ህዝቢ ብኮሮናቫይረስ ተዳሂሉ ኣብዘሎ እዋን ዓዳጎ ዝገዝእዎም ነገራት ኮልስ ብዓቐን ክከውን ወሲንሎም።

ሓደ ካብ ዓበይቱ ሱፐርማርኬታት ኣውስትራሊያ ዝኾነ ኮልስ ዝዕደጉ ነገራት ከይጉሕጉሑ ንምክልኻል ሸመቲ ዝዕድግዎም ነገራት ዕቁን ክኸውን ወሲኑ።

A shopper walks past a Coles supermarket in Sydney

A shopper walks past a Coles supermarket in Sydney Source: AAP

ኮሮናቫይረስ ብዘስዓቦ ናይ ሸመትቲ ሸበድበድ ምግዛእ ኣድለይቲ ነገራት ከም ፓስታ፡ ሓሩጭ፡ ናይ ወረቐት መጸራረዪ ከምኡ'ውን ናይ ኢድ መጸራረዪ፥ ኮልስ ሓደ ሰብ ዝገዝኦ ዓቐን ዉሱን ገይርዎ ኣሎ።

ዓማዊል ኮልስ ካብ ዓርቢ ኣትሒዞም ኣብ ሃደ እዋን ክልተ ዕሹግ ፓስታ፥ ሓሩጭ፥ ሩዝ፥ ናይ ሽቓቕ ወረቐትን መጸራረዪ ኢድ ክገዝኡ ጥራይ እዩ ዝፍቀደሎም።

ናይ Coles ሓላፊ ስተቭ ከይን ከምዝገለጾ " ኣብ ነፍሲ ወከፍ መሸጢ ዱኳናት ዝሽየጡ ካልኦት ተወሰኽቲ ነገራትውን ኣብዝመጽእ ክምጠኑ እዮም" ኢሉ። ንሱ ብተወሳኺ  ንዝገዛእካዮ ነገር ሓሳብካ ቀይርካ ምምልሳ ንግዚኡ ተኸልኪሉ ኣሎ።
Empty toilet paper shelves at a Coles supermarket.
Empty toilet paper shelves at a Coles supermarket. Source: SBS News
ብሓፈሻ ኩሉ ነገር ንብዙሓት ሰባት ምእንቲ ክባጻሕ ብምሕሳብ ኮልስን ዉልወርዝን ኣብ ገለ ዝግዝኡ ኣቑሑ ገደብ መሸጣ ጌሮም እዮም።

ዉልወርዝ ዝሸጦ ናይ ሽቓቕ ወረቐት ንሓደ ዓሚል ሓደ ዕሹግ ጥራይ ከምዝኸውን ጌሩ እዩ። ብተወሳኺ ካልእ መሰረታዊያን ነገራት ገዲቡ እዩ።

ስለዚ ናብ ዉልወርዝ ዝኸዱ ዓማዊል ክልተ ዕሹግ ወረቐት ሽቓቕን መሸራረዪ ኢድና ክገዝኡ ዝፍቀደሎም ኮይኑ፡ ሓደ ዕሹግ ፓስታን ናይ መሸራረዪ ወረቐትንዩ ዝፍቀድ።

ክልቲኦም ዓበይቲ ዕዳጋታት ነዚ ሸበድበድ ዓደግቲ ንምህዳእ ብዙሕ ንብረት ናብ ዱኳናቶም ከምዘቕርቡ ኣፍሊጦም ኣለዉ።

 እዚ ከምዚሉ እንከሎ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ተፈጢሩ ንዘሎ ናይ ሸመታ ዕልቕልቕ ንምቅላል ዓበይቲ ሱፐርማርከኢታት ንናይ ወጻኢ ተመሃሮ ዝህባኦ ዝነበራ ሰዓታት ስራሕ ከናውሓሎም ምዃነን ኣፍሊጠን። ኣብዚ እዋን ሓደ ናይ ወጻኢ ተመሃራይ ኣብ ክልተ ሰሙን 40 ሰዓታት ጥራሕ ክሰርሑ እዩ ዝፍቀደሎም።

እዚ ዝተገብረ ነቲ ልዑል ጠለብ ንምሕጋዝ ዝተገብረ ምዃኑ ኣብክንዲ ሚኒስተር ኢሚግረሽን፥ ዜግነትን ኣገልግሎት ስደተኛታት ኮይኑ ዝሰርሕ ዘሎ  ኣላን ታጅ ኣፍሊጡ።

 

 


Share
Published 14 March 2020 12:10pm


Share this with family and friends