እቲ ናይ ሕሉፍ የማናዊ ህዝበኛ ንጋዜጠኛታት ኣብዝሃቦ ሓበሬታ ኣብዚ ቀዳመ ሰንበት እቲ ምልክታት ተራእዩኒ ኣሎ ኢሉ።
"ብቐዳም ምስጀመረኒ ሰኑይ ምሉእ መዓልቲ እናኸፍ አ ከይዱ፡ ሕማቕ ይስመዓኒ፡ ድኻም፡ ናይ ጭዋዳታት፡ ረስኒ 38 ዲግሪ በጺሑ" ክብል ገሊጹ።
ነቲ ቃለ መሕትት ምስወደአ ፍሽኽታኡ ንምርኣይ ነቲ ወድይዎ ዝነበረ መሸፈኒ ኣፍ ከፊትዎ።
"ካብ ገጸይ ክትርእይዎ ከምትኽእሉ ጽቡቕ ኣለኹ ሀዴአ ድማ ኣለኹ"
ሚስተር ቦልሶናሮ ከምዝገለጾ እቲ ኣንጻር ኮቪድ-19 ፍቱን መድሓኒትዩ ኢሉ ተኣሚንሉ ዘሎ ጸረ ዓሶ መድሃኒት ህይድሮክሲክሎሮኪን ክወስድ ከምዝጸንሐ ገሊጹ ኣሎ።
ንሱ ኣብ ሃገሩ ልዕሊ 65 000 ሰባት በቲ ቫይረስ እንተሃለቑኳ ንፕረሲደንት ዶናልድ ትራምፕ ከም ናቱ ፖለቲካዊ ሞደል ጌሩ ብምኽታል ብዛዕባዚ ቫይረስ ዝበሃል ሓቂ ከምዘይኮነ ክዛረብ እዩ ጸኒሑ።
ሚስተር ቦልሶናሮ ናብ ናይ ትራምፕ Mar-a-Lago resort (መዘናግዒ) ድሕሪ ምብጻሑ ብዙሓት ተሓጋገዝቱ ኮሮና ቫይረስ ድሕሪ ምልካፎም፡ ኣብ መጋቢት ተመርሚሩ ኣሉታዊ ውጽ ኢት ናይ ኮሮና ቫይረስ ሂቡ።

Source: AAP
ብሰሉስ ሚስተር ቦልሶናሮ ኮሮና ቫይረስ ከምዘለዎ ምስተረጋገጸ፡ ኣብዚ ቅሩብ ምስኡ ዝተራኸቡ ከም ናይ ሚኒስተር ቁጠባ ፓውሎ ጉደስ፡ ናይ ኣለቃሒ ባንኮ ብራንደስኮ ኣቦ መንበር ሉዪዝ ካርሎስ ትራቡኮ ከምኡውን ካልኦት በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ከይህልዉ ተሰጊኡ ኣሎ።
ኣብዚ ቀዳመ ሰንበት ሚስተር ቦልሶናሮ ኣብቲ ዝተኸብረ ናይ ኣመሪካ ነጻነት በዓል 4 ሓምለ ምስ ናይ ኣምሪካ ኣምባሳደር ቶድ ቻፕማን ተራኺቦም ኔሮም።
እዚ ዜና ምስተሰምዐ ናይ ብራዚል ዕዳጋ ንድሕሪት ተመሊሱ ኣሎ።
ብራዚል ድሕሪ ኣመሪካ ልዕሊ 1.6 ሚልዮን ካብ ህዝባ ብኮሮና ብምልካፉ ኣብ ዓለም ኣብ ካልኣይ ተርታ ተሰሪዓ ትርከብ።
ሚስተር ሞልሶናሮ ኣብዚ እዋን ለበዳ ክልየ ሚኒተራት ጥዕና ዘባረረን ክልቲኦም ዶክቶራት ዝነበሩ ኮይኖም ብሓደ ጀነራል ተኪእዎም ኣሎ።
ዛጊት ን ናይ ብራዚል ፕረሲደንት ወሲኽካ ናይ ብሪጣንያ ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሶንን ናይ ሆንድራ ፕረሲደንት ጀዋን ሀርናንዘድን ዝርከብዎም መራሕቲ ሃገራት ብኮሮና ቫይረስ ተለኺፎም እዮም።
ሚስተር ቦልሶናሮ ናይ ኣፍን ኣፍንጫን አሸፈኒ ምውዳይ ክ ኣቢ ዝጸንሐ ኮይኑ ነቲ ብዉድብ ጥዕና ዓለም ዝተኣመመ ማሕበራዊ ምርሕሓቕ ዝቃወም እዩ።