እዋናዊ ሓበሬታ ኮቪድ-19 ኣውስትራሊያ: ኲንስላንድ ካብ ካልኦት ግዝኣታት ንዝመጹ ናይ ፒሲኣር መርመራ ክትገድፎ'ያ።

እዚ ኣብ ኣውስትራሊያ ናይ 29 ታሕሳስ 2021 ብዛዕባ ኮሮናቫይረስ እዋናዊ ሓበሬታ እዩ ።

Rapid antigen tests are available in supermarkets and pharmacies across Australia

Rapid antigen tests are available in supermarkets and pharmacies across Australia. Source: AAP/Lukas Coch

 

  • ፕሪሜር ኣንስታቺያ ፓላስዚየ ፡ ኲንስላንድ ካብ 1 ጥሪ ጀሚራ ናብ ግዝኣት ንምእታው ዝግበር ናይ ቅልጡፍ መርመራ ኣንቲጅን PCR ግዴታ ክእለ ምዃኑ ኣፍሊጣ ኣላ ።

  • ሃገራዊ ካቢነ ሓሙስ ብዛዕባ ኣብ መላእ እታ ሃገር ምምርማር ኮቪድ-19 ን ክሳብ ሓድሽ ዓመት ዝበዓል ዘሎ ረቛሒታት ኣመልኪቱ ብህጹጽ ኣኼባ ክገብር እዩ ።

  • ናይ NSW ቑጽሪ መልከፍቲ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ዳርጋ ብዕጽፊ ወሲኹ ኣሎ ፡ ሎሚ 11,201 መልከፍቲ ከምዘሎ ተፈሊጡ ።

  • ቪክቶርያ ክሳዕ ሕጂ ዝለዓለ መልከፍቲ ተመዝግበሉ ኣብዘላ ካብ ጥሪ ኣትሒዞም ቪክቶርያውያን ቕልጡፍ መርመራታት ኣንቲጂን ብናጻ ክወሃቦም እዩ ።

  • ናይ ACT ሓለዋ ጥዕና ነቲ ሓደገኛ ዝኾነ ንሕማም ዘቃልዑ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ናብ ዝተሓተ ደረጃ ኣውሪድዎ ኣሎ ።

  • ኣብ ናይ ኣመሪካ ሰብ መዚ ጥዕና ብሰንኪ ዋሕዲ ሰራሕተኛታት ነቲ ናይ ተነጽሎ ግዜ ካብ 10 ናብ ሓሙሽተ መዓልታት ኣጉዲሎም ።

    ኣብ ግዝኣታት ናይ ኮቪድ-19 ኩነታት: -

    ኒው ሳውዝ ዌልስ 11,201 ሓደስቲ ብኮቪድ-19 ዝተትሓዙን ሰለስተ ዝሞቱን መዝጊባ ኣላ ፡ ቪክቶርያ ድማ 3,767 ሓደሽቲ መልከፍቲን ሓሙሽተ ሞትን ከም ዘጋጠማ ሓቢራ ኣላ ።

    ኲንስላንድ 1,589 ናይ ማሕበረሰብ መልከፍቲ መዝጊባ ኣላ ፡ ደቡብ ኣውስትራሊያ 1,471 ከምኡውን ናይ ACT 252 መልከፍቲታት ተመዝጊቦም ኣለው ።

    ታዝማኒያ 55 ሓደሽቲ ኮቪድ-19 መዝጊባ ኣላ ።

    ኣብ 'ዚ እዋን' ዚ ንለበዳ ኮቪድ-19 ብቋንቋኹም ሓበሬታ ንምርካብን፡ ዝውሰድ ስጉምትታት ኣብዚ ጠውቕ ።


     

Quarantine and restrictions state by state:

Travel

 and Covid-19 and travel information 

Financial help

There are changes to the COVID-19 Disaster Payment once states reach 70 and 80 per cent fully vaccinated:  


 


 



Visit the translated resources published by NSW Multicultural Health Communication Service:


Testing clinics in each state and territory:

 
 

Share
Published 29 December 2021 1:02pm


Share this with family and friends