እዋናዊ ሓበሬታ ኮቪድ-19፡ ኒው ሳውዝ ዌልስን ቪክቶርያን ዝለዓሉ ቁጽርታት ዕለታዊ መልከፍትታት ኣብ'ዚ ለበዳ ደልታ ይምዝግባ

እዚ ብዛዕባ ኮሮናቫይረስ ኣብ ኣውስትራልያ እዋናዊ ሓበሬታ ዕለት 22 ሓምለ 2021 እዩ።

Cleaners are seen at work inside of the Prahran Market in Melbourne, Thursday, July 22, 2021.

Prahran Market is undergoing a deep clean after it was revealed a customer, who tested positive for COVID-19, visited on July 17 between 9.40am and 11.15am. Source: AAP Image/James Ross

  • ፕሪምየር ቁጽርታት መልከፍቲ ኮቪድ-19 ኣብ ኒው ሳውዝ ዌልስ ክውስኹ'ዮም ኢላ ተጠንቅቕ።
  • ፍሉጥ ዕዳጋ ኣብ ደቡብ ምብራቕ ውሽጢ ከተማ መልበርን ዝኾነ ፕራን ማርኬት ደረጃ-1 ንኮቪድ-19 ዝተቓልዐ ተባሂሉ ተኣዊጁ።
  • ኣብ ከተማ ኣደላይድ ኣብ'ዚ ሕጂ እዋን 71 ዝተቓልዑ ቦታታት ኣለው።
  • ኣብ ታዝመንያ ሓደ ኣብ ኣርባዓታት ዕድመ ዝርከብ ሰብ ቀዳማይ እብረ ክታበት ኣስትራዘነካ ድሕሪ ምውሳዱ ዓሪፉ።

ኒው ሳውዝ ዌልስ

ኒው ሳውዝ ዌልስ 124 ሓደስቲ ኣብ ማሕበረሰብ ዝተረኽቡ መልከፍታት መዝጊባ፡ እቶም 87 ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰብ እናሃለው ንኻልእ ክለኽፉ ኣብ ዝኽእልሉ ኩነታት ኔሮም። 30 መልከፍትታት ከኣ ኣብ ምምሕዳራዊ ከባቢ ፈይርፊልድ ተረኺቦም።

ካብ ዓርቢ 23 ሓምለ፡ ኣብ ካንተርበሪ-ባንክስታውን ዝነብሩ ሰራሕተኛታት ጥዕናን መእለዪ ኣረጋውያንን ንስራሕ ኢሎም ካብ'ቲ ዝነብርሉ ከባቢ ክወጹ እንተኾይኖም ኣብ ነብሲ ወከፍ ሰለስተ መዓልታት መርመራ ኮቪድ-19 ክገብሩ ኣለዎም።

መልከፍትታት ዝርከቡሎም ቦታታት ኣብ ዝርዝር ኣስማት ወይ ካርታ ኣብ'ዚ (ርኸብዎም። እዚ ናይ ሕጂ መዕጸውቲ ወይ ቀይድታት ምንቅስቓስ ክሳብ ሰዓት 11:59 ድ. ቀ. ዓርቢ 30 ሓምለ ክናዋሕ'ዩ።

ቪክቶርያ

ቪክቶርያ 26 ሓደስቲ መልከፍትታት ኣብ ማሕበረሰብ መዝጊባ፣ እዚ ዝለዓለ ዕለታዊ ድምር ኣብ'ዚ ዓመት'ዩ። ክሳብ ሕጂ ዘሎ ድምር ንጡፋት መልከፍትታት'ታ ግዝኣት 146 እዩ።

ገለ 18000 ቀዳሞት ብቐረባ ዝተራኸቡ ሰባት ኣብ መላእ'ታ ግዝኣት ነብሰ-ምግላል ይገብሩ'ለው፣ ቁጽሪ ናይ'ቶም ንኮቪድ-19 ዝተቓልዑ ቦታታት ናብ ልዕሊ 380 ወሲኹ'ሎ።

መልከፍትታት ዝርከቡሎም ቦታታት ኣብ ዝርዝር ኣስማት ወይ ካርታ ኣብ'ዚ ()ርኸብዎም። እዚ ናይ ሕጂ መዕጸውቲ ወይ ቀይድታት ምንቅስቓስ ክሳብ ሰዓት 11:59 ድ. ቀ. ሰሉስ 27 ሓምለ ክናዋሕ'ዩ።

ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ ዙርያ ኣውስትራልያ

  • ሳውዝ ኣውስትራልያ ክልተ ሓደስቲ መልከፍትታት መዝጊባ፡ ንድምር መልከፍቲ ናይ'ታ ግዝኣት ኣብ'ዚ ለበዳ ናብ 14 ክብ ኣቢልዎ።
  • ኲንስላንድ ዶባታት ንዝተረፈ ክፋል ኒው ሳውዝ ዌልስ ካብ ዓርቢ 23 ሓምለ ክትዓጽዎ'ያ።
  • ሓደ ኣብ 40ታት ዝርከብ ታዝመንያዊ ሰብኣይ፡ ዝተረጋገጸ ጸገም ጥዕና ትሮምቦሳይቶፐንያ ሲንድሮም ዘለዎ፡ ቀዳማይ እብረ ክታበት ኣስትራዘነካ ምስ ተወግአ ዓሪፉ።

ዒድ ኣል ኣድሓ (ዝሕረደሉ በዓል) ዓርቢ 23 ሓምለ ይውዳእ። ኣብ ግዜ ምጽላይን ምስጋድን ንዓኹምን ንኻልኦትን ብኸም'ዚ ክትከላኸሉ ትኽእሉ ኢኹም፡

  • ኣብ ገዛ ብምስጋድ/ብምጽላይ
  • ዓበይቲ ምትእኽኻባት ብምስራዝ
  • መሸፈኒ ኣፍኩምን ኣፍንጫኹምን ብምግባር
  • ናይ በይንኹም ስጋደት ብምጥቃል

ውሸባ፡ መገሻ/ጉዕዞ፡ መርመራ ዝካየደሎም ክሊኒካትን ኣብ ግዜ ለበዳ ዝወሃብ ናይ ሓገዝ ክፍሊትን

ኣድላይነታት ውሸባን መርመራን ብመንግስታት ግዝኣትን ዶባዊ ምምሕዳራትን ይመሓደሩን ይትግበሩን።

ኒው ሳውዝ ዌልስ (NSW)  and 
ቪክቶርያ (VIC)  and 
ኤሲቲ (ACT)  and 
ኤንቲ (NT) and 
ኲንስላንድ (QLD) and 
ሳውዝ ኣውስትራልያ (SA) and 
ታዝመንያ (TAS) and 
ወስተርን ኣውስትራልያ (WA) and 

ናብ ስግር ባሕሪ/ካልኦት ሃገራት ክትገሹ እንተደሊኹም፡ ሕድገት ክግበረልኩም ኣብ ኦንላይን ከተምልክቱ ትኽእሉ ኢኹም። ብዛዕባ ካብ ኣውስትራልያ ክትወጹሎም ትኽእሉ ኩነታት ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ  ጠውቑ። ብቐጻሊ ብመንግስቲ ዝግምገሙን ኣብ መርበብ ሓበሬታ  ዝሕደሱን ግዝያዊ መምርሒታትን ስጉምቲታትን ንኣህጉራውያን በረራታት ኣለው።


ብልዕሊ 60 ቋንቋታት ዝቐርቡ ዜናታትን ሓበሬታታትን ኣብ 


ዝተተርጎሙ ትሕዝቶታት ብዝሐባህላዊ ኣገልግሎት ርክባት ጥዕና ግዝኣት ኒው ሳውዝ ዌልስ ኣብ'ዚ ርኸብዎም፡

 (ቆጸራ መዘኻኸሪ መሳርሒ)


መመርመሪ ክሊኒካት ኣብ ነብሲ ወከፍ ግዝኣትን ዶባዊ ምምሕዳርን

 (ኒው ሳውዝ ዌልስ)

 (ቪክቶርያ)

 (ኲንስላንድ)

 (ሳውዝ ኣውስትራልያ)

 (ኤሲቲ)

 (ወስተርን ኣውስትራልያ)

 (ታዝመንያ)

 (ኖርዘርን ተሪተሪ)


ሓበሬታ ብዛዕባ ኣብ ግዜ ለበዳ ዝወሃብ ክፍሊት ሓገዝ ኣብ ነብሲ ወከፍ ግዝኣትን ዶባዊ ምምሕዳርን፡

 (ኒው ሳውዝ ዌልስ)

 ቪክቶርያ

 (ኲንስላንድ)

 (ሳውዝ ኣውስትራልያ)

 (ኤሲቲ)

 (ወስተርን ኣውስትራልያ)

 (ኖርዘርን ተሪተሪ)

 

 

 

 

 

 

 


Share
Published 22 July 2021 11:40pm
By SBS/ALC Content
Source: SBS


Share this with family and friends