ናብ ኣውስትራሊያ ዝኣቱ ቁጽሪ ስደተኛታት ድሕሪ ካል ኣይ ዉግእ ዓለም ንፈለማ እዋን ትሕቲ ዜሩ ወሪዱ።

ኣውስትራሊያ ድሕሪ ሓደ ክፍለ ዘመን ትሑት ዕብየት ብዝሒ ህዝቢ ኣብተመስግበሉ እዋን፡ ኣህጉራዊ ዶባት ምስተኸፍተ "ዝበለጹን በላሕት" ኪኢላዊ ዓቕሚ ዘለዎም ስደተኛታት ከተእቱ መደብ ከምዘውጽአት ፈደራል መንግስቲ መደቡ ገሊጹ።

Australia's border closures will see net migration falling into negative levels.

Australia's border closures will see net migration falling into negative levels. Source: AAP

 


ድሕሪ ካልኣይ ዉግእ ዓለም ንፈለማ እዋን ናብ ዉሽጢ ኣውስትራሊያ ዝ ኣቱ ብዝሒ ስደተኛ ትሕቲ ዜሮ ምእታዉን ካብቲ ቅድሚዚ ዓለማዊ ለበዳ ዝነበረ ኩነታት ንምምላስ ልዕሊ 4 ዓመት ከምዝወስድ ኣብቲ ሎሚ ዝተገልጸ ናይ ፈደራል ባጀት ኣፍሊጡ።

እዚ ማለት ዕቤት ብዝሒ ህዝቢ ኣውስትራሊያ  ኣብዚ ፋይናንሲያዊ ዓመት ትሕቲ 0.2 ሚእታዊ ዕብየት  ጥራይ እዩ ከር ኢ፡ እዚ ኣሃዝ ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ክፍለ ዘመን ዝተሓተ ኮይኑ፡ እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ብግዚያዊ ቪዛ ናብ ኣውስትራሊያ ዝኣተዉ ብምውጻኦምን ሓደሽቲ ቪዛ ዝሓዙ ናብ ኣውስትራሊያ ክኣትዉ ብዘይምኽኣሎምን እዩ።

ናይ ኣውስትራሊያ መጠን ፍርያምነት (ሓንቲ ሰበይቲ ትወልዶም ብዝሒ ዉሉዳት) ኣብ 2020-22 ፋይናንሲያዊ ዓመት ናብ 1.58 ክወርድከሎ ካብቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ  1.9 ኣብ ናይ 2019-20 ባጀት ተተንብዩ ዝነበር እዩ።
ኣብዚ ብተረዠረር ጆሽ ፍራይደንበርግ ዝቐረበ ናይ 2020-21 ባጀት ከምዝተገልጸ ህዝቢ ኣውስትራሊያ ኣብ 2022 ናብ 26 ሚልዮን ክዓቢ እዩ፡ እዚ ካብቲ ዓሚ ትንቢት ተጌርሉ ዝነበረ ብ ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ጎዲሉ ተረኺቡ።

ኣብቲ ናይ 2019 ባጀት ካብ ወጻኢ ብስደት ናብ ኣውስትራሊያ ዝ ኣትዉ ኣብዚ ዓመት 271,300 ንዓመታ ድማ 267,600 ክኣትዉ እዩ ተተንብዩ ኔሩ እንተኾነ ኣብ 2020-2021 ንፈለማ እዋን ድሕሪ 1946 ንፈለማ እዋን ትሕቲ ዜሮ ዘቢጡ።

ጽሩይ ቁጽሪ ስደተኛታት ኣብ 2019-20 ፋይናንሲያዊ ዓመት ካብ 154,000 ናብ 72,000 ጽሩይ ኣሉታ ኣብ 2020-21 ከምኡውን  21,600 ኣሉታ ኣብ 2021-22, ክወርድ  እዩ።

እዚ ቅድሚ ሕጂ ዘይተራእየ ብዝሒ ምጉዳል ዕብየት ብዝሒ ህዝቢ፡ ኣብ ቁጠባ ኣውስትራሊያ ኣሉታዊ ሳዕቤን ኣስዒቡዩ፡ በዚ ምኽንያት ናይ $213.7 ቢልዮን ሕጽረ ኣታዊ ከምዝሰዓበን ኣብ ታሪኽ ኣውስትራሊያ ዝዓበየ ምዃኑን ተገሊጹ ኣሎ።

“ብስደት ዝ ኣቱ ሰብ ኣብ ዕብየት ብዝሒ ህዝቢ ኣገዳሲ ንምዕባለ ቁጠባ ኣውስትራሊያ እዩ። እዚ እቲ ሓደ ካብ ባእታታት ዕብየት እዩ ፡  ህዝቢ፡ ተሳትፎን እቶታውነትን እዩ።"  ክብል ጆሽ ፍርይደንበርግ ን SBS News ገሊጹ።

ናይዚ ዓመት ባጀት ነቶም ቪዛ ዝሓዙ እንታይ ትርጉም'ዩ ዘለዎ

መንግስቲ ብዛዕባ እቶም "ዝበለጹን ብቑዕ ዓቕሚን" ዘለዎም ግዚያዊ ስደተኛታት ቅሩብ ለውጢ ከምዝገብር እቲ ናይ ባጀት ወረቐት ዝገልጽ ኮይኑ እቲ ኣብ 2019-20 ዝተኣታተወ  ኣብ ዓመት 160,000 ስደተኛታት ንምእታው ዝተመደበ ክቕጽል እዩ።

ገለ ለውጢታት ኣብ ፕሮግራም ሚግራሽን እቲ ናይ ዓለማዊ ናይ ዉልቂ ፕሮግራም ብስለስተ ዕጽፊ ዓብዩ  ናብ 15,000 ክዓቢ፡ ናይ ኢስነስን ወፍሪን ፕሮግራም ናብ 13,500 ኣብ ዓመት ብዝሒ ሰብ ክኣትቱ እዩ።

ኣብዚ ፋይናንሲያዊ ዓመት ናይ ስድራ ቤት ምትእኽኻብ ካብ 47,732 ናብ 77,300 ኣብ ዓመት ክዓቢ እዩ፡ እዚ 72,300 ንመጻምድቲ 5,000 ድማ ንቖልዑ ዝሕዛእ እዩ።
Victoria 190 & 491 Visa nomination places updated
An English language requirement will be introduced for partner visas. Source: SBS
ካብቶም ናብ ኣውስትራሊያ ዝኣትዉ ሓደሽቲ እዚ መንግስቲ ክልተ ሲሶ ካብቶም ቪዛ ዝወሃቡ ኪኢላዊ ዓቕሚ ዘለዎም እዮም።

ኣብ ቁጠባ ተሳትፎ ንምድንፋዕ፡ ነቶም ናይ መጻምዲ ቪዛ ዝወሃቡን ስፖንሶር ዝገብርዎምን ናይ ቋንቋ እንግሊዝኛ  ከም ረቛሒ ክተኣታቶ እዩ።

13,750 ሰባት ዓመታዊ ን ፕሮግራም ሰብኣዊ ቪዛ ክወሃብዩ።   

ን ኮቪድ-19 ንምክልኻል ተባሂሉ ንዜጋታት፡ ቀወምቲ ነበርቲን ንብፍሉይ ፍቓድ ዝተዋህቦም እንተዘይኮይኑ ናብ ኣውስትራሊያ ምእታው ካብ 18 መጋቢት ኣህጉራዊ ዶባት ተዓጽዩ እዩ ዘሎ።

ክታበት ኮቪድ-19 ኣብ መወዳእታ 2021 ንመላእ ህዝቢ ክባጻሕ ትጽቢት ዝገበረ መንግስቲ ኣውስትራሊያ ብድሕርዚ ዶባት በብቕሩብ ክኸፍቶ ምዃኑ ይገልጽ።

ዝሓለፈ ሰሙን ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ማይክል ማኮርማክ ከምዘፍለጦ ካብ 16 ጥቅምቲ ናይዚ ዓመት ኣትሒዞም ኒውዚላንዳዊያን ናይ ፈለማ ኣህጉራዊ ተግጓዓዝቲ ናብ ኣውስትራሊያ ክኣትዉ ዝጅምሩ ክኾኑ እዮም።


Share
Published 6 October 2020 11:19pm
By Maani Truu


Share this with family and friends