''ዘሕዝን ጥፍኣት ': - ኵሎም እቶም ኣብታ ናብ ታይታኒክ ንምኻድ ጠፊኣ ዝቐነየት ሳብማሪን ዝነበሩ ሓሙሽተ ሰባት ምማቶም ተረጋጊጹ።

ኣብ ኦሽንገይት አጽፐዲሽን ታይታን ንምርካብ እተገብረ ጻዕሪ ፡ ኣብታ ትሕተ ማይ ትጓዓዝ ንዝነበሩ ኵሎም ሰባት ከምዝሞቱ ተረጋጊጹ ኣሎ ።

Titanic tourist vessel missing

The submersible went missing while looking for the Titanic wreck. Source: Press Association / OceanGate Expeditions/Alamy

እቶም ኣብታ ዝጠፍአት ንእሽቶ ጃልባ ዝነበሩ ሓሙሽተ ሰባት ፡ ኣብቲ "ንውሽጢ ዝወሓጠ ጥፍኣት" ከምዝሃለቑ ፣ ሓደ ናይ ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ኣመሪካ በዓል ስልጣን ብምርግጋጽ ፡ ነቲ ጉጅለ ናብ ታይታኒክ ኣብ ዝገበሮ ጕዕዞ ብምስዋሩ ክግበር ዝጸንሐ ዓብዪ ኣህጉራዊ ምድላይ ኣብ ናይ መወዳእታ ምዕራፉ ከም ዝበጽሐ ገለጸ ።

"እዞም ሰባት እዚኣቶም ፍሉያት ናይ ተመኵሮ መንፈስ ዝነበሮም ዳህሰስቲ እዮም ነይሮም ፣ ውቅያኖሳት ዓለም ንምድህሳስን ንምዕቋብን ከኣ ሓያል ባህጊ ነበሮም" ኣብ ኣመሪካ ዝመደበራ ንታይታን ተነቖትቲ ባሕሪ ዘካይድ ኩባንያ OceanGate Expeditions, ሽታን እትቈጻጸር ትካል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ፡ ኣፍሊጡ።

"ኣብዚ ዘሕዝን እዋን እዚ ፡ ልብና ምስዘን ሓሙሽተ ነፍሳትን ምስ ኵሎም ኣባላት ስድራ ቤቶምን እዩ ።"
ሓደ ኣብ ማዕሙቕ ባሕሪ ዝነጥፍ ሰብ ኣልቦ ሮቦት ፡ መርከብ ካናዳ ብሓሙስ ንግሆ 488 ሜትሮ ኣቢሉ ካብታ ቅድሚ ሓደ ዘመን ዝጠሓለት ታይታኒክ ርሒቑ ስብርባር ፡ 4 ኪ.ሜ. ንታሕቲ ምስ በጽሐ ፡ ስብርባር ቲታን ከም ዝረኸበ ፡ ናይ ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ኣመሪካ ኣድሚራል ጆን ማውገር ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ ።

"ኣብዚ ዘሎ ስብርባር ፡ ምስቲ ነታ ማሽን ዘጋጥማ ዕንወት ዝሳነ እዩ" በለ ።

እቶም ኣብታ መርከብ ዝነበሩ ሓሙሽተ ሰባት ፡ ወዲ 58 ብሪጣንያዊ ቢልዮነርን ሃሚሽ ሃርዲንግ ዝስሙ ዳህሳስን ፣ ወዲ 48 ዓመት ፓኪስታናዊ ሃብታም ሻህዛዳ ዳውድ ፡ ምስ ወዱ፡ ወዲ 19 ዓመት ሱሌማን ፡ ክልቲኦም ዜጋታት ብሪጣንያ፡ ወዲ 77 ፈረንሳዊ ክኢላ ውቅያኖስን ናይ ታይታኒክ ተመራማሪ ፖል-ሄንሪገለት፡ ከምኡ'ውን ፣ እቲ መስራቲ ናይቲ ኣብ ኣመሪካ መደበሩን ኩባንያ ዋና ኣካያዲ ስራሕን ዝዀነ ነታ ሳብማሪን ዝዝውራ ዝነበረ ስቶተን ሩሽ ኣብታ ጃልባ ዝሞቱ እዮም ።

ኣብ ጕዕዞ ከላ ብ1912 ምስ ጎቦ ናይ በረድ ተጋጭያ ዝጠሓለት ታይታኒክ ፡ ልዕሊ 1500 ሰባት ኣብታ መርከብ ዝነበሩ ሞይቶም እዮም።

ናብቲ ስብርባር ናይ ታይታኒክ ንምብጻሕ ዝግበር በቲ ነዚ ጉዕዞ ዘካይድ ኩባንያ OceanGate ካብ 2021 ኣትሒዙ ፡ ንሓደ ሰብ $US250,000ከም ዘኽፍል ኣብቲ መርበብ ሓበሬታ ናይቲ ኩባንያ ተገሊጹ ይርከብ ።

Share
Published 23 June 2023 10:42am
Source: AAP


Share this with family and friends