- ፕሪሜር ኣንስታቺያ ፓላስዚየ ፡ ኲንስላንድ ካብ 1 ጥሪ ጀሚራ ናብ ግዝኣት ንምእታው ዝግበር ናይ ቅልጡፍ መርመራ ኣንቲጅን PCR ግዴታ ክእለ ምዃኑ ኣፍሊጣ ኣላ ።
- ሃገራዊ ካቢነ ሓሙስ ብዛዕባ ኣብ መላእ እታ ሃገር ምምርማር ኮቪድ-19 ን ክሳብ ሓድሽ ዓመት ዝበዓል ዘሎ ረቛሒታት ኣመልኪቱ ብህጹጽ ኣኼባ ክገብር እዩ ።
- ናይ NSW ቑጽሪ መልከፍቲ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ዳርጋ ብዕጽፊ ወሲኹ ኣሎ ፡ ሎሚ 11,201 መልከፍቲ ከምዘሎ ተፈሊጡ ።
- ቪክቶርያ ክሳዕ ሕጂ ዝለዓለ መልከፍቲ ተመዝግበሉ ኣብዘላ ካብ ጥሪ ኣትሒዞም ቪክቶርያውያን ቕልጡፍ መርመራታት ኣንቲጂን ብናጻ ክወሃቦም እዩ ።
- ናይ ACT ሓለዋ ጥዕና ነቲ ሓደገኛ ዝኾነ ንሕማም ዘቃልዑ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ናብ ዝተሓተ ደረጃ ኣውሪድዎ ኣሎ ።
- ኣብ ናይ ኣመሪካ ሰብ መዚ ጥዕና ብሰንኪ ዋሕዲ ሰራሕተኛታት ነቲ ናይ ተነጽሎ ግዜ ካብ 10 ናብ ሓሙሽተ መዓልታት ኣጉዲሎም ።
ኣብ ግዝኣታት ናይ ኮቪድ-19 ኩነታት: -
ኒው ሳውዝ ዌልስ 11,201 ሓደስቲ ብኮቪድ-19 ዝተትሓዙን ሰለስተ ዝሞቱን መዝጊባ ኣላ ፡ ቪክቶርያ ድማ 3,767 ሓደሽቲ መልከፍቲን ሓሙሽተ ሞትን ከም ዘጋጠማ ሓቢራ ኣላ ።
ኲንስላንድ 1,589 ናይ ማሕበረሰብ መልከፍቲ መዝጊባ ኣላ ፡ ደቡብ ኣውስትራሊያ 1,471 ከምኡውን ናይ ACT 252 መልከፍቲታት ተመዝጊቦም ኣለው ።
ታዝማኒያ 55 ሓደሽቲ ኮቪድ-19 መዝጊባ ኣላ ።
ኣብ 'ዚ እዋን' ዚ ንለበዳ ኮቪድ-19 ብቋንቋኹም ሓበሬታ ንምርካብን፡ ዝውሰድ ስጉምትታት ኣብዚ ጠውቕ ።
Quarantine and restrictions state by state:
Travel
Financial help
There are changes to the COVID-19 Disaster Payment once states reach 70 and 80 per cent fully vaccinated:
- News and information over 60 languages at
- Relevant guidelines for your state or territory: , , , , , , .
- Information about the .