እዋናዊ ሓበሬታ ኮቪድ-19 ፡ NSW ኣብ ሃንተርቫሊ ዕጽዋ ኣዊጃ

እዚ ኣብ ኣውስትራሊያ ን ኮሮናቫይረስ ዝምልከት ን 5 ነሓሰ 2021 እዋናዊ ሓበሬታ እዩ ።

Newcastle residents are tested at a drive through collection centre in Adamstown, Newcastle,

Newcastle residents are tested at a drive through collection centre in Adamstown, Newcastle, Thursday, August 5, 2021. Source: AAP Image/Darren Pateman

ዞባ ሃንተር ቫሊ ካብ ሰዓት 5 ድ.ቐ ጀሚሩ ናብ ዕጽዋ ይኣቱ
ኩሎም ሓደሽቲ መልከፍቲ ኣብ ብሪዝቤን እተኣሳሰሩዮም
ቪክቶሪያ ምስጢራዊ መልከፍቲን ረኽስን ሓድሽ ኵነታትን መዝጊባ
ቀዳማይ ሚኒስተር ተወሳኺ ፋይዘር ክታበት ኮቪድ-19 ዶዝ ን ኒው ሳውዝ ወልድ


ኒው ሳውዝ ዌልስ
ካብ ውሽጢ 262 ሓደሽቲ መልከፍቲን ሓሙሽተ ዝሞቱ ሰባትን ኣብ NSW መዝጊባ ኣላ ። እቶም ኣርባዕተ ዝሞቱ ሰባት ክታበት ኣይረኸቡን ፡ እቲ ሓምሻይ ሰብ ድማ ናይ ኣስትራዘነካ ኮቪድ-19 ክታበት ተዋሂብዎ ነይሩ ።

ንኒውካስል ፡ ሌክ ማኴርይ ፡ መትላንድ ፡ ፖርት ስቴፕልስ ፡ ሲንግቶ ፡ ዱንጎግ ፡ ሙስወልብሩክን ከስኖክን ካብ ሰዓት 5 ድ.ቐ ክሳብ ዕለት 13 ናይ ወርሒ ነሓሰ ሓድሽ ቀይድታት ክተኣታቶ እዩ ።

ዋና ናይ ጥዕና ሓላፊት ዶ/ር ኬሪ ቻንት ካብ ኣርማዲለን ዱቦብን ዝመጹ ሰባት ኣብ ስርዓተ መርበብ ፈሳሲ ርስሓት መጠን ቫይረስ ስለዝወሰኸ መርመራ ክገብሩ ተማሕጺና።

ሰበስልጣን NSW ነፍሲ ወከፍ ሰብ ክታበት ንኽረክብ ይልምኑ ። ብዛዕባ ክታበት ዝወሃቦ ኣብዚ ርኸብ  .

ኲንስላንድ
ኲንስላንድ 16 ሓድሽ ጕዳያት መልከፍቲ ረኺባ ኣላ ፣ እዚ ከኣ ምስቲ ሕጂ ዘሎ ክላስተር ዝተሓሓዝ እዩ ።

ምክትል ፕሪመር ስቲቨን ሚለስ ከም ዝገለጾ ፡ ኣብ ብሪዝቤን ካብ ዘጋጠመ ፀገማት እቶም 12 ምሉእ ብምሉእ በዚ ሕማም እዚ እተታሕዙ እዮም ። 79 ንጡፋት ሰባት ብምህላዎም ፡ እቲ ኣብ 8 ነሓሰ ዝተኣወጀ ምዕጻው ዝምልከት መጻኢ እንታይ ከምዝውሰን ገና ኣይተፈልጠን ።

ኣብ ኣውስትራሊያ ኣብዝሓለፉ ን24 ሰዓታት
ቪክቶርያ ፡ ሽዱሽተ ሓደስቲ መልከፍቲ መዝጊባ ኣላ ፣ ገለ ካብዚኣቶም ከኣ ኣብ ማሕበረሰብ ተላባዒ ሕማም እናሃለዎም ክነሶም ኣብ መልበርን ዝነብሩ ከምዝጸንሑ ሓንቲ መምህር ክጥቀስ ይከኣል ። እቲ ጉዳያ ኣብ መርመራ ኣሎ ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ስኮት ሞሪሰን ኣብ ሰሙን ናይ 16 ነሓሰ ናይ ፋይዘር ኮቪድ-19 ክታበት ተወሳኺ 180,000 ዶስ NSWከም ትቕበል ኣረጋጊጹ

ውሸባ ፡ መገሻ ፡ መርመራ ክሊኒካት ከምኡ 'ውን ክፍሊትን

ናይ ውሸባን መመርመሪን ብቕዓታት ብናይ መምሕድዳር ግዝኣትን ተሪቶርይ መንግስታት ይመሓደርን ይትግበርን:


ናብ ወፃእ ሃገር ክትጉዓዝ እንተደሊኻ ፤ ካብ መስመር ወፃእ ንዝኾነ ክፍሊት ኣብ መስመር መመልከቲ ክተቕርብ ትኽእል ኢኻ ።  ናይ ኣህጉራዊ በረራታት ግዝያዊ ስጉምትታት ኣሎ እዚ ድማ እቲ መንግስቲ በብእዋኑ ዝግምግሞን ዘመሓይሾን እዩ። ካብ ኣውስትራሊያ ንኽትወጽእ ብዛዕባ ዘሎ ቅድመ ኵነታት ዝበለጸ መረዳእታ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቑ   .


ብ ናይ NSW ሕብረ ብዙህ ባህሊታት ኣገልግሎት ሓበሬታ ጥዕና ዝተቶርጎመ ሓበሬታ በዚ ዝስዕብ ርኸቡ:


ኣብ ነፍሲወከፍ ግዝኣታት ዘለዉ መመርመሪ ከባቢታት:


 
 

ኣብ ነፍሲወከፍ ግዝ ኣት ብዛዕባ ዝወሃብ ደገፍ ሓበሬታ በዚ ዝስዕብ መላግቦ ርኸቡ:

 
 

Share
Published 5 August 2021 4:18pm
By SBS/ALC Content
Source: SBS


Share this with family and friends