ደል ነቲ ዝሞተ ኸልቡ ሓደ መዓልቲ ክትንስእ ተስፋ ብምግባር ንምብራዱ ኣስታት 30,000 ዶላር ከፊሉ ።

ክሪዮኒክስ ንእንስሳ ናይ ገዛ ወይ ፐት ከምዘይመውት ዝገብር ምድሓኒት ተባሂሉ'ዩ ቃል ተኣትዩ እዩ ፣ እቶም ዝሓዝኑ ወነንቲ ኸልቢ ድማ ፡ ነዚ ይገዝኡ ኣለዉ ። ግናኸ ፡ ንእንስሳኻ ካብ ሞት ከተተንስኦ ትኽእል ዲኻ ?

ኣብ ሓዘን ዘሎ ሰብኣይ ፡ ርእሲ እቲ ጸሊምን ጻዕዳን ከልቢ ይደርዝg the head of a black-and-white dog

ዴል ፐርሰይን ፡ በሪዱ ዝተዓቀበ ኸልቡ ኔረንን ። Source: Supplied / Dale Pearce

ትፈትዎ እንስሳኻ ሓደ መዓልቲ ከምዝመውትን ምስሞተ ምሕዛንን ርግጸኛ ነገር ክኸውን ዝግብኦ ነገር እዩ ክኸውን ዘለዎ እዩ። ዴል ፐርሰይን ግን ኸልቡ መንሽሮ ከም ዘለዋ ን ንኣዋርሕ ጥራይ ብህይወት ክትነብር ከምዝኾነት ምስፈለጠ: ነዚ ክቕበሎ ከም ዘይደለየ ምዃኑ ብርግጽ ነበረ ።
ዴል ንThe Feed ከምዝሓበሮ ፡ "ሓደ መዓልቲ ናብ ህይወት ኽመልሳ ኢለ ፡ ንኸልበይ ኣብሪደያ (ፍሪዝ ጌረያ)" ።

"ድሕሪ እዚ ኵሉ ብሓንሳብ ዝጸናሕናለን ዓመታት ፡ ነዚ ምርኣየይ ጸሊአዮ እየ ፡...ዳግማ ዕድል ከም ዝሃብካዮም ደጋጊምካ ኽትነግር ጥራይ እዩ ዘሎካ" በለ ።
ዴልን እቲ ን10 ዓመት ምስኡ ዝጸንሐት ነረን ዘይፈላለዩ እዮም ነይሮም ። ክልቲኦም ኣብ መላእ ኣውስትራሊያ ተጓዒዞም ፡ ናብ ናይ ሙዚቃ ፌስቲቫላትን ኣጋጣሚታትን ከይዶም ፡ ሓደ ግዜ ድማ ኣብ ሓንቲ ፊልም ብሓባር ተዋሲኦም ። ነሪን ናብ ህይወቱ ቅድሚ ምምጻኣ ፡ ዴል ብዙሕ ግዜ ጽምዋ ይስምዖ ከም ዝነበረን ንኺድረኽ ይቃለስ ከም ዝነበረን ገለጸ ።
"ከልበይ ንኽወጽእን ንኽዛወርን ብንግሆኡ ጽግዕ ኢላ ክትንውንወኒ ምስጀመረት ህይወተይ ይበራበርን ዳግም ከም ዝቕጽልን እያ ትገብረኒ" በለ ።
Black dog in a fluorescent orange vest sitting at the beach
Neren and Dale enjoyed going to the beach together. Source: Supplied / Dale Pearce
ብ2016 ዴል ፡ ነሪን ብጽኑዕ ሓሚማ ከም ዘላ ምስ ፈለጠ ፡ ኣዝዩ ሓዘነ ። እቲ ቬት ፡ እቲ መንሽሮ ናብ ሳምቡእ ነረን ከም እተዘርግሐ ነገሮ ።
ዴል ፡ "ኣብ ኢደይ ሞይታ ክርኢ ከም ዘሎኒ እፈልጥ ነይረ እየ ፣ እዚ ግና ኣይደልን እየ ነይረ" በለ ።
ዳለ ዘለዎ ኣማራጺታት ኣብ ኢንተርነት ክፍትሽ ጀመረ ።
ኣብቲ ግዜ ኣብ ኣመሪካ ዝርከብ ሬሳ ሰባትን ናይ ቤት እንስሳን ኣብ በረድ ዝዕቅበሉ ቦታ: ማለት ትካል ክሪዮኒክስ እቲ ዝዕቅብዎ ሬሳ ሓደ መዓልቲ ብህይወት ክትስእ ከምዝኽእል እቲ ትካል ዝገለጸ።
ብድሕርዚ ዳለ ምስ ነረን ናብ ኣመሪካ ተጓዕዘ ፡ ኣብኡ ድማ ኣካላታ ኣብ ዓሚቝ በረድ ንኽኣቱ $20,000 ዶላር ኣመሪካ (ዳርጋ 30,000 ኣውስትራሊያ ዶላር) ከፈለ ።
ዳለ ኣብ 2050 ምስ ዝፈትዋ ኸልቡ ክራኸብ ተስፋ ኣለዎ ።
ዴል ፡ "ቴክኖሎጂ ኣብ ዝመጽእ ዓሰርተታት ዓመታት ስለ ዝመሓየሽ ፡ ብሓንሳእ [ንዝያዳ ተመክሮ]ክንራኸብ ንኽእል ኢና" በለ ።

ክራዮኒክስ (cryonics) እንታይ እዩ?

ክሪዮኒክስ ኣብ መጻኢ ኽትንስኡ ተስፋ ብምግባር ንኣካላት ኣብ ኣዝዩ ትሑት ሙቐት ዝዕቅብ እዩ ።

ብክሪዮኒክስናይ ናይ ቤት እንስሳ ንምዕቃብ ፦
  • እቲ እንስሳ ብቬት ከምዝመውት ተጌሩ ንኽዝሕል ኣብ በረድ ይቕመጥ
  • ማይ ካብ ኣካላት ከምዝወጽእ ተጌሩ ፡ ከም ጸረ-ምዝሓል ብዚገብር ኬሚካል ድማ ይትካእ
  • እቲ ኣካል ዝያዳ ይዝሕል እሞ ኣብ መትሓዚ ፈሳሲ ናይትሮጅን ይቕመጥ 
  • ኣብቲ መኽዘን ፡ ማለት ኣብ-200 ዲግሪ ሰንቲግሬድ ይቕመጥ ።
ደገፍቲችርዮኒክስ ፡ ቴክኖሎጂ እናተመሓየሸ ምስ ከደ ፡ ናብ በረድ ተቐይሮም ዝጸንሑ ጥዑይን ሕማምን ዘይብሉን ሰብነት ፡ ሒዞም ናብ ህይወት ክምለስ ተስፋ ይገብሩ ።
Black dog in pink vest lying on the floor next a row of white cylindrical tanks
Neren visiting the cryostat (insulated tank) where she is now stored. Source: Supplied / Dale Pearce

ናይ ቤት እንስሳታት ናብ በረድ ተቐይሮም ድሕሪ ምጽናይ ዳግም ክትንስኡ ይኽእሉዶ?

እቲ ናይ መጀመርታ ሰብ (ናይ ኣመሪካ ናይ ስነ ኣእምሮ ፕሮፌሰር ዝዀነ ጀምስ ሂራም በድፎርድ) ኣብ1967 ብክሪዮኒካዊ ድሕሪ ምዕቃቡ ፡ ብኣማእታት ዝቝጸሩ ሰባትን እንስሳታትን እቲ መስርሕ ኣካይዶም እዮም ፣ ክሳዕ ሕጂ ግና ብህይወት ኣይተመልሱን ።
ብዙሓት ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ፡ ክርዮኒክስ ዝሰርሕ እንተ ኰይኑ ይጠራጠሩ እዮም ።
ሳፍሮን ብርያንት ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሪሚት መጽናዕቲ ዘካይድ ተመራማሪ እዩ ፣ እዚ ስነ ፍልጠት ናይ ምዝሓል ስነ-ህይወታዊ መርመራ እዩ ።
ሳፍሮን ፡ "ኣብዚ ደረጃ እዚ ፡ ስነ ፍልጠት ንcryonics ኣይድግፎን እዩ ።
Woman in a medical gown stares at a computer screen displaying human skin cells, as she adjusts a microscope
Saffron Bryant is a scientist who is doubtful cryonics will work. Source: SBS
ብተወሳኺ ዝተፈላለዩ ዋህዮታት ናይ ሰውነት ዝተፈላለየ ኵነታት የድልዮም እዩ ፣ ንኣብነት ዝተፈላለዩ ናይ ምዝሓልን ሙቐትን ተኽእሎታት ።
ሳፍሮን ብተወሳኺ ብዛዕባ ክርዮኒካውያን ዘጨንቓ፡ እቲ ፈውሲ ናይ እንስሳ መርገም ምስተረኽበ ፡ ናብ ህይወት ክትመልሶም ከም እትኽእል ይዛረቡ እዮም ።
"ሓደ ሰብ ካብ ረኽሲ እንተ ሞይቱ ፡ ነቲ ጸረ-ነፍሳት መድሃኒት ምሃብ ፋይዳ የብሉን ። ኣይሕግዝን እዩ "በለት ።

ንናይ ቤት እንስሳኻ ንምብራድ (ፍሪዝ ምግባር) ክንደይ የውጽእ?

ሰብኣይ ንጸሊም ከልቡ ኣብ ርእሲ ይስዕም
Dale hopes to be reunited with his dog one day. Source: Supplied / Dale Pearce
ኣብ ደቡባዊ ክሪዮኒክስ ንሰብ ናብ ቀዝሒ ንምእታው $150,000 ዶላር ዘኽፍል እዩ ።

"ከም ዝመስለኒ ድሙ ካብ ሓሙሽተ ክሳዕ ሽዱሽተ ኪሎ እያ: $10,000ዶላር እያ እትበጽሕ" በለ ።
ዴለ ንኸልቡ ንምዕቃብ ገንዘብ ድሕሪ ምውፋሩ ፡ ገንዘባዊ ሓገዝ ንምርካብ ዓመታት እዩ ወሲዱሉ ።
ዴል ፡ "ንነረን ነዚ ምኽፋለይ ኣሐጒሱኒ እዩ ፣ ሕጂ እውን ኣየጣዕሰንን እዩ" በለ።
"እቲ ክኸውን ኣይከኣልን'ዩ ዝበሃል ምምጻኣ እናፍቕን ደስ ይብለኒን።"

Share
Published 22 February 2023 11:47am
By Jennifer Luu
Source: SBS


Share this with family and friends