Feature

ኮቪድ-19 ኣብ ኣውስትራልያ፡- ክታበትን ግድን ክፍለጥ ዘለዎ ሓበሬታን

ኤስቢኤስ ብዛዕባ ለበዳ ኮቪድ-19 እሙን ዝኾነ ጸብጻብ ንምቕራብ ብዕቱብ ሒዝዎ'ሎ። እዚ መዝገብ ሓቅታት ንነብሲ ወከፍ ኣብ'ዚ ማሕበረሰብ ዘሎ ሰብ ግዴታ ክፈልጦም ዘለዎም ሓበሬታት ዝሓቖፈ'ዩ። (እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብ ታሕቲ ዘሎ መላግቦ ጠውቑ)

Close up of covid vaccine vials

Source: AAP

እዚ መዝገብ ሓበሬታ ናይ መወዳኣታ ዝተሓደሰሉ ዕለት 12/01/2020 እዩ። በብግዚኡ ዝሕደስ እዋናዊ ሓበሬታ ብዛዕባ ኮቪድ-19 ብትግርኛ እንተደሊኹም ኣብ'ዚ ጠውቑ፡


ክታበት ኮቪድ-19 ኣብ ኣውስትራልያ፡

መንግስቲ ኣውስትራልያ ቀረብ ድሕነቶም ዝተሓለወን ብቑዓት ዝኾኑን ክታበታት ኮቪድ-19 ቅሩባት ኣብ ዝኾንሉ እዋን ንኹሎም ኣውስትራልያውያን ክቕርበሎም ቃል ኣትዩ'ሎ።

ኣውስትራልያ ነዞም ኣብ ታሕቲ ዝተዘርዘሩ ፈልዩ ዘቐምጥ ሃገራዊ መደብ ምዝርጋሕ ክታበት ኮቪድ-19 () ኣለዋ። 

  • መስርዕ ቀዳምነታት ህዝቢ ንክታበትን ኣብ ኣውስትራልያ ክታበታት ዝወሃብሉ ወይ ዝዕደሉሎም ደረጃታት/መድረኻትን
  • ክታበታት ናብ ኣብ ቅድመ ግንባር ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ጥዕና፡ ሰራሕተኛታት መወሸቢታትን ዶባትን፡ ከም'ኡ'ውን ነበርትን ሰራሕተኛታትን መእለዩ ኣረጋውያንን ስንኩላንን ከመይ ኢሎም ይበጽሑ ዝገልጹ ዝርዝራት
  • ክታበታት ዝመሓደሩሎም መበገሲ ነቑጣታት፡ ኣብ መላእ ኣውስትራልያ፡ 
ንድፈካርታ ክታበት ኣውስትራልያ ክትረኽብዎ ኣብ'ዚ 
COVID-19 vaccine national roll-out strategy
COVID-19 vaccine national roll-out strategy Source: Australian Government - Department of Health
እቶም ፈለማ ዝወሃቡ መጠናት ክታበት (ዶዝ) ውሱናት ብምዃኖም፡ እቶም ዝለዓለ ቀዳምነት ዝተዋህቦም ጉጅለታት ኣብ'ቲ ፈለማ እዋናት ምዝርጋሕ ቀዳሞት ክታበታት ዝወሃቦም ክኾኑ'ዮም፡

  • ምዕራፍ 1 - ክታበት ፋይዘር/ባዮኤንቴክ፡ ሰራሕተኛታት መወሸቢታትን ዶባትን፡ ኣብ ቅድመ ግንባር ዝርከቡ ሰራሐተኛታት ክንክን ጥዕና፡ ሰራሕተኛታትን ነበርትን መእለዪ ኣረጋውያንን ስንኩላንን
  • ምዕራፍ 2 - ክታበት ፋይዘር/ባዮኤንቴክ፡ ብዕድመ ዝደፍኡ ልዕሊ 70 ዝዕድሚኦም ሽማግለታት፡ ካልኦት ሰራሕተኛታት ክንክን ጥዕና፡ ልዕሊ 55 ዝዕድመኦም ህዝብታት ኣቦሪጂንን ደሴታት መጻብቦ ቶረስን፡ ስንክልና ዘለዎም ወሲኽካ ሕዱር ጸገማት ጥዕና ዘለዎም ብዕድመ ንእስ ዝበሉ በጽሒታት፡ ልዑል ናይ ምልካፍ ሓደጋ ዘለዎም ሰራሕተኛታት፡ ንፖሊስ፡ መጥፋእቲ ሓዊ፡ ምክልኻል፡ ህጹጽ ኣገልግሎታትን ኣብ መመስርሒ ስጋ ዝሰርሑን ዘካተተ
  • ምዕራፍ 3 - ክታበታት ኣስትራዘነካን ኖቫቫክስን፡ ልዕሊ 50 ዝዕድሚኦም በጽሒታት፡ ልዕሊ 18 ዝዕድሚኦም ህዝብታት ኣቦሪጂንን ደሴታት መጻብቦ ቶረስን፡ ካልኦት ወሰንቲ ስራሓት ዝሰርሑን ልዑል ሓደጋ ምቅላዕ ዘለዎም ሰራሕተኛታትን።
  • ምዕራፍ 4 - ክታበታት ኣስትራዘነካን ኖቫቫክስን፡ ካብ'ቲ ኣብ በጽሒ ዕድመ ዝርከብ ክፋል ሕብረተሰብን ኣብ ቀዳሞት ምዕራፋት ከይተኸተቡ ዝተረፉ ኣውስትራልያውያንን ዝተዛነቑ።
  • ምዕራፍ 5 - ክታበታት ኣስትራዘነካን ኖቫቫክስን፡ ትሕቲ 18 ዝዕድመኦም ህጻናት፡ ይወሃቦም እንተተባሂሉ።

ምስ ኮቪድ-19 ዝተኣሳሰር ደገፍ ንጥዕና ኣእምሮ

መንግስቲ ኣውስትራልያ ብመንገዲ "" ዝብል ጥርኑፍ ማዕከን ሓበሬታ ጥዕና ኣእምሮ ምስ ኮቪድ-19 ዝተኣሳሰር ደገፍ ጥዕና ኣእምሮ ቀሪቡ'ሎ፡ ኣብ ግዜ ለበዳ ኮሮናቫይረስን ነብሰ-ምውሻብ ኣብ እትገብርሉን ከመይ ጌርኩም ጽቡቕ ጥዕና ኣእምሮኹም ትዕቅቡ ሓበሬታን መምርሒን የቕርብ።

መንግስቲ ብሜዲኬይር ዝምወሉ 10 ርክባት ስነኣእሞራዊ ምኽሪ/ሓገዝ ኣብ ነብሲ ወከፍ ዓውደ ኣዋርሓዊ ዓመት ንኹሎም'ቶም ኣብ ትሕቲ ) ንዝሓሸ ቀረብ ክኢላታት ስነ ልቦናዊ ምኽሪ፡ ክኢላታት ስነ ኣእምሮን ሓፈሻዊ ሓካይምን (Better Access to Psychiatrists, Psychologists and General Practitioners) ብመንገዲ  ዝተባህለ ተበግሶ ወሲኹ'ሎ።

ፋይናንሳዊ ጸገማት (ብምኽንያት ለበዳ ካብ ስራሕ ንዝቦኽሩ ሰባት ዝወሃብ ክፍሊት ኩነታት ሓደጋ (Pandemic Leave Disaster Payment))

"ፋይናንሳዊ ጸገም የጋጥመኩም እንተሃልዩ ናብ  ኪዱ ወይ ንዕዳ ዝምልከት ሓገዛት ናብ ዘበርክት ሃገራዊ መስመር National Debt Helpline ብቑጽሪ 1800 007 007 ደውሉ።"

ፈደራል መንግስቲ ነቶም ብምኽንያት ለበዳ ካብ ስራሕ ዝቦኽሩ ዝግባእ ክፍሊት paid  "ክፍሊት ኩነታት ሓደጋ (Disaster Payment)" ቀሪቡ ኣሎ። 

እዚ ክፍሊት ነቶም ነብሶም ከገልሉ ወይ ነብሰ-ምውሻብ ክገብሩ ስለ ዘድልዮም ኣታዊታት ክረኽቡ ዘይክእሉ ወይ ነቶም ኮቪድ-19 ዘለዎ ሰብ ኣብ ምእላይ ዝርከቡ ይምልከት። 

ሓበሬታ ብዛዕባ ለበዳ ዘበገሶ ብኹረት ካብ ስራሕ ኣብ ነብሲ ወከፍ ግዝኣትን ዶባዊ ምምሕዳርን ነዞም ኣብ ታሕቲ ዘለው መላግቦታት ጠውቑ፡

ኮቪድ-19 ብኸመይ ይላባዕ ብኸመይ ከ ንከላኸሎ፧

ኮቪድ-19 ካብ ሰብ ናብ ሰብ በዞም መንገድታት ይመሓላለፍ፡

  • ናይ ቀረባ ርክብ ምስ ሓደ ንኻልኦት ክለክፍ ኣብ ዝኽእለሉ ሃዋህው ዘሎ ሰብ (ለባዒ-ሰብ)፡ ቅድሚ'ቶም ምልክታት ሕማሙ ምርኣዮም'ውን እንተኾነ።
  • ናይ ቀረባ ርክብ ምስ ሓደ ምልካፉ ዝተረጋገጸ ዝስዕል ወይ ከኣ ዘሀንጥስ ሰብ።
  • ካብ ምትንካፍ ሓደ ምልካፉ ዝተረጋገጸ ሰብ ስዒሉ ወይ ኣሀንጢሱ ዝበከሎም ኣቕሑ ወይ ግዳማዊ ክፋል (ንኣብነት ለዓት ማዕጾ ወይ ጣውላ)፡ ድሕሪኡ ኸኣ ኣፍኩም ወይ ገጽኩም ምስ እትትንክፉ።
ጽቡቕ ጽሬት ናይ ኢድን ኣገባብ ምህንጣስን/ምስዓልን ከተዘውትሩን እንተሓሚምኩም ከኣ ካብ ካልኦት ርሕቀትኩም ክትሕልውን እቲ ዝበለጸ መከላኸሊ ኣንጻር ዝበዝሑ ቫይረሳት'ዩ። ነዚ ንምትግባር ከኣ ነዞም ዝስዕቡ ክትፍጽሙ ኣለኩም፡

  • ብውሑዱ 1.5 ሜትሮ ማሕበራዊ ርሕቀት ሓልው ወይ ከኣ በቲ 1 ሰብ ኣብ ነብሲ ወከፍ 4 ትርብዒት ሜትሮ ዝብል መምርሒ ተማእዘዙ፡
  • ብተደጋጋሚ ኢድኩም ብማይን ሳምናን ተሓጸቡ፡ ቅድምን ድሕሪን ምብላዕኩም፡ ከምኡ'ውን ዓይኒ ምድሪ ድሕሪ ምጥቃምኩምን
  • ክትስዕሉን ከተሀንጥሱን እንተከለኹም ሸፍንዎ፡ ዝተጠቐምኩምሉ መሐበሲ (ቲሹ) ብግቡእ ጓሓፍዎ፡ ኣልኮል ዝተሓወሶ መጽረዪ ኢድ ተጠቐሙ
  • ጽቡቕ ይስመዓኩም እንዘየሎ ምስ ካልኦት ምትሕውዋስ/ምትንኻፍ/ምቅርራብ ኣወግዱ (ካብ ሰባት 1.5 ሜትሮ ርሓቑ)
መንግስቲ ኣውስትራልያ ንኹሎም ነበርቲ ኣውስትራልያ ነዚ ኮቪድሰይፍ ኣፕ ክጽዕንዎ ይመክር። ተወሳኺ  

ምልክታት ሕማም እንተተራእዮምኹም ወይ እንተሃልዮምኹም ኬድኩም ተመርመሩ

ምልክታት ሕማም ኮሮናቫይረስ ካብ ፈኲስ ሕማም ክሳብ ነድሪ-ሳምቡእ (ኒሞንያ) ክበጽሑ ይኽእሉ፡ ብተወሳኺ ምልክታት ሕማም ኮቪድ-19 ምስ ካልኦት ሕማማት ሰዓልን ጉንፋዕን ዝመሳሰሉ ኮይኖም ነዞም ዝስዕቡ የካትቱ፡

  • ረስኒ
  • ምልክታት ሕማም ስርዓተ ምትንፋስ
  • *ምስዓል (ሰዓል)
  • *ዝቖሰለ ጎረሮ
  • *ሕጽረት ትንፋስ
ካልኦት ምልክታት ነዚኦም ዘካትቱ ክኾኑ ይኽእሉ፡ ጸረርታ ንፋጥ ካብ ኣፍንጫ፡ ሕማም ርእሲ፡ ቃንዛታት ጭዋዳ ወይ መላግቦ፡ ዕግርግር ምባል፡ ውጽኣት፡ ተምላስ፡ ምጥፋእ ዓቕሚ ምሽታት፡ ዝተቐየረ ናይ ምጥዓም ዓቕሚ፡ ምዕጻው ሸውሃትን ድኻምን።

ሰብ መዚ ኣብ ገዛ ኮንኩም ክትጥቀምሉ ትኽእሉ ሰሪሖም ኣለው፡ 

ኮሮናቫይረስ ፍሉይ ናቱ ፈውሲ/ሕክምና የብሉን፡ ዝበዝሑ እቶም ምልክታቱ ግን ኣቐዲምካ/ተቐላጢፍካ ብዝወሃብ ደጋፊ ሕክምናዊ ክንክን (supportive medical care) ክፍወሱ ይኽእሉ። ኣንቲባዮቲክስ ኣንጻር ቫይረሳት ኣድማዕቲ ኣይኮነን።

ምልክታት ሕማም ምስ ዝርኣየኩም ክትምርመሩ ኣለኩም። ምልክታት ሕማም ከምዘለኩም ከይነገርኩሞም ናብ ዝኾነ መደበር ጥዕና/ክሊኒክ ወይ ሆስፒታል ኣይትኺዱ። ሰብ መዚ ህዝባዊ ጥዕና ናብ ንቡር ንጥፈታትኩም ክትምለሱ ውሑስ'ዩ ኢሎም ክሳብ ዝነግርኹም ኣብ ገዛኹም፡ ኣብ ሆቴል ወይ ኣብ ሓደ መሳለጥያ ክንክን ጥዕና ተወሺብኩም ክትጸንሑ ኣለኩም።

ብዛዕባ ምልክታት ሕማምኩም ተዘራርብዎ ሰብ እንተደሊኹም፡ ምኽሪ ክትረኽቡ ናብ'ቲ ሃገራዊ መስመር ሓገዝ ኮሮናቫይረስ ደውሉ። እቲ መስመር 24 ሰዓታት ኣብ መዓልቲ፡ ሸውዓተ መዓልታት ኣብ ሰሙን ይሰርሕ፡ 1800 020 080

ኣበይ ከይድኩም ክትምርመሩ ትኽእሉ፧

መመርመሪ መደበራት ጥዕና (ክሊኒካት) ኣብ ነብሲ ወከፍ ግዝኣትን ምምሕዳራዊ ዶባትን ንምርካብ ነዞም ኣብ ታሕቲ ዘለው መላግቦታት ጠውቕዎም፡

ኮቪድ-19 ከምዝተለኸፍኩም እንተተነጊርኩም ነብስኹም ከተግልሉ ኣለኩም:

  • ከም ስራሕ፡ ቤት ትምህርቲ፡ ማእከላት ዕዳጋ፡ መዋእለ ህጻናት ወይ ዩኒቨርሲቲ ናብ ዝኣመሰሉ ህዝባውያን ቦታታት ኣይትኺዱ
  • ንሓደ/ሓንቲ ሰብ መግብን ካልእ ኣድለይቲ ነገራትን ከምጽእልኩምን ኣብ ኣፍደገ ቀንዲ መእተዊ ማዕጾ ክገድፍዎን ሕተትዎም
  • ክበጽሑኹም ዝመጹ ጸባት ኣይተእትውዎም - እቶም ኩሉ ግዜ ምሳኹም ዝነብሩ ሰባት ጥራይ እዮም ኣብ ገዛኹም ክህልው ዘለዎም
 

መን'ዮም እቶም ዝለዓለ ሓደጋ ከቢድ ሕማም ዘጋጥሞም?

ገለ ሰባት ተለኺፎም ክንሶም ብፍጹም ከይሓሙ ይኽእሉ'ዮም፡ ገሊኦም ፍኹስ/ቅልል ዝበሉ ምልክታት ሕማም ይረኣይዎም ግን ብቐሊሉ ጸኒሖም ይሓውዩ፡ ካልኦት ኣዝዩ ቅልጡፍ ብዝኾነ ግዜ የዕርዮም ክሓሙ ይኽእሉ'ዮም። ዝሓለፉ ተሞክሮታት ናይ ካልኦት ኮሮናቫይረሳት ከምዘመልከትዎ፡ እቶም ብኸቢድ ክልከፉ ኣብ ዝለዓለ ሓደጋ ዝርከቡ ሰባት እዞም ዝስዕቡ'ዮም፡

  • 50 ዓመት ወይ ካብኡ ንላዕሊ ዝኾኑ ህዝብታት ኣቦሪጂናልን ቶረስ ስትረይት ኣይላንደር ሓደ ወይ ዝያዳ ሕዱር ሕማማት ዘለዎም
  • 65 ዓመት ወይ ልዕሊኡ ዝዕድሚኦም ሕዱር ጸገም ጥዕና ዘለዎም ሰባት። ኣብ ትሕቲ 'ሕዱር ጸገማት ጥዕና' ዝካተቱ ጸገማት ዝያዳ ጭብጥታት እናተረኽበ ምስ መጸ ተጻርዮም ክዝርዘሩ'ዮም።
  • 70ን ልዕሊኡን ዝዕድሚኦም ሰባት
  • ዝተዳኸመ ዓቕሚ ስርዓተ ምክልኻል ሰብነት (compromised immune systems) ዘለዎም ሰባት

መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክጥቀም የድልየኒ ድዩ?

ገለ ኣውስትራልያውያን ግዝኣታትን ምምሕዳራዊ ዶባትን ምጥቃም መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ይመኽራ ወይ ይጠልባ። እቶም ህሉዋት ኩነታት ኣብ ግዝኣትኩምን ምምሕዳራዊ ዶባትኩም እንተተለዊጦም እቶም ንመሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ዝምልከቱ ምኽርታትን መምርሒታትን ክቕየሩ ይኽእሉ'ዮም። ኣብ ከባቢኹም በብግዚኡ ዝወሃቡ ወይ ዝመሓላለፉ ምኽርታት ምክትታል ኣገዳሲ'ዩ። 

እዋናዊ መምርሒታት መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ኣብ ግዚኡ ንምርካብ፡ ናይ ከባቢኹም መንግስታት ዝህብዎም እዋናዊ ሓብሬታታት ኣብ'ዚኦም ተኸታተሉ፡

ኣፍኩምን ኣፍንጫኹምን ክትሽፍንዎ እንከለኹም ብግቡእ ኣገባብ ክትገብርዎ ኣገዳሲ'ዩ፡

  • ቅድሚ ነቲ መሸፈኒ ምግባርኩም ወይ ምውጻእኩም ኢድኩም ተሓጸቡ ወይ ኣጽርዩ
  • እቲ መሸፈኒ ኣፍንጫኹምን ኣፍኩምን ምሽፋኑን ዓቐኑ ኸኣ ክሳብ ትሕቲ መንከስኩም፡ ልዕሊ ሰርኖ ኣፍንጫኹምን ኣብ ጎድኒታት ገጽኩም ጽቡቕ ጌሩ ከምዝገጠመን ኣረጋግጹ
  • ክትሽፈኑ ይኹኑ ከተውጽእዎ እንከለኹም ነቲ ደገኣዊ ክፋል (ገበር) ናይ'ቲ መሸፈኒ ኣይትተንክፍዎ
  • እቲ መሸፈኒ ኣብ ከባቢ ክሳድኩም ወይ ትሕቲ ኣፍንጫኹም ጠልጠል ኣይተብልዎ
  • እቶም ሓደ ግዜ ተጠቒምኩም ክትድርብይዎም ዘለኩም መሸፈኒታት ደጊምኩም ኣይትጠቐሙሎም፡ እቶም ደጊምኩም ትጥቀሙሎም ከኣ ምስ ተጠቐምኩምሎም ሓጺብኩም ኣንቅጽዎም፡ ኣብ ጽሩይ ደረቕ ቦታ ኸኣ ኣቐምጥዎም።

መገሻ ካብ፡ ናብን ኣብ ውሽጢን ኣውስትራልያ

ግዝኣታውን ምምሕዳራዊ ዶባትን ምዕጻው ዶባተን ወሲኽካ ባዕለን ዘውጽአኦ ሕግታት ከተግብራ ይኽእላ’የን።

ግዴታዊ ምእካብ ሓበሬታ (Mandatory data collection)

ካብ ባሕቲ ጥቅምቲ 2020 ንግዝኣታትን ዶባዊ ምምሕዳራትን ርክባት ሰባት ኣብ ምክትታል መታን ክሕግዞም ኣብ ዘቤታዊ በረራታት ግዴታዊ ምእካብ ሓበሬታ ክህሉ እዩ፡ ስም፡ ኢመይል ኣድራሻ፡ ስልኪ ቁጽሪ ሞባይልን መንበሪ ግዝኣትን።

ሃገራዊ መትከላት ህዝባዊ መጓዓዝያ 

ኣገልግሎታት ህዝባዊ መጓዓዝያ ሓላፍነታት ግዝኣታውን ምምሕድራዊ ዶባትን እዮም፡ ሃገራዊ ካቢነት ከኣ ጥዕናን ድሕነትን ሰራሕተኛታትን ተጓዓዝትን ኣብ መርበባት ህዝባዊ መጓዓዝያ ክሕለው ንምሕጋዝ ዝተፈላለዩ እማመታት የጽድቕ፡ ኣብ’ዚ ዝካተቱ ክጽልኣኩም እንከሎ ዘይምጉዓዝ፡ ካብ መራሕቲ መካይንን ካልኦት ተጓዓዝትን ማሕበራዊ ምርሕሓቕ ምትግባር፡ ከምኡ’ውን ጥረ ገንዘብ ምጥቃምን ምሓዝን ደው ምባል’ዮም።  

ቀይድታት መገሻ/ጉዕዞ

ንኣህጉራውያን በረራታት ተባሂሎም በብግዚኡ ብመንግስቲ ዝግምገሙ ግዝያውያን ስጉምቲታት ኣለው።

እዚ ንበረራኹም ናብ ኣውስትራልያ ክጸልዎ ይኽእል እዩ። እቲ ሓበሬታ ቀጻሊ እዮ ዝቀያየር።

ንተወሳኺ ሓበሬታ መወዳእታ ዝተሓደሰ መርበብ ጉዕዞ () ተወከሱ።

ሕቶታት/ጠለባት ምውሻብን መርመራን ብመንግስታት ግዝኣትን ምምሕዳራዊ ዶባትን ይመሓደሩን ይትግበሩን፡

ናብ ደገ ክትገሹ/ክትጓዓዙ እንተደሊኹም፡ ናይ መገሻ ሕድገት ክግበረልኩም ብመርበብ/ኦንላይን ከተመልክቱ ትኽእሉ ኢኹም፡ እንተኾነ ግን ኣብ ትሕቲ’ዞም መደባት ክትኣትው ኣለኩም፡

  • መገሻኹም ኣካል ግብረ መልሲ ንለበዳ ኮቪድ-19 እንተኾይኑ፡ ቀረብ ረዲኤት ወሲኽካ
  • መገሻኹም ንምክያድ ኣገደስቲ ኢንዱስትሪታት/መፍረታት ኣገዳሲ ምስ ዝኸውን (ሰደድን ኣታውን መፍረታት ወሲኽካ)
  • ኣብ ኣውስትራልያ ዘይርከብ ህጹጽ መድሃኒት ሕክምና ክትረኽቡ ትጓዓዙ እንተሃሊኹም
  • ብምኽንታት ሓደ ህጹጽን ዘይተርፍን ውልቃዊ ጉዳይ ትጓዓዙ እንተሃሊኹም
  • ብሓዘን ወይ ከኣ ሰብኣዊ ምኽንያታት
  • መገሻኹም ንሃገራዊ ረብሓ እንተኾይኑ
 ካብ ኣውስትራልያ ክትወጹ ብዛዕባ ዘለው ቅድመ ኩነታት ተወሳኺ ሓበሬታ እንተደሊኹም


ሓበሬታ መንግስቲ

 


 

  • ኣብ ኣውስትራልያ ሰባት ብውሑዱ 1.5 ሜትሮ ካብ ካልኦት ክርሕቁ ኣለዎም። ደረታት ብዝሒ ኣብ ምትእኽኻባት መምርሒታት ግዝኣትኩም ተወከሱ።  
  • ምልክታት ጉንፋዕ ወይ ፍሉ/ኢንፍሉወንዛ ይስመዓኩም/ይረኣየኩም እንተሃልዩ ቆጸራ መርመራ ክትሕዙ ናብ ዶክተርኩም ደውሉ ወይ ከኣ ሃገራዊ ሓበሬታ ጥዕና ኮሮናቫይረስ ዝህብ Coronavirus Health Information Hotline ብቁጽሪ 1800 020 080 ደውሉ።
  • ዜናታትን ሓበሬታታትን ብ63 ቋንቋታት ኣብ’ዚ ኣለኩም 
  • ነቶም ኣገደስቲ መምርሒታት ንግዝኣትኩም ወይ ምምሕዳራዊ ዶብኩም ብኽብረትኩም ኣብ'ዚ ተመልከቱ፡   

Share
Published 25 March 2020 11:58am
Updated 12 August 2022 3:08pm
By SBS Audio, Language Content
Source: SBS


Share this with family and friends