- ናይ ዞባዊ ከባቢታት NSW ዕጽዋ ክሳብ 28 ነሓሰ ተናዊሑ
- ቪክቶርያ ሎሚ ንመበል 200 መዓልታት ኣብ ዕጽዋ
- ኣብ ካንቤራ ትሽዓተ ምስጢራዊ መልከፍቲ
- ኲንስላንድን ኖርዝ ተሪቶሪን ዜሮ ሓድሽ ናይ ከባቢ መልከፍቲ
ኒው ሳውዝ ወልስ
ኒው ሳውዝ ዌልስ: ሎሚ 681 ሓደስቲ ብኮቪድ እተለኽፉ ብምርካቦም ቅድሚ ሕጂ ካብእተጸብጸበ ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝበዝሐ ቁጽሪ ተረኺቡ። እዚ ብዝሒ ካብ 119,000 ናይ ኮቪድ-19 መርመራታት እተፈልጠዩ ።
እንተ ወሓደ 59 ሰባት ኣብቲ ማሕበረሰብ ንእተወሰነ ግዜ ተለኺፎምከለዉ ዝጸንሑዮም ።
ኣብ ሲድኒ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ሴንት ጆርጅ ፡ ሓደ ሰብኣይ 80 ታት ዕድሚኡ ብቫይረስ ኮሮና ከም ዝሞቱ ሰበስልጣን ኣፍሊጦም ኣለዉ ።
ንሱ ሓንሳብ እተኸትበን ሕዱር ሕማም ዝነበሮን እዩ ኔሩ።
እዚ ኣብዚ ሕጂ ካብ እተራእየ ለበዳ ፡ ቍጽሪ ምዉታት ናብ 61 ደዪቡ ኣሎ ።
ቪክቶሪያ
ቪክቶርያ ፡ ድሕርቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ካል ኣይ ለበዳ ፡ ዝለዓለ መዓልታዊ መልከፍቲ ኮሮና ኣመዝጊባ።
ናይ ቪክቶሪያ ክፍሊ ጥዕና 57 ሓደሽቲ ናይ ኮቪድ-19 መልከፍቲ ካብ 49,000 ዝተገብሩ መርመራታት ተረኺቡ ኣሎ ።
ካብዚ እቲ ሓምሳን ኣርባዕተን ምስ ፍሉጥ ተላበድቲ ዝተሓሓዝ እዩ ፣ እቶም 13 ድማ እንተ ወሓደ ንገለ ክፋል ናይ መልከፍቲ እዋን ኣብቲ ማሕበረሰብ ዝጸንሑዮም ።
እቲ ኣርብዓን ሓደን ብምኽንያት እቲ ንመበል -13 መዓልታት ዝግበር ናይ ውሸባ መርመራ ፡ እተረኽቡዮም።
ኣብ ዋና ከተማ ካምቤራ
ኣብ ኤ.ሲ.ቲ. 16 ሓደስቲ ብኮቪድ እተለኽፉ ከም እተረኽቡ ዝገልጽ ጸብጻብ ኣሎ ፣ ካብዚኣቶም እቶም ሓሙሽተ ምስቲ ህሉው ለብዒ እተተሓሓዘ ኣይኰኑን ። ድምር ናይቶም ኣብ ካንበራ ዝርከቡ ንጡፋት ሰባት 83 እዩ ።
መንገዲ ባቡር ካንቤራ ፡ መስመራት ኣውቶቡስ ፡ ኣብ ተርነር ዝርከብ ናይ ቀደም ትምህርቲ ማእከል ከምኡ 'ውን ኣብ ቤልኮነን ሓፈሻዊ ልምምዳት ገለ ካብቶም ብቐረባ ዝራኸቡ ሓደስቲ እዮም ።
ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ ኣውስትራሊያ
- ኣብ ከተማ ዳርዊን ዝጸንሐ ዕጽዋ ክለዓል ከሎ ፡ ገሊኡ ሕግታት ግን ኣብ ቦታኡ ኣሎ ።
- ካትሪን ክሳዕ ዓርቢ 20 ነሓሰ ፡ እቲ ዕጽዋ ክቕጽል እዩ ።
- ፕሪመር ኣንስታቺያ ፓላስዚኩክ ኣብ ዶብ ኲንስላንድ ምስ NSW ሰራዊ ክዋፈር ሓቲታ።

Source: ALC
ውሸባ፡ መገሻ፡ መርመራ ክሊኒካት ከምኡ'ውን ክፍሊታት ሓገዝ ብምኽንያት ለበዳን
ናይ ውሸባን መመርመሪን ብቕዓታት ብናይ መምሕድዳር ግዝኣትን ተሪቶርይ መንግስታት ይመሓደርን ይትግበርን:
ናብ ወፃእ ሃገር ክትጉዓዝ እንተደሊኻ ፤ ካብ መስመር ወፃእ ንዝኾነ ክፍሊት ኣብ መስመር መመልከቲ ክተቕርብ ትኽእል ኢኻ ። ናይ ኣህጉራዊ በረራታት ግዝያዊ ስጉምትታት ኣሎ እዚ ድማ እቲ መንግስቲ በብእዋኑ ዝግምግሞን ዘመሓይሾን እዩ። ካብ ኣውስትራሊያ ንኽትወጽእ ብዛዕባ ዘሎ ቅድመ ኵነታት ዝበለጸ መረዳእታ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቑ .
- ዜናን ሓበሬታ ብልዕሊ 60 ቋንቋታት
- ኣብ ግዝ ኣትኩም ብዛዕባ ዘሎ ኣድለይቲ ሓበሬታ : , , , , , , .
- ።
ብ ናይ NSW ሕብረ ብዙህ ባህሊታት ኣገልግሎት ሓበሬታ ጥዕና ዝተቶርጎመ ሓበሬታ በዚ ዝስዕብ ርኸቡ:
ኣብ ነፍሲወከፍ ግዝኣታት ዘለዉ መመርመሪ ከባቢታት:
ኣብ ነፍሲወከፍ ግዝኣት ብዛዕባ ዝወሃብ ደገፍ ሓበሬታ በዚ ዝስዕብ መላግቦ ርኸቡ: