ሓለቓ ስታፍ ናይ ፕረሲደንት ኮንጎ $A70 ሚልዮን ዶላር ብምስራቑ ን 20 ዓመታት ክእሰር ተፈሪዱ።

ናይ ደሞክራሲያዊ ሪፑብሊክ ኮንጎ ፕረሲደንት ሓላፊ ስታፍ ቪታል ካመርሀ $A70 ሚልዮን ዶላር ሰሪቑ ብዝብል ክሲ ን20 ዓመታት ተፈሪዱ።

Democratic Republic of Congo politician Vital Kamerhe.

Democratic Republic of Congo politician Vital Kamerhe. Source: AFP

ናይ ደሞክራሲያዊ ሪፑብሊክ ኮንጎ ፕረሲደንት ሓላፊ ስታፍ፡ $US48 ሚልዮን  ($A70 ሚልዮን) ናይ መንግስቲ ገንዘብ ብምጥፍፋኡ ን 20 ዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክዕጾ እዩ።

ቪታል ካመርሀ, ናይ መጻኢ ፕረሲደንት እታ ሃገር ክኸውን ተስፋ ዝግበረሉ ዝነበረን ዝለዓለ ናይ ፖለቲካ ስልጣን ዝሓዘን ኮይኑ በዚ ዕብየት ስልጣን ኣብታ ሃገር ዝፍረድ ዘሎ እዩ። 

ሚስተር ካመሀር ነቲ ክሲ ስርቂ ገንዘብ ብምንጻግ እቲ ተባሂሉ ዘሎ ገንዘብ ኣብ ትሕቲ ፕረሲደንት ፈሊክስ ቲስከዲ ብ 100 መዓልታት ህዝባዊ ገዛውቲ ንምህናጽ ዝወጸ ፕሮግራም ዝወዓለ እዩ፡ እዚፖለቲካዊ ነገር አዩ ድማ ኢሉ።

ጠበቓኡ ዝኾነ  Jean Marie Kabengela Ilunga ነቲ ፍርዲ "ግህሰት ሰብ ኣዊ መሰል እዩ።" ኢልዎ፡ ይግባይ ከምዝብል ድማ ኣፍሊጡ።

ሚስተር ካመርሀ ኣብ ደገ ዝተገብረ ሰለስተ ሰዓታት ዝወሰደ መጋባኣያ ፍርዲ  ብቐዳምዩ ሰማያውን ብጫን ናይ እሱራት ጃኬት ለቢሱ ካብ ኮሮና ቫይረስ ንምክልኻል መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ወድዩ ፍርዱ ሰሚዑ።
The banners of Felix Tshisekedi (R) of UDF party and Vital Kamerhe of UNC party in 2018.
The banners of Felix Tshisekedi (R) of UDF party and Vital Kamerhe of UNC party in 2018. Source: AFP
ንሱ ኣብቲ ሚስተር ቲስከዲ ዝተዓወተሉ ኣብ ጎስጓስ ምርጫ 2018 ዝደገፈን ነቲ ኣብ 2023 ዝግበርውን ከምዝድግፍ ዘፍለጠን እዩ።

በዚ ፍርዲ መሰረት ሚስተር ከምረሀ ድሕሪ መቕጻዕቱ ምውዳእ ን 10 ዓመታት ንፕረሲደንትነት ክወዳደር ኣይክእል እዩ።

ንሱ ኣብ 8 ሚያዚያ ክተሃዝከሎ ኣብታ ሃገር ከቢድ ስንባደ እዩ ፈጢሩ።

 ነዚ ጉዳይ ሒዙዎ ዝነበረ ናይ ቀደም ዳኛ ፈለማ ብሕማም ልቢ ሞይቱ ተባሂሉ እንተነበረ'ኳ ብጭካነ ከምተቐትለ፡ ዝሓለፈ ሰሙን ናይታ ሃገር ምኒስተር ፍትሒ ብወግዒ ገሊጹ ኔሩ።

 


Share
Published 21 June 2020 3:34pm


Share this with family and friends