Breaking

ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ ንኻልኣይ እዋን ብገበን ተኸሳሲ (impeached) ፕረሲደንት ኮይኑ።

ባይቶ ኣመሪካ ብሓንቲ ንጽል ዓንቀጽ ክሲ፡ ሓደ ሰሙን ድሕርቲ ዕግርግርን ቅትለት ዘስዓበ ወረራ ካፒቶልን ክፍጸም ብምልዕዓል ክኽሰስ እዩ።

Donald Trump will become the first US president to be impeached twice.

Donald Trump will become the first US president to be impeached twice. Source: AAP

ብ ኣባላት ሰልፊ ደሞክራትስ ዝዕብለል ወከልቲ ህዝቢ ኣብዝተገብረ ምሃብ ድምጺ 232 ብ 197 ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ታሪኽ ፕረሲደንትታት ኣመሪካ ናይ ፈለማ ንኻልኣይ ግዜ ዝኽሰስ ፕረሲደንት ኮይኑ።

ዓሰርተ ተወከልቲ ሪፖብሊካዊያን ምስ ደሞክራሲያዊያን ብምሕባር ዶናልድ ትራምፕ ብገበን ክኽሰሰ ብዓብላሊ ድምጺ ወሲኖም።

ዝሓለፈ ሰሙን ደገፍቲ ትራምፕ ነቲ ወከልቲ ህዝቢ ዝርከብዎ ህንጻ ካፒቶል ብምውራር ዕንወትን ቅትለትን ፈጺሞም፡ በቲ እቲ ፕረሲደንት ዘይተቐበሎን ዘናሽዎን ህዝባዊ ምርጫ ስዒቦም መሰረት ብዘይብሉ ድምጺ ተሰሪቑ፡ ዝምሩጽ ባይደን ከም ሕጋዊ ምሩጽ ኣይንቕበሎን፡ ሕጋዊ ፕረሲደንትና ትራምፕ እዩ ክብሉ ተሰሚዖም።

እቲ ወከልቲ ህዝቢ ብሓንቲ ንጽል ዓንቀጽ፡ እቲ ፕረሲደንት ዕግርግር ንኽፍጸም ኣለዓዒሉ ብዝብል ብገበን ክኽሰስ ወሲኖም ኣለዉ።
The US House of Representatives debates the second impeachment of President Donald Trump.
The US House of Representatives debates the second impeachment of President Donald Trump. Source: US House of Representatives



Share
Published 14 January 2021 9:46am
Source: Reuters, SBS


Share this with family and friends