- ቪክቶርያ ዳርጋ 37 994 ሓደ መልከፍትታት ኮቪድ-19 ክትምዝግብ እንከላ ኒው ሳውዝ ዌልስ ከኣ 25 870 መዝጊባ።
- ኣብ ቪክቶርያ 861 ሕሙማት ኮሮናቫይረስ ኣብ ሆስፒታል ኣለው፡ እዚ ኸኣ ካብ'ቲ ናይ ቅድሚኡን ዝነበረ መዓልቲ ብ43 ወሲኹ፡ 117 ኣብ ክፍሊ ጽዑቕ ክንክን (ኣይሲዩ) ኣለዉ፡ 27 ከኣ ቨንቲለሽን ተተኺልሎም ኣሎ።
- ፕሪምየረ ቪክቶርያ ዳንኤል ኣንድሪውስ ከባቢ 34 000 ነጻ መርመርመሪ ራፒድ ኣንቲጀን ቴስትስ ኣብ 56 መመርመሪ መደበራት ጥዕና ግዝኣት ሶኑይ ተዓዲሎም ኢሉ።
- ሚስተር ኣንድሪውስ 3392 ሰራሕተኛታት ሆስፒታልን 422 ኣባላት ኣምቡላንስ ቪክቶርያን ብምኽንያት ኣወንታዊ ህላወ'ቲ ቫይረስ ድዩ ወይስ ምስ ካልኦት ዝተለኽፉ ብቐረባ ዝነበሩ ኣለዉ ኢሉ።
- ንሱ ብተወሳኺ ናይ 4 ሚልዮን ዶላር መደብ ንሓካይም ቤተሰብን ቤት መሸጣ መድሃኒታት ማሕበረሰብን ንምሕጋዝ ተባሂሎም ክታበታት ክህቡ ናብ ቤት ትምህርታት ድሕሪ ሰዓታት ተላኢኾም ኣለዉ ኢሉ።
- ኣብ ኒው ሳውዝ ዌልስ 2186 ሰባት ብምኽንያት ኮቪድ-19 ኣብ ሆስፒታል ኣለዉ፡ ን170 ኣብ ክፍሊ ጽዑቕ ክንክን (ኣይሲዩ) ዘለዉ ወሲኽካ ማለት'ዩ።
- ካብ ልሙዳት ሰዓላት ወይ ጉንፋዓት ተበጊሶም ዝፍጠሩ ዝለዓሉ መጠናት ቲ ተባሂሎም ዝስመዩ ዋህዮታት (ቲ-ሴልስ) መሐለውታ ኣንጻር እዚ ቫይረስ ክህቡ ከምዝኽእሉ ሓደ ዝተሓትመ መጽናዕሊ ብኢምፐርያል ኮለጅ ለንደን ኣረጋጊጹ።
- ብማሕበር ሰራሕተኛታት ኣገልግሎታት ጥዕና (Health Services Union) ሓደ ሓድሽ ካብ 1000 ሰራሕተኛታት ምእላይ ዓበይቲ ዝተኣከበ ርእይቶ ህዝቢ ሰራሕተኛታት ኣብ'ዚ እዋን ሓድሽ ለበዳ ብክቱር ሕጽረት ሰራሕተኛታትን ኣዝዩ ዝለዓለ መጠን ጽዕነት ስራሕን ይሳቐዩ ከምዘለው ኣመልኪቱ።
- ዋና ጸሓፊት ኣውስትራልያዊ ቤት ምኽሪ ማሕበራት ሰራሕተኛታት (Australian Council of Trade Unions) ሳሊ ማክማነስ እዚ "ዘይወግዓዊ መዕጸውቲ" ነቶም ዝተተንከፉ ስራሕተኛታት ይጎድኦም ምህላው ዘጠንቅቕ ዝርዝር ጠለባት ትማሊ ምሸት ንቀዳማይ ሚኒስተር ስኮት ሞሪሰን ጽሒፋትሉ።
- መንግስቲ ኒው ሳውዝ ዌልስ፡ ሕጋዊ ትእዛዝ ምህላው ንሰብመዚ ንጹር ስእሊ ዝርጋሐ'ቲ ቫይረስ ክህቦም'ዩ ብምባል፡ ነበርቲ ብመንገዲ ራፒድ ኣንቲጀን ቴስት ዝረኸብዎ ኣወንታዊ ህላወ ቫይረስ ዘመልክት ውጽኢቶም ከምዝሕብሩ ክገብሮም ይደሊ።
- ተጣበቕቲ ስደተኛታት እቶም ኣብ ሲድኒ ኣብ ዝርከብ መዳጎኒ ማእከል ቪላዉድ ዘለው ቅዩዳት ንምንታይ ኣብ ከምኡ ዓይነት ዝለዓለ ሓደጋ መልከፍቲ ዘለዎ ሃዋህው ጸኒሖም ኣብ ዝሓትሉ እዋን ኣብ'ቲ ማእከል ዝተኸስተ ለበዳ ክጋደድ ከምዝኽእል ይሰግኡ።
ብዙሓት ግዝኣታት ንመርመራ ራፒድ ኣንቲጀን ቴስት (ራት) ዝኸውን መመዝገቢ ቅጥዒ ኣዳልየን ኣለዋ።