ምስ ኮረናቫይረስ ዝተሓሓዙ ዘድልዩና ነገራት: ናይ ሽቓቕ ወረቐት ምኽዛን ኣድላዪ ድዩ?

ዉዱብ ጥዕና ዓለም ኩነታት ኮሮና ቫይረስ ዶብ እናጠሓሰ ብዘይቀይዲ የስፋሕፍሕ ከምዘሎ ኣፍሊጡ ኣሎ። ምስፍሕፋሕ ናይዚ ሕማምን ብዛዕባ በዚ ሕማም ምኽንያት ስርሐን ተዓናቒፉ ዘሎ ትካላት መፍረ ዝቐርብ ዘሎ ዜናን ሲዒቡ ጠባያት ተጠቀምቲ ዕዳጋ ይቕየር ኣሎ። ኣብ መላእ ዓለም ዝርከብ ህዝቢ ካብ ስግ ኣት ዝብገስ ከም ናይ ሽቓቕ ወረቐት ዝበለ እናገዝአ ምኽዛን ጀሚሩ ኣሎ።

Australian Supermarkets put buying limit on toilet paper amid coronavirus panic

به دنبال هجوم مردم به فروشگاه‌ها به دلیل وحشت از شیوع ویروس کرونا، فروشندگان آسترالیا اکنون با کمبود بعضی از محصولات روبه‌رو هستند. Source: SBS

ኮሮናቫይረስ ንቐረብ ብዙሕ ኣድለይቲ ነገራት ኣብ መላእ ዓለም ስለዘዐንቀፎ ሕጽረታት ተራእዩ ኣሎ። እዚ 'ናይ ስግ ኣት ዕድጊ' ተባሂሉ ዝፍለጥ ብዙሕ ህዝቢ ናብ ሱፐር ማርኬታት እናኸደ ከም ናይ ሽቓቕ ወረቐ ዝበሉ ኣድለይቲ ዝበሃሉ ነገራት ንምሽማት ኣብጉያ ይርከብ ኣሎ።

ዝሓለፈ ዓመት ሓደ ሰብ ብገምጋም  9.8ኺግ ወረቐት ሽቓቕ ከምዝዓደገ  Statistica ዝበሃል ብዛዕባ ሸመቲ መጽናዕቲ ዝገብር ጉጅለ ኣፍሊጡ።

Costco ኣብ ኣመሪካ ሕጽረት ቀረብ ከጋጥሞ ኸሎ ኣቦ መምበር ናይ ጃፓን ትካላት ኣፍራይቲ እቲ ወረቐት  ዝኾነ Hirofumi Hayashi, ኣሓለፈ ሰሙን ኣብዝሃቦ መግለጺ እኹል ወረቐት ሽቓቕን ናይ ንጽህና ወረቐትን እኩል ክዙን ኣሎ ኢሉ ኔሩ።

ናይ ብሪጣንያ ሱፐርማርኬታት  ብዝበሃል መደብ ኣብታሃገር ንዘጋጥም ናይ ስግኣት ዕድጊ መደብ ህጹጽ ኩነታት ኣውጺኦም ኣለዉ።

ኣውስትራሊያዊያን ስእሊታት ባዶ ዝተረፉ ቦታታት ዕዳጋን ንሕማቕ ኩነታት ዝኽዘኑ ዘለዉ ወረቓቕቲ ሽቓቕ ኣብ ማሕበራዊ ማራኸቢታት ይጥቅዑ ኣለዉ።

እሞኸ ደኣ ናይ ሽቓቕ ወረቐት ንሕማቕ እዋን ዓዲግና ክንክዝን የድልየናዶ?

ብመሰረት መጽናዕቲ IndustryEdge. ኣብ ኣውስትራሊያ ክልተ ሰብ ንዘለዋ ስድራ ኣብ ዓመት 25 ኪግ ወረቐት ሽቓቕ የድልያ።

ናይ IndustryEdge' ዳይረክተር Tim Woods ከምዝብሎ ምኽዛን ወረቐት ሽቓቕ ኣገዳሲ ኣይኮነን።

እታ ኣብ ዓለም ብብዝሒ ምፍራይ ወረቐት ሽቓቕ ኣብ ቀዳማይ ትስራዕ ቻይና ኮይና ኣውስትራሊያ 2 ሲሶ ዝኸውን ካብ ዘድልያ ቀረብ ባዕላ ተፍሪ። እዚ ድማ ኣስታት 310,000 ቶን ወረቐት ሽቓቕ ከምተፍሪ IndustryEdge የረጋግጽ።
IndustryEdge
Australia's toilet paper production for the last decade. Source: IndustryEdge, 2019

ሚስተር ዉድስ ከምዘብርሆ እንተኣድልዩ ናይ ውሽጢ ሃገር ፋብሪካታት ነቲ ዝድለ ቀረብ ንምፍራይ ፍርያተን ከብዝሓ ዓቕሚ ኣለወን። 

ካብ ቻይና ናብ ኣውስትራሊያ ብመርከብ ንምምጻእ ካብ 17 ክሳብ 22 መዓልታት እዩ ዝወስድ፣ ስለዚ ወረቐት ሽቓቕ ኣብ መገዲ እዩ ዘሎ። ስለዚ ምጭናቕ ኣየድልን።

ካልእ ፍርያትከ ምኽዛን ከድሊ ድዩ?

Chung-Li Tsen ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ኣብ  UNSW ኮይኑ እቲ ናይ ቀረብ ሰንሰለት ተኣፋፊ ስለዘሎ ኩሉ ቀረባት ውሕስነት የብሉን ክብል ይገልጽ።

ኮሮናቫይረስ ኣብ ዝተፈላለዩ ፍርያት ዝተፈላለየ ጽልዋ እዩ ኣምጺኡ። ናብነት ኣብ ቀረብ ኤለክትሮኒክን መሸፈኒ ገጽን ብኸቢድ እዩ ጸልዩ።

ብሓፈሻ ይብል ንሱ ንኹሉ ቀረብን ፍርያትን ከም ንኹሉ እንቁቅቑሖኻ ከም ኣብ ሓደ ጀምቢል ምእታው ማለት ኩሉ ምንጪ ቻይና ክትከውን ከምዘይግባእ የጠንቅቕ።

Share
Published 3 March 2020 10:45pm
Updated 6 March 2020 9:06am
By Emily Jane Smith


Share this with family and friends