- ዝሰፍሐ ከባቢታት ኣብ NSW ትሕቲ ናይ ዕጽዋ ቀይድታት
- ኣብ መልበርን ናይ ንግዲ ሥራሕቲ ዝግበር ተወሳኺ ደገፍ
- ACT ካብ ሰዓት 5 ፡ 00 ድ.ቐ ጀሚሩ ኣብ ዕጽዋ ትኣቱ
- ደቡብ ኣውስትራሊያውያን ብነፋሪት ናብ ኲንስላንድ ክጉዓዙ ይኽእሉ እዮም
ኒው ሳውዝ ወልስ
Nsw 345 ሓደስቲ መልከፍቲ መዝጊባ ኣላ ፡ እንተወሓደ ካብዚኣቶም 60 ኣብ ማሕበረሰብ በቲ ሕማም ተለኺፎም ከለዉ ዝጸንሑ እዩም ። ኣብ 90 ዕድሚኦም ዝርከቡ ክልተ ሰባት ብሰንኪ ኮቪድ-19 ሞይቶም ።
ቦጋን ፡ ቡርከ ፡ ብረውረዊና ፡ ኮናምብል ፡ ጊልጋንድራ ፡ ናርሮምይን ፡ ዋልጌትን ዋረን ዞባዊ ምምሕዳር ከባቢታት ፡ ኣብ ዝርዝር ኣብ ዕጽዋ ኣትየን ዘለዋ ናይ ከባቢ ምምሕዳራት ኮይነን ኣለዋ ።
ባይሳይድ ፡ በርዉድን ስትራዝፊልድ ካብ 5 ሰዓት ንላዕሊ ተወሳኺ ናይ ኮቪድ-19 ቀይዲታት ተገይርሉ ኣሎ ፡ እዚ ድማ ጠቕላላ ናይቲ ኣብ ከባቢ ሲድኒ ዝርከብ ምምሕዳር ከባቢታት ናብ ቀይዲ ኣትዩ ዘሎ 12 ክብ ኢሉ ይርከብ ።
ቪክቶሪያ
ቪክቶርያሎሚ 21 ሓደስቲ መልከፍቲ መዝጊባ ኣላ ፣ ካብዚኣቶም እቶም ኣርባዕተ ምስቲ ፍሉጥ ከባቢታት እተተሓሓዘ ኣይኰኑን ። ሽዱሽተ ተለኺፎምከለዉ ኣብቲ ማሕበረሰብ ዝጸንሑ እዮም ።
ሚኒስተር ስራሕ ፡ ኢኖቬሽንን ንግዲ ማርቲን ፓኩላ ፡ ኣብታ ካልአይቲ ሰሙን ምዕጻው ንዝተጠቕዓ ልዕሊ 100,000 ዝዀና ኣብ ከተማ መልበርን ዝርከባ ትካላት ንግዲ ፡ ተወሳኺ ደገፍ ከም እተገብረለን ኣፍሊጡ ።
ኣብዝሓለፉ24 ሰዓታት ኣብ ካልእ ክፋል ኣውስትራሊያ
- ናይ ኣውስትራሊያ ዋና ከተማ ክልል ድሕሪ ምሉእ ዓመት ናይ ፈለማ ካብ ዉሽጢ መልከፍቲ ኮቪድ-19 ተረኺቡ።
- ኲንስላንድ 10 ሓደስቲ መልከቲ ተረኺቡ ኩሎም ግና ተወሺቦም ካብዘለዉ እዩ።
- ናይ ኲንስላንድ ፕሪሜር ፓለዢየ ከምዝበለቶ ካብ ደቡብ ኣውስትራሊያ ሰባት ብ ኣየር ናብ ኲንስላንድ ክ ኣትዉ ይኽእሉ እዮም ነበርቲ ግና ናብ NSW. ከይኣትዉ ኣጠንቂቓ።
ውሸባ፡ መገሻ፡ መርመራ ክሊኒካት ከምኡ'ውን ክፍሊታት ሓገዝ ብምኽንያት ለበዳን
ናይ ውሸባን መመርመሪን ብቕዓታት ብናይ መምሕድዳር ግዝኣትን ተሪቶርይ መንግስታት ይመሓደርን ይትግበርን:
ናብ ወፃእ ሃገር ክትጉዓዝ እንተደሊኻ ፤ ካብ መስመር ወፃእ ንዝኾነ ክፍሊት ኣብ መስመር መመልከቲ ክተቕርብ ትኽእል ኢኻ ። ናይ ኣህጉራዊ በረራታት ግዝያዊ ስጉምትታት ኣሎ እዚ ድማ እቲ መንግስቲ በብእዋኑ ዝግምግሞን ዘመሓይሾን እዩ። ካብ ኣውስትራሊያ ንኽትወጽእ ብዛዕባ ዘሎ ቅድመ ኵነታት ዝበለጸ መረዳእታ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቑ .
- ዜናን ሓበሬታ ብልዕሊ 60 ቋንቋታት
- ኣብ ግዝ ኣትኩም ብዛዕባ ዘሎ ኣድለይቲ ሓበሬታ : , , , , , , .
- ።
ብ ናይ NSW ሕብረ ብዙህ ባህሊታት ኣገልግሎት ሓበሬታ ጥዕና ዝተቶርጎመ ሓበሬታ በዚ ዝስዕብ ርኸቡ:
ኣብ ነፍሲወከፍ ግዝኣታት ዘለዉ መመርመሪ ከባቢታት:
ኣብ ነፍሲወከፍ ግዝኣት ብዛዕባ ዝወሃብ ደገፍ ሓበሬታ በዚ ዝስዕብ መላግቦ ርኸቡ: