ኣብ ዓመት ኣስታት $79,000 ኣታዊ ዘለዎም ሓገዝ ገንዘብ ዘመልክቱ ኣውስትራሊያዊያን ካብ ሎሚ ተወሳኺ ናይ ሰንተርሊንክ ገንዘብ ከምዝኽፈሎም ቀዳማይ ሚኒስተር ስኮት ሞሪሰን ኣፍሊጡ።
ስኮት ሞሪሶን ሎሚ ምሸት ከምዝገለጾ፡ ሓገዝ መንግስቲ ንምርካብ እቲ ዝለዓለ ናሕሲ ኣታዊ $48,000 ዝነበረ ንኩነታት ኮረና ቫይረስ ክበሃል ብዙሓት ኣውስትራሊያዊያን ተወሳኺ ገንዘባዊ ሓገዝ ኣኣብ ክልተ ሰሙን ክቕበሉ እዮም።
እቲ ለውጢ እቲ ንገንዘባዊ ሓገዝ ዘመልክት ዝትንከፍ ናይቲ ስድራ ዓመታዊ ኣታዊ ልዕሊ $79,762 ምስዝኸውን ጥራይ እዩ።
መንግስቲ ብተወሳኺ ን 6 ሚሊዮን ካብ ስርሖም ዝዝሕትሉ ኣውስትራሊያዊያን ሓገዝ ዝውዕል 130 ቢሊዮን ዶላር ሰሊዑ።
በዚ መሰረት ንነፍሲ ወከፍ ስርሑ ዝትንከፍ ሰራሕተኛ ኣኣብ ክልተ ሰሙን $1500 ንሽዱሽተ ወርሒ ክኸፍል ክጅምር እዩ።
ትረዠረር ጆሽ ፍራይደንበርግ ከምዝገለጾ እዚ "ስራሕ ምዕቃብ" ተሰምዩ ዘሎ ኣገባብ ምኽፋል ሰራሕተኛታት ንብዙሓት ኣውስትራሊያዊያን ኣብዚ ሕማቕ እዋን ኣብ ስራሕ ከምዝጽመዱን ኣታዊ ክረኽቡን ንምግባር እዩ።
People in Australia must stay at least 1.5 metres away from others and gatherings are limited to two people unless you are with your family or household.
If you believe you may have contracted the virus, call your doctor (don’t visit) or contact the national Coronavirus Health Information Hotline on 1800 020 080.
If you are struggling to breathe or experiencing a medical emergency, call 000.
SBS is committed to informing Australia’s diverse communities about the latest COVID-19 developments. News and information is available in 63 languages at .