ኮሮናቫይረስ ንቐረብ ብዙሕ ኣድለይቲ ነገራት ኣብ መላእ ዓለም ስለዘዐንቀፎ ሕጽረታት ተራእዩ ኣሎ። እዚ 'ናይ ስግ ኣት ዕድጊ' ተባሂሉ ዝፍለጥ ብዙሕ ህዝቢ ናብ ሱፐር ማርኬታት እናኸደ ከም ናይ ሽቓቕ ወረቐ ዝበሉ ኣድለይቲ ዝበሃሉ ነገራት ንምሽማት ኣብጉያ ይርከብ ኣሎ።
ዝሓለፈ ዓመት ሓደ ሰብ ብገምጋም 9.8ኺግ ወረቐት ሽቓቕ ከምዝዓደገ Statistica ዝበሃል ብዛዕባ ሸመቲ መጽናዕቲ ዝገብር ጉጅለ ኣፍሊጡ።
Costco ኣብ ኣመሪካ ሕጽረት ቀረብ ከጋጥሞ ኸሎ ኣቦ መምበር ናይ ጃፓን ትካላት ኣፍራይቲ እቲ ወረቐት ዝኾነ Hirofumi Hayashi, ኣሓለፈ ሰሙን ኣብዝሃቦ መግለጺ እኹል ወረቐት ሽቓቕን ናይ ንጽህና ወረቐትን እኩል ክዙን ኣሎ ኢሉ ኔሩ።
ናይ ብሪጣንያ ሱፐርማርኬታት ብዝበሃል መደብ ኣብታሃገር ንዘጋጥም ናይ ስግኣት ዕድጊ መደብ ህጹጽ ኩነታት ኣውጺኦም ኣለዉ።
ኣውስትራሊያዊያን ስእሊታት ባዶ ዝተረፉ ቦታታት ዕዳጋን ንሕማቕ ኩነታት ዝኽዘኑ ዘለዉ ወረቓቕቲ ሽቓቕ ኣብ ማሕበራዊ ማራኸቢታት ይጥቅዑ ኣለዉ።
እሞኸ ደኣ ናይ ሽቓቕ ወረቐት ንሕማቕ እዋን ዓዲግና ክንክዝን የድልየናዶ?
ብመሰረት መጽናዕቲ IndustryEdge. ኣብ ኣውስትራሊያ ክልተ ሰብ ንዘለዋ ስድራ ኣብ ዓመት 25 ኪግ ወረቐት ሽቓቕ የድልያ።
ናይ IndustryEdge' ዳይረክተር Tim Woods ከምዝብሎ ምኽዛን ወረቐት ሽቓቕ ኣገዳሲ ኣይኮነን።
እታ ኣብ ዓለም ብብዝሒ ምፍራይ ወረቐት ሽቓቕ ኣብ ቀዳማይ ትስራዕ ቻይና ኮይና ኣውስትራሊያ 2 ሲሶ ዝኸውን ካብ ዘድልያ ቀረብ ባዕላ ተፍሪ። እዚ ድማ ኣስታት 310,000 ቶን ወረቐት ሽቓቕ ከምተፍሪ IndustryEdge የረጋግጽ።

Australia's toilet paper production for the last decade. Source: IndustryEdge, 2019
ሚስተር ዉድስ ከምዘብርሆ እንተኣድልዩ ናይ ውሽጢ ሃገር ፋብሪካታት ነቲ ዝድለ ቀረብ ንምፍራይ ፍርያተን ከብዝሓ ዓቕሚ ኣለወን።
ካብ ቻይና ናብ ኣውስትራሊያ ብመርከብ ንምምጻእ ካብ 17 ክሳብ 22 መዓልታት እዩ ዝወስድ፣ ስለዚ ወረቐት ሽቓቕ ኣብ መገዲ እዩ ዘሎ። ስለዚ ምጭናቕ ኣየድልን።
ካልእ ፍርያትከ ምኽዛን ከድሊ ድዩ?
Chung-Li Tsen ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ኣብ UNSW ኮይኑ እቲ ናይ ቀረብ ሰንሰለት ተኣፋፊ ስለዘሎ ኩሉ ቀረባት ውሕስነት የብሉን ክብል ይገልጽ።
ኮሮናቫይረስ ኣብ ዝተፈላለዩ ፍርያት ዝተፈላለየ ጽልዋ እዩ ኣምጺኡ። ናብነት ኣብ ቀረብ ኤለክትሮኒክን መሸፈኒ ገጽን ብኸቢድ እዩ ጸልዩ።
ብሓፈሻ ይብል ንሱ ንኹሉ ቀረብን ፍርያትን ከም ንኹሉ እንቁቅቑሖኻ ከም ኣብ ሓደ ጀምቢል ምእታው ማለት ኩሉ ምንጪ ቻይና ክትከውን ከምዘይግባእ የጠንቅቕ።