- ዳቦ ኣብ ዞባ NSW ኣብ ዕጽዋ ትኣቱ
- ኣብ ቪክቶሪያ ሓሙሽተ መልከፍቲ መርመራ ይካየደሎም ኣሎ
ከይርንስ ከም'ቲ ዝተመደበ ካብ ዕጽዋ ትወጽእ
ቪክቶሪያ
ቪክቶርያ ካብ ኣብ ዉሽጢ ማሕበረሰብ እተረኽበ 20 ሓደስቲ መልከፍቲ መዝጊባ ኣላ፣ ካብ'ዚኣቶም እቶም ሓሙሽተ ምስ'ቲ ኣቐዲሙ ዝፍለጥ ለብዒ ዘይተኣሳሰሩ እዮም። ሽዱሽተ ኣብ'ቲ ማሕበረሰብ እቲ መልከፍቲ እናሃለዎም ዝጸንሑ እዮም።
ፕሪምየር ዳንኤል ኣንድሪውስ እቲ ኣብ መልበርን ዘሎ ዕጽዋ እንተ ወሓደ ክሳዕ ሓሙስ 19 ነሓሰ ከም ዝጸንሕ ገሊጹ ኣሎ።
ኒው ሳውዝ ወልስ (NSW)
NSW ካብ ኣብ ዉሽጢ ማሕበረሰብ 344 ሓደስቲ መልከፍቲ መዝጊባ ኣላ፡ ካብ'ዚኦም እንተወሓደ 65 ኣብ ማሕበረሰብ በቲ ሕማም ተለኺፎም ከለዉ ዝጸንሑዮም። ክልተ ዘይተኸትቡ ሰባት ብሰንኪ ኮቪድ-19 ሞይቶም፣ ሓደ ኣብ 90ታት ዝዕድሚኡን ሓደ ኣብ 30ታት ዝዕድሚኡ መሰረታዊ ናይ ጥዕና ጸገም ዝነበሮን።
ኣብ ኒው ሳውዝ ዌልስ ዝርከብ ዞባዊ ከባቢ ምምሕዳር ዳቦ፡ ኣብ'ቲ ዞባ ክልተ ኣወንታዊ መልከፍቲ ምስ ተመዝገበ፡ ሎሚ ካብ ሰዓት 1:00 ድ.ቀ. ጀሚሩ ንሓደ ሰሙን ዝጸንሕ ዕጽዋ ክኣቱ እዩ።
ዋና ሓላፊት ሓለዋ ጥዕና ዶክተር ኬሪ ቻንት ከም ዝሓበረቶ ኣብ ጽዑቕ ክንክን ካብ ዝርከቡ 62 ሰባት እቶም 57 ዘይተኸትቡ ክኾኑ ከለው እቶም ሓሙሽተ ግን ሓደ እብረ (ዶዝ) ናይ'ቲ ክታበት ዝረኸቡ'ዮም።
ኲንስላንድ
ኲንስላንድ ምስ'ቶም ዘለው ኣቐዲሞም ዝተለለዩ ሰለስት መልከፍታት ምትእስሳር ዘለዎም ኣርባዕተ ሓደስቲ መልከፍታት መዝጊባ ኣላ።
ዋና ሓላፊት ጥዕና ዶክተር ጀነት ያንግ ሕዱር ሕማም ንዘለዎም ኣብ ክሊ ዕድመ 12-15 ዝርከቡ ቆልዑ ንክታበት ክምዝገቡ ትምሕጸን ።
ውሸባ፡ መገሻ፡ መርመራ ክሊኒካት ከምኡ'ውን ክፍሊታት ሓገዝ ብምኽንያት ለበዳን
ናይ ውሸባን መመርመሪን ብቕዓታት ብናይ መምሕድዳር ግዝኣትን ተሪቶርይ መንግስታት ይመሓደርን ይትግበርን:
ናብ ወፃእ ሃገር ክትጉዓዝ እንተደሊኻ ፤ ካብ መስመር ወፃእ ንዝኾነ ክፍሊት ኣብ መስመር መመልከቲ ክተቕርብ ትኽእል ኢኻ ። ናይ ኣህጉራዊ በረራታት ግዝያዊ ስጉምትታት ኣሎ እዚ ድማ እቲ መንግስቲ በብእዋኑ ዝግምግሞን ዘመሓይሾን እዩ። ካብ ኣውስትራሊያ ንኽትወጽእ ብዛዕባ ዘሎ ቅድመ ኵነታት ዝበለጸ መረዳእታ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቑ .
- ዜናን ሓበሬታ ብልዕሊ 60 ቋንቋታት
- ኣብ ግዝ ኣትኩም ብዛዕባ ዘሎ ኣድለይቲ ሓበሬታ : , , , , , , .
- ።
ብ ናይ NSW ሕብረ ብዙህ ባህሊታት ኣገልግሎት ሓበሬታ ጥዕና ዝተቶርጎመ ሓበሬታ በዚ ዝስዕብ ርኸቡ:
ኣብ ነፍሲወከፍ ግዝኣታት ዘለዉ መመርመሪ ከባቢታት:
ኣብ ነፍሲወከፍ ግዝኣት ብዛዕባ ዝወሃብ ደገፍ ሓበሬታ በዚ ዝስዕብ መላግቦ ርኸቡ: