ነቶም ኣብ እዋን መጋባኣያ ዝሳተፉ ወለዲ ነቲ መስርሕ ብቐሊሉ ክርድእዎ ምእንቲ ክኽእሉ ናይ ቪክቶሪያ ቤት ፍርዲ ቆልዑ ባህላዊ ደገፍ ዝህቡ ስልጠና ይህብ ኣሎ።
ኣውስትራሊያዊያን ናይ ሱዳናንን ደቡብ ሱዳንን ድሕረ ባይታ ዘልዎም ስልጠና ብምውሳድ ነቶም ከምናቶም ድሕረ ባይታ ዘለዎም ስድራቤታት ኣብ መጋባኣያ ፍርዲ ክሳተፉ ከለዉ ንኽሕግዝዎም ተባሂሉ ዝተገብረ መደብ እዩ።
እቲ ናይ 6 ኣዋርሕ ንኡስ ፕሮጀክት ዝሓለፈ ወርሒዩ ጀሚሩ፡ እዚ መደብ ነቶም ተአፋፊን ግቡእ ደገፍ ዘድልዮም ተሳተፍቲ ቤት ፍርዲ ንምሕጋዝ ኮይኑ ዛጊት ልዕሊ 60 ኣባላት ካብቲ ማሕበረሰብ በዚ መደብ ተደጊፎም ኣለዉ።
እቶም በዚ ደገፍ ተጠቀምቲ ዝኾኑ ክሱሳት፡ ከሰስትን ኣባላት ስድራን ናብ ቤት ፍርዲ ዝተዓደሙ ቀረብን ይርከብዎም፡፤
ባህላዊ ደጋፊ Kear Both ኣብዚ ቅሩብ ንሓደ ስድራ ደገፍ ሂቡ ኔሩ፡ እቶም ስድራ ኣዚዮም ተጨኒቖም ከምዝነበሩን ነቲ መንእሰይ ወዶም እንታይ ከምዘጋጠሞ'ውን ኣይርድኡን ኔሮም ኢሉ።

Cultural guides and court staff attend a session in Melbourne to evaluate the Sudanese program. Source: SBS
“ገበን ምፍጻም እንታይ ማለት ምዃኑውን ኣይርድኡን ኔሮም።” ክብል ን SBS News ገሊጹ።
"ነቲ ሓጹር ክንበትኮ ኪኢልና ኣለና።"
ኣብዚ ጉዳይ ወለዲን እቲ ገበን ዝፈጸመ ዉሉድን ነንሕድሕዶም ኣይዘራረቡን ኔሮም፡ በዚ ድማ ወዶም እንታይ ዓይነት ገበን ከምዝፈጸመ ኣይፈልጡን ዝነበሩ።
ትካል ናይ ማሕበረሰባት ዝኾነ Court Network እዩ ነዚ ናይ ባህላዊ ምርሒት ስልጠና ዝህብ ዘሎ።
"እዚ ኣቶም ልክ ዕ ከምቶም ኣብቲ ቤት ፍርዲ ዝሳተፉ ስለዝኾኑ ንብዙሕ፡ሓጹራት ዝሰብር ኣሰራርሓ እዩ" ክትብል executive director Maya Avdibegovic ገሊጻ።
"ገለ ኣባላት እቲ ማሕበረሰብ ኣዚዮም ተሃስዮም እዮም፡ ብዙሕ ዓሌታዊ ኣድልዎ በጺሕዎም እዩ" ክትብል ድማ ተብርህ።
Ms Avdibegovic ከምትገልጾ "ናይ ወለዶታት ፍልልይ ጉዳይ ኣሎ፡ መን እሰያት ነቲ ሓድሽ ባህሊ ብቐሊሉ ክቕበልዎከለዉ ወለዲ ነዚ ክስዕብዎ ይኸብዶም እዩ።"

Maya Avibegovic is Court Network's executive director. Source: SBS
"ብትወሳኺ ንሕና ምስቶም ካብዚ ናትና ዝተፈልየ ኣገባብን ስር ዓትን ፍርዲ ዝተፈልየ ዝነበሮም ማሕበረሰብ ኢና ንሰርሕ ዘለና ።"
"ብዙሃት ንሰብ መዚ ናይ ምፍራሕ ኩነታት ኣለዎም፡ ስለዚ እቲ ዘድሊ ሓበሬታ ምሃብ፡ ብኹሉ እዚ ነገራት ምምሃርን ከነሐይሎምን ኢዩ ዘለና" ኢላ።
መጠን ገበን ታሕቲ እዩ ዘሎ።
ናይ ቪክቶሪያ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ብዝሒ ገበን ከምዘመልክቶ 15 ሱዳናዊያን ወይ ደቡብ ሱዳናዊያን መንእሰያት ዕድሚኦም ካብ 10 ክሳብ 19 ጥራይ እዮም ገበን ፈጺሞም ተባሂሉ። እዚ ጉጅለ ብምፍጻም ገበን እቲ ኣብዚ ክልል ዕድመ 13 ሰባት ገበን ዝፈጸመ ማሕበረሰብ ስሪላንካ እንተዘይኮይኑ ዝተሓተ ናይዚ ናይ ማሕበረሰብ ደቡብ ሱዳን እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ 5 ዓመታት ካብ ሓምለ 2014 ኣትሒዙ ክሳብ ሰነ ናይዚ ዓመት ኣውስትራሊያዊያን ሱዳናዊያንን ደቡብ ሱዳናዊያንን ብገምጋም ሓደ ነጥቢን ፈረቓን ሚ እታዊ ጥራይ እዮም ኣብ ገበን ተሳቲፎም።
እንተኾነ ጉጅለ ትውልደ ሱዳናዊያንን ደቡብ ሱዳናዊያንን ዝኾኑ ድሕሪቶም ኣብ ኣውስትራሊያ ዝተወልዱ ዝለዓለ መጠን ወይ ፕሮፐርሽን ፈጸምቲ ገበን እዮም።
Ms Avdibegovic ከምትገልጾ ንዋሕዲ ቁጽሪ እቲ ማሕበረሰብ ኣብግምት ኣእቲኻ ሕጂውን እቲ መጠን ገበን ሕጂውን ልዑል እዩ ዘሎ።
ዘሰክፍን ኣኽፋኢን ጸብጻባት መዲያ
ካል እ ባህላዊ ደገፍ ወሃቢ, Kuol Deng, አቐዲሙ ክወሃብ ዝጸንሐ ናይ መዲያ ጸብጻባት ንመልክዕ ኣውስትራሊያዊያን ሱዳናዊያንን ደቡብ ሱዳናዊያንን ኣብ ቪክቶሪያ ደዊንዎ እዩ ይብል።
"እቶም ቆልዑ ቀንዲ ዛዕባ ኮይኖምዮም ጸኒሖም።" ይብል ንሱ።
"ናብቲ ማሕበረሰብ ክምለሱ ንደሊዮም ኣለና። ነቲ ማሕበረሰብ ክመርሕዎ ክኽእሉ፡ ጽባሕ ንሳቶምዮም መራሕቲ ክኾኑ።"
Mr Both ከምዝገልጾ መዲያ ብዛዕባ ገበን ጸብጻብ፡ኸቕርቡ ከለዉ ስርሖምዮም ዝሰርሑ ኔሮም እንተኾነ ኣብ ሱዳን መንእሰያት ከም ኣብ ኣውስትራሊያ ዝፍጽምዎ ገበን ኣይፍጽሙን እዮም ኔሮም።

John Garang Kon works with a South Sudanese Community Support Group in outer Melbourne. Source: Supplied
" ኣብ ናተይ ባህሊ ትሕቲ 18 ዓመት ዕድሚኦም መስተ ክሰትዩ ኣይትረክብን ኢኻ ኔርካ። ስለዚ እዚ ኣብዚ ዝኸውን ዘሎ ነዓይ ጋሻ ነገር እዩ።" ክብል ገሊጹ።
ሰራሕተኛ ናይ Centre for Multicultural Youth John Garang Kon ከምዝብሎ ኣብ ቤት ፍርዲ ተወሳኺ ባህላዊ ደገፍ ምሃብ እወታዊ እዩ።