መጥቃዕትታት ኣየር እስራኤል ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሕዝቦላህ ዝተፈነወ መጥቃዕቲ ተባሂሉ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝጀመረ ኣብ ሊባኖስ ዝግበር ዘሎ ኲናት ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ንነጀው ፡ ኣብ ደቡባዊ ክፋል በይሩት እቲ ኣዚዩ ጽዑቕ ደብዳብ ነፈርቲ ተኻይዱ ።
ቀዳም ለይቲ ከምኡ 'ውን ሰንበት ንግሆ (ብናይቲ ከባቢ ሰዓት) ፡ ኣብ መላእ በይሩት ከቢድ ናይ ተዂሲ ድምጺ ተሰሚዑ ፡ ካብ ገለ ኪሎሜተራት ርሒቑ ድማ ንኣስታት 30 ደቓይቕ ዝጸንሐ ቀዪሕን ጻዕዳን ሕብሪ ዘለዎ ሃልሃልታ ተራእዩ ።
እቲ መጥቃዕቲ ፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ በይሩት ዝፈነወቶ መጥቃዕቲ ፡ ክሳዕ ሕጂ ዝዓበየ ምዃኑ ፡ ናይ ዓይኒ መሰኻኽርን ተንተንቲ ወተሃደራትን ኣብታ ሃገር ኣብ ዝርከባ ተለቪዥንታት ገሊጾም ።
ብሰንበት ኣብ ልዕሊ እታ ከተማ ሓሙኽሽታይ ግመ ኣንጠጥዩ ኣምስዩ ፡ ኣብ ደቡባዊ ክፋል እቲ ከባቢ ድማ ፡ ኣዕኑድ ትኪ ተላዒሉ ።

Charred cars at the site of an Israeli airstrike in Dahiyeh, Beirut. Source: AP / Bilal Hussein / AP
እቲ ሚኒስትሪ ብተወሳኺ ብቀዳም 23 ሰባት ከም እተቐትሉ ሓቢሩ እዩ ።
እስራኤል ኣብ መላእ ሊባኖስ መጥቃዕቲ እተካይደሉን ኣብ ደቡባዊ ሸነኽ እታ ሃገር ወራር እተካይደሉን ዘላ ምኽንያት ፡ እቲ ብ ኢራን ዝድገፍ ሕዝቦላህ ዝበሃል ሊባኖሳዊ ዕጡቕ ጉጅለ እዩ ።
ይኹን እምበር ፡ ናይ ሕቡራት ሃገራት ሓላፊ ስደተኛታት ብሰንበት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ፡ ነፈርቲ እስራኤል ሲቪላዊ ትሕተ ቅርጺ ብምውቓዕን ኣብ ሊባኖስ ሰላማውያን ሰባት ብምቕታልን ኣህጉራዊ ሕጊ ዝጠሓሳሉ "ብዙሕ ኣጋጣሚታት" ከም ዘሎ ገሊጹ ።
እስራኤል ንወተሃደራዊ መሳለጥያታት ዒላማ ከም እትገብረን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝወርድ ጕድኣት ንምክልኻል ዘኽእል ስጕምትታት ከም እትወስድን ክትገልጽ ከላ ፡ ሰበ-ስልጣን ሊባኖስ ግን ንሰላማዊያን ሰባት ዒላማ ከም ዝዀኑ እዮም ዝገልጹ ።
እስራኤል ፡ ሕዝቦላህን ሓማስን ኣብ መንጎ ሰላማውያን ሰባት ተሓቢኦም ከም ዝነበሩ ትኸስስ ፣ ንሳቶም ግን ነዚ ይኽሕዱ ።
እስራኤል ኣብ ጋዛ እተካይዶ ዘላ ውግእ ፡ ድሕሪ እቲ ኣብ ጥቅምቲ 7 እተፈነወ መጥቃዕትን ነቲ ብኢራን ዝድገፍ ሓማስ ዝበሃል ካልእ ጕጅለ ንምጥፋእ ዝዓለመ መጥቃዕትን ምዃኑ ትገልጽ። በቲ መጥቃዕቲ ኣስታት 42,000 ሰባት ኣብቲ ቓዛ ከም ተቐትሉ ፡ ሰብ መዚ ፍልስጤም ይሕብሩ ።