ናይ ብራዚል ፕረሲደንት ጄር ቦልሶናሮ ብኮሮና ቫይረስ ከምተለኽፈ ተረጋጊጹ።

ፕረሲደንት ብራዚል ጄር ቦልሶናሮ ንኣዋርሕ ነቲ ሕማም ከነኣእሶ ድሕሪ ምጽናሕ ብኮሮና ከምተለኽፈ ገሊጹ ኣሎ።

Brazil's President Jair Bolsonaro and Attorney General of the Republic Augusto Aras wearing protective masks.

Brazil's President Jair Bolsonaro Source: AAP

እቲ ናይ ሕሉፍ የማናዊ ህዝበኛ ንጋዜጠኛታት ኣብዝሃቦ ሓበሬታ ኣብዚ ቀዳመ ሰንበት እቲ ምልክታት ተራእዩኒ ኣሎ ኢሉ።

"ብቐዳም ምስጀመረኒ ሰኑይ ምሉእ መዓልቲ እናኸፍ አ ከይዱ፡ ሕማቕ ይስመዓኒ፡ ድኻም፡ ናይ ጭዋዳታት፡ ረስኒ 38 ዲግሪ በጺሑ" ክብል ገሊጹ።

ነቲ ቃለ መሕትት ምስወደአ ፍሽኽታኡ ንምርኣይ ነቲ ወድይዎ ዝነበረ መሸፈኒ ኣፍ ከፊትዎ።

"ካብ ገጸይ ክትርእይዎ ከምትኽእሉ ጽቡቕ ኣለኹ ሀዴአ ድማ ኣለኹ"

ሚስተር ቦልሶናሮ ከምዝገለጾ እቲ ኣንጻር ኮቪድ-19 ፍቱን መድሓኒትዩ ኢሉ ተኣሚንሉ ዘሎ ጸረ ዓሶ መድሃኒት ህይድሮክሲክሎሮኪን ክወስድ ከምዝጸንሐ ገሊጹ ኣሎ።

ንሱ ኣብ ሃገሩ ልዕሊ 65 000 ሰባት በቲ ቫይረስ እንተሃለቑኳ  ንፕረሲደንት ዶናልድ ትራምፕ ከም ናቱ ፖለቲካዊ ሞደል ጌሩ ብምኽታል ብዛዕባዚ ቫይረስ ዝበሃል ሓቂ ከምዘይኮነ ክዛረብ እዩ ጸኒሑ።
Jair Bolsonaro
Source: AAP
ሚስተር ቦልሶናሮ  ናብ ናይ ትራምፕ Mar-a-Lago resort (መዘናግዒ) ድሕሪ ምብጻሑ ብዙሓት ተሓጋገዝቱ ኮሮና ቫይረስ ድሕሪ ምልካፎም፡ ኣብ መጋቢት ተመርሚሩ ኣሉታዊ ውጽ ኢት ናይ ኮሮና ቫይረስ ሂቡ።

ብሰሉስ ሚስተር ቦልሶናሮ ኮሮና ቫይረስ ከምዘለዎ ምስተረጋገጸ፡ ኣብዚ ቅሩብ ምስኡ ዝተራኸቡ ከም ናይ ሚኒስተር ቁጠባ ፓውሎ ጉደስ፡ ናይ ኣለቃሒ ባንኮ ብራንደስኮ ኣቦ መንበር ሉዪዝ ካርሎስ ትራቡኮ ከምኡውን  ካልኦት በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ከይህልዉ ተሰጊኡ ኣሎ።

ኣብዚ ቀዳመ ሰንበት ሚስተር ቦልሶናሮ ኣብቲ ዝተኸብረ ናይ ኣመሪካ ነጻነት በዓል 4 ሓምለ ምስ ናይ ኣምሪካ ኣምባሳደር ቶድ ቻፕማን ተራኺቦም ኔሮም።

እዚ ዜና ምስተሰምዐ ናይ ብራዚል ዕዳጋ ንድሕሪት ተመሊሱ ኣሎ።

ብራዚል ድሕሪ ኣመሪካ ልዕሊ 1.6 ሚልዮን ካብ ህዝባ ብኮሮና ብምልካፉ ኣብ ዓለም ኣብ ካልኣይ ተርታ ተሰሪዓ ትርከብ።
ሚስተር ሞልሶናሮ ኣብዚ እዋን ለበዳ ክልየ ሚኒተራት ጥዕና ዘባረረን ክልቲኦም ዶክቶራት ዝነበሩ ኮይኖም ብሓደ ጀነራል ተኪእዎም ኣሎ።

ዛጊት ን ናይ ብራዚል ፕረሲደንት ወሲኽካ  ናይ ብሪጣንያ ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሶንን ናይ ሆንድራ ፕረሲደንት ጀዋን ሀርናንዘድን ዝርከብዎም መራሕቲ ሃገራት ብኮሮና ቫይረስ ተለኺፎም እዮም።

ሚስተር ቦልሶናሮ ናይ ኣፍን ኣፍንጫን አሸፈኒ ምውዳይ ክ ኣቢ ዝጸንሐ ኮይኑ ነቲ ብዉድብ ጥዕና ዓለም ዝተኣመመ ማሕበራዊ ምርሕሓቕ ዝቃወም እዩ።

 


Share
Published 8 July 2020 10:28am


Share this with family and friends