ሓድሽ ሓበሬታ ኮቪድ-19: ዝለዓለ ቑጽሪ መልከፍቲን ጽኑዕ ዕጽዋን ኣብ NSW

እዚ ኣብ ኣውስትራሊያ ውሽጢ ን29 ሓምለ 2021 ብዛዕባ ኮሮናቫይረስ ዘሎ እዋናዊ ሓበሬታ እዩ ።

A near empty Market Street is seen in the central business district in Sydney, Thursday, July 29, 2021. NSW recorded 236 new locally acquired cases of COVID-19 in the 24 hours to 8pm last night. (AAP Image/Mick Tsikas) NO ARCHIVING

A near empty Market Street is seen in the central business district in Sydney. Source: AAP Image/Mick Tsikas

  • እቲ ለበዳ ካብ ዝጅመር ንነጀው ፡ ኣብ NSW ዝለዓለ ቁጽሪ መዝገብ ክብረወሰን ዝሓዘ ኮይኑ።
  • ቪክቶርያ  ንሓደ ዘይተፈለጠ መልከፍቲ ኮሮና ትምርምር ኣላ።
  • ደቡብ ኣውስትራሊያ ክልተ ሓደሽቲ መልከፍቲ መዝጊባ ኣላ ።
  • ተወሳኺ ሰሙን  ንዊንስላንድ ናይ ኣስገዳድ ማስኬራ ቀጺሉ።
  • ኒው ሳውዝ ዌልስ

ኒው ሳውዝ ዌልስ 239 ሓደሽቲ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ክልተ ድማ ዝሞቱ ሰባት ኣመዝጊባ ኣላ ፡ - ኣብ ተስዓታት ዕድሚኣ እትርከብ ሰበይቲ ከምኡ 'ውን ኣብ ሰማንያታት ዕድሚኡ ካብ ደቡባዊ ምዕራብ ሲድኒ ሰብኣይ ዝሞቱ እዮም። ምንጪ ናይ 126 መልከፍቲ መርመራ ይካየደሎም ኣሎ ፡ 81 ጥራይ ድማ እዮም ንብምሉኡ ናይ መልከፍቲ ግዜኦም ኣብ ዕጽዋ ዝነበሩ እዮም።
ፕሪመር ግላዲስ በረጂክልያን ኣብቲ ንፌርፊልድ: ካንተርበሪ-ባንከውን: ሊቨርፑል: ኩምበርላንድ: ብላክታውን: ፓራማታ: ካምፕበልታውን ከምኡውን ፈለግ ጆርጅ ኣብ ዘተሓሳስብ ሸሞንተ ናይ ዞባዊ ምምሕዳር ከባቢታት ዝነብሩ ተቐማጦ ካብ መንበሪኦም ልዕሊ ሓሙሽተ ኪሎሜተር ክጓዓዙ ከም ዘይፍቀደሎም ይገልጽ ።
ኣብ NSW ዝነብሩ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ዘይገብሩ መቕጻዕቲ ካብ 200 ዶላር ክሳብ 500 ዶላር ወሲኹ ኣሎ ። ካብ ጽባሕ ጀሚሩ ፖሊስ ነቲ ሕግታት ዝጥሕስ ናይ ንግዲ ትካላት ናይ ምዕጻው ስልጣን ክወሃቦ እዩ ።
ቪክቶሪያ
እታ ግዝኣት ካብ ከባቢ ሽዱሽተ ሓደስቲ መልከፍቲ መዝጊባ ኣላ ። ኵሉ መልከፍቲ ምስቲ ኣብዚ እዋን እዚ ተራእዩ ዘሎ ዓይነት ደልታ ዝተሓሓዝ ኰይኑ ፡ እቲ እተለኽፈ ኣብ ውሸባ እዩ ነይሩ ።
ሰበ-ስልጣን ጥዕና ነቲ ትማሊ እተረኽበ ምስጢራዊ መልከፍቲ እንታይ ምዃኑ ክፈልጡ ይጽዕሩ ኣለዉ ።
ኣብ ኣውስትራሊያ ውሽጢ ን24 ሰዓታት
ደቡብ ኣውስትራሊያ በቲ ሕማም ተታሒዞም እናሃለዉ ክልተ ሓደሽቲ ዝተረኸቡ መልከፍቲ መዝጊባ ኣላ ።
ተቐማጦ

ቤላ ቤሎ ብዛዕባ ኮቪድ-19:
ጥዑያት መንእሰያት ብኮቪድ-19 ኣይጥቅዑን ። ንዝኣረጉ ወይ ንዝሓመሙ ሰባት ጥራይ እዩ ዝጎድእን ዝቐትልን ።

ሓቅታት ኮቪድ-19:
እቲ ቫይረስ ንኣረጋውያን ሰባትን ነቶም መሰረታዊ ፀገማት ዘለዎምን ብዝያዳ ዝጸልዎም እኳ እንተዀነ: ንገለ ጥዑያት መንእሰያት እውን ይሃስዮምን ይቐትሎምን እዩ ።

ውሸባ ፡ መገሻ ፡ መርመራ ክሊኒካት ከምኡ 'ውን ክፍሊትን

ናይ ውሸባን መመርመሪን ብቕዓታት ብናይ መምሕድዳር ግዝኣትን ተሪቶርይ መንግስታት ይመሓደርን ይትግበርን:

ናብ ወፃእ ሃገር ክትጉዓዝ እንተደሊኻ ፤ ካብ መስመር ወፃእ ንዝኾነ ክፍሊት ኣብ መስመር መመልከቲ ክተቕርብ ትኽእል ኢኻ ።  ናይ ኣህጉራዊ በረራታት ግዝያዊ ስጉምትታት ኣሎ እዚ ድማ እቲ መንግስቲ በብእዋኑ ዝግምግሞን ዘመሓይሾን እዩ። ካብ ኣውስትራሊያ ንኽትወጽእ ብዛዕባ ዘሎ ቅድመ ኵነታት ዝበለጸ መረዳእታ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቑ   .

ብ ናይ NSW ሕብረ ብዙህ ባህሊታት ኣገልግሎት ሓበሬታ ጥዕና ዝተቶርጎመ ሓበሬታ በዚ ዝስዕብ ርኸቡ:

ኣብ ነፍሲወከፍ ግዝኣታት ዘለዉ መመርመሪ ከባቢታት:

ኣብ ነፍሲወከፍ ግዝ ኣት ብዛዕባ ዝወሃብ ደገፍ ሓበሬታ በዚ ዝስዕብ መላግቦ ርኸቡ:

ኒው ሳውዝ ዌልስ 239 ሓደሽቲ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ክልተ ድማ ዝሞቱ ሰባት ኣመዝጊባ ኣላ ፡ - ኣብ ተስዓታት ዕድሚኣ እትርከብ ሰበይቲ ከምኡ 'ውን ኣብ ሰማንያታት ዕድሚኡ ካብ ደቡባዊ ምዕራብ ሲድኒ  ሰብኣይ ዝሞቱ እዮም። ምንጪ ናይ 126 መልከፍቲ መርመራ ይካየደሎም ኣሎ ፡ 81 ጥራይ ድማ እዮም ንብምሉኡ ናይ መልከፍቲ ግዜኦም ኣብ ዕጽዋ ዝነበሩ እዮም።
ፕሪመር ግላዲስ በረጂክልያን ኣብቲ ንፌርፊልድ: ካንተርበሪ-ባንከውን: ሊቨርፑል: ኩምበርላንድ: ብላክታውን: ፓራማታ: ካምፕበልታውን ከምኡውን ፈለግ ጆርጅ ኣብ ዘተሓሳስብ ሸሞንተ ናይ ዞባዊ ምምሕዳር ከባቢታት ዝነብሩ ተቐማጦ ካብ መንበሪኦም ልዕሊ ሓሙሽተ ኪሎሜተር ክጓዓዙ ከም ዘይፍቀደሎም ይገልጽ ።
 ኣብ  NSW ዝነብሩ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ዘይገብሩ መቕጻዕቲ ካብ 200 ዶላር ክሳብ 500 ዶላር ወሲኹ ኣሎ ። ካብ ጽባሕ ጀሚሩ ፖሊስ ነቲ ሕግታት ዝጥሕስ ናይ ንግዲ ትካላት ናይ ምዕጻው ስልጣን ክወሃቦ እዩ ።
ኣብዚ ተቐይሩ ርኸብ

Share
Published 29 July 2021 3:39pm

Share this with family and friends