እዚ ሓበሬታ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ ዕለት 07/12/2020 እዩ። በብግዚኡ ዝሕደስ እዋናዊ ሓበሬታ ብዛዕባ ኮቪድ-19 ብትግርኛ ክትረኽቡ፡
ቪክቶርያ
ምትእኽኻባት፡
- ካብ ገዛ ምውጻእ - ቀይድታት የለውን
- ህዝባውያን ምትእኽኻባት - ክሳብ 100 ሰባት ኣብ ደገ
- በጻሕቲ ኣጋይሽ ኣብ ገዛ - ክሳብ 30 በጻሕቲ ኣብ ሓደ መዓልቲ፡ ካብ ዝተፈላለየ ስድራ ቤታት ክኾኑ ይኽእሉ (ህጻናት ትሕቲ ሓደ ዓመት ኣይቁጸሩን እዮም)
- በዓላት ልደት - ክሳብ 30 ኣጋይሽ ኣብ ነብሲ ወከፍ መዓልቲ ናብ ስድራቤታት ክበጽሑ ይፍቀዱ (ህጻናት ትሕቲ ሓደ ዓመት ኣይቁጸሩን እዮም)
- ሆስፒታላትን መሳለጥያታት መእለዪን፡ ኣብ ብዝሒ በጻሕቲ ወይ እቶም በጻሕቲ ዝጸንሕሉ እዋን ደረታት የለውን። ሆስፒታላትን መሳለጥያታት መእለዪን ንበጻሕቲ መምርሒታት የቐምጥሎም።
- ስነስርዓታት መርዓ፡ ቀብሪን ሃይማኖታዊ ምትእኽኻባትን፡ እቶም ተነቢሮም ዝነበሩ ገደባት ቁጽሪ ተላዒሎም ኣብ ክንድኦም ሓደ ሰብ ኣብ ክልተ ትርብዒት ሜትሮ ክህሉ ብዝብል መምርሒ ይትክኡ።
ስራሕ፡
- ኣብ ገዛ ኮይንኩም ክትሰርሑ እንተኽኢልኩም፡ ከምኡ ምግባር ክትቅጽልዎ ኣለኩም። እዚ ቁጽሪ ፈቐድኡ ዝንቀሳቐሱ ሰባት ኣብ ምድራት ንምሕጋዝን ምልባዕ/ምስፍሕፋሕ ኮሮናቫይረስ (ኮቪድ-19) ኣብ ምዝሓልን ኣገዳሲ'ዩ።
- ዘገምታዊ ምምላስ ናብ ስራሕ ብ25% ሰራሕተኛታት መምርሒታት ደረት ጻዕቂ/ብዝሒ፡ ሓደ ሰብ ኣብ ነብሲ ወከፍ 4 ትርብዒት ሜትሮ፡ ብምኽታል ክህልው'ዮም።
- ኣብ ቪክቶርያ ኣብ ቤት ጽሕፈታትን ካፈታትን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ምግባር ድሕሪ ደጊም ናይ ግድን ኣይኮነን።
- መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ኩሉ ግዜ ክትስከምዎ ኣለኩም፡ ኣብ ህዝባዊ መጓዓዝያ፡ ብሓባር ምስ ካልኦት ትጓዓዝሎም መበጻጽሒ መኪናታት፡ ኣብ ውሽጢ ማእከላት ዕዳጋን ብዙሕ ሰብ ዝእከበሎም/ዝህልወሎም ቦታታትን ክትሽፈኑ ኣለኩም።
- ስራሕኩም ኣብ ገዛኹም ኮይንኩም ከተካይድዎ እንተዘይክኢልኩም ናብ ስራሕ ክትከዱ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብ ስራሕ ከኣ ከም'ዞም ኣብ ታሕቲ ዘለው ብምግባር ድሕነትኩም ሓሊኹም ክትጸንሑ ትኽእሉ ኢኹም፡
- ኢድኩም ቀጻሊ ተሓጸቡ
- ናብ ቲሹ ወይ ናብ ኩርናዕ ኢድኩም ምስዓልን ምህንጣስን
- ካብ ካልኦት ሰባት ብውሑዱ 1.5 ሜ ርሕቀት ብምሕላው
ኩሎም ዋኒና ንግዲ መደብ ድሕነት ኮቪድ () ክህልዎም ኣለዎ፡ እቶም ኣብ ገዝኦም ኮይኖም ዝነግዱ ዋኒናት ወሲኽካ ማለት'ዩ (ንኣብነት ኣብ ገዛ ኮይነን ዝምሽጣ)
ተወሳኺ ሓበሬታ፡
ቤት ትምህርታት፡
- ኩሎም ተመሃሮ ቤት ትምህርትታት ቪክቶርያ ናብ ብኣካል ዝመሃርሉ ኣስተምህሮ ተመሊሶም ኣለው።
- ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ፡ ተይፍን ትምህርቲ ንዓበይትን ናብ ብኣካል ከይዶም ዝመሃርሉ ክምለሱ ይኽእሉ።
ተወሳኺ ሓበሬታ፡
መገሻ/ጉዕዞን መጓዓዝያን፡
መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ኩሉ ግዜ ክትስከምዎ ኣለኩም፡ ኣብ ህዝባዊ መጓዓዝያን ብሓባር ምስ ካልኦት ትጓዓዝሎም መበጻጽሒ መኪናታት ክትሽፈኑ ኣለኩም፡ ግቡእ ጽሬት ኣዘውትሩን እንተተጸሊእኩም ከኣ ኣይትግሹ ወይ ኣይትጓዓዙ።
- ኣብ'ቶም ካብ ገዛ ክትወጹሎም ወይ ክንደይ ርሒቕኩም ክትከዱሎም ትኽእሉ ምኽንያታት ደረት ዝበሃል የለን።
- ንምዝዋር ናብ ዝኾነ ቦታ ኣብ ቪክቶርያ ክትከዱ ትኽእሉ ኢኹም።
- ምስ'ቶም ምሳኹም ዝነብሩ ሰባት፡ ናይ ቀረባ መጻምድትኹምን ምሳኹም ዘይነብሩ ክሳብ ክልተ መሓዙት ወይ ኣባላት ቤተሰብ (ከምኡ'ውን ምስኦም ዝነብሩ) ክፍሊ መዕረፊ ኣጋይሽ ክትሕዙ ትኽእሉ።
- ኣብ መንጎ ከተማ መልበርንን ዞባታት ቪክቶርያን ክትጓዓዙ ዝህልው ምኽንያታት ቀይድታት የብሎምን።
- ኣህጉራውያን ተጓዓዝቲ ዝሓዙ በረራታት ሕጂ ጀሚሮም ኣለው።
ንግድታትን ምዝንጋዕን፡
ካፈታት፡ ቤት መግብታትን ቤት መስተታትን፡ ኣብ ቁጽሪ ዓማዊል ደረት ዝበሃል የለን፡ እንተኾነ ግን በቲ ሓደ ዓሚል ኣብ 2 ትርብዒት ሜትሮ ክህሉ ዝብል መምርሒ ክምእዘዙ ይግደዱ። ዓማዊል ድሕሪ ደጊም ክእዝዙ እንተኾይኖም ናይ ግድን ኮፍ ክብሉ ኣይክህልዎምን'ዩ።
- ኣብ ደገ ዝካየዱ ንጥፈታት ስፖርትን፡ መሐንበሲታትን፡ ኣብ ቁጽሪ ሰባት ደረት የለን፡ መምርሒ ክልተ ትርብዒት ሜትሮ ኣብ ተግባር ይውዕል።
- ጂምናዝየማትን/ጂምስ፡ ቁጽሪ ናይ'ቶም ዝፍቀደሎም ሰባት ኣብ ዕቤት ናይ'ቲ ቦታ ይምርኮስ፡ ሰራሕተኛታት ኣብ ዝሃለውሉ መምርሒ ኣርባዕተ ትርብዒት ሜትሮ ይኽበር፡ ኣብ'ቲ ቦታ ሰራሕተኛታት ኣብ ዘይህልውሉ ኸኣ ሓደ ሰብ ኣብ ነብሲ ወከፍ 8 ትርብዒት ሜትሮ ይኸውን።
ገንዘባዊ መቕጻዕትታት፡
- ክትግበሩ ዘለዎም ቀይድታት ክህልው ኣብ ዝውሰነሉ መቕጻዕትታት ኣብ ተግባር ይውዕሉ፡ ንኣብነት ሕጋውያን ዘይኮኑ ምትእኽኻባት ኣብ ዝግበርሉ
- ምልካፎም ድሕሪ ምርግጋጹ ወይ ምስ ሓደ ምልካፉ ዝተረጋገጸ ሰብ ኣብ ቀረባ ርሕቀት ኔሮም ተባሂሎም ዝተለለዩ ቪክቶርያውያን እንተዘይተወሺቦም መቕጻዕቲ ክኸፍሉ ይግበኦም።
ኒው ሳውዝ ዌልስ
ምትእኽኻብ፡
- ክሳብ 50 ሰባት ንሓደ መንበሪ ክበጽሕዎ ይኽእሉ ብደገ ዘሎ ቦታ ክሳብ ዝተጠቕሙ፡ እንተኾነ ግን እቲ መንበሪ ኣባይቲ ናይ ደገ ቦታ ዘይብሉ እንተኾይኑ ልዕሊ 30 ሰባት ክእከቡ ኣይምከሩን።
- ካብ ታሕሳስ 7 ክሳብ 100 ሰባት ኣብ ምትእኽኻባት ኣብ ደገ
- መርዓታት፡ ሓዘናትን ሃይማኖታዊ ኣገልግሎታትን፡ (ካብ ታሕሳስ 7) መምርሒ 2 ትርብዒት ሜትሮ ተኸቲልካ እንተኾይኑ ዝለዓለ ገደብ ኣብ ብቕዓት ዝበሃል ይተርፍ።
ስራሕ፡
- ካብ ሶኑይ ታሕሳስ 14 2020 እቲ ኣስራሕቲ ንሰራሕተኛታቶም ካብ ገዛ ክሰርሑ ዝጠልብ መምርሒ ህዝባዊ ጥዕና (ብዝተኻእለ መጠን ተግባራዊ ክሳብ ዝኾነ) ድሕሪ ደጊም ተግባራዊ ኣይከውንን።
- ሰራሕተኛታት ናብ ቤት ጽሕፈታት ኣብ ዝምለስሉ፡ ቦታታት ስራሕ መደባት ድሕነት ኮቪድ-19 ክህልዎም ይተባብዑ።
- ኣስራሕቲ ጽልዋ ኣብ ልዕሊ ህዝባዊ መጓዓዝያ ንምቕናስ ሰራሕተኛታት ስራሕ ዝጅምርሉን ዝውድእሉን ሰዓታት ክቐያይርዎ ይተባብዑ። ህዝባዊ መጓዓዝያ ዝጥቀሙ ዓማዊል መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክገብሩ ብዝለዓለ መጠን ይተባብዑ።
- ሰራሕተኛታት እንተተጸሊእዎም ወይ ጽቡቕ እንተዘይተሰሚዕዎም ኣብ ገዛ ክጸንሑ ይግብኦም፡ዝኾነ ምልክት ሕማም ይረኣዮም እንተሃልዩ ኸኣ መርመራ ኮቪድ-19 ክገብሩ ኣለዎም።
ቤት ትምህርታት፡
- ዝኾነ ምልክታት ሕማም ኮቪድ-19 ዘለዎ ተመሃራይ ኒው ሳውዝ ዌልስ ተመርሚሮም ከምዘይብሎም (ኣሉታ/ኔጋቲቭ) ክሳብ ዝረጋገጽ ኣይምለሱን።
- ናይ 12 ክፍሊ መዓጸዊ መደባት፡ ሳዕስዒታት፡ መመረቕታታትን ካልኦት ሓባራዊ ንጥፈታትን ኣይፍቀዱን'ዮም።
- ተወሳኺ ንትምህርቲ ኒው ሳውዝ ዌልስ ዝምልከት ሓበሬታ፡
ጉዕዞ/መገሻን መጓዓዝያን፡
- ካብ ካልእ ግዝኣት ዝመጹ ገየሽቲ ንኽዛወሩ ኣብ ኒው ሳውዝ ወይልስ ክመጹ ይኽእሉ’ዮም፡ ክምለሱ እንከለው ግን ብመምርሒታት ግዝኣቶም ይምርሑ/ይቕየዱ።
- መጸግዒታት/ፓርክታት ካራቫንን መዐስከሪ ካምቦታትን ክፉታት’ዮም። ሃገራውያን መናፈሲታት/ፓርክታት ክበጽሑ ዝደልዩ ገየሽቲ ንተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ’ዚ ክከታትሉ ኣለዎም።
- ናብ መሳለጥያታት መንበሪ/መእለዪ ዓበይቲ ወይ ኣገልግሎት ጥዕና ምብጻሕ ተደሪቱ'ሎ።
ንግድታትን ምዝንጋዕን፡
- ንገለ ዓይነታት ንግድን ማሕበራትን፡ ብመሰረት መምርሒታት ህዝባዊ ጥዕና ከም ድሕነት ኮቪድ ዘለዎም ክምዝገቡ ግዴታዊ እዩ። ተወሳኺ ሓበሬታ፡ https://www.nsw.gov.au/covid-19/covid-safe
- ጂምናዝየማትን ኣዳራሻት ለይታዊ ትልሂትን፡ ሓደ ሰብ ኣብ ነብሲ ወከፍ 4 ትርብዒት ሜትሮ፡ እንተበዝሑ 50 ሰባት ኣብ ናይ ጂም ኣስተምህሮታት ወይ ኣብ መሳዕስዒ ባይታ ኣብ ኣዳራሻት ለይታዊ ትልሂት ይፍቀዱ።
- ስታድየማትን ትያትራትን፡ (ኣብ ደገ) 100% ብቕዓት ወናብርን፡ ሓደ ሰብ ኣብ ነብሲ ወከፍ 2 ትርብዒት ሜትሮ ከኣ ነቶም ዘይስሩዓት ወናብር ዘለውዎም ቦታታት። (ኣብ ውሽጢ) 75% ብቕዓት ወናብር
- ንኣሽቱ ኣዳራሻት መዘናግዒ (ክሳብ 200 ትርብዒት ሜትሮ መጠን ዘለዎም) ኣብ ውሽጢ ኣዳራሽ ሓደ ሰብ ኣብ ነብሲ ወከፍ 2 ትርብዒት ሜትሮ ክህልዎም ይኽእል።
- ንጥፈታት ማሕበረሰባዊ ስፖርትታት ፍቑዳት እዮም፡ መደባት ልምምድን ምትንኻፍ ዘለዎም ንጥፈታትን ወሲኽካ።
ኣካየድቲ ዋኒናት ንግዲን ንጥፈታትን መደብ ድሕነት ኮቪድ-19 (COVID-19 Safety Plan) ናይ ግድን ክህልዎምን ናብ'ቲ ዋኒኖም ናይ ዝኣትው ኩሎም ሰባት መዝገብ ክሕዙን ኣለዎም፡
ገንዘባዊ መቕጻዕትታት፡
- ክትግበሩ ዘለዎም ቀይድታት ኣብ ዝሃለውሉ መቕጻዕትታት ኣብ ተግባር ይውዕሉ፡ ንኣብነት ሕጋውያን ዘይኮኑ ምትእኽኻባት ምስ ዝግበሩ
ኣብ ትሕቲ ዓንቀጽ ህዝባዊ ጥዕና 2020 ዝወጹ መምርሒታት ምጥሓስ ገበናዊ ፍጻመ ኮይኑ ከበድቲ መቕጻዕታት የስዕብ።
ኲንስላንድ
ምትእኽኻባት፡
- 50 ሰባት ኣብ ገዛውቲ ክእከቡ ይፍቀደሎም፡ 100 ኸኣ ኣብ ህዝባውያን ቦታታት ኣብ መላእ ኲንስላንድ
- ስነስርዓታት መርዓ፡ ክሳብ 200 ሰባት ኣብ ሓደ መርዓ ክመጹን ኩሎም ዕዱማት ኣጋይሽ ክስዕስዑ (ኣብ ደገ ይኹን ኣብ ውሽጢ) ይኽእሉ'ዮም።
- ቀብሪታት፡ ክሳብ 200 ሰባት ኣብ ሓደ ቀብሪ ክርከቡ ይኽእሉ።
- መእለዪ ነበርቲ፡ ኣብ ሓደ መቕርብኩም ዝኾኑ ሰባት ዝነብርሉ መእለዪ ኣገልግሎታት ጥዕና ኣእምሮ ወይ ወልፊ ዕጽታትን ኣልኮላዊ መስተን ክትበጽሑ ትኽእሉ ኢኹም።
- ምብጻሕ ሆስፒታላት፡ ቁጽሪ በጻሕቲ በቶም ልሙዳት መምርሒታት በጻሕቲ ኣብ ነብሲ ወከፍ ሆስፒታል ይውሰኑ።
ተወሳኺ ሓበሬእታ፡
ስራሕ፡
ንግዳዊ ዋኒናት ነዚኦም ክፍጽሙ ግድን'ዩ፡
- ኣብ ገዛ ኮይንካ ምስራሕ ክድግፉ
- ዝተጸለኦ ዝኾነ ሰብ ናብ ገዝኡ ክሰድዎ
- 1 ሰብ ኣብ ነብሲ ወከፍ 2 ትርብዒት ሜትሮ ክፈቕዱ
- ምርሕሓቕ ንምትብባዕ ብግልጺ ዝረኣዩ ሕብራውያን ምልክታት ምቕማጥ
- ኣብ ትሕቲ ቅጥዒ ድሕነት ኮቪድ ስርሖም ከካይዱ
- ኩሉ ገበራት ብተደጋጋሚን ብግቡእን ምጽራይ
- ናይ ኢድ መጽረዪ (ኣልኮል) ምቕራብ
ሰራሕተኛታት ከኣ ግድን፡
- እንተሓሚሞም ኣብ ገዛ ክጸንሑ
- ምልክታት ሕማም ኮቪድ-19 እንተሃልዮሞም ክምርመሩ
- ካብ ካልኦት 1.5 ሜትሮ ክርሕቁ
- ኢዶም ብሳምና ወይ ብመጽረዪ (ኣልኮል) ብተደጋጋሚ ከጽርዩ
- ክስዕሉን ከሀንጥሱን እንከለው ክሽፈኑ
ቤት ትምህርታት፡
- ሓደ ህጻን ብዳይረክተር ቤት ትምህርቲ፡ መምህር ወይ ኣባል ቤት ትምህርቲ ከም ዝሓመመ እንተተቖጺሩ፡ ንወለዶም ወይ ኣለይቶም ረኺቦም ደቆም መጺኦም ክወስድዎም ኣለዎም
- እቲ ወላዲ ወይ ኣላዪ ብዝቐልጠፈ ደቆም ክወስድዎም ኣለዎም
- እቲ ህጻን ክሳብ'ቲ ናብ ካልእ ሰብ ዘመሓላልፈሉ እዋን ዘብቅዕ ወይ ምልክታት ሕማም ዘይብሎም ምስ ኮኑ ናብ ቤት ትምህርቲ ክምለሱ ይኽእሉ።
መገሻ/ጉዕዞን መጓዓዝያን፡
- ካብ ባሕቲ ታሕሳስ 2020 ፈቓድ መሕለፊ ዶብ ኲንስላንድ (Queensland Border Declaration Pass) ክትመልኡ ዘድልየኩም፡ ኣብ'ቶም ዝሓለፉ 14 መዓልታት፡ ኣብ ሓደ ውዑይ ነቑጣ ለበዳ ወይ ካብ ሃገር ወጻኢ እንተጸኒሕኩምን ኣብ ኣውስትራልያ ክትበጽሑ እንከለኹም ብቐጥታ ናብ ኲንስላንድ እንተዘይኣቲኹምን'ዩ።
- ዝኾነ ኣብ ግዴታዊ መንግስቲ ዘዳለዎ ውሸባ - ካብ ኒው ሳውዝ ዌልስ ወይ ቪክቶርያ ስለዝኣተኹም - ካብ'ቲ መወሸቢ ክትወጹ ትኽእሉ መርመራ ኮቪድ-19 ጌርኩም ውጽኢቱ ኣሉታ ምስ ዝኸውን፡ ክረኽብኹም ዝኽእልሉ ዝርዝር ውልቃዊ ሓበሬታን ናይ ኲንስላንድ ኣድራሻን ክትህቡ ኣለኩም።
- ካብ ሓደ ውዑይ ነቑጣ ለበዳ ክትኣትው ምስ ዝፍቀደኩም ናብ ኲንስላድ ብነፋሪት በሪርኩም ክትኣትው ይግባኣኩም። ሹፌር ዓባይ/ናይ ጽዕነት መኪና፡ ምስ ምግዕዓዝ ጽዕነትን ሎጂስቲክስን ዝተኣሳሰረ ሰራሕተኛ ወይ ፍሉያት ኣገደስቲ/ኣድለይቲ ንጥፈታት ተካይዱ እንተዘይኮንኩም፡ ንስኹም ካብ ሓደ ውዑይ ነቑጣ ለበዳ ብመንገዲ ክትኣትው ፈቓድ ወይ ሕድገት ክወሃበኩም ኣለዎ።
ንግድታትን ምዝንጋዕን፡
- ኣብ ውሽጢ ንጥፈታት ዝካየደሎም ኣዳራሻት፡ ሓደ ሰብ ኣብ ነብሲ ወከፍ 2 ትርብዒት ሜትሮ (ንኣብነት ቤት መግብታት፡ ካፈታት፡ ቤት መስተታት፡ መዘናግዒ ክለባት፡ ሙዝየማት፡ ኣዳራሻት ስነጥበብ፡ ቦታታት እምነት፡ ማእከላት ዋዕላን ህንጻ ባይቶን)። ኣብ ውሽጢ ሓደ ህንጻ ኣብ ውሽጢ ኣዳራሽ ዝጽወተሎም ቦታታት ክኽፈቱ ይኽእሉ።
- ንጥፈታት ውሽጢ ኣዳራሽ፡ 100% ምሉእ ብቕዓት ወይ ናይ ምሓዝ ዓቕሞም ኣብ ኮፍ ዝበሃለሎም፡ ብቲኬት ዝእተው ኣዳራሻት፡ ዓማዊል ከኣ ክኣትውን ክወጹን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ይገብሩ (ንኣብነት ትያትር፡ ሙዚቃዊ ምርኢት ባንድ፡ ሲነማታትን ስፖርትታት ውሽጢ ኣዳራሽን)። ምርኢት ዘቕርቡ ካብ ተዓዘብቲ 2ሜ ይርሕቁ፡ መዘምራን/ብሓባር ዝደርፉ እንተኾይኖም ግን ካብ ተዓዘብቲ 4ሜ ይርሕቁ፡
- ናይ ደገ ንጥፈታት፡ ዝርዝር ንጥፈታት ድሕነት ኮቪድ ኣብ ዝሓዘ 1500 ሰባት ኣብ ደገ ኣብ ዝካየዱ ንጥፈታት ይፍቀዱ። ዕብይ ዝበሉ ንጥፈታት ሓደ መደብ ድሕነት ኮቪድ የድልዮም።
- ክፉታት ስታድየማት፡ 100% ብቕዓት ናይ'ቲ ወናብሮም ክሕዙ ይፍቀደሎም (ምስ ሓደ መደብ ድሕነት ኮቪድ)
- ሳዕስዒት ኣብ ደገ፡ ሳዕስዒት ኣብ ደገ ይፍቀድ እዩ (ንኣብነት ኣብ ደገ ዝካየዱ ፌስቲቫላት ሙዚቃ፡ ቢራ ዝስተየሎም መደባት ምዝንጋዕ (ቢር ጋርደንስ))።
ተወሳኺ ሓበሬታ፡
ገንዘባዊ መቕጻዕትታት፡
- ክትግበሩ ዘለዎም ቀይድታት ኣብ ዝሃለውሉ መቕጻዕትታት ኣብ ተግባር ይውዕሉ፡ ንኣብነት ሕጋውያን ዘይኮኑ ምትእኽኻባት ምስ ዝግበሩ፡ ወይ ግዴታዊ ክንሱ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ዘይምግባር
ተወሳኺ ሓበሬታ፡
ሳውዝ ኣውስትራልያ
ምትእኽኻባት፡
- 1 ሰብ ኣብ ነብሲ ወከፍ 4 ትርብዒት ሜትሮ ኣብ ውሽጢ ኣዳራሽ
- 1 ሰብ ኣብ ነብሲ ወከፍ 2 ትርብዒት ሜትሮ ኣብ ደገ
- ብሕታዊ ውራያት (መርዓን ቀብሪታትን ወሲኽካ)
እንተበዝሐ 150 ሰባት ብመሰረት መምርሒ 1 ሰብ ኣብ ነብሲ ወከፍ 2 ትርብዒት ሜትሮ
- ኣብ ገዛ፡ 10 ሰባት ንነብሲ ወከፍ ገዛ (ብዘይካ ኣብ'ቲ መንበሪ ብቀዋሚ ልዕሊ 10 ሰባት ይነብሩ እንተዘይኮይኖም)
- ውልቃዊ ቦታ፡ እንተበዝሐ 150 ሰባት
- ኣብ ግዜ በዓል ተዕርፉሉ ኣባይቲ፡ ዝለዓለ ቁጽሪ ኣብ'ኡ ክድቅሱ ዝፍቀደሎም ሰባት በቲ ወናኒ ዝወሰኖ መሰረት እንተበዝሐ 10 ሰባት
- ምብጻሓት ናብ መውዓሊ ኣረጋውያን ድሩታት'ዮም። ተወሳኺ ሓበሬታ፡
ተወሰኽቲ ሓበሬታ፡
ስራሕ፡
- ምፉዃስ ገለ ቀይድታት ክግበር'ኳ እንተጸንሐ፡ ኣብ ዝተኻእለሉ ሰባት ኣብ ገዝኦም ኮይኖም ምስራሕ ክቕጽሉ ሕጂ'ውን ኣጥቢቑ ይምከር።
- ቀጻሊ ዝኾነ ተዓጻጻፍነት ኣብ ቦታ ስራሕ ነዚ ኣብ'ዚ እዋን ኣብ ሳውዝ ኣውስትራልያ ዘሎ ግብረመልሲ ኮቪድ-19 ክሕግዞ'ዩ። እዚ ብተወሳኺ ለበዳ ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን ቀጻልነት ንጥፈታት ንግዲ ክህሉ ንምርግጋጽ ይሕግዝ።
ቤት ትምህርታት፡
ቤት ትምህርታት ሳውዝ ኣውስትራልያ ተኸፊቶም’ዮም። ኣብ ዝኾነ ቤት ትምህርቲ ለበዳ ኣብ ዘጋጥመሉ ኣብ'ዚ መርበብ ሓበሬታ ብጽሑ፡
መገሻ/ጉዕዞን መጓዓዝያን፡
- ክትገሹ እንተደሊኹም ወይ ህዝባዊ መጓዓዝያ ክትጥቀሙ እንተደሊኹም፡ ብዝተኻእለ መጠን ቀጥታውን ግብራዊን ዝኾነ መንገዲ ክትወስዱ ኣለኩም።
- ኣብ ውሽጢ ዝበዝሐ ክፋል ሳውዝ ኣውስትራልያ ክትጉዓዙ ቀይዲ ዝበሃል የለን።
- ኩሎም ካብ ካልኦት ሃገራት (ስግር ባሕሪ) መጺኦም ናብ ሳውዝ ኣውስትራልያ ዝኣተው ኣብ ሓደ ብክፍሊ ጥዕና ሳውዝ ኣውስትራልያ ዝተፈቕደ ሆቴል፡ ናይ 14 መዓልታት ግዴታዊ ምውሻብ ክፍጽሙ፡ ክኣትው'ዮም።
ንግድታትን ምዝንጋዕን፡
- ጠቕላላ ብዝሒ ሰባት ኣብ ሓደ ቦታ ካብ 1 ሰብ ኣብ ነብሲ ወከፍ 2 ትርብዒት ሜትሮ ክሓልፍ የብሉን።
- ኣብ ኣዳራሻት/ቦታታት ንግዲ ንሃልኪ ዝቐርቡ መግብን መስተታትን (ኣብ ቤት መስተታት፡ ካፈታት፡ ክለባት፡ ቤት መግብታት፡ ነቢት ዝጥጅኣሎምን፡ ወዘተ ወሲኽካ) ኣብ ውሽጢ ኣዳራሽ እንተሃሊኹም ኮፍ ኢልኩም ከተህልኽዎም፡ ኣብ ደገ እንተኾይኑ ኸኣ ደው ኢልኩም ከተህልኽዎም ይፍቀድ።
- ኣገልግሎታት ኣካላዊ ጽሬት/ክንክን ዝህቡ ሰባት ነዚ ኣገልግሎት ኣብ ዝህብሉ እዋን ግቡእ ዝኾነ መከላኸሊ ክዳን ክለብሱ ይግብኦም።
- ኣብ ቀዋሚ ዝኾነ ቦታ ኮፍ ምባል ዝኣመሰለ ንጥፈታት ዘለዎ ዕጹው ኣዳራሽ ሲነማ፡ ትያትር ወይ ዝኾነ ካልእ ቦታ፡ ካብ 50% ናይ'ቲ ልሙድ ክሕዞ ዝኽእል ቁጽሪ ዓማዊል ንላዕሊ ክህልውዎ የበሉን።
ተወሳኺ ሓበሬታ፡
ገንዘባዊ መቕጻዕትታት፡
- ክትግበሩ ዘለዎም ቀይድታት ኣብ ዝሃለውሉ መቕጻዕትታት ኣብ ተግባር ይውዕሉ፡ ንኣብነት ሕጋውያን ዘይኮኑ ምትእኽኻባት ምስ ዝግበሩ፡ ወይ ግዴታዊ ክንሱ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ዘይምግባር
ወስተርን ኣውስትራልያ
ምትእኽኻባት፡
- ካብ ሓደ ሰብ ንላዕሊ ኣብ ነብሲ ወከፍ 2 ትርብዒት ሜትሮ ክሳብ ዘይሃለወ ኣብ ቁጽሪ'ቶም ናብ ገዛኹም ዝመጹ ኣጋይሽ ገደብ/ደረት የለን።
- ብውሑዱ 2 ትርብዒት ሜትሮ ቦታ ንሓደ ሰብ ክሳብ ዝሃለወ ኣብ ህዝባውያን ምትእኽኻባት ገደብ ቁጽሪ ዝበሃል የለን።
- እዚ 2 ትርብዒት ሜትሮ ዝብል መምርሒ ኣብ'ቶም ብመቐመጢ ወናብርን መእተዊ ቲኬትን ዝግበሩ ምርኢታት፡ ኣቐዲሞም ኣብ ዝተመርጹ ኣብ ውሽጢ ኣዳራሻትን ቦታታት እምነትን ዝርከቡ መቐመጢ ዘለዎም መዘናግዒ ቦታታት፡ ኣይትግበርን'ዩ።
- ኣብ ምኻድ/ምርኻብ/ምእታው ምስ ኣብ ርሑቕ ከባቢታት ዝርከቡ ኣቦሪንጂናዊ ማሕበረሰባት ቀይድታት ኣለው።
- ኣብ ምእታው ናብ መሳለጥያታት መእለዪ ኣረጋውያን ቀይድታት ኣለው።
ስራሕ፡
- ዌስተርን ኣውስትራልያውያን፡ እንተዘይተጸሊእዎም ወይ ተነቀፍቲ/ተኣፈፍቲ እንተዘይኮይኖም፡ ናብ ስራሕ ክምለሱ ይተባብዑ። ብዛዕባ ምምላስ ናብ ስራሕ ትሻቐሉ እንተኾይንኩም ወይ ርግጸኛታት እንተዘይኮንኩም ምስ'ቲ ዘስርሓኩም ክትዘራረቡ ኣለኩም።
ኣብ ቦታ ስራሕ
- ግቡእ ጽሬትን ኣካላዊ ምርሕሓቕን ኣተግብሩ።
- ብኢድ ኣይተጨባበጡ።
- ብዙሕ ግዜ ዝትንከፉ ገበራት ቀጻሊ ኣጽርይዎምን ጸረባልዕ ግበርሎምን።
- ምሳሕኩም ኣብ ሰደቓኹም ወይ ኣብ ደገ ተመገቡ፡ ኣብ መመገቢ ክፍሊ ኣብ ክንዲ ዝኸውን።
- ኣብ ቦታ ስራሕ መግቢ ምትንኻፍን ብሓባር ምብላዕን ኣውሕድዎ
ቤት ትምህርታት፡
- ንኹሎም ተመሃሮ ቤት ትምህርቲ ምኻድ ግዴታዊ እዩ፡ ብዘይካ'ቶም ጥዕንኦም ተነቃፊ ዝኾነ ወይ ጥዕንኦም-ተነቀፍቲ ዝኾኑ ኣባላት ቤተሰብ ዘለውዎም።
- ወለዲ ወይ ኣለይቲ ደቆም ንምብጻሕ ወይ ንምውሳድ ኣብ ቀጽሪታት ቤት ትምህርቲ ክኣትው ይኽእሉ'ዮም።
መገሻ/ጉዕዞን መጓዓዝያን፡
- ወስተርን ኣውስትራልያ ናብ ሓደ ኣብ እዋናዊ ምኽሪ ህዝባዊ ጥዕና ዝተመርኮሰ ድሕነቱ ዝተሓለወን ትርጉም ዘለዎ ስርዓተ ምቁጽጻር ዶብን ሰጊራ ኣላ።
- ምትእትታው ሓድሽ ስርርዕ ምቁጽጻር ዘለዎ ዶብ ኣብ መንጎ ግዝኣታት ነብሲ ወከፍ ግዝኣትን ምምሕዳራዊ ዶብን ኣውስትራልያ ናይ 14 መዓልቲ ዘዋሪ ገምጋም ቁጽሪ መልከፍቲ ኮቪድ-19 ኣብ ማሕበረሰብ ትሕቲ 5 ኣብ መዓልቲ ከተመዝግብ ኣብ ዝብል ዝምርኮስ እዩ።
- ጉዕዞ ኣብ መላእ ወስተርን ኣውስትራልያ ፍቑድ'ዩ፡ ናብ ዞባ ኪምበርሊ'ውን ከይተረፈ። ናብ ርሑቓት ከባቢታት ዝርክቡ ኣቦሪጂናዊ ማሕበረሰባት ምኻድ ክሳብ ሕጂ ክልኩል እዩ።
- ተወሰኽቲ ንገያሾ/ተጓዓዝቲ ዝወሃቡ ሕድገታት ኣብ ወስተርን ኣውስትራልያ ንምምልካት፡
ንግድታትን ምዝንጋዕን፡
- ኣብ ቁጽሪ ዓማዊል ናብ ሓደ ኣዳራሽ መዘናግዒ ክኣትው ገደባት የለውን፡ እንተኾነ ግን፡ መምርሒ 2 ትርብዒት ሜትሮን ኣካላዊ ምርሕሓቕን ይትግበሩ። እዚ ማለት ዝለዓለ ቁጽሪ ናብ'ቲ ኣዳራሽ ክኣትው ዝፍቀደሎም ዓማዊል በቲ ዕቤት ናይ'ቲ ኣዳራሽ ይውሰን።
- ልዕሊ 500 ዓማዊል ክሕዙ ዝኽእሉ ዓበይቲ መዘናግዒ ኣዳራሻት ሰራሕተኛታቶም ኣብ'ቲ ቁጽሪ ዓማዊል ከእትውዎም ኣለዎም።
- ኣዳራሻት መጻወቲ ጠላዕ/ካሲኖ ኣብ ትሕቲ ኣቐዲሞም ስምምዕ ዝተገብረሎም ግዝያውያን ቀይድታት ደጊሞም ይኽፈቱ
- ቤት መግብታት፡ ካፈታትን ቤት መስተታትን መዝገብ ዓማዊል ምሓዝ ኣየድልዮምን እዩ።
- ኩሎም ንጥፈታት ምዝንጋዕ ተፈቒዶም ኣለው፡ ብዘይካ'ቶም ዓቢይ መጠን ዘለዎም፡ ብዙሓት-መድረኻት ዝጥቀሙ ሙዚቃዊ ፈስቲቫላት
- ኦፕተስ ስታድየም፡ ኤችቢኤፍ ፓርክን ኣርኤሲ ኣሬናን 50% ግዝያዊ ብቕዓት/መጠን ዝሕዝዎ ይኸፍቱ/ይሰርሑ
- ኣዳራሻት ሙዚቃዊ ምርኢታት፡ ሙዚቃዊ ባንድታት ምርኢት ዘካይድሎም ኣዳራሻት፡ ቤት መስተታት፡ መዘናግዒ ፓብን ኣዳራሻት ለይታዊ ትልሂትን ዝኣመሰሉ ብዘይመቐመጢ ዝካየዱ ምርኢታት ምዝንጋዕ ፍቑዳት'ዮም።
- ዝለዓለ ቁጽሪ ኣብ ሓደ መቐመጢ/ወናብር ዘለዎም መዘናግዒ ቦታ 60 ካብ ሚእቲ እዩ።
ገንዘባዊ መቕጻዕትታት፡
- ክትግበሩ ዘለዎም ቀይድታት ኣብ ዝሃለውሉ መቕጻዕትታት ኣብ ተግባር ይውዕሉ፡ ንኣብነት ሕጋውያን ዘይኮኑ ምትእኽኻባት ምስ ዝግበሩ፡ ወይ ግዴታዊ ክንሱ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ዘይምግባር
ታዝመንያ
ምትእኽኻባት፡
- ምትእኽኻባት ኣብ ገዛ፡ ክሳብ 40 ሰባት ኣብ ሓደ እዋን፡ ነበርቲ ናይ'ቲ ገዛ ወይ ስድራ ከይወሰኽካ።
- መርዓታት፡ መምለኺ ቦታታትን ንግዳዊ ትካላትን፡ ቁጽሪ ሰባት ብጻዕቂ ናይ'ቲ ቦታ ይውሰን፡ ኣብ ውሽጢ እንተኾይኑ ዝለዓለ 250፡ ኣብ ደገ ኸኣ 1000
- ምብጻሕ ናብ ሆስፒታላት፡ በጻሕቲ ኣብ ዝኾነ ሓደ እዋን እንተበዝሐ ሓደ በጻሒ ንሓደ ዝሕከም ሰብ ይፍቀደሎም።
ስራሕ፡
ብዝተኻእለ መጠን ሰባት ኣብ ገዛ ኮይኖም ምስራሕ ክቕጽልዎ ይተባብዑ፡ ንመምርሒታት ኣካላዊ ምርሕሓቕ ንምሕጋዝን ኣብ መንጎ ሰባት ዝህሉ ምርኻብ/ምትንኻፍ ንምቕናስን።
ቤት ትምህርታት፡
- ኩሎም ጥዑያት ተመሃሮ ትምህርቶም ኣብ ቤት ትምህርቲ ምምሃር ክቕጽልዎ እዮም።
- እቶም ጸገማት ጥዕና ዘለዎም ተመሃሮን ኮቪድ-19 ናብ ዝለዓለ ተኽእሎ ሓደጋ ካብ ማእከላይ ክሳብ ዝበኣሰ ሕማም ከብጽሖም ዝኽእልን ብዝተኻእለ መጠን ኣብ ገዝኦም ኮይኖም ኣስተምህሮኦም ክቕጽሉ ክድገፉ እዮም።
መገሻ/ጉዕዞን መጓዓዝያን፡
- ኣብ ዝኾነ ቦታ ኣብ ውሽጢ ታዝመንያ ክትጸንሑን ክትከዱን ተኽእሉ ኢኹም፡ ግን በቶም ንምትእኽኻብን ናብ ገዛውቲ ምብጽጻሕን ዝምልከቱ ቀይድታት ክትምእዘዙ ኣለኩም።
- ናብ ታዝመንያ ዝመጹ ተጓዓዝቲ ዝርዝራት ክርከብሉ ዝኽእሉ ውልቃዊ ሓበሬታን ጉዕዝኦምን ቅድሚ ናብ'ቲ ግዝኣት ምእታዎም ከቕርቡ ኣለዎም፡ እዚ ኣብ ዶባት ታዝመንያ ተኽእሎ ሓደጋ ኮቪድ-19 ንምቁጽጻር ይሕግዝ።
- ቅድሚ ናብ ታዝመንያ ምምጽኦም ተጓዓዝቲ ዝጸንሑሎም ወይ ዝኾነ ግዜ ዘሕለፉሎም ቦታታት ናብ'ዚ ግዝኣት ክኣትው ክፍቀደሎም ዘኽእል ክማላእ ዘለዎ ቅድመኩነት ይውስኖ።
- ነቶም መንግስቲ ኣብ ዝመደቦም መዕረፊ ኣጋይሻት ነብሰ ምውሻብ ክገብሩ ዘድልዮም ሰባት ዝኽፈል ናይ መወሸቢ ክፍሊት ኣሎ (ሕድገታት ዝግብኦም እንተኾይኑ'ውን ይረአ)
ንግድታትን ምዝንጋዕን፡
- ኩሎም ንግዳዊ ዋኒናትን ቦታታት ስራሕን ክኸፍቱን ክሰርሑን ሕጂ ተፈቒድሎም'ዩ፡ እንተኾነ ግን ዝተሓተ መለክዒታት ድሕነት ኮቪድ-19 ንምምላእ መምርሒታት ከተግብሩን ነዚ ኸኣ ኣብ መደብ ድሕነት ኮቪድ-19 ክምዝግብዎን ኣለዎም።
- እቲ ዝለዓለ ብዝሒ ወይ ጻዕቂ ሰባት ሓደ ሰብ ኣብ ነብሲ ወከፍ 2 ትርብዒት እዩ
- ጂምናዝየማት/ጂማት ሕጂ ክፉታት'ዮም፡ ኣብ ጻዕቂ ተጠቀምቲ፡ ኣካላዊ ምርሕሓቕ፡ ምክትታል ብቐረባት ዝተራኸቡ ሰባት፡ ምጽራይን ጽሬትን ዘተኮሩ መደባት ድሕነት ኮቪድ-19 ሃልይዎም።
ገንዘባዊ መቕጻዕትታት፡
- ክትግበሩ ዘለዎም ቀይድታት ኣብ ዝሃለውሉ መቕጻዕትታት ኣብ ተግባር ይውዕሉ፡ ንኣብነት ሕጋውያን ዘይኮኑ ምትእኽኻባት ምስ ዝግበሩ፡ ወይ ግዴታዊ ክንሱ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ዘይምግባር
ኖርዘርን ተሪተሪ
ምትእኽኻባት፡
- ኣብ ኖርዘርን ተሪተሪ ገደባት ኣብ ምትእኽኻባት የለውን፡ እንተኾነ ግን ሰባት ብ1.5 ሜ መምርሒታት ማሕበራዊ ምርሕሓቓት ክምእዘዙ ይሕተቱ።
- መርዓታትን ቀብሪታትን ፍቑዳት’ዮም
- ካብ 100 ሰባት ንላዕሊ ዝህልውዎም ምትእኽኻባት ዝርዝር መለክዒታት ኮቪድ-19 ክመልኡ ይሕተቱ።
ተወሳኺ ሓበሬታ፡
ስራሕ፡
ኣብ ትሕቲ መምርሒታት ላዕለዋይ ሓላፊ ጥዕና (ሲኤችኦ)፡ ሓደ ንግዳዊ ዋኒን፡ ማሕበር ወይ ማሕበረሰባዊ ጉጅለ ነዞም ዝስዕቡ ከማልእ ኣለዎ፡
- መደብ ድሕነት ኮቪድ-19 ክህልዎ፡ ኣብ ነብሲ ወከፍ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ከተግብርዎን ክግምግምዎን ዘለዎም
- ናይ ኢድ መጽረዪ (ሳኒታይዘር) ንዓማዊል ክቕርቡ፡ እንተዘይኮይኑ ግን መሳለጥያታት መሕጸቢ ኣእዳው ክህልው ኣለዎም
- ኣብ'ቶም ንህዝቢ ክፉታት ዝኾኑን ሰራሕተኛታት ከኣ ክኣትውዎም ዝኽእሉ ቦታታት ሓደ ሰብ ነዞም ዝስዕቡ ከማልእ ከምዘለዎ ዝሕብሩ ብዓቢኡ ዝረኣዩ ምልክታት ጽሑፍ ክገብሩ፡
- ካብ ካልኦት ናይ 1.5 ሜትሮ ኣካላዊ ምርሕሓቕ ክገብሩ
- 1.5 ሜትሮ ምርሕሓቕ ዘይከኣል እንተኾይኑ እቲ ርክብ ትሕቲ 15 ደቒቕ ክኸውን ምግባር
- ኢድ ብምሕጻብ ወይ መጽረዪ ብምጥቃም ግቡእ ጽሬት ኣእዳው ምትግባር
- እንተተጸሊእዎም ኣብ ገዝኦም ክጸንሑን ክምርመሩን
ቤት ትምህርታት፡
- ኩሎም ተመሃሮ ኖርዘርን ተሪተሪ ብኣካል ኣብ ቤት ትምህርቲ ከመሃሩ ትጽቢት ይግበር።
ተወሳኺ ሓበፌታ፡
መገሻ/ጉዕዞን መጓዓዝያን፡
- ኣብ ካልእ ሃገር ዝጸንሑ ገየሽቲ/መጻእቲ/ተጓዓዝቲ ምስ ተመልሱ ናብ ግዴታዊ ምክትታል ዝግበረሉ ውሸባ፡ ኣብ መወሸቢ መሳለጥያ ሃዋርድ ስፕሪንግስ (Howard Springs)፡ ክጸንሑ ተመሪሖም ይኸዱ።
ካብ ካልኦት ግዝኣታት ናብ ኖርዘርን ተሪተሪ ዝመጹ፡
- ካብ ሓደ ውዑይ ነቑጣ ለበዳ ተባሂሉ ዝተኣወጀ ቦታ እንተዘይኮንኩም ነብሰ-ምውሻብ ክትገብሩ ኣየድልየኩም እዩ።
- ኩሎም ካብ ካልኦት ግዝኣታት ዝመጹ ሰባት ክሳብ 72 ሰዓታት ቅድሚ ምብጽሖም ዶብ መእተዊ ቅጥዒ ክመልኡ ኣለዎም።
ንግድታትን ምዝንጋዕን
- ኣካላዊ ምንቅስቓስ፡ ምትእኽኻባት ኣብ ደገ፡ ምሕንባስ፡ ዓሳ ምግፋፍን ምጅላብን ፍቑዳት እዮም።
- መንሸራተቲ ፓርክታት፡ መሐንበሲ ቀላያት፡ መጻወቲ ህጻናትን ናይ ደገ ጂምናዝየማትን ክኸፍቱ ተፈቒድሎም'ዩ።
- ካፈታት፡ ቤት መግብታት፡ ቤት መስተታት፡ ስፖርታዊ መሰልጠኒታትን መለማመዲታት፡ ዕዳጋታት ውሽጢ ኣዳራሽ፡ ጂምናዝየማት፡ ቤተ መጻሕፍቲ፡ ኣዳራሻት ምርኢት ስነጥበብን ቤተ መዘክራትን፡ ከምኡ'ውን ኩሎም ካልኦት ንግዳዊ ዋኒናትን ክፉታት'ዮም።
- ናይ ማሕበረሰብን ስፖርታዊ ውድድራትን ተዓዘብቲ ኣብ ዘለውዎ ኣብ'ቶም ፍቑዳት ዝኾኑ ኣሰራርዓ መቐመጢ ወናብር ዘለዎም ክትዕዘቡ ትኽእሉ። እቲ ቁጽሪ ልዕሊ 500 እንተኾይኑ ዝተፈልየ መደብ ድሕነት ኮቪድ-19 ክፍቀደሎም የድሊ።
ተወሳኺ ሓበሬታ፡
ገንዘባዊ መቕጻዕትታት፡
- ክትግበሩ ዘለዎም ቀይድታት ኣብ ዝሃለውሉ መቕጻዕትታት ኣብ ተግባር ይውዕሉ፡ ንኣብነት ሕጋውያን ዘይኮኑ ምትእኽኻባት ምስ ዝግበሩ፡ ወይ ግዴታዊ ክንሱ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ዘይምግባር
ኣውስትራልያን ካፒታል ተሪተሪ (Australian Capital Territory)
ምትእኽኻባት፡
- ገዛውቲ፡ ኣብ ምብጽጻሕ ደረት ዝበሃል የለን።
- መርዓታትን ቀብሪታትን፡ ክሳብ 500 ሰባት ኣብ መርዓታትን ቀብሪታትን ክሳተፉ ይኽእሉ፡ ልዕሊ ሓደ ሰብ ኣብ ነብሲ ወከፍ 4 ትርብዒት ሜትሮ ክሳብ ዘይሃለወ።
- ናይ ኣምልኾ ቦታታት፡ እንተበዝሑ 25 ሰባት፡ እዚ ኣብ መላእ'ቲ ኣዳራሽ ንሰራሕተኛታትን ነቲ ኣገልግሎት ዝመርሕዎን ሰባትን ከይቆጸርካ ማለት'ዩ።
- መእለዩ ኣረጋውያን፡ ዕላምኡ ንደገፍን ክንክንን ክሳብ ዝኾነ ሰባት ንኣባላት ቤተሰቦም ይኹን ኣዕሩኽቶም ክበጽሕዎም ይኽእሉ'ዮም። ምስ ኣባል ቤተሰቦም ወይ ዓርኮም ዘሕልፍዎ ግዜ ገደብ የብሉን።
- ህዝባዊያን ምትእኽኻባት፡ ክሳብ 100 ሰባት የፍቅዱ (1ሰብ ኣብ ነብሲ ወከፍ 4 ትርብዒት ሜትሮ ንነብሲ ወከፍ ኣብ ውሽጢ ዝግበር፡ 1 ሰብ ኣብ ነብሲ ወከፍ 2 ትርብዒት ሜትሮ ኸኣ ኣብ ደገ)፡ ንስነ ስርዓት ቀብሪታት'ውን የካትት።
ስራሕ፡
- ንኣስራሕትን ሰራሕተኛታት ኣብ ዝጠዓመ/ዝመችአ፡ መደብ ድሕነት ኮቪድ-19 ሃልዩ፡ ናብ ስራሕ ምምላስ ይከኣል።
- እንተተጸሊእኩም ኣብ ገዛኹም ጽንሑ፡ ምልክታት ኮቪድ-19 እንተተራእዮምኹም ወይ እንተሃልዮምኹም ከኣ ተመርመሩ።
ትምህርቲ፡
- ህዝባውያን ቤት ትምህርታት ኤሲቲ (ACT) ተኸፊቶም ኣለው። ዝበዝሑ ተመሃሮን መማህራንን ናብ ቤት ትምህርታት ተመሊሶም'ዮም።
- ሕዱር ጸገም ጥዕና ወይ ተነቃፊ ስርዓተ ምክልኻል ሰብነት ዘለዎም ተመሃሮን መማህራንን ኣብ ገዛ ኮይኖም ክሰርሑ ወይ ክመሃሩ ይኽእሉ።
- ደቅኹም እንተተጸሊእዎም ብኽብረትኩም ናብ ቤት ትምህርቲ ኣይትስደድዎም።
መገሻ/ጉዕዞን መጓዓዝያን፡
- መልከፍትታት ኮቪድ-19 ብቕልጡፍ ክላብዑ ይኽእሉ'ዮም፡ ከም'ዚ ክኾኑ'ዮም ኢልካ ትግምተሉ መንገዲ ፈጺሙ የለን።
- ጉዕዞታት/መገሻታት ቀይድታት ክሳብ ዘይተገብረሎም፡ ክፍሊ ጥዕና ኤሲቲ (ACT Health) ንመገሻ/ጉዕዞ ተባሂሉ ቦታታት ደሓንን ዘይደሓንን ኢሉ ኣይእውጅን/ኣይምድብን እዩ።
- ካብ ብኮቪድ ዝተተንከፉ ከባቢታት ዝኾኑ ሰባት ጉዕዞኦም ናብ ኤሲቲ ክሓስብሉ ምኽሪ ይወሃቦም።
- እንተተጸሊእኩም ወይ ኣብ ውሸባ ወይ ምግላል እንተሃሊኹም ህዝባዊ መጓዓዝያ ኣይትጠቐሙ።
- ናብ ገዛኹም ክትውሸቡ ኢልኩም ትኸዱ እንተሃሊኹም፡ ዝርከብ እንተኾይኑ፡ ናይ ብሕትኹም መጓዓዝያ ተጠቐሙ።
ንግድታትን ምዝንጋዕን፡
- ጂምናዝየማት፡ ቤት መግቢታት፡ ካፈታትን ቤት መስተታትን ካንቤራ 25 ሰባት ከአንግዱ ይኽእሉ፡
- ንግዳዊ ዋኒናትን ኣዳራሻትን ልዕሊ 25 ሰባት ከአንግዱ እንተደልዮም፡ ነቲ Check In CBR app ተጠቒሞም ክምዝገቡ እንተኽኢሎም፡ ነቶም ዘለውዎም ቦታታት ውሽጢ ኣዳራሽን ደገን 1 ሰብ ኣብ ነብሲ ወከፍ 2 ትርብዒት ሜትሮ እናተመኑ ክጥቀምሎም ይኽእሉ'ዮም።
- Check In CBR app ዘይጥቀሙ ንግዳዊ ዋኒናትን ኣዳራሻትን 1 ሰብ ኣብ ነብሲ ወከፍ 4 ትርብዒት ሜትሮ ኣብ'ቲ ዝጥቀምሉ ቦታ ኣብ ውሻጠ፡ 1 ሰብ ኣብ ነብሲ ወከፍ 2 ትርብዒት ሜትሮ ኸኣ ኣብ ደገ እናሃለዎም ክቕጽሉ ይኽእሉ'ዮም።
- ኣብ ውሻጠ/ውሽጢ ኣዳራሽ ዝኾኑ ቦታታት ዓማዊል ኣልኮላዊ መስተ ከህልኹ እንከለው ኮፍ ክብሉ ኣለዎም።
- ሲነማታትን ኣዳራሻት ፊልምን ትያትርን- ክሳብ 65% ብቕዓት ናይ ነብሲ ወከፍ ትያትር፡ ክሳብ 500 ሰባት Check In CBR app ይጥቀሙ እንተኾይኖም።
- ዓበይቲ ዕጹዋት (ውሻጠ) ኣዳራሻት - ቲኬት ዝተቖርጾምን መቐመጢ ወናብር ዘለዎም ውራያት ክሳብ 65% ብቕዓት፡ ክሳብ 1500 ሰባት ከአንግዱ ይኽእሉ።
- ዕጹዋት ኣዳራሻት ደገ ቀዋሚ ስሩዕ መቐመጢ/ኮፍ መበሊ ዘለዎም - ቲኬትን ወናብርን ዘለዎም ውራያት ክሳብ 65% ብቕዓት ናይ'ቲ ቦታ፡ ክሳብ 1500 ሰባት።
- ስታድየማት GIO Stadiumን Manuka Ovalን - ክሳብ 65% ናይ'ቲ ብቕዓቶም ይፍቀደሎም
ገንዘባዊ መቕጻዕትታት፡
- ክትግበሩ ዘለዎም ቀይድታት ኣብ ዝሃለውሉ መቕጻዕትታት ኣብ ተግባር ይውዕሉ፡ ንኣብነት ሕጋውያን ዘይኮኑ ምትእኽኻባት ምስ ዝግበሩ፡ ወይ ግዴታዊ ክንሱ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ዘይምግባር
- ኣብ ኣውስትራልያ ሰባት ብውሑዱ 1.5 ሜትሮ ካብ ካልኦት ክርሕቁ ኣለዎም። ብዛዕባ ደረታት ብዝሒ ሰባት ኣብ ምትእኽኻባት መምርሒታት ግዝኣትኩም ተወከሱ።
- ምልክታት ጉንፋዕ ወይ ፍሉ/ኢንፍሉወንዛ ይረኣየኩም እንተሃልዩ ኣብ ገዛኹም ጽንሑን ቆጸራ መርመራ ክትሕዙ ኣብ ዶክተርኩም ወይ ከኣ ሃገራዊ ሓበሬታ ጥዕና ኮሮናቫይረስ ዝህብ Coronavirus Health Information Hotline ብቁጽሪ 1800 020 080 ደውሉን።
- ዜናን ሓበሬታን ብ63 ቋንቋታት ኣብ’ዚ ኣለኩም
- ነቶም ኣገደስቲ መምርሒታት ንግዝኣትኩም ወይ ምምሕዳራዊ ዶብኩም ብኽብረትኩም ኣብ'ዚ ተመልከቱ፡ , , , , , , .