- ፕሪምየር ቁጽርታት መልከፍቲ ኮቪድ-19 ኣብ ኒው ሳውዝ ዌልስ ክውስኹ'ዮም ኢላ ተጠንቅቕ።
- ፍሉጥ ዕዳጋ ኣብ ደቡብ ምብራቕ ውሽጢ ከተማ መልበርን ዝኾነ ፕራን ማርኬት ደረጃ-1 ንኮቪድ-19 ዝተቓልዐ ተባሂሉ ተኣዊጁ።
- ኣብ ከተማ ኣደላይድ ኣብ'ዚ ሕጂ እዋን 71 ዝተቓልዑ ቦታታት ኣለው።
- ኣብ ታዝመንያ ሓደ ኣብ ኣርባዓታት ዕድመ ዝርከብ ሰብ ቀዳማይ እብረ ክታበት ኣስትራዘነካ ድሕሪ ምውሳዱ ዓሪፉ።
ኒው ሳውዝ ዌልስ
ኒው ሳውዝ ዌልስ 124 ሓደስቲ ኣብ ማሕበረሰብ ዝተረኽቡ መልከፍታት መዝጊባ፡ እቶም 87 ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰብ እናሃለው ንኻልእ ክለኽፉ ኣብ ዝኽእልሉ ኩነታት ኔሮም። 30 መልከፍትታት ከኣ ኣብ ምምሕዳራዊ ከባቢ ፈይርፊልድ ተረኺቦም።
ካብ ዓርቢ 23 ሓምለ፡ ኣብ ካንተርበሪ-ባንክስታውን ዝነብሩ ሰራሕተኛታት ጥዕናን መእለዪ ኣረጋውያንን ንስራሕ ኢሎም ካብ'ቲ ዝነብርሉ ከባቢ ክወጹ እንተኾይኖም ኣብ ነብሲ ወከፍ ሰለስተ መዓልታት መርመራ ኮቪድ-19 ክገብሩ ኣለዎም።
መልከፍትታት ዝርከቡሎም ቦታታት ኣብ ዝርዝር ኣስማት ወይ ካርታ ኣብ'ዚ (ርኸብዎም። እዚ ናይ ሕጂ መዕጸውቲ ወይ ቀይድታት ምንቅስቓስ ክሳብ ሰዓት 11:59 ድ. ቀ. ዓርቢ 30 ሓምለ ክናዋሕ'ዩ።
ቪክቶርያ
ቪክቶርያ 26 ሓደስቲ መልከፍትታት ኣብ ማሕበረሰብ መዝጊባ፣ እዚ ዝለዓለ ዕለታዊ ድምር ኣብ'ዚ ዓመት'ዩ። ክሳብ ሕጂ ዘሎ ድምር ንጡፋት መልከፍትታት'ታ ግዝኣት 146 እዩ።
ገለ 18000 ቀዳሞት ብቐረባ ዝተራኸቡ ሰባት ኣብ መላእ'ታ ግዝኣት ነብሰ-ምግላል ይገብሩ'ለው፣ ቁጽሪ ናይ'ቶም ንኮቪድ-19 ዝተቓልዑ ቦታታት ናብ ልዕሊ 380 ወሲኹ'ሎ።
መልከፍትታት ዝርከቡሎም ቦታታት ኣብ ዝርዝር ኣስማት ወይ ካርታ ኣብ'ዚ ()ርኸብዎም። እዚ ናይ ሕጂ መዕጸውቲ ወይ ቀይድታት ምንቅስቓስ ክሳብ ሰዓት 11:59 ድ. ቀ. ሰሉስ 27 ሓምለ ክናዋሕ'ዩ።
ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ ዙርያ ኣውስትራልያ
- ሳውዝ ኣውስትራልያ ክልተ ሓደስቲ መልከፍትታት መዝጊባ፡ ንድምር መልከፍቲ ናይ'ታ ግዝኣት ኣብ'ዚ ለበዳ ናብ 14 ክብ ኣቢልዎ።
- ኲንስላንድ ዶባታት ንዝተረፈ ክፋል ኒው ሳውዝ ዌልስ ካብ ዓርቢ 23 ሓምለ ክትዓጽዎ'ያ።
- ሓደ ኣብ 40ታት ዝርከብ ታዝመንያዊ ሰብኣይ፡ ዝተረጋገጸ ጸገም ጥዕና ትሮምቦሳይቶፐንያ ሲንድሮም ዘለዎ፡ ቀዳማይ እብረ ክታበት ኣስትራዘነካ ምስ ተወግአ ዓሪፉ።
ዒድ ኣል ኣድሓ (ዝሕረደሉ በዓል) ዓርቢ 23 ሓምለ ይውዳእ። ኣብ ግዜ ምጽላይን ምስጋድን ንዓኹምን ንኻልኦትን ብኸም'ዚ ክትከላኸሉ ትኽእሉ ኢኹም፡
- ኣብ ገዛ ብምስጋድ/ብምጽላይ
- ዓበይቲ ምትእኽኻባት ብምስራዝ
- መሸፈኒ ኣፍኩምን ኣፍንጫኹምን ብምግባር
- ናይ በይንኹም ስጋደት ብምጥቃል
ውሸባ፡ መገሻ/ጉዕዞ፡ መርመራ ዝካየደሎም ክሊኒካትን ኣብ ግዜ ለበዳ ዝወሃብ ናይ ሓገዝ ክፍሊትን
ኣድላይነታት ውሸባን መርመራን ብመንግስታት ግዝኣትን ዶባዊ ምምሕዳራትን ይመሓደሩን ይትግበሩን።
ናብ ስግር ባሕሪ/ካልኦት ሃገራት ክትገሹ እንተደሊኹም፡ ሕድገት ክግበረልኩም ኣብ ኦንላይን ከተምልክቱ ትኽእሉ ኢኹም። ብዛዕባ ካብ ኣውስትራልያ ክትወጹሎም ትኽእሉ ኩነታት ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ ጠውቑ። ብቐጻሊ ብመንግስቲ ዝግምገሙን ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዝሕደሱን ግዝያዊ መምርሒታትን ስጉምቲታትን ንኣህጉራውያን በረራታት ኣለው።
ኣገደስቲ መምርሒታት ንግዝኣትኩም ወይ ዶባዊ ምምሕዳርኩም፡ , , , , , ,
ዝተተርጎሙ ትሕዝቶታት ብዝሐባህላዊ ኣገልግሎት ርክባት ጥዕና ግዝኣት ኒው ሳውዝ ዌልስ ኣብ'ዚ ርኸብዎም፡
መመርመሪ ክሊኒካት ኣብ ነብሲ ወከፍ ግዝኣትን ዶባዊ ምምሕዳርን
ሓበሬታ ብዛዕባ ኣብ ግዜ ለበዳ ዝወሃብ ክፍሊት ሓገዝ ኣብ ነብሲ ወከፍ ግዝኣትን ዶባዊ ምምሕዳርን፡