ትፈትዎ እንስሳኻ ሓደ መዓልቲ ከምዝመውትን ምስሞተ ምሕዛንን ርግጸኛ ነገር ክኸውን ዝግብኦ ነገር እዩ ክኸውን ዘለዎ እዩ። ዴል ፐርሰይን ግን ኸልቡ መንሽሮ ከም ዘለዋ ን ንኣዋርሕ ጥራይ ብህይወት ክትነብር ከምዝኾነት ምስፈለጠ: ነዚ ክቕበሎ ከም ዘይደለየ ምዃኑ ብርግጽ ነበረ ።
ዴል ንThe Feed ከምዝሓበሮ ፡ "ሓደ መዓልቲ ናብ ህይወት ኽመልሳ ኢለ ፡ ንኸልበይ ኣብሪደያ (ፍሪዝ ጌረያ)" ።
"ድሕሪ እዚ ኵሉ ብሓንሳብ ዝጸናሕናለን ዓመታት ፡ ነዚ ምርኣየይ ጸሊአዮ እየ ፡...ዳግማ ዕድል ከም ዝሃብካዮም ደጋጊምካ ኽትነግር ጥራይ እዩ ዘሎካ" በለ ።
ዴልን እቲ ን10 ዓመት ምስኡ ዝጸንሐት ነረን ዘይፈላለዩ እዮም ነይሮም ። ክልቲኦም ኣብ መላእ ኣውስትራሊያ ተጓዒዞም ፡ ናብ ናይ ሙዚቃ ፌስቲቫላትን ኣጋጣሚታትን ከይዶም ፡ ሓደ ግዜ ድማ ኣብ ሓንቲ ፊልም ብሓባር ተዋሲኦም ። ነሪን ናብ ህይወቱ ቅድሚ ምምጻኣ ፡ ዴል ብዙሕ ግዜ ጽምዋ ይስምዖ ከም ዝነበረን ንኺድረኽ ይቃለስ ከም ዝነበረን ገለጸ ።
"ከልበይ ንኽወጽእን ንኽዛወርን ብንግሆኡ ጽግዕ ኢላ ክትንውንወኒ ምስጀመረት ህይወተይ ይበራበርን ዳግም ከም ዝቕጽልን እያ ትገብረኒ" በለ ።

Neren and Dale enjoyed going to the beach together. Source: Supplied / Dale Pearce
ዴል ፡ "ኣብ ኢደይ ሞይታ ክርኢ ከም ዘሎኒ እፈልጥ ነይረ እየ ፣ እዚ ግና ኣይደልን እየ ነይረ" በለ ።
ዳለ ዘለዎ ኣማራጺታት ኣብ ኢንተርነት ክፍትሽ ጀመረ ።
ኣብቲ ግዜ ኣብ ኣመሪካ ዝርከብ ሬሳ ሰባትን ናይ ቤት እንስሳን ኣብ በረድ ዝዕቅበሉ ቦታ: ማለት ትካል ክሪዮኒክስ እቲ ዝዕቅብዎ ሬሳ ሓደ መዓልቲ ብህይወት ክትስእ ከምዝኽእል እቲ ትካል ዝገለጸ።
ብድሕርዚ ዳለ ምስ ነረን ናብ ኣመሪካ ተጓዕዘ ፡ ኣብኡ ድማ ኣካላታ ኣብ ዓሚቝ በረድ ንኽኣቱ $20,000 ዶላር ኣመሪካ (ዳርጋ 30,000 ኣውስትራሊያ ዶላር) ከፈለ ።
ዳለ ኣብ 2050 ምስ ዝፈትዋ ኸልቡ ክራኸብ ተስፋ ኣለዎ ።
ዴል ፡ "ቴክኖሎጂ ኣብ ዝመጽእ ዓሰርተታት ዓመታት ስለ ዝመሓየሽ ፡ ብሓንሳእ [ንዝያዳ ተመክሮ]ክንራኸብ ንኽእል ኢና" በለ ።
ክራዮኒክስ (cryonics) እንታይ እዩ?
ክሪዮኒክስ ኣብ መጻኢ ኽትንስኡ ተስፋ ብምግባር ንኣካላት ኣብ ኣዝዩ ትሑት ሙቐት ዝዕቅብ እዩ ።
ብክሪዮኒክስናይ ናይ ቤት እንስሳ ንምዕቃብ ፦
- እቲ እንስሳ ብቬት ከምዝመውት ተጌሩ ንኽዝሕል ኣብ በረድ ይቕመጥ
- ማይ ካብ ኣካላት ከምዝወጽእ ተጌሩ ፡ ከም ጸረ-ምዝሓል ብዚገብር ኬሚካል ድማ ይትካእ
- እቲ ኣካል ዝያዳ ይዝሕል እሞ ኣብ መትሓዚ ፈሳሲ ናይትሮጅን ይቕመጥ
- ኣብቲ መኽዘን ፡ ማለት ኣብ-200 ዲግሪ ሰንቲግሬድ ይቕመጥ ።
ደገፍቲችርዮኒክስ ፡ ቴክኖሎጂ እናተመሓየሸ ምስ ከደ ፡ ናብ በረድ ተቐይሮም ዝጸንሑ ጥዑይን ሕማምን ዘይብሉን ሰብነት ፡ ሒዞም ናብ ህይወት ክምለስ ተስፋ ይገብሩ ።

Neren visiting the cryostat (insulated tank) where she is now stored. Source: Supplied / Dale Pearce
ናይ ቤት እንስሳታት ናብ በረድ ተቐይሮም ድሕሪ ምጽናይ ዳግም ክትንስኡ ይኽእሉዶ?
እቲ ናይ መጀመርታ ሰብ (ናይ ኣመሪካ ናይ ስነ ኣእምሮ ፕሮፌሰር ዝዀነ ጀምስ ሂራም በድፎርድ) ኣብ1967 ብክሪዮኒካዊ ድሕሪ ምዕቃቡ ፡ ብኣማእታት ዝቝጸሩ ሰባትን እንስሳታትን እቲ መስርሕ ኣካይዶም እዮም ፣ ክሳዕ ሕጂ ግና ብህይወት ኣይተመልሱን ።
ብዙሓት ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ፡ ክርዮኒክስ ዝሰርሕ እንተ ኰይኑ ይጠራጠሩ እዮም ።
ሳፍሮን ብርያንት ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሪሚት መጽናዕቲ ዘካይድ ተመራማሪ እዩ ፣ እዚ ስነ ፍልጠት ናይ ምዝሓል ስነ-ህይወታዊ መርመራ እዩ ።
ሳፍሮን ፡ "ኣብዚ ደረጃ እዚ ፡ ስነ ፍልጠት ንcryonics ኣይድግፎን እዩ ።

Saffron Bryant is a scientist who is doubtful cryonics will work. Source: SBS
ሳፍሮን ብተወሳኺ ብዛዕባ ክርዮኒካውያን ዘጨንቓ፡ እቲ ፈውሲ ናይ እንስሳ መርገም ምስተረኽበ ፡ ናብ ህይወት ክትመልሶም ከም እትኽእል ይዛረቡ እዮም ።
"ሓደ ሰብ ካብ ረኽሲ እንተ ሞይቱ ፡ ነቲ ጸረ-ነፍሳት መድሃኒት ምሃብ ፋይዳ የብሉን ። ኣይሕግዝን እዩ "በለት ።
ንናይ ቤት እንስሳኻ ንምብራድ (ፍሪዝ ምግባር) ክንደይ የውጽእ?

Dale hopes to be reunited with his dog one day. Source: Supplied / Dale Pearce
"ከም ዝመስለኒ ድሙ ካብ ሓሙሽተ ክሳዕ ሽዱሽተ ኪሎ እያ: $10,000ዶላር እያ እትበጽሕ" በለ ።
ዴለ ንኸልቡ ንምዕቃብ ገንዘብ ድሕሪ ምውፋሩ ፡ ገንዘባዊ ሓገዝ ንምርካብ ዓመታት እዩ ወሲዱሉ ።
ዴል ፡ "ንነረን ነዚ ምኽፋለይ ኣሐጒሱኒ እዩ ፣ ሕጂ እውን ኣየጣዕሰንን እዩ" በለ።
"እቲ ክኸውን ኣይከኣልን'ዩ ዝበሃል ምምጻኣ እናፍቕን ደስ ይብለኒን።"