ኣቐዲሙ ዝጸንሐ ጸገማት ጥዕና ዘለዎም ብዙሓት ዓይነታት ሰባት ኣብ ዝለዓለ ሓደጋ ምልኻፍ ብኮቪድ-19 ይርከቡ፡ ሕማም ልቢ፡ ሽኮርያ/ሕማም ሽኮር፡ ልዑል ጸቕጢ ደምን ኣዝማን ዘለዎም ኣብ’ዚ ይካተቱ። እዚ ቫይረስ ንቲሹ ሳንቡእ የጥቅዕ፡ ብሰንኪ’ቲ ቫይረስ ክኣትዎ እንከሎ ስርዓተ ምክልኻል ነብስና ዝፈጥሮ ዝተጋነነ ኣገባብ ግብረመልሲ ኸኣ ንውሽጣዊ ረኽሲ የጋድዶ።
ብደረጃ ዓለም፡ ልዕሊ 70 ካብ ሚእቲ ጽዑቕ ክንክን ዘድልዮም ሕሙማት ኮቪድ-19 ኣቐዲሙ ዝጸንሐ መሰረታዊ ጸገም ጥዕና ኔርዎም።
እዚ ዓንቀጽ ገለ ካብ’ቶም ኣዝዮም ንኮቪድ-19 ተነቀፍቲ ዝኾኑ ጸገማት ጥዕና፡ ገለ መጠን ድኽመት ልስሉስ ቲሹ ክፍሊ ኣካላት ስለዘለዎም ድዩ ወይ ዝተዳኸመ ስርዓተ ምክልኻል ወይ’ውን ክልቲኡ ብዝርዝር የቐምጥ።
እቶም ቀንዲ ኣገደስቲ መሰረታውያን ጸገማት ጥዕና ንኮቪድ-19 እዚኦም’ዮም፡ ሕዱራት ሕማማት ሳንቡእ፣ ኣዝማ፣ ሕማም ልቢ፡ ሕማም ሽኮር፣ ጸገማት ከብዲን ኩሊትን፣ ከምኡ’ውን ኩሎም ስርዓተ ምክልኻል ዘዳኽሙ ሕክምናታትን መድሃኒታትን፡ ንኣብነት ሕክምናታት ካንሰር ወይ ድሕረ-ምስግጋር ኣካላት።
ኣዝማ
ኣዝማ ጸገም ምትንፋስ ኮይኑ ብልዕሊ መጠን ዝኾነ ተነቃፍነትን ነድሪን ቱቦታት ትንፋስ ዝብገስ፡ ምልክታቱ ኸኣ ምስዓል፡ ፋጻ ዝተሓወሶ ኣተነፋፍሳ፡ ምጭባጥ ኣብ ኣፍልቢን ሕጽረት ትንፋስን እዮም። እዚ ሕማም ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ገለ 11% ሰባት የጥቅዕ። ደቀባት/ኢንዲጀኖስ ኣውስትራልያውያን ካብ ደቀባት ዘይኮኑ ኣውስትራልያውያን ብዝለዓለ ኣዝማ ኣለና ኢሎም ክሕብሩ ዝያዳ ተኽእሎ ኣለዎም። “መጥቃዕቲ” ኣዝማ ብዝኾነ ንቱቦታት ትንፋስ ዘቕሕር/ዘቖጥዕ ነገር ክብገስ ይኽእል። ብኣዝማ ዝሳቐዩ ሰባት ኮቪድ-19’ውን ነቶም ቱቦታት ኣየር ዘጥቅዕ ብምዃኑ ዝያዳ ጥንቃቐታት ክገብሩ ኣለዎም።
ካልኦት ጸገማት ሳንቡእ
ኣብ ኣውስትራልያ ካብ ኣዝማ ወጻኢ እቶም ብብዝሒ ዝረኣዩ ጸገማት ሳንቡእ እዚኦም’ዮም፡ ኣስቤስቶሲስ (ካብ ደሮና ኣስቤስቶስ ዝብገስ)፡ ብሮንኪየክታሲስ (ዘይንቡር ምግዛፍ ክፋላት ቱቦ መተንፈሲ)፡ ሲስቲክ ፊብሮሲስ (ካብ ወለዶ ዝሰጋገር ንዋህዮታት ሳንቡእ ዝጎድእ ጸገም)፡ ኤምፊሲማ (ሕጽረት ትንፋስ ዘስዕብ ኩነታት)፡ ካንሰር ሳንቡእ፡ ፕሊውራል ኢፍዩዥን (ምምላእ ፈሳሲ ሰናቡእ)፡ ፕሉሪሲ (ነድሪ ሽፋን ቆፎ ኣፍልቢ)፡ ሲሊኮሲስ (ካብ ምትንፋስ ደቀቕቲ ሲሊካ ዝብገስ ጸገም) መተንፈሲ ኣካላትን ዓባይ ሰዓልን። ብዛዕባ ሕማማት ሳንቡእ ተወሳኺ ሓበሬታ (ብእንግሊዝ)
ሕማም ልቢ
ዓለምለኻዊ መጽናዕቲ ከምዘመልክቶ ሕማም ካርዲዮቫስኩላር (ስርዓተ ዑደት ደም) ዘለዎም ሰባት ካብ ማእከላይ ኣባል ሕብረተሰብ ንላዕሊ ብሰንኪ ሕማም ኮቪድ-19 ክሞቱ ዝያዳ ተኽእሎ ኣለዎም፡ ክሓሙ ዝለዓለ ተኽእሎ ስለ ዘለዎም ዘይኮነ፡ ኣዝዩ ዝኸፍአ ሕማም ክሕዞም ዝለዓለ ተኽእሎ ስለዘሎ’ዩ። ኮቪድ-19 ናብ መጉዳእቲ ልቢ ዘምርሕን ኣብ መወዳእትኡ ኸኣ መጥቃዕቲ ልቢ ዘኸትል ክቱር ንድረት ጭዋዳታት ልቢ የምጽእ።
ሓደ : ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምክያድ፡ ዝተመጣጠነ መኣዛታት መግቢ ምምጋብ፡ ኩሉ ግዜ ማይ ምስታይን እኹል ድቃስ ምርካብን። ውድብ ጥዕና ዓለም 150 ደቓይቕ ማእከላይ-ጻዕቂ ወይ 75 ደቓይቕ ልዑል-ጻዕቂ ዘለዎም ኣካላዊ ምንቅስቓሳት ወይ ከኣ ናይ ክልቲኡ ሕውስዋስ ኣብ ሰሙን፡ ምስ’ቲ ኣብ ገዛኹም ኮንኩም ተካይድዎ ምንቅስቓሳት ክትግበሩ ምኽሪ ይህብ።
ሕማም ሽኮር/ሽኮርያ
ሕማም ሽኮር ዘለዎም ሰባት ተወሳኺ ብድሆታት ጥዕና ከጋጥሞም ይኽእል’ዩ። ማሕበር ዳያቤትስ ኣውስትራልያ፡ ክታበት ፍሉ ክተወስዱ፡ ሓደ ኣብ እትሓምሉ መዓልቲ ትኽተልዎ ኣቐዲሙ ዝተዳለወ መደብ ምእላይ ክህልወኩምን መጠናት ግሉኮስ ኣብ ደምኩም ክትከታተሉን ይመክር። ሕማም ሽኮር ዘለዎም ሰባት ካብ ፍሉ ዝብገስ ዝለዓለ ሓደጋ ናይ ዝበኣሱ ሕልኽላኻት የንጸላልዎም፡ ካብ’ቶም ሕማም ሽኮር ዘይብሎም ሰባት ከኣ ከበድቲ ሕማማት መተንፈሲ ኣካላት ከማዕብሉ ዝያዳ ተኽእሎ ኣለዎም። ሕማም ሽኮር ዝተመዛበለ ግብረመልሲ-ስርዓተ ምክልኻል ኣንጻር ረኽሲታት ቫይረስን ተኽእሎ ዳግማይ ረኽሲ ባክተርያ ኣብ ሰናቡእን የስዕብ። ብዙሓት ታይፕ 2 ዓይነት ሕማም ሽኮር ዘለዎም ሕሙማት ልዕሊ ሚዛን ዝሮገዱ’ዮም፡ ኣመና ርጉዲ ኸኣ ንኸቢድ ረኽሲ ዘቃልዕ ሓደ ረቛሒ እዩ።
ጸገማት ጸላም ከብዲ (ከብዲ)
ሀፓታይቲስ ቢ (ወይቦ) ወይ ሲ ወይ ካልእ ዝኾነ ጸገም ጸላም ከብዲ ዘለዎም ሰባት ንኹሉ ሓፋሽ ዝምከሩ ዘለው ሓደ ዓይነት መከላኸሊ ሜላታት ክጥቀሙ ኣለዎም። ኩሉ ግዜ ንቑሓት ኮይንኩም ነብስኹም ኣንጻር ኮቪድ-19 ንምክልኻል ዝተዋህቡ ስጉምቲታት ተኸተልዎም። ከቢድ ሕማም ጸላም ከብዲ ዘለዎም ሰባት ኣንጻር ኢንፍሉወንዛን ኒሞኮካል-ሕማምን ክታበት ክወስዱ ይምከሩ።
- ብዛዕባ ሀፓታይቲስን ኮቪድ-19ን ተወሳኺ ሓበሬታ (ብእንግሊዝ)
- ብዛዕባ ኮቪድ-19ን ሓዳሪ ሕማም ወይቦ/ሀፓታይቲስ ቢን ተወሳኺ ሓበሬታ (ብእንግሊዝ)
- ብዛዕባ ኮቪድ-19ን ሓዳሪ ሕማም ሀፓታይቲስ ሲን ተወሳኺ ሓበሬታ (ብእንግሊዝ)
ሕማም ኩሊት
ሕማም ኩሊት ዘለዎም ሰባት ልክዕ ከም’ቲ ፍሉ ክሕዞም እንከሎ ዝህሉ፡ ዝለዓለ ሓደጋ/ተኽእሎ ከበድቲ ምልክታትን ሕልኽላኻትን ካብ ኮሮናቫይረስ ከምዘጋጥሞም ክፈልጥዎ ኣለዎም። እቶም ሕሙማት እንተተጸሊእዎም፡ ማይ እንተጸሚኦምን ኣብ ርእሲኡ ካልኣዊ ረኽሲ እንተለዎምን፡ ኮቪድ-19 ንኩሊቶም ኣብ ስርሓ ክትንክፋ ይኽእል’ዩ።
ፍወሳ/ክንክን/ሕክምና ካንሰር
ሰባት ብካንሰር ክሓልፉ እንከለው ስርዓተ ምክልኻል ነብሶም ድኽም ዝበለ ይኸውን፡ ንምቕናስ ተኽእሎታት ረኽሲ ኣብ ግዜ ሕክምናን ድሕሪኡን ብሰራሕተኛታት ክንክን ጥዕናኦም ዝወሃብዎም ፍሉያት ምኽሪታትን ጥንቃቐታትን ብቐጻሊ ክከታተሉ ኣለዎም። ብዝተኻእለ መጠን ኣብ ገዛ ምዃንን ኣድላዪ ዘይኮነ ጉዕዞን ህዝባዊ መጓዓዝያን ምውጋድን ኣዝዩ ወሳኒ’ዩ፡ ስርዓተ ምክልኻል ሕሙማት ኣብ ድሕረ-ምቕያር ኩሊት ዝግበር ሕክምና’ውን እንተኾነ ኣብ ተመሳሳሊ ኩነታት’ዩ ዝርከብ።
ኣብ ኣውስትራልያ ሰባት ብውሑዱ 1.5 ሜትሮ ካብ ካልኦት ክርሕቁ ኣለዎም። ኣብ ምትእኽኻባት ዝፍቀድ ብዝሒ ሰባት ንምፍላጥ መምርሒታት ግዝኣትኩም ተወከሱ።
መርመራ ንኮሮናቫይረስ ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ኣብ መላእ ኣውስትራልያ ብሰፊሑ ተቐሪቡ’ሎ። ምልክታት ጉንፋዕ ወይ ፍሉ/ኢንፍሉወንዛ ይረኣየኩም እንተሃልዩ ቆጸራ መርመራ ክትሕዙ ኣብ ዶክተርኩም ደውሉ ወይ ከኣሃገራዊ ሓበሬታ ጥዕና ኮሮናቫይረስ ዝህብ Coronavirus Health Information Hotline ብቁጽሪ 1800 020 080 ደውሉ።
ናይ ፈደራል መንግስቲ ኮሮናቫይረስ መከታተሊ ኣፕ፡ ኮቪድሰይፍ፡ካብ ናይ ሞባይልኩም መኽዘን ኣፕ (ኣፕስቶር) ንኽትጽዕንዎ ተቐሪብልኩም ኣሎ።
ኤስቢኤስ ንዝተፈላለዩ ማሕበረሰባት ኣውስትራልያ ብዛዕባ እዋናዊ ምዕባለታት ለበዳ ኮቪድ-19 ሓበሬታ ኣብ ምሃብ ተጸሚዱ ኣሎ። ዜናታትን ሓበሬታታትን ብ63 ቋንቋታት ኣብ’ዚ ኣለኩም