እዋናዊ ሓበሬታ ኮቪድ-19: ኣብ NSW ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ሓሙሽተ ሞይቶም 319 ተለኺፎም፡ቪክቶሪያ 29 መልከፍቲ ተረኺቡ

NSW Health workers outside an apartment block on Campbell Street in Liverpool, after fourteen cases of COVID-19 were confirmed in the building, August 7, 2021.

NSW Health workers outside an apartment block on Campbell Street in Liverpool, after fourteen cases of COVID-19 were confirmed in the building, August 7, 2021. Source: AAP/Bianca De Marchi

  • ኣብ ምምሕዳራዊ ግዝኣት ኣርሚዴል NSW ካብች ሎሚ ካብ ሰዓት 5: 00 ድ.ቀ ጀሚሩ ንሸውዓተ መዓልቲ ዝጸንሕ ዕጽዋ ተኣዊጁ
    ኣብ ቪክቶርያ ዘሎ ቝጽሪ ንኮቪድ እተቓልዐ ከባቢታት እናዓበየ ይኸይድ ኣሎ
    ኲንስላንዳውያን እቲ ዕጽዋ ክለዓል እንተ ኰይኑ ንምፍላጥ ክሳብ ሰንበት ክጽበዩ ኣለዎም


  • ነው ሳውዝ ዌልስ
    ኣብ ኒው ሳውዝ ዌልስ ኮቪድ-19 ቅልውላው እናገደደ ድሕሪ ምምፅኡ እቲ ክፍለ ግዝኣት 319 ሓደሽቲ ኣብቲ ከባቢ ዝተረኸቡ መልከፍቲ መዝጊቡ ፤ እንተወሓደ 51 ካብዚኣቶም ኣብቲ ማሕበረሰብ በቲ ሕማም ተታሒዞም ዝጸንሑ እዮም ።

    210 ካብቶም 319 መልከፍቲ ኣብ ደቡብ ምዕራብ ሲድኒ እዩ ዘሎ።

    ሰበስልጣን NSW እውን ተወሰኽቲ ሓሙሽተ ሰባት ምሟቶም ሓቢሮም ኣለው ። ካብዞም ሓሙሽተ ሰባት ዋላ ሓደ ክታበት ኣይተዋህቦምን ኔሮም።

    እቲ ኣብ ከባቢ NSW ዝርከብ ዞባዊ ምምሕዳር ከባቢ ኣርማዲለ ፡ ካብ ሰዓት 5: 00 ቅ.ቀ ክሳብ ሰንበት 15 ነሓሰ ፡ ክሳብ ሰዓት 12: 01 ቅ.ቀ. ኣብ ዘሎ ግዜ ንሓደ ሰሙን ዝጸንሕ ናይ ዕጽዋ ኣዋጅ ተኣዊጁ ኣሎ።

    ኣብዚ ርኸብ

     

ቪክቶሪያVictoria

ቪክቶርያ ፡ 29 ሓደስቲ ብኮቪድ-19 ዝተለኽፉ ሰባት መዝጊባ ኣላ ፣ ካብዚኣቶም ኣብ ውሸባ ዝነበረ ኣይነበረን ። ኵሉ እቲ መልከፍቲ ምስቲ ኣብዚ ግዜና ዝርአ ዘሎ ለበዳታት ዝተሓሓዝ እዩ ።

ኣብ ቪክቶርያ ፡ ቍጽሪ እቲ እተቓልዐ ከባቢታት ክውስኽ ከም ዝኽእል ፡ ሰበ ስልጣን ጥዕና ኣጠንቂቖም እዮም ። ሕጂ ኣብ መልበርን ዝርከባ ኣርባዕተ ኣብያተ-ትምህርቲ ምስ ኣወንታዊ መልከፍቲ ይተኣሳሰራ ኣለዋ ።

ኲንስላንድ

ኲንስላንድ 13 ሓደስቲ ኣብ ዉሽጢ እተረኽቡ መልከፍቲ መዝጊባ ኣላ: እዚ ከኣ ምስቲ ሕጂ ዘሎ ኢንዶኦፒሊ ክላስተር ዝተሓሓዝ እዩ ። ቍጽሪ እቶም ኣብ ኲንስላንድ ምስ ኮቪድ ዘለዉ ሰባት 144 እዩ ።

ሓላፊት ጥዕና ዶክቶር ጀነት ያንግ ፡ እቲ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ዘሎ ዕጽዋ ከምቲ ዝተወጠነ ፡ ሰንበት ሰዓት 4 ፡ 00 ናይ ምሸት ከም ዝለዓል ንምውሳን ፡ ክሳዕ ሰንበት ንግሆ ክትጽበ ምዃና ትገልጽ ።


ውሸባ ፡ መገሻ ፡ መርመራ ክሊኒካት ከምኡ 'ውን ክፍሊትን

ናይ ውሸባን መመርመሪን ብቕዓታት ብናይ መምሕድዳር ግዝኣትን ተሪቶርይ መንግስታት ይመሓደርን ይትግበርን:


ናብ ወፃእ ሃገር ክትጉዓዝ እንተደሊኻ ፤ ካብ መስመር ወፃእ ንዝኾነ ክፍሊት ኣብ መስመር መመልከቲ ክተቕርብ ትኽእል ኢኻ ።  ናይ ኣህጉራዊ በረራታት ግዝያዊ ስጉምትታት ኣሎ እዚ ድማ እቲ መንግስቲ በብእዋኑ ዝግምግሞን ዘመሓይሾን እዩ። ካብ ኣውስትራሊያ ንኽትወጽእ ብዛዕባ ዘሎ ቅድመ ኵነታት ዝበለጸ መረዳእታ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቑ   .


ብ ናይ NSW ሕብረ ብዙህ ባህሊታት ኣገልግሎት ሓበሬታ ጥዕና ዝተቶርጎመ ሓበሬታ በዚ ዝስዕብ ርኸቡ:


ኣብ ነፍሲወከፍ ግዝኣታት ዘለዉ መመርመሪ ከባቢታት:


 
 

ኣብ ነፍሲወከፍ ግዝኣት ብዛዕባ ዝወሃብ ደገፍ ሓበሬታ በዚ ዝስዕብ መላግቦ ርኸቡ:

 
 

Share
Published 7 August 2021 2:19pm
By SBS/ALC Content
Source: SBS


Share this with family and friends