ኣብ ሃይማኖታዊ ምትእኽኻባት ዝነበረ ቀይድን ደረትን ዝሓለፈ ዓርቢ ድሕሪ ምልዓሉ መራሕቲ ሃይማኖታት ኣመንቶም ናብ ኣዳራሻቶም ክምለሱ ምድላዋት ክገብሩ ጀሚሮም።
ኣብ ግዝኣታት ኒው ሳውዝ ዊልስ፡ ቪክቶርያ፡ ኖርዘርን ተሪተሪ፡ ሳውዝ ኣውስትራልያን ኣውስትራልያ ካፒታል ተሪተሪን ንኣገልግሎታት ጸሎት ተባሂሉ ማሕበራዊ ምርሕሓቓት ብምሕላው 10 ሰባት ኣብ ቦታታት እምነት ክእከቡ ይኽእሉ’ዮም።
እዚ ተመሳሳሊ ሕጊ ካብ ቀዳም ጀሚሩ፡ ኣብ ግዝኣት ታዝመንያ ኸኣ ካብ ሶኑይ ጀሚሩ ኣብ ተግባር ክውዕል እዩ። ኣብ ወስተርን ኣውስትራልያ ካብ ሶኑይ ጀሚረን ቦታታት እምነት ክሳብ 20 ሰባት ከአንግዳ ተፈቒዱለን ኣሎ።
ገለ መራሕቲ እምነታት ግን እዞም ዝተፈቕዱ ሓደስቲ መምርሒታት ነቶም ከምልኹ ዝመጹ ኣመንቶም ብኣማኢታት ክመልስዎም ስለዘገድድዎም ስክፍታታትን ሻቕሎታትን ኣሕዲሮምሎም ኣሎ።
ኣብ ምዕራብ ከተማ ሲድኒ ዝርከብ ኦበርን ጋሊፖሊ መስጊድ ኣባል ዝኾነ ኤርጋን ገነል፡ እዞም ሓደስቲ መምርሒታት ኣይሰርሑን’ዮም፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ግዜ ቅዱስ ወርሒ ረመዳን ይብል።

ንኤስቢኤስ ዜና ከምዝሓበሮ እዞም ንቦታት እምነት ተፈቒዶም ዘለው ቁጽሪታት ምስ ክውንነትና ዝኸዱ ኣይኮኑን ድሕሪ ምባል “ንህዝቢ ከፊትና ኣለና ኢልና እንተሓቢርና እቶም ዝመጹ ብዝሒ ሰባት ክንቆጻጸሮም ኣይክንክእልን ኢና።” ኢሉ።
እቲ መስጊድ ክሳብ 350 ኣመንቲ ከአንግድ ዝኽእል ኮይኑ በብሓደ ኣትዮም ክሰግዱ ከፍቅድ ጸኒሑ’ዩ።
ምስ ማሕበራዊ ምርሕሓቓት ኣብ ግዜ ቀይድታት ኮሮናቫይረስ እቲ ዝበዝሐ ከእትውዎ ዝኽእሉ ብውሑዱ ናብ 150 ሰባት ክውሰኽ እንተተኻኢሉ፡ ኣብ መላእ ማሕበረሰብ ኣመንቲ ምስልምና ሽዕኡ’ዩ ቁሩብ ናብ ንቡር ከምዝተመልሰ ስምዒት ዝፈጥር ክብል ሚስተር ገነል ሓቢሩ።
ንሱ “እዞም ቀይድታት ክሳብ ክንድ’ዚ መጠን እንተፎዂሶም ብግቡእ ክንኣሊን መዓልታዊ ኣገልግሎታት ክንህብን ንኽእል ኢና። ኣብ ግዜ ጸሎት ሰባት ኣበይ ኣበይ ደው ክብሉ ከምዘለዎም ምልክታት ከነቐምጥ ንኽእል ኢና፡ ምኽንያቱ ከም ልምዲ ክንጽልይ እንከለና መንኮብ ንመንኮብ ተጸጋጊዕና ኢና ነካይዶ።” ኢሉ።
ንሱ እዞም ቀይድታት ነቲ ድሒሩ ኣብ’ዚ ወርሒ ዝበዓል ዒድ ከርክብ ዝያዳ ክፎኲስ ዘለዎ ተስፋ እንተገለጸ’ኳ ከምኡ ክኸውን ዘለዎ ተኽእሎ ግን ውሑድ ምዃኑ ይፈልጥ’የ ኢሉ።
ኣብ ካቴድራል ቅድስቲ ማርያም ኣብ ሲድኒ፡ ቀሺ ዶን ሪቻርድሰን እቲ ቤተ ክርስትያን ብጣዕሚ ዓቢይ ስለዝኾነ ካብ 10 ንላዕሊ ኣዝዮም ዝበዝሑ ኣመንቲ ማሕበራዊ ምርሕሓቕ እናኽበሩ ክተኣናገዱ ከምዝኽእሉ ይተኣማመን።

Father Don Richardson believes more than 10 people could be accommodated safely at St Mary’s Cathedral in Sydney. Source: Essam Al-Ghalib/SBS News
“እዚ ቤተ ክርስትያን ን10 ሰባት ጥራይ ብጣዕሚ ዓቢይ እዩ።” ቀሺ ሪቻርድሰን ይብል።
“ኣብ ፈቐድኡ ብዙሕ መጽረዪ ኢድ ኣለና፡ ኩሉ ሰብ ክጥቀመሉ ይተባባዕ። ባዕልና’ውን ንጥቀመሉ ኢና፡ ኣብ ውሽጢ’ቲ ካቴድራል ከኣ ብዙሓት ኮፍ ክብሉሎም ዝኽእሉ ቦታታት ኣለውና።”
ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን እቲ ቤተ ክርስትያን ኣብ ሓደ ናይ ጸሎት ስነ ስርዓት ክሳተፉ ዝደልዩ ደዊሎም ቦታ ክሕዝሉ ዝኽእሉ ኣሰራርሓ ይጥቀም።
“ውሑዳት ተወሰኽቲ ስነ ስርዓታት ጸሎት ንምድብ።” ድሕሪ ምባል “ንኹሉ ዝመጽእ ሰብ ከነአንግድ ኣይንኽእልን ኢና፡ ከም ልምዲ ኣብ ሓደ ሰንበት 200 ሰባት ይጽንበሩ፡ ሕጂ ከምኡ ክንገብር ኣይንኽእልን ኢና፡ ስለ’ዚ በቲ ዘሎ መምርሒታት ዝከኣለና ንገብር ኣለና።” ኢሉ።
ኣብ ኣውስትራልያ ሰባት ብውሑዱ 1.5 ሜትሮ ካብ ካልኦት ክርሕቁ ኣለዎም። ብዛዕባ ደረታት ብዝሒ ሰባት ኣብ ምትእኽኻባት መምርሒታት ግዝኣትኩም ተወከሱ።
መርመራ ንኮሮናቫይረስ ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ኣብ መላእ ኣውስትራልያ ብሰፊሑ ተቐሪቡ’ሎ። ምልክታት ጉንፋዕ ወይ ፍሉ/ኢንፍሉወንዛ ይረኣየኩም እንተሃልዩ ቆጸራ መርመራ ክትሕዙ ኣብ ዶክተርኩም ደውሉ ወይ ከኣ ሃገራዊ ሓበሬታ ጥዕና ኮሮናቫይረስ ዝህብ Coronavirus Health Information Hotline ብቁጽሪ 1800 020 080 ደውሉ።
ናይ ፈደራል መንግስቲ ኮሮናቫይረስ መከታተሊ ኣፕ፡ ኮቪድሰይፍ፡ ካብ ናይ ሞባይልኩም መኽዘን ኣፕ (ኣፕ ስቶር) ንኽትጽዕንዎ ተቐሪብልኩም ኣሎ።
ኤስቢኤስ ንዝተፈላለዩ ማሕበረሰባት ኣውስትራልያ ብዛዕባ እዋናዊ ምዕባለታት ለበዳ ኮቪድ-19 ሓበሬታ ኣብ ምሃብ ተጸሚዱ ኣሎ።