እዋናዊ ሓበሬታ ኮቪድ-19 ኣውስትራሊያ: ኣብ NSW 80% ካብ ህዝቢ ምስተኸትበ ‘ህይወት ዝሓሸ ክኸውን'ዩ’ ቪክቶርያ ትህቦ ደገፍ ኣናዊሓቶ

Jamii zakwanza zapewa chanjo ya COVID-19 mjini Sydney

Wanachama wa jamii zawatu wa asili, wapokea chanjo za Covid-19 katika zahanati iliyo jenga katika kituo chakitaifa cha ubora wa asili. Source: AAP/Dan Himbrechts

  • ኣብ NSW ክልተ ሳዕ እተኸትበ ህዝቢ 40 ሚእታዊ በጺሑ።

  • ቪክቶሪያ ንኣብ ሕማቕ ዘለዉ ማሕበረሰባት ደገፋ ኣናዊሓቶ

  • ACT 15 ሓደስቲ መልከፍቲ ተረኺቡ

  • ኲንስላንድ ሓደ ናይ ከባቢ ሓድሽ መልከፍቲ ተረኺቡ


ኒው ሳውዝ ወልስ
Nsw ኣብ ዉጽጢ እተረኽቡ 1485 ሓደስቲ መልከፍቲ መዝጊባ ኣላ ፣ ሰለስተ ድማ ሞይቶም ። ኣብ ሆስፒታል ልዕሊ ሓደ ሽሕ ሰባት ኣለዉ ፡ ኣብ ጽዑቕ ሕክምናዊ ክንክን 175 ሰባት ፡ ካብዚኣቶም ድማ 72 ሰባት መተንፈሲ ዘድልዮም እዮም ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ፡ NSW 40 ሚኢታዊ ድርብ ክታበት ካብ ህዝቢ ተኸቲቡ ኣሎ ፡ 73 ሚኢታዊ ድማ ቀዳማይ-ዶዝ ክታበት ተዋሂቡ ኣሎ ። ፕሪመር ግላዲስ ብሪጂክሊያን ህዝቢ እታ ግዝኣት 80 ካብ ሚእቲ ክታበት ምስ ዝረኽብ "ኣብ መላእ እታ ግዝኣት ምዕጻው ዝበሃል ኣይክህሉን እዩ" ትብል: እንተዀነ ግን ኣብ ዝቕጽል ክልተ ሰሙን ብዝሒ ቁጽሪ መልከፍቲ ክውስኽ ምዃኑ ተጠንቅቕ ።

ቪክቶሪያ
ቪክቶርያ ሎሚ 183 ሓደስቲ መልከፍቲ መዝጊባ ኣላ ፣ ካብዚ እቲ 101 ምስቲ ህልው ዓንኬል መልከፍቲ እተተሓሓዘ እዩ ።

ሚኒስተር ሉክ ዶንነላን ፡ ንቶም ተኣፋፊቲ ማሕበረሰብ ዝኸውን ናይ ደገፍ ፓኬጅ ብ27 ሚልዮን ዶላር ከም ዘናወሐ ኣፍሊጡ ።

ኣብ ጥቓኻ ዝርከብ ማእከል ክታበት ርኸብ ።

ዝሓለፈ 24 ሰዓታት ኣብ ዙርያ ኣውስትራሊያ
  • ኣብ ACT (ግዝኣት ዋና ከተማ ኣውስትራሊያ) 15 ሓደስቲ ካብዚኦም 13መልከፍቲ ምስህሉው ዓንኬል መልከፍቲ ዝተሓሓዝ እቶም ሽዱሽተ ድማ ንብምሉኡ እዋን መልከፍቶም ኣብ ዉሸባ ዝነበሩ እዮም።
    ሓንቲ ኣብ ኲንስላንድ እተለኽፈት ኣደ ሓደ ዉላድ ተረኺባ።

    ምዕራብ ኣውስትራሊያ እንተወሓደ 80 ካብ ሚእቲ ካብ ነበርቲምዕራብ ኣውስትራሊያውያን ክታበት ምስረኸቡ ነቲ ተሪር ዶብ ዘውርድ ዕለት ከተፍልጥ ምዃና ኣፍሊጣ።

How can I shop safely
Source: ALC

ውሸባ፡ መገሻ፡ መርመራ ክሊኒካት ከምኡ'ውን ክፍሊታት ሓገዝ ብምኽንያት ለበዳን

ናይ ውሸባን መመርመሪን ብቕዓታት ብናይ መምሕድዳር ግዝኣትን ተሪቶርይ መንግስታት ይመሓደርን ይትግበርን:


ናብ ወፃእ ሃገር ክትጉዓዝ እንተደሊኻ ፤ ካብ መስመር ወፃእ ንዝኾነ ክፍሊት ኣብ መስመር መመልከቲ ክተቕርብ ትኽእል ኢኻ ።  ናይ ኣህጉራዊ በረራታት ግዝያዊ ስጉምትታት ኣሎ እዚ ድማ እቲ መንግስቲ በብእዋኑ ዝግምግሞን ዘመሓይሾን እዩ። ካብ ኣውስትራሊያ ንኽትወጽእ ብዛዕባ ዘሎ ቅድመ ኵነታት ዝበለጸ መረዳእታ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቑ   .


ብ ናይ NSW ሕብረ ብዙህ ባህሊታት ኣገልግሎት ሓበሬታ ጥዕና ዝተቶርጎመ ሓበሬታ በዚ ዝስዕብ ርኸቡ:


ኣብ ነፍሲወከፍ ግዝኣታት ዘለዉ መመርመሪ ከባቢታት:


 
 

ኣብ ነፍሲወከፍ ግዝኣት ብዛዕባ ዝወሃብ ደገፍ ሓበሬታ በዚ ዝስዕብ መላግቦ ርኸቡ:

 
 

Share
Published 5 September 2021 1:32pm
By SBS/ALC Content
Source: SBS


Share this with family and friends