‘ምክፍፋል፡ ጽልእን ፍርሕን’: ማሕበረ ሰብ እስላም፡ ንምውሳኽ ብዝሒ ኮሮና ቫይረስ ጠንቂ ተጌሮም ምውሳዶም የተሓሳስቦም።

ኣብዚ ቅሩብ እዋን ኣብ መዲያ ዝግለጽ ዘሎ ብዝሒ ኮሮና ቫይረስ ኣብቲ ማሕበረ ሰብ እስላም ተራእዩ ዝበሃል ጭቡጥ መረዳእታ የብሉን ክብክ እስላማዊ ባይቶ ቪክቶሪያ ገሊጹ።

Paramedics perform COVID19 tests in Broadmeadows, Victoria.

Paramedics perform COVID19 tests in Broadmeadows, Victoria. Source: AAP

ኣብዚ ቅሩብ እዋን ብመዲያ ዝግለጽ ዘሎ ነገር “ከፋፋሊ፡ ጽልኢን ፍርሒን” ዝፈጥርን ፍትሃዊ ብዘይኮነ ነገር ነቲ ኣብ መልበርን ተኸሲቱ ዘሎ ብዝሒ መልከፍቲ ኮሮናቫይረ ን ኣስላም ተሓታቲ ዝገብር ምዃኑ ኢስላማዊ ባይቶ ቪክቶሪያ  (ICV)ገሊጹ።
ናይ ሀራልድ ሳን ጋዜጠኛ ኣንድሪው ቦልትን ናይ Sky News ተንታኒት ፐታ ክረድሊን ገለ ካብዞም ኣብ መዲያ ኣብዝሓለፉ መዓልታት ነዚ ዝውስኽ ዘሎ መልከፍቲ ቫይረስ ጠንቁ ሕብረ-ብዙሕ ባህሊ ማሕበረሰባት ጌሮም የቕርብዎ ኣለዉ።

ናይ ICV ምክትል ፕረሲደንት ኣደል ሳልማን ከምዝገልጾ ነዚ ተኸሲቱ ዘሎ ብዝሒ መልከፍቲ ጠንቁ እስላም ምዃኖም ዝገልጽ መርትዖ የለን እንተኾነ ገለ መዲያታት ነዚ ዘይጭቡጥ ወረ ከምበድብዶኦ ይረኣያ ኣለዋ።

“እዚ ብፍጹም ዘይፍትሓዊ እዩ፡ መርትዖ የለን ኣይሕግዝን ድማ እዩ።  ድሕነትና ንምሕላው ኣይሕግዘናን እዩ፡ ነቲ ጸገምውን ኣይፈትሖን እዩ። ነቲ ሕብረተሰብ ዘጸልም እዩ፡ ፍልልይ ዝፈጥር፡ ጽልኢ፡ን ፍርሒን ኣብ መወዳእታ ድማ ንኹላትና ዝሃሲ እዩ።"

ኣብዚ ቕሩብ እዋን ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ቪክቶሪያ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ኮሮና ቫይረስ ኣብ ከባቢ ሰሜናዊን ሰሜናዊ ምዕራብን ዝርከቡ ኮይኖም እዞም ከባቢታት እዚኣቶም ብዙሓት ናይ ሕብረ-ብዙሕ ባህሊታትን ናይ እስልምና ማሕብረሰባት ዝርከበሉ እዩ፣

እዞም ከባቢታት ከም ኣብ ዉሽጢ ማሕበረሰብ ኮሮና ቫይረስ ዝመሓላለፈሉ ከባቢታት ተባሂሉ ብናይ ክፍለግዝኣት መንግስቲ ተባሂሎም ተፈልዩ ኣሎ፡ መርመራታት ድማ ተዓጻጺፉ ይቕጽል ኣሎ።

News.com ብዓርቢ ከምዝጸብጽቦ ሓደ ወዲ መልበርን ኣብቶም ብብዝሒ ኮሮና ቫይረስ ዝተረኣዮም ቦታት ነባሪ ብምዃኑ ክልተ ስርሑ ሲኢኑ፡ ናብ ስራሕ ከይመጽእ ድማ ተነጊርዎ።
ሚስተር ሳልማን ከምዝገለጾ፡ ናይ መዲያ ጉጅለ ናብቲ ኮሮና ቫይረስ ብብዝሒ ዝረኣየሉ ከባቢታት ብፍላይ ድማ ኣብቶም እስላም ነበርቲ ዒላማ ዝገበረ ብጌጋ ርድ ኢት ተበጊሶም ንብምሉኡቲ ማሕበረሰብ ወከልቲ ጌሮም ከቕርብዎ ፈቲኖም።

“እዚ ብፍጹም ዘደንጹ ነገር እዩ፡ ኣብዝኾነ ሳብበርብ ናይ መልበርን ከምዚ ዝበለ ጌጋ ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ፡ እዚኣቶም ንመላእ ማሕበረሰብ ዝውክሉ ኣይኮኑን።" ኢሉ

“ኣስላምን ማሕበረሰብ እስላምን ኣብ ኩሉዚ ናይ ለበዳ እዋን ጽቡቕ ፍብረ ምላሽ ክገብሩ ዝጸንሑ እዮም፡  ብብዙሕ መገዲ ኣብነታዊያን ኢና ኮይና ጸኒሕና።"

ዝሓለፈ ወርሒ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ስኮት ሞሪሰን ብፍላይ ኣብ እዋን ረመዳን ዝገበርዎ ነገር ኣመስጊኑ እዩ።

"ኣውስትራሊያዊያን እስላም ከም ኩሎም ኣውስትራሊያዊያን ኣብዚ ቅሩብ እዋን ዓቢ መስዋእቲ ከፊሎም እዮም፡  ነዚ ንምግባር ድሌት ኣርኢኹም፡ ንኹሉ ንምሕላው ፍቕርኹም ኣብ ተግባር ኣር ኢኹም ኢኹም።" ኢሉ ኔሩ።

  • ኣብኣውስትራልያሰባትብውሑዱ 1.5 ሜትሮካብካልኦትክርሕቁኣለዎም። ደረታት ብዝሒ ኣብ ምትእኽኻባት መምርሒታት ግዝኣትኩም ተወከሱ።
  • መርመራ ንኮሮናቫይረስ ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ኣብ መላእ ኣውስትራልያ ብሰፊሑ ተቐሪቡ’ሎ። ምልክታት ጉንፋዕ ወይ ፍሉ/ኢንፍሉወንዛ ይስመዓኩም እንተሃልዩ ቆጸራ መርመራ ክትሕዙ ኣብዶክተርኩምደውሉወይከኣሃገራዊሓበሬታጥዕናኮሮናቫይረስዝህብ Coronavirus Health Information Hotline ብቁጽሪ 1800 020 080 ደውሉ።
  • ናይ ፈደራል መንግስቲ ኮሮናቫይረስ መከታተሊ ኣፕ፡ ኮቪድሰይፍ፡ ካብ ናይ ሞባይልኩም መኽዘን ኣፕ (ኣፕ ስቶር) ንኽትጽዕንዎ ተቐሪብልኩም ኣሎ።
  • ኤስቢኤስ ንዝተፈላለዩ ማሕበረሰባት ኣውስትራልያ ብዛዕባ እዋናዊ ምዕባለታት ለበዳ ኮቪድ-19 ሓበሬታ ኣብ ምሃብ ተጸሚዱ ኣሎ።  ዜናታትን ሓበሬታታትን ብ63 ቋንቋታት ኣብ’ዚ ኣለኩም 

Share
Published 28 June 2020 9:19am
By Jarni Blakkarly

Share this with family and friends