- ቪክቶርያ 1,220 ናይ ውሽጢ መልከፍቲ ተረኺቡ።
- ሰበስልጣን NSW ናይ ምትእኽኻብ ሕጊ ቅድሚ ጸወታ NRL ምጅማሩ ኽከታተሉ ይምሕጸኑ
- ኣብ ACT 38 ሓድሽ መልከፍቲ ተረኺቡ።
- ታዝማኒያ ሓደ መልከፍቲ።
ቪክቶሪያ
ቪክቶሪያ ናይ ዉሽጢ 1,220 ብኮቪድ-19 እተለኽፉ ሰባትን ሰለስተ ሞትን መዝጊባ ኣላ ።
ፕሪሜር ዳንኤል ኣንድሪውስ እቲ ቀይድታት ንስርዓተ ክንክን ጥዕናን ሰብሞያ ጥዕናን ንምክልኻል ዝምልከት እዩ ኢሉ ። "ንዓና ናጽነት ማለት እንታይ ማለትዩ? ንስርዓተ ጥዕናና ዝኸበደ እዋን ክኸውን ማለት እዩ" ኢሉ።
ትማሊ ፖሊስ ኣብ መልበርን ኣብ ዝተኻየደ ናይ ጸረ-ክታበት ሰልፊ ካብዝተሳተፉ 109 ሰባት ኣሲሮም ።
ኣብ ሮያል ሜልቦርን ሆስፒታል ሓላፊ ኣሃዱ ኣይ.ሲ.ዩ. ነርስ ሚሸል ስፓንስ ፡ ቪክቶርያ ካብ ወርሒ ሓምለ ኣትሒዛ ኣብ ኣይ.ሲ.ዩ 90 ሰባት ከም ዘለዉዋን ፡ ምሉእ ብምሉእ ክታበት ከም ዘይተኸተበን ሓቢሩ ።
ኒው ሳውዝ ወልስ
NSW ካብ ውሽጢ 667 መልከፍቲ ሎሚ ተረኺቦም ፡ 10 ሰባት ድማ ሞይቶም ፡ ህዝቢ ግሬት ሲድኒ ክሳብ ሎሚ 100 መዓልታት ኣብ ዕጽዋ ጸኒሖም ።
ሚኒስተር ጥዕና ብራድ ሃዛርድ ንነበርቲ ካብቲ ናይ NRL ናይ መወዳእታ ዓቢ ጸወታ ኣቐዲሞም ክጥንቀቑ ተማሕጺንዎም ። "ኣብ ገዛኹም ሓደ ካብቲ ኣብ ምምሕልላፍ እዚ ቫይረስ ኣዝዩ ሓደገኛ ቦታ እዩ።"
ካብ 11 ጥቅምቲ ጀሚሩ ዝኾነ ኣብ NSW ዝርከብ ፡ ምስ ብኮቪድ ዝተለኽፈ ብቐረባ ዝተራኸበን ምስዝኽተብን ፡ ኣብ ክንዲ 14 መዓልቲ ፡ ንሸውዓተ መዓልቲ ክምርመርን ርእሱ ክግልልን ተገይሩ።
ኣብዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ ካልእ ክፋል ኣውስትራሊያ
- ክልል ዋና ከተማ ኣውስትራሊያ (ACT) 38 ናይ ውሽጢ ሓደሽቲ መልከፍቲ ተመዝጊቡ፡ ካብዚኣቶም እንተወሓደ 16 ኣብቲ ማሕበረሰብ ረኽሲ ከለዎም ዝጸንሑ እዮም።
- ኣብ ታዝማኒያ ዝነብር ሓደ መንእሰይ ካብ መልበርን ናብ ላንሰንስተን ድሕሪ ምብራሩ: ኮቪድ-19 ጽቡቕ መርመራ እወታዊ ውጽኢት ኣምጺኡ።
- ኲንስላንድ ሓዱሽ መልከፍቲ ኣይተረኸበን ።
- ደቡብ ኣውስትራሊያ ክልተ ሓደሽቲ መልከፍቲ ከምተረኽበ ትማሊ ኣጋ ምሸት ጸብጺባ ።

Stay home Safe Life - SBS Radio Source: SBS Radio