ኣብ ኣውስትራሊያ ዝፈረየ ጻዕዳ ሽጉርቲ "ኮቪድ-19ን ሓፈሻዊ ጉንፋዕን ንዘስዕቡ ቫይረሳት ብ99.9 ሚኢታዊ ኣድማዕነት የርኢ" እዚ ቅድሚ ሰሙን ኣብ ኣውስትራሊያ ዝተባህለ እዩ ።
እንተዀነ ግን: ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠትን ክኢላታት ሕክምናን ንኣድማዕነት ናይቲ ስነ-ፍልጠት ብድሕሪ እዚ ስክፍታታት ኣሕዲሮም ኣለዉ ።
እዚ መጽናዕቲ ዛጊት ኣይሕተሓትመን ዘሎ ፣ እቲ ዝተገብረ ምርምር ብ ትካል ኣውስትራሊያ ጻዕዳ ሽጉርቲ ዜፍርን ዝሸይጥን እዩ ።
ኰይኑ ግና ፡ እቲ ዉጽ ኢት ናይቲ መጽናዕቲ ብጸረ ክታበትን ህላወ ኮቪድ ብዝጠራጠሩ ሰባትዩ ዝራባሕ ዘሎ ።
ተሓባባሪ ፕሮፌሰር ኣዳም ዲን ካብ ዩኒቨርሲቲ ሲድኒ ፡ "እዚ መጽናዕቲ እዚ ፡ ኣብ ቪትሮ ዝግበር መጽናዕቲ እዩ ፣ ኣብ ናይ ሓቂ ዓለም ኣብ ዘለዉ ሰባት ኣይተገብረን ዘሎ ፣ ኣብ ቱቦታት መርመራ እዩ ዝግበር ዘሎ" በለ ።
ወሃብ ቃል ትካል ዶሆርቲ ን SBS ኒውስ ከምዝሓበሮ እቲ ዝገበሮ መጽናዕቲ ምስ ናይ ኣውስትራሊያ ፍርያት ጻዕዳ ሽጉርቲ ብዝተገብረ ውዕል እዩ ።
"እቲ መጽናዕቲ ሓደ ዓይነት ጻዕዳ ሽጉርቲ ኣብ ልዕሊ ኢንፍሉወንዛ A ከምኡ 'ውን SARS-CoV-2 [ኮቪድ-19 ዘስዕብ ቫይረስ] ብቪትሮ ጥራይ ኣድማዕነት ከም ዘለዎ ዘርኢ እዩ" ይብል እቲ ወሃቢ ቃል ።
"እዚ ርኽበታት እዚ ናይ ሕክምና ክንክን ኣየርእን እዩ ። እዚ ርኽበታት እዚ ካብ ናይ ላባራቶሪ ቱቦታት ናብ ሰባት ዝትርጐም እንተ ኰይኑ ንምፍላጥ ፡ በበይኑ ዓይነት ክሊኒካዊ ፈተናታት ክግበር ኣለዎ "በለ ።
እቲ ምርምር ኣብ ኢንተርነት ብሰፊሑ ተኻፊሉ እዩ ፣ ብብዝሒ ድማ በቶም ኮቪድ-19 ከም ዘሎ ዝጠራጠሩ ሰባት እዩ ዝባዛሕ ዘሎ ።

A tweet from United Australia Party politician Craig Kelly referencing the garlic study. Source: Twitter
ኣብ ትዊተር ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ ፡ "ጻዕዳ ሽጉርቲ ከሎ ፡ ሎሚ ዓለምና ብኣማእታት ቢልዮናት ዶላራት ዝግመት ኣብ ዘይጠቅም ነገራት (ናይ ክታበት ኢሞጂ) ኣባኺኖም ፡ ብሰንኪ ዕጽዋ ትሪልዮናት ዶላራት ዝግመት ኃብቲ ድማ ብምጥፋኡ ፡ ኣዝዩ ሕማቕ እዩ ዝስምዓ" በለ ።

Corey Bernardi also weighed in. Source: Twitter

Avi Yemini also commented. Source: Twitter
ጻዕዳ ሽጉርቲ ግን ንኮቪድ ክፍውስ ይኽእል ድዩ?
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዓዲላዴ ላዕለዋይ መምህር ስነ-መድሃኒት ዶክተር ኢያን ሙስግራቭ "ክሳዕ እቲ ክሊኒካዊ መርመራታት እንገብረሉ ግዜ: ብዛዕባ ኣድማዕነት ናይዚ መድሃኒት ንኮቪድ-19 ይትረፍ: ንሳዕቤን ናይቲ ኣብ ኢንፍሉዌንዛ ዘሎ ነገራት እውን ሕቶ ክቐርብ ኣይክእልን እዩ" በለ ።
"ነቲ ካብ ጻዕዳ ሽጉርቲ ዝርከብ ንጡፍ ክፋላት ዝውሕጦን ዝመሓላለፎን ነገራት ፡ ደረጃታት እቲ ውሁድ ኣብ ኣካላትና ውፅኢታዊ ዝዀነ ደረጃታት ኣይበጽሕን ይኸውን ማለት እዩ ።
"ጻዕዳ ሽጉርቲ ዘርእዮ ክሊኒካዊ ፈተናታት ፡ ንምልክታት ሕማም ኮቪድ እቲ ጻዕዳ ሽጉርቲ ኽንክዮ ከም ዝኽእል ዝሕብር እኳ እንተ ኰነ ፡ ኣብ ሰዓልን ጉንፋዕን ግን ፈውሲ ክኸውን ኣይክእልን እዩ ።"