እዋናዊ ሓበሬታ ኮቪድ-19 ኣብ ኣውስትራሊያ: NSW ናይ ዞባታት ምዕጻው ኣናዊሓቶ, ቪክቶሪያ ሎሚ መበል 200 መዓልታ ኣብ ዕጽዋ

እዚ ናይ 19 ነሓሰ 2021 እዋናዊ ሓበሬታ ብዛዕባ ኮቪድ-19 ኣውስትራሊያ እዩ።

testing cue outside Palais Theatre

People are seen waiting in line outside of the Palais Theatre at a pop-up testing facility in St Kilda, Melbourne, Thursday, August 19, 2021. Source: AAP Image/James Ross

  • ናይ ዞባዊ ከባቢታት NSW ዕጽዋ ክሳብ 28 ነሓሰ ተናዊሑ

  • ቪክቶርያ ሎሚ ንመበል 200 መዓልታት ኣብ ዕጽዋ

  • ኣብ ካንቤራ ትሽዓተ ምስጢራዊ መልከፍቲ

  • ኲንስላንድን ኖርዝ ተሪቶሪን ዜሮ ሓድሽ ናይ ከባቢ መልከፍቲ


ኒው ሳውዝ ወልስ
ኒው ሳውዝ ዌልስ: ሎሚ 681 ሓደስቲ ብኮቪድ እተለኽፉ ብምርካቦም ቅድሚ ሕጂ ካብእተጸብጸበ ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝበዝሐ ቁጽሪ ተረኺቡ። እዚ ብዝሒ ካብ 119,000 ናይ ኮቪድ-19 መርመራታት እተፈልጠዩ ።

 እንተ ወሓደ 59 ሰባት ኣብቲ ማሕበረሰብ ንእተወሰነ ግዜ ተለኺፎምከለዉ ዝጸንሑዮም ።

 ኣብ ሲድኒ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ሴንት ጆርጅ ፡ ሓደ ሰብኣይ 80 ታት ዕድሚኡ  ብቫይረስ ኮሮና ከም ዝሞቱ ሰበስልጣን ኣፍሊጦም ኣለዉ ።

 ንሱ ሓንሳብ እተኸትበን ሕዱር ሕማም ዝነበሮን እዩ ኔሩ።

እዚ ኣብዚ ሕጂ ካብ እተራእየ ለበዳ ፡ ቍጽሪ ምዉታት ናብ 61 ደዪቡ ኣሎ ።

ካብቶም 82 ዝተለኽፉ ኣብ ጽዑቕ ክንክን ዝርከቡ እቶም 71 ኣይተኸትቡን፡   

ቪክቶሪያ
ቪክቶርያ ፡ ድሕርቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ካል ኣይ ለበዳ ፡ ዝለዓለ መዓልታዊ መልከፍቲ ኮሮና ኣመዝጊባ።

 ናይ ቪክቶሪያ ክፍሊ ጥዕና  57 ሓደሽቲ ናይ ኮቪድ-19 መልከፍቲ ካብ 49,000 ዝተገብሩ መርመራታት ተረኺቡ ኣሎ ።

 ካብዚ እቲ ሓምሳን ኣርባዕተን ምስ ፍሉጥ ተላበድቲ ዝተሓሓዝ እዩ ፣ እቶም 13 ድማ እንተ ወሓደ ንገለ ክፋል ናይ መልከፍቲ እዋን ኣብቲ ማሕበረሰብ ዝጸንሑዮም ።

 እቲ ኣርብዓን ሓደን ብምኽንያት እቲ ንመበል -13 መዓልታት ዝግበር ናይ ውሸባ መርመራ ፡ እተረኽቡዮም።

ኣብ ዋና ከተማ ካምቤራ
ኣብ ኤ.ሲ.ቲ. 16 ሓደስቲ ብኮቪድ እተለኽፉ ከም እተረኽቡ ዝገልጽ ጸብጻብ ኣሎ ፣ ካብዚኣቶም እቶም ሓሙሽተ ምስቲ ህሉው ለብዒ እተተሓሓዘ ኣይኰኑን ። ድምር ናይቶም ኣብ ካንበራ ዝርከቡ ንጡፋት ሰባት 83 እዩ ።

መንገዲ ባቡር ካንቤራ ፡ መስመራት ኣውቶቡስ ፡ ኣብ ተርነር ዝርከብ ናይ ቀደም ትምህርቲ ማእከል ከምኡ 'ውን ኣብ ቤልኮነን ሓፈሻዊ ልምምዳት ገለ ካብቶም ብቐረባ ዝራኸቡ ሓደስቲ እዮም ።

ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ ኣውስትራሊያ
  • ኣብ ከተማ ዳርዊን ዝጸንሐ ዕጽዋ ክለዓል ከሎ ፡ ገሊኡ ሕግታት ግን ኣብ ቦታኡ ኣሎ ።

  • ካትሪን ክሳዕ ዓርቢ 20 ነሓሰ ፡ እቲ ዕጽዋ ክቕጽል እዩ ።

  • ፕሪመር ኣንስታቺያ ፓላስዚኩክ ኣብ ዶብ ኲንስላንድ ምስ NSW ሰራዊ ክዋፈር ሓቲታ።

alc covid mental health
Source: ALC

ውሸባ፡ መገሻ፡ መርመራ ክሊኒካት ከምኡ'ውን ክፍሊታት ሓገዝ ብምኽንያት ለበዳን

ናይ ውሸባን መመርመሪን ብቕዓታት ብናይ መምሕድዳር ግዝኣትን ተሪቶርይ መንግስታት ይመሓደርን ይትግበርን:


ናብ ወፃእ ሃገር ክትጉዓዝ እንተደሊኻ ፤ ካብ መስመር ወፃእ ንዝኾነ ክፍሊት ኣብ መስመር መመልከቲ ክተቕርብ ትኽእል ኢኻ ።  ናይ ኣህጉራዊ በረራታት ግዝያዊ ስጉምትታት ኣሎ እዚ ድማ እቲ መንግስቲ በብእዋኑ ዝግምግሞን ዘመሓይሾን እዩ። ካብ ኣውስትራሊያ ንኽትወጽእ ብዛዕባ ዘሎ ቅድመ ኵነታት ዝበለጸ መረዳእታ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቑ   .


ብ ናይ NSW ሕብረ ብዙህ ባህሊታት ኣገልግሎት ሓበሬታ ጥዕና ዝተቶርጎመ ሓበሬታ በዚ ዝስዕብ ርኸቡ:


ኣብ ነፍሲወከፍ ግዝኣታት ዘለዉ መመርመሪ ከባቢታት:


 
 

ኣብ ነፍሲወከፍ ግዝኣት ብዛዕባ ዝወሃብ ደገፍ ሓበሬታ በዚ ዝስዕብ መላግቦ ርኸቡ:

 
 

Share
Published 19 August 2021 5:35pm
By SBS/ALC Content
Source: SBS


Share this with family and friends