ሓድሽ ሓበሬታ ኮቪድ-19: ኣብ ሲድኒ ዘሎ ዕጽዋ ንተወሳኺ 4 ሳምንታት ተናዊሑ።

እዚ ኣብ ኣውስትራሊያ ውሽጢ ን28 ሓምለ 2021 ብዛዕባ ኮሮናቫይረስ ዘሎ እዋናዊ ሓበሬታ እዩ ።

Bentleigh Secondary College students are seen returning to school as COVID-19 restrictions are eased across Victoria, in Melbourne, Wednesday, July 28, 2021.  (AAP Image/Daniel Pockett) NO ARCHIVING

Bentleigh Secondary College students are seen returning to school as COVID-19 restrictions are eased across Victoria, in Melbourne, Wednesday, July 28, 2021. Source: AAP Image/Daniel Pockett

  • ኣብ ሲድኒ ዘሎ ዕጽዋ፡ ክሳዕ 28 ነሓሰ ተናዊሑ ።
    ቪክቶርያ ንሓደ ምንጩ ዘይተፈልጠ መልከፍቲ ተጽንዕ።
    ኣብ ደቡብ ኣውስትራሊያ ሓዱሽ መልከፍቲ የለን ።
    ኲንስላንድ ድርብ ናይ ኮቪድ-19 ስግኣት ኣለዋ ።


ኒው ሳውዝ ወልስ
ኒው ሳውዝ ዌልስ ፡ ካብ ከባቢ እተረኽቡ 177 ሓደስቲ መልከፍቲን ሓደ ሞትን መዝጊባ ኣላ ። እንተ ወሓደ 46 ሰባት ኣብቲ ማሕበረሰብ ምስ መልከፍቶም ዝጸንሑ ነይሮም ።

እዚ ሕጂ ዘሎ ዕጽዋ ክሳብ ቀዳም 28 ነሓሰ ብኣርባዕተ ሰሙናት ተናዊሑ ። ኣብዚ እዋን እዚ ፡ ኣብ ሲድኒ - ካምፕበልታውን ፡ ፓራማታን ጆርጅ ሪቨርን ዝርከብ ካልእ ሰለስተ ዞባዊ ምምሕዳር ኣ ኣገደስቲ ሰራሕተኛታት ጥራይ እዮም ክወጹ ዝፍቀደሎም ።

ኣብ ፌርፊልድ ናይ ጥዕናን ናይ ዓበይቲ ክንክን ፡ ኣብ ካንተርበሪ-ባንክታውን ኩሎም ኣድለይቲ ሰራሕተኛታት ኣብ ሰሰለስተ መዓልቲ መርመራ ክገብሩ ይግደዱ ። ኣብ መላእ እ ሲድኒ ካብ ገዛ ኣብ ውሽጢ 10 ኪ.ሜ. ጥራይ ንዕዳጋን ምውስዋስ ኣካላትን ምውጻእ ይፍቀድ።

ነዚ ተቐይሩ ዘሎ ሕግታት ኣብዚ ርኸብ፡

ቪክቶሪያ
እታ ግዝኣት ትሽዓተ ሓደስቲ መልከፍቲ ተመዝጊቦም ኣለዉ ፡ ሸሞንተ ካብዚኣቶም ድማ ኣብዚ ግዜ እዚ ምስቶም እተለለዩ መልከፍቲ ምትእስሳር ኣለዎም ። ሓደ መልከፍቲ ገና ኣብ መርመራ ኣሎ ።

ብዙሕ ቀይድታት ኣብ ቦትኡ ክጸንሕ እዩ ፡ እዚ "ውን ማስኬራ ካብ ገዛኻ ወጻኢ ይኹን ካብ ግዳም ምኽዳን የጠቓልል ።

ኣብዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ መላእ ኣውስትራሊያ
  • ናይ ኲንስላንድ ሓላፊት ጥዕና ዶክተር ጀነት ያንግ ካብቶም ኣብ ሓንቲ ዓባይ ተሰካሚት ማኪና ዝነበሩ 21 ሰራሕተኛታት እቶም 19 ን ኮቪድ-19 እወታዊ ዉጽ ኢት መርመራ ተረኺብዎም። ሓደ ካብኦም ኣብ ዉሽጢ ማሕበረሰብ ብሪዝቤን ንሽዱሽተ መዓልቲታት ተለኺፉ ከሎ ጸኒሑ ከምዝኽእል ገሊጻ።

    ደቡብ ኣውስትራሊያ ንኻል ኣይ መዓልቲ መልከፍቲ ኣየመዝገበትን።


ቤላ ቤሎ ብዛዕባ ኮቪድ-19:
ጥዑያት መንእሰያት ብኮቪድ-19 ኣይጥቅዑን ። ንዝኣረጉ ወይ ንዝሓመሙ ሰባት ጥራይ እዩ ዝጎድእን ዝቐትልን ።

ሓቅታት ኮቪድ-19:
እቲ ቫይረስ ንኣረጋውያን ሰባትን ነቶም መሰረታዊ ፀገማት ዘለዎምን ብዝያዳ ዝጸልዎም እኳ እንተዀነ: ንገለ ጥዑያት መንእሰያት እውን ይሃስዮምን ይቐትሎምን እዩ ።


ውሸባ ፡ መገሻ ፡ መርመራ ክሊኒካት ከምኡ 'ውን ክፍሊትን

ናይ ውሸባን መመርመሪን ብቕዓታት ብናይ መምሕድዳር ግዝኣትን ተሪቶርይ መንግስታት ይመሓደርን ይትግበርን:


ናብ ወፃእ ሃገር ክትጉዓዝ እንተደሊኻ ፤ ካብ መስመር ወፃእ ንዝኾነ ክፍሊት ኣብ መስመር መመልከቲ ክተቕርብ ትኽእል ኢኻ ።  ናይ ኣህጉራዊ በረራታት ግዝያዊ ስጉምትታት ኣሎ እዚ ድማ እቲ መንግስቲ በብእዋኑ ዝግምግሞን ዘመሓይሾን እዩ። ካብ ኣውስትራሊያ ንኽትወጽእ ብዛዕባ ዘሎ ቅድመ ኵነታት ዝበለጸ መረዳእታ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቑ   .





ብ ናይ NSW ሕብረ ብዙህ ባህሊታት ኣገልግሎት ሓበሬታ ጥዕና ዝተቶርጎመ ሓበሬታ በዚ ዝስዕብ ርኸቡ:


ኣብ ነፍሲወከፍ ግዝኣታት ዘለዉ መመርመሪ ከባቢታት:


 
 

ኣብ ነፍሲወከፍ ግዝ ኣት ብዛዕባ ዝወሃብ ደገፍ ሓበሬታ በዚ ዝስዕብ መላግቦ ርኸቡ:

 
 

Share
Published 28 July 2021 5:30pm
By SBS/ALC Content
Source: SBS


Share this with family and friends