊ ምሩጽ ኣይንቕበሎን፡ ሕጋዊ ፕረሲደንትና ትራምፕ እዩ ክብሉ ተሰሚዖም።
እቲ ወከልቲ ህዝቢ ብሓንቲ ንጽል ዓንቀጽ፡ እቲ ፕረሲደንት ዕግርግር ንኽፍጸም ኣለዓዒሉ ብዝብል ብገበን ክኽሰስ ወሲኖም ኣለዉ።

The US House of Representatives debates the second impeachment of President Donald Trump. Source: US House of Representatives