ዳላይ ላማ፡ ንሓደ ቘልዓ 'መልሓሰይ ጥበወለይ' ኢሉ እናሓተቶ ዘርኢ ቪድዮ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ምስ ተዘርግሐ ይቕረታ ሓቲቱ።

ዳላይ ላማ ፡ ንሓደ ወዲ ኣብ ኸናፍሩ ብምስዓም ፡ "መልሓሰይ ጥበወለይ" ኢሉ እናሓተተ፡ እቲ ቪድዮ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ቪድዮ ድሕሪ ምዝርግሑ ፡ ይቕረታ ሓቲቱ።

The Dalai Lama

እቲ መግለጺ ፡ ዳላይ ላማ ፡ "ነቶም ዝረኽቦም ሰባት ፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ እውን እንተ ኰነ ፡ ብንጹህን ብጸወታን መገዲ የስሕቖም እዩ" ይብል ። Source: AP / Ashwini Bhatia / AP

እቲ ወዲ 87 ዓመት መንፈሳዊ መራሒ ቲቤታውያን ፡ ዳላይ ላማ ኣብ ህዝባዊ ኣኼባ ንሓደ ንእሽቶ ወዲ "መልሓሰይ ክትጠብወለይ ዶ" ኢሉ ክሓትቶ ከሎ ፡ ብቪድዮ ድሕሪ ምርኣዩ ይቕረታ ሓቲቱ ።
ኣብቲ 19 ሚልዮን ሰዓብቲ ዘለውዎ ኣብ ስደት ዝርከብ መራሒ ናይ ትዊተር ገጹ ፡ "ኣብ ቀረባ ግዜ እተገብረ ኣኼባ ዘርኢ ቪድዮ ክሊፕ ሓደ ንእሽቶ ቘልዓ ነቲ ዳላይ ላማ ክሓቚፎ ከም ዝሓተተ ፡ብቪድዮ ክዝርጋሕ ጸኒሑ እዩ" በለ ።
"በቲ ዝተፈጸመ ፡ ነቲ ቘልዓን ስድራ ቤቱን ኣብ መላእ ዓለም ንዘለዉ ብዙሓት ፈተውትን ይቕረታ ክሓትት ይደሊ እዩ ።"
እቲ ብሰኑይ ዝወጸ መግለጺ ፡ ዳላይ ላማ ፡ "ነቶም ዝረኽቦም ሰባት ፡ ኣብ ቅድሚ ሰብ ኰነ ኣብ ቅድሚ ካሜራታት እውን ከይተረፈ ፡ ብንጹህን ብጸወታን መገዲ ዳእላታት ይገብር እዩ ። በቲ ኣጋጣሚ ተጣዒሱ እዩ "በለ።
እታ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት ኣብ ትዊተር ዝርኣዩዋ ቪድዮ እውን ፡ ነቲ ተሸላሚ ሰላም ኖበል ዝዀነ ሰብኣይ ፡ ኣብ ቅድሚ እቶም ኪጣቕዑን ኪስሕቁን ዝሰምዑ ዝነበሩ ተኣከብቲ ፡ ነቲ ቖልዓ ኣብ ኸናፍሩ እናሰዓሞ ፡ ሓደ ሰብ ከኣ ነታ ህሞት እቲኣ ብተሌፎን ከም ዝሰኣላ እያ እተርኢ ።
ኣብ ቲበት ኣንጻር ግዝኣት ቻይናውያን ድሕሪ እተገብረ ፍሹል ናዕቢ ፡ ብ1959 ናብ ሕንዲ ዝሃደመ ዳላይ ላማ ፡ በይጂንግ ከም ሓደገኛ ተነጻሊ ጌይራ እያ ትርእዮ ።
Dalai Lama
ዳላይ ላማ ኣድማሳዊ ተቐባልነት ዘለዎ ገጽ ምንቅስቓስ ናይ ቲበት ርእሰ-ምምሕዳር ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ ።
ኣብታ እተሓጽረትን ኣብ ኣኽራን እትርከብ ዓዱ: ቋንቋኣውን ባህላውን ርእሰ-ምምሕዳር ንኺህሉ ንሓያሎ ዓመታት ተቓሊሱ እዩ ።
ሕጂ ኣብ ጥቓ እቲ ኣብ ሰሜናዊ ህንዳዊት ከተማ ዳርሓምሻላ ዝርከብ ልሙዕ ጎቦታትን ብበረድ እተሸፈነ ኣኽራንን እተኸበበ ቀጽሪ እዩ ዝነብር ።



If you or someone you know is impacted by sexual assault, call 1800RESPECT on 1800 737 732 or visit . In an emergency, call 000.

Share
Published 11 April 2023 5:31pm
Presented by Beyene Semere Weldegiorgis
Source: AAP


Share this with family and friends