- ኣብ ሲድኒ ዘሎ ዕጽዋ፡ ክሳዕ 28 ነሓሰ ተናዊሑ ።
ቪክቶርያ ንሓደ ምንጩ ዘይተፈልጠ መልከፍቲ ተጽንዕ።
ኣብ ደቡብ ኣውስትራሊያ ሓዱሽ መልከፍቲ የለን ።
ኲንስላንድ ድርብ ናይ ኮቪድ-19 ስግኣት ኣለዋ ።
ኒው ሳውዝ ወልስ
ኒው ሳውዝ ዌልስ ፡ ካብ ከባቢ እተረኽቡ 177 ሓደስቲ መልከፍቲን ሓደ ሞትን መዝጊባ ኣላ ። እንተ ወሓደ 46 ሰባት ኣብቲ ማሕበረሰብ ምስ መልከፍቶም ዝጸንሑ ነይሮም ።
እዚ ሕጂ ዘሎ ዕጽዋ ክሳብ ቀዳም 28 ነሓሰ ብኣርባዕተ ሰሙናት ተናዊሑ ። ኣብዚ እዋን እዚ ፡ ኣብ ሲድኒ - ካምፕበልታውን ፡ ፓራማታን ጆርጅ ሪቨርን ዝርከብ ካልእ ሰለስተ ዞባዊ ምምሕዳር ኣ ኣገደስቲ ሰራሕተኛታት ጥራይ እዮም ክወጹ ዝፍቀደሎም ።
ኣብ ፌርፊልድ ናይ ጥዕናን ናይ ዓበይቲ ክንክን ፡ ኣብ ካንተርበሪ-ባንክታውን ኩሎም ኣድለይቲ ሰራሕተኛታት ኣብ ሰሰለስተ መዓልቲ መርመራ ክገብሩ ይግደዱ ። ኣብ መላእ እ ሲድኒ ካብ ገዛ ኣብ ውሽጢ 10 ኪ.ሜ. ጥራይ ንዕዳጋን ምውስዋስ ኣካላትን ምውጻእ ይፍቀድ።
ነዚ ተቐይሩ ዘሎ ሕግታት ኣብዚ ርኸብ፡
ቪክቶሪያ
እታ ግዝኣት ትሽዓተ ሓደስቲ መልከፍቲ ተመዝጊቦም ኣለዉ ፡ ሸሞንተ ካብዚኣቶም ድማ ኣብዚ ግዜ እዚ ምስቶም እተለለዩ መልከፍቲ ምትእስሳር ኣለዎም ። ሓደ መልከፍቲ ገና ኣብ መርመራ ኣሎ ።
ብዙሕ ቀይድታት ኣብ ቦትኡ ክጸንሕ እዩ ፡ እዚ "ውን ማስኬራ ካብ ገዛኻ ወጻኢ ይኹን ካብ ግዳም ምኽዳን የጠቓልል ።
ኣብዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ መላእ ኣውስትራሊያ
- ናይ ኲንስላንድ ሓላፊት ጥዕና ዶክተር ጀነት ያንግ ካብቶም ኣብ ሓንቲ ዓባይ ተሰካሚት ማኪና ዝነበሩ 21 ሰራሕተኛታት እቶም 19 ን ኮቪድ-19 እወታዊ ዉጽ ኢት መርመራ ተረኺብዎም። ሓደ ካብኦም ኣብ ዉሽጢ ማሕበረሰብ ብሪዝቤን ንሽዱሽተ መዓልቲታት ተለኺፉ ከሎ ጸኒሑ ከምዝኽእል ገሊጻ።
ደቡብ ኣውስትራሊያ ንኻል ኣይ መዓልቲ መልከፍቲ ኣየመዝገበትን።
ቤላ ቤሎ ብዛዕባ ኮቪድ-19:
ጥዑያት መንእሰያት ብኮቪድ-19 ኣይጥቅዑን ። ንዝኣረጉ ወይ ንዝሓመሙ ሰባት ጥራይ እዩ ዝጎድእን ዝቐትልን ።
ሓቅታት ኮቪድ-19:
እቲ ቫይረስ ንኣረጋውያን ሰባትን ነቶም መሰረታዊ ፀገማት ዘለዎምን ብዝያዳ ዝጸልዎም እኳ እንተዀነ: ንገለ ጥዑያት መንእሰያት እውን ይሃስዮምን ይቐትሎምን እዩ ።
ውሸባ ፡ መገሻ ፡ መርመራ ክሊኒካት ከምኡ 'ውን ክፍሊትን
ናይ ውሸባን መመርመሪን ብቕዓታት ብናይ መምሕድዳር ግዝኣትን ተሪቶርይ መንግስታት ይመሓደርን ይትግበርን:
ናብ ወፃእ ሃገር ክትጉዓዝ እንተደሊኻ ፤ ካብ መስመር ወፃእ ንዝኾነ ክፍሊት ኣብ መስመር መመልከቲ ክተቕርብ ትኽእል ኢኻ ። ናይ ኣህጉራዊ በረራታት ግዝያዊ ስጉምትታት ኣሎ እዚ ድማ እቲ መንግስቲ በብእዋኑ ዝግምግሞን ዘመሓይሾን እዩ። ካብ ኣውስትራሊያ ንኽትወጽእ ብዛዕባ ዘሎ ቅድመ ኵነታት ዝበለጸ መረዳእታ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቑ .
- ዜናን ሓበሬታ ብልዕሊ 60 ቋንቋታት
- ኣብ ግዝ ኣትኩም ብዛዕባ ዘሎ ኣድለይቲ ሓበሬታ : , , , , , , .
- ።
ብ ናይ NSW ሕብረ ብዙህ ባህሊታት ኣገልግሎት ሓበሬታ ጥዕና ዝተቶርጎመ ሓበሬታ በዚ ዝስዕብ ርኸቡ:
ኣብ ነፍሲወከፍ ግዝኣታት ዘለዉ መመርመሪ ከባቢታት:
ኣብ ነፍሲወከፍ ግዝ ኣት ብዛዕባ ዝወሃብ ደገፍ ሓበሬታ በዚ ዝስዕብ መላግቦ ርኸቡ: