ኣብዚ እዋን መሸፈኒ ክጥቀም ዘድልዮ መን'ዩ?
ኣብዚ እዋን፡ ዝኾነ ይኹን ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፈን በቲ ቫይረስ ክልከፍ ልዑል ተኽእሎ ዘለዎም ሰባትን መተንፈሲ ኣካሎም ሸፊኖም ክኸዱ ኪኢላታት ይመኽሩ።
ኣብዝሓለፉ 14 መዓልታት ኣብ ቻይና እንተኔርካሞ ከም ረስኒ፡ ምስዓል፡ ጎሮርኻ ዘሕምመካ እንተሎን ናይ ምትንፋስ ሕጽረት የጋጥመካ እንተሎን፡ ናብ ካልእ ሰብ ሕማም ንዘይምምሕልላፍ ኣፍን ኣፍንጫን ብመሸፈኒ ክሽፈንን ናብ ሓኪምካ ከይድካ መርመራ ምግባርን ኪኢላታት ይመኽሩ።
እቶም ንብኮሮናቫይረስ ዝጥርጠሩ ሰባት ዝምርምሩ ኪኢላታት ሕክምና ገዛእ ርእሶም ካብቲ ቫይረስ ንምክልኻል ክሽፈኑ ይግባእ።
ብሓፈሻ ንኹሉ ሰብ እቶም ኪኢላታት ዝመኽርዎ ምኽሪ ኣብዚ እዋን መሸፈኒ ምግዛእ ምጉያይ ኣየድልን እዩ።
ናይ RACGP ፕረሲደንት Dr Harry Nespolon ን The Feed ከምዝሓበሮ ብሓፈሻ አኣብዚ እዋን ሰባት ክወድይዎ እንተዘይደሊዮም ምጉያይ ኣየድልን እዩ።
"ኣብዚ እዋን ዘሎ ምኽሪ፡ ናብ ጽርግያታት ብምዝዋር ኮሮናቫይረስ ኣይሕዘካን እዩ፡ ጥቓ እቶም ከምዚ ዝተጠቕሰ ምልክታት ዘለዎምን ኣብዝሓለፈ 14 መዓልታት ቻይና በጺሖም ዝመጹ እሞ ኣብ ልዑል ሓደጋ ዘለው ሰባት እንተዘይቀሪብካ ዘስግእ የለን።"
ንሱ ብምውሳኽ "ኣዚዩ ጥዕና ዝስመዓካ እንተሊዩ ንቡር ህይወትካ ምግባር ቀጽሎ።"
እንተድሊዩ፡ እንታይ ዓይነት መሸፈኒዩ ካብ ኮሮናቫይረስ ዝከላኸለልካ?
ማስክ ክገዝኡ ንዝደሊዩ ምስኩነታት ዝኸይድ መሸፈኒ ምግዛእ ኣድላዪ ይኸውን።
ንኣብ እዋን መጥባሕቲ ሕክምና ዝጥቀምሉን P2 ማስክን ( N95 masks ንሓንሳብ ይበሃልዩ) ካብ ምምሕልላፍ ኮሮናቫይረስ ይክላኸሉ እዮም። ምናልባት P2 mask ኣብ ኣፍንጫን ኣፍን ጥብቕ ስለዝብል ስምብራት ኣብ ገጽ የትርፍ እዩ።
ኮሮናቫይረስ ከይላባዕ እቲ ዝበለጸ መገዲ ምክልኻል እንታይ እዩ?
እቲ ዝደሓረ ሓበሬታ ምክልኻል ኣብዚ ናይ ደፓርትመንት ጥዕና መርበብ ሓበሬታ ወጺኡ ዘሎ ሓበሬታ ምርካብ ይከኣል አዩ
ብመሰረት ምኽሪ እቲ ደፓርትመንት ብቐጻሊ ኣእዳው ምሕጻብ፡ ክትስ ዕል ወይ እንጥሾ ክትብልከለኻ ኣፍካ ምሽፋን፡ ምስ ናይ በረኻ ይኹን ናይ ሕርሻ እንስሳታት ዘይምትንኻፍ።
"እቶም ብ ቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ወይውን ናይ ቫይረስ ምልክታት ዘለዎም ከምቲ ዓመታዊ ንህቦ ምኽሪ ክስ ዕቡ ኣለዎም " ብምባል Dr Nespolon ን The Feed. ይገልጽ፡
"እዚ ድማ፡ ኣብትስዕለሉ እዋን ተሸፈን፡ ፊጥ ንምባል መመሊስካ ኣፍንጫኻ ትሕዝ እንተኾይንካ ድሕሪ ኣፍንጫኻ ምሓዝ ኢድካ ተሓጸብ።"
"ሓዲሽ ቲሹ (መጸራረዪ ናይ ወረቐት መሃረብ) ተጠቅም፡ ነቲ ፊጥ ዝበልካሉ ኣብ ናይ ጎሓፍ ገንኢ ኣእትዎ። አንተሓሚምካ ካብ ገዛኻ ኣይትውጻእ ንኻልኦት ከይትልክም።"
"ኩሉዚታት ብዛዕባ ሓላፍነት ክስመዓካ ምግባር እዩ፡ ስለዚ ኣብ ሓደጋ ከምዘለኻ ኮይኑ እንተተሰሚዑካ ናብ ሓኪምካ ኪድ።"