እዋናዊ ሓበሬታ ኮቪድ-19 : ሓድሽ ዕጽዋ ኣብ ሲድኒ፡ ምዕራባዊ NSW ከምኡ'ውን ACT

እዚ ኣብ ኣውስትራሊያ ዘሎ ኩነታት ኮሮና ቫይረስ ኣብ 12 ነሓሰ 2021 ዘሎ ኩነታት ዝገልጽ ሓበሬታ እዩ።

ACT

Overlooking Lake Burley Griffin with Dept. of Defence in the foreground, Captain Cook water jet centre and Black Mountain top right. (AAP Photo/Alan Porritt) Source: AAP Photo/Alan Porritt

  • ዝሰፍሐ ከባቢታት ኣብ NSW ትሕቲ ናይ ዕጽዋ ቀይድታት

  • ኣብ መልበርን ናይ ንግዲ ሥራሕቲ ዝግበር ተወሳኺ ደገፍ

  • ACT ካብ ሰዓት 5 ፡ 00 ድ.ቐ ጀሚሩ ኣብ ዕጽዋ ትኣቱ

  • ደቡብ ኣውስትራሊያውያን ብነፋሪት ናብ ኲንስላንድ ክጉዓዙ ይኽእሉ እዮም


ኒው ሳውዝ ወልስ
Nsw 345 ሓደስቲ መልከፍቲ መዝጊባ ኣላ ፡ እንተወሓደ ካብዚኣቶም 60 ኣብ ማሕበረሰብ በቲ ሕማም ተለኺፎም ከለዉ ዝጸንሑ እዩም ። ኣብ 90 ዕድሚኦም ዝርከቡ ክልተ ሰባት ብሰንኪ ኮቪድ-19 ሞይቶም ።

ቦጋን ፡ ቡርከ ፡ ብረውረዊና ፡ ኮናምብል ፡ ጊልጋንድራ ፡ ናርሮምይን ፡ ዋልጌትን ዋረን ዞባዊ ምምሕዳር ከባቢታት ፡ ኣብ ዝርዝር ኣብ ዕጽዋ ኣትየን ዘለዋ ናይ ከባቢ ምምሕዳራት ኮይነን ኣለዋ ።

ባይሳይድ ፡ በርዉድን ስትራዝፊልድ ካብ 5 ሰዓት ንላዕሊ ተወሳኺ ናይ ኮቪድ-19 ቀይዲታት ተገይርሉ ኣሎ ፡ እዚ ድማ ጠቕላላ ናይቲ ኣብ ከባቢ ሲድኒ ዝርከብ ምምሕዳር ከባቢታት ናብ ቀይዲ ኣትዩ ዘሎ 12 ክብ ኢሉ ይርከብ ።

ቪክቶሪያ
ቪክቶርያሎሚ 21 ሓደስቲ መልከፍቲ መዝጊባ ኣላ ፣ ካብዚኣቶም እቶም ኣርባዕተ ምስቲ ፍሉጥ ከባቢታት እተተሓሓዘ ኣይኰኑን ። ሽዱሽተ ተለኺፎምከለዉ ኣብቲ ማሕበረሰብ ዝጸንሑ እዮም ።

ሚኒስተር ስራሕ ፡ ኢኖቬሽንን ንግዲ ማርቲን ፓኩላ ፡ ኣብታ ካልአይቲ ሰሙን ምዕጻው ንዝተጠቕዓ ልዕሊ 100,000 ዝዀና ኣብ ከተማ መልበርን ዝርከባ ትካላት ንግዲ ፡ ተወሳኺ ደገፍ ከም እተገብረለን ኣፍሊጡ ።

ኣብዝሓለፉ24 ሰዓታት ኣብ ካልእ ክፋል ኣውስትራሊያ
  • ኲንስላንድ 10 ሓደስቲ መልከቲ ተረኺቡ ኩሎም ግና ተወሺቦም ካብዘለዉ እዩ።
  • ናይ ኲንስላንድ ፕሪሜር ፓለዢየ ከምዝበለቶ ካብ ደቡብ ኣውስትራሊያ ሰባት ብ ኣየር ናብ ኲንስላንድ ክ ኣትዉ ይኽእሉ እዮም ነበርቲ ግና ናብ NSW. ከይኣትዉ ኣጠንቂቓ።

ውሸባ፡ መገሻ፡ መርመራ ክሊኒካት ከምኡ'ውን ክፍሊታት ሓገዝ ብምኽንያት ለበዳን

ናይ ውሸባን መመርመሪን ብቕዓታት ብናይ መምሕድዳር ግዝኣትን ተሪቶርይ መንግስታት ይመሓደርን ይትግበርን:


ናብ ወፃእ ሃገር ክትጉዓዝ እንተደሊኻ ፤ ካብ መስመር ወፃእ ንዝኾነ ክፍሊት ኣብ መስመር መመልከቲ ክተቕርብ ትኽእል ኢኻ ።  ናይ ኣህጉራዊ በረራታት ግዝያዊ ስጉምትታት ኣሎ እዚ ድማ እቲ መንግስቲ በብእዋኑ ዝግምግሞን ዘመሓይሾን እዩ። ካብ ኣውስትራሊያ ንኽትወጽእ ብዛዕባ ዘሎ ቅድመ ኵነታት ዝበለጸ መረዳእታ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቑ   .


ብ ናይ NSW ሕብረ ብዙህ ባህሊታት ኣገልግሎት ሓበሬታ ጥዕና ዝተቶርጎመ ሓበሬታ በዚ ዝስዕብ ርኸቡ:


ኣብ ነፍሲወከፍ ግዝኣታት ዘለዉ መመርመሪ ከባቢታት:


 
 

ኣብ ነፍሲወከፍ ግዝኣት ብዛዕባ ዝወሃብ ደገፍ ሓበሬታ በዚ ዝስዕብ መላግቦ ርኸቡ:

 
 

Share
Published 12 August 2021 5:53pm
By SBS/ALC Content
Source: SBS


Share this with family and friends