እዋናዊ ሓበሬታ ኮቪድ-19 ኣውስትራሊያ: NSW ንኻልኣይ ግዜ መዓልታዊ ልዕሊ 1,000 መልከፍቲ ኣመዝጊባ።

እዚ እዋናዊ ሓበሬታ ኮሮና ቫይረስ ኣውስትራሊያ ናይ 29 ነሓሰ 2021 እዩ

Vaccination clinic at Olympic Park Sydney, NSW

Source: AAP Image/Bianca De March

  • ሓደሽቲ ናይ ክታበት ቅድመ ኵነታት ንገለ ዝተፈልዩ ሰራሕተኛታት ኣብ NSW

  • ቪክቶርያ ዕጽዋ ከምዝናዋሕ ኣረጋጊጻ

  • ACT 13 ሓደስቲ ብኮቪድ እተለኽፈ ሰባት ተረኺቦም

  • ኲንስላንድ ፡ ኣብ ውሸባ ዝጸንሐ ሓደ ናይ ማሕበረሰብ መልከፍቲ መዝጊባ


ኒው ሳውዝ ወልስ
ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኒው ሳውዝ ወልስ 1,218 ሓደስቲ ናይ ከባቢ መልከፍቲ መዝጊባ ኣላ ፡ 887 ካብ ምዕራባውን ደቡባውን ምዕራብ ሲድኒ ዝመጹ እዮም ። ሽዱሽተ ሰባት ሞይቶም: ብድምር ብኮቪድ ዝሞቱ ሰባት 145 በጺሖም ።

ካብ ሰኑይ 6 መስከረም ኣትሒዞም ፡ ኣብ  ክኢላታት ሰራሕተኛታት ኣብ   ኮይኖም ካብ ከባቢያዊ ምምሕዳሮም ወጺኦም ዝነብሩ ሰራሕተኛታት ብውሕዱ ሓንሳብ ናይ ኮቪድ-19 ክታበት፡ ክኽተቡ ኣለዎም።

ቪክቶሪያ
ኣብ ቪክቶሪያ፡ ናይ ከባቢ እተራእየ መልከፍቲ ልዕሊ 30 ዝዀኑ ምስቲ ዘሎ ሰንሰለት መልከፍቲ ዘይተሓሓዙ ዝርከብዎም 92 ሓደስቲ ሰባት እተለኽፉ መዝጊባ ኣላ ።

ካብቶም ኣብዚ ግዜ እዚዘለዉ 778 ንጡፋት መልከፍቲ ፡ ዳርጋ 500 ኣብ ሰሜንን ምዕራብን ደቡብን መልበርን ይርከቡ ፡ ፕሪሜር ዳንኤል ኣንድሪውስ ፡ ኣብ 2 መስከረም ዕጽዋ ከብቅዕ ከም ዘይክእል ሓቢሩ ኣሎ ።

ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብዙርያ ኣውስትራሊያ


ውሸባ፡ መገሻ፡ መርመራ ክሊኒካት ከምኡ'ውን ክፍሊታት ሓገዝ ብምኽንያት ለበዳን

ናይ ውሸባን መመርመሪን ብቕዓታት ብናይ መምሕድዳር ግዝኣትን ተሪቶርይ መንግስታት ይመሓደርን ይትግበርን:


ናብ ወፃእ ሃገር ክትጉዓዝ እንተደሊኻ ፤ ካብ መስመር ወፃእ ንዝኾነ ክፍሊት ኣብ መስመር መመልከቲ ክተቕርብ ትኽእል ኢኻ ።  ናይ ኣህጉራዊ በረራታት ግዝያዊ ስጉምትታት ኣሎ እዚ ድማ እቲ መንግስቲ በብእዋኑ ዝግምግሞን ዘመሓይሾን እዩ። ካብ ኣውስትራሊያ ንኽትወጽእ ብዛዕባ ዘሎ ቅድመ ኵነታት ዝበለጸ መረዳእታ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቑ   .


ብ ናይ NSW ሕብረ ብዙህ ባህሊታት ኣገልግሎት ሓበሬታ ጥዕና ዝተቶርጎመ ሓበሬታ በዚ ዝስዕብ ርኸቡ:


ኣብ ነፍሲወከፍ ግዝኣታት ዘለዉ መመርመሪ ከባቢታት:


 
 

ኣብ ነፍሲወከፍ ግዝኣት ብዛዕባ ዝወሃብ ደገፍ ሓበሬታ በዚ ዝስዕብ መላግቦ ርኸቡ:

 
 

Share
Published 29 August 2021 12:42pm
By SBS/ALC Content
Source: SBS


Share this with family and friends