ፕረዚደንት ጫድ ኢድሪስ ደቢ ፡ ንሳላሳ ዓመታት ኣብ ስልጣን ድሕሪ ምጽናሕ ፡ ኣብ ዓውደ ውግእ ከም ዝሞተ ፡ እቲ ሰራዊት ብሰሉስ ኣብ ተለቪዥን እታ ሃገር ኣፍሊጡ።
እቲ ወዲ 68 ዓመት ንሻድሻይ ግዜ ኣብ ስልጣኑ ንኺጸንሕ ዘኽኣሎ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ዕዉት ከም ዝኾነ ምስ ተነግረ እዩ፡ እቲ ዘሰምብድ መደረ እተሰምዐ ።
ሰራዊት "ታ ሃገር ሚስተር ደቢ ኣብ ቀዳመ-ሰንበት ኣንጻር እቶም ኣብ መዓልቲ ምርጫ ናብ ሰሜን እታ ሃገር ዓቢ ምልዕዓል ዝጀመሩ ዓለወኛታት ኽዋጋእ ከሎ ፡ ሰራዊቱ ይእዝዝ ከም ዝነበረ ገሊጹ ።
ኣፈኛ ሰራዊት እታ ሃገር ጀነራል ኣዜም በርማንዶዋ ኣግዌና ኣብ ተለቪዥን እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ፡ "እታ ናይ መወዳእታ ትንፋሱ ን ልኡላዊ ህዝቢ ኣብ ዓውደ ውግእ ሓሊፋ" ኢሉ።
ወዲ 68 ዓመት ዝዀነ ሚስተር ደቢ ፡ ንቻድ ንሳላሳ ዓመታት ዝኣክል ብሓይሊ ይገዝኣ እኳ እንተ ነበረ ፡ ኣብቲ ሃገራት ምዕራብ ኣብ ከባቢ ሳሕል ዘካየድኦ ኣንጻር ጂሃዳውያን ወፈራ ግና ፡ ቀንዲ ተዋሳኢ እዩ ነይሩ ።
እቲ ሰራዊት ከምዝሓበሮ ፡ በቲ ወዲ 37 ዓመት ወዱ በዓል ኣርባዕተ ኮኾብ ጀነራል ዝኾነ መሓማት ኢድሪስ ደቢ ነቲ ወተሃደራዊ ባይቶ ክመርሖ ምዃኑ ገሊጹ ።
ሰኑይ ፡ እቲ ሰራዊት ኣብቲ ምስቶም ካብ ጐረቤት ሊብያ ዝመጹ ዓለወኛታት ዝገበሮ ውግእ ፡ "ዓብዪ ዓወት" ከም እተረኽበ ገለጹ ኔሩ ፣ እዚ ውግእ እዚ ፡ ን300 ተዋጋእቲ ከም ዝቐተለን ፡ ኣብ መንጎ እቶም ኣብቲ ውግእ እተሳተፉ ሓሙሽተ ወተሃደራት ከም ዝሰኣነን ገሊጹ ።

Idriss Deby Itno, centre-right, meets with French Defense Minister Herve Morin, centre-left, in 2008. Source: AFP
ሚስተር ደቢ ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለም ዝነውሐ ዓመታት ዘገልገሉ መራሕቲ ምዀነ ነይሩ: እዚ ድማ ድሕሪ ግዝያዊ ውጽኢት ኣብ ናይ 11 ሚያዝያ ምርጫ ምዕዋቱ እዩ ዝኸውን ዘሎ ።
ካብ ቀቢላ ዛግሃዋ ዝመጸ ወዲ ጓሳ እዩ ነይሩ ፣ ነቲ ፍሉይ መገዲ ሒዙ ብሰራዊት ናብ ስልጣን ደየበ ፣ ነቲ ወተሃደራዊ ባህሊ ድማ ኣዐረዮ ።
እቲ ዳርጋ ብ80 ካብ ሚእቲ ድምጺ ዝተዓወተሉ ናይ ቀረባ ናይ ምርጫ ዓወቱ ፡ ብእተኸፋፈለ ተቓውሞን ናይ እምቢታ ጻውዒትን ሰልፍታትን ተኣጊዱ ወይ ተበቲኑ ከም ዝነበረ ይፍለጥ ።
ሚስተር ደቢ ኣብቲ ከባቢ ሰላምን ደሓንን ከምጽእ ምዃኑ መብጽዓ እኳ እንተ ኣተወ: እቶም ዕጡቓት ግና ነዚ ከግብርዎ ኣይከኣሉን።
እቲ መንግስቲ ሰኑይ ንህዝቢ ፡ እቲ መጥቃዕቲ ከም ዘብቅዐ ኼረጋግጸሎም መዲቡ ከምዝነበረ ይፍለጥ ።