ኣብ ኣውስትራሊያ ዘሎ ነዊሕ ዕጽዋ፡ ብዝሒ ርእሰ-ቕትለት ከአይስዕብ ተሰጊኡ።

ርብዒ ካብ ኣውስትራሊያውያን ኣብ ዝሓለፈ 12 ኣዋርሕ ነብሰ ቅትለት ዝፈጸመ ወይ ነብሰ ቅትለት ብምፍታን ዝሞተ ሰብ ብናይ ግላዊ ህይወቶም ወይውን ብናይ መርበባት ከምዝፈልጡ ሓዱሽ መጽናዕታት ይሕብር ።

Suicide Prevention Australia wants a law that would require all government decisions to consider and address suicide risks.

Suicide Prevention Australia wants a law that would require all government decisions to consider and address suicide risks. Source: AAP

ሓደ ካብ ኣርባዕተ ኣውስትራሊያውያን ኣብ ዝሓለፈ 12 ኣዋርሕ ነብሶም ዝቐተሉ ወይኻዓ ፈተነ ነፍሰ ቅትለት ዝገበሩ ሰባት ይፈልጡ እዮም ይብል ሓደ ጉጅለ ምክልኻል ርእሰ ቅትለት ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ፡ ብ ኢንተርነት ንልዕሊ 1000 ዝዀኑ መጽናዕቲ ተገይሩሎም ነይሩ ፣ እዚ መጽናዕቲ እዚ ፡ ብ ናይ ኣውስትራልያ ምክልኻል ርእሰ ቅትለት ተመዚዙ ኣብ እተገብረ መጽናዕቲ እዩ ፣ 15 ካብ ሚእቲ እቶም ምላሽ ዝሃቡ ሰባት ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብርእሰ ቅትለት ወይ ብፈተነ ዝሞተ ሰብ ብቐጥታ ይፈልጡ።

ካልእ 11 ሚእቲ ከኣ ፡ ርእሰ ቅትለት ክፍጽም ዝፈተነ ሰብ ብተዘዋዋሪ መገዲ ከም ዝፈልጥዎ ገሊጾም።

"ማሕበራውን ቊጠባውን ተነጽሎ ከም ዘስዕብ ንፈልጥ ኢና ፡ ኮቪድ-19 እቲ ቀንዲ ጠንዊ ርእሰ-ቅትለት እዩ ፡ ኣውስትራሊያዊያን ን18 ኣዋርሕ ዝኣክል ክብ ውልቃዊ ህይወቶም ፡ ኣብ ስራሕን ንግዲን ተዓናቒፎም እዮም ።" ክብል ሓላፊ ምክልኻል ርእሰ ቅትለት ኣውስትራሊያ ነቪስ ሙረይ ገሊጹ ።

"ሕማም ኮቪድ-19 ብቕልጡፍ ካብ ቁጽጸ ክወጽእ ከም ዝኽእል ርኢና ኢና ፡ መጠን ርእሰ-ቅትለት እውን ከምኡ ንኸይከውን ፡ ተመሳሳሊ ሃገራዊ ፖሊሲ ዘተኮረ ንቑሓት ክንከውንን ኣሎና ።"

ሃገራዊ ትካል ሓበሬታ ጥዕና ዛጊት ኮቪድ-19 ናብ ብዙሕ ነብሰ-ቅትለት ከም ዘምርሐ ዘረጋግጽ ጭብጢ ከቕርብ እዩ ፡ እንተኾነ ሃገራዊ ኣጋጣሚታት ነዞም ቑጽርታት ክጸልዎም ይኽእል እዩ ይብል። እቲ ወሰኽ ገና ብሕጂ ክመጽእ ይኽእል እዩ ።

AIHW ከምዝጸብጸቦ ኣገልግሎታት ጥዕና ኣእምሮ ምጥቃም ከም ዝወሰኸን ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸቕጢ ከም ዝወሰኸን ተፈሊጡ ኣሎ።

ኣብ NSW ኣብ ህጻናትን ኰተቴን ነብሰ-ቅትለት ንኽፍጸም ዝፍትኑ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ክነጻጸር እንከሎ ብ31 ሚኢታዊት ከምዝዓበየ ተፈሊጡ ኣሎ።

ኣብ ሆስፒታል ዝኣተዉ ናይ ኣእምሮ ጸገም ዘለዎም መንእሰያት ድማ ኣብ ቪክቶሪያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 57 ሚኢታዊት ከምዝበጽሕ ዘ ኣውስትራሊያ ይሕብር ።

ብተመሳሳሊ ፡ ናይ ቅልውላው ናይ መስመር መድሕን ህይወት ፡ ብዙሕ ጻውዒታት ክቐርበሉ ይረአ ኣሎ ።

ኣቦ ወንበር ጆን ብሮግደን ብቐዳም ንመራኸቢ ብዙሃን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ: እዚ ሃገር ኣብ ኣእምሮኦም ብዙሕ ፀገማት የጋጥሞ ኣሎ።

"ኣብ እዋን ኮቪድ ምስ ናይ ኣእምሮ ሕማም ምንባር እንታይ ከም ዝመስል እፈልጥ እየ" ድማ በለ ።

"ሰባት ከቢድ ነገር ይገብሩ ኣለዉ ። ቈልዑን መንእሰያትን ኣብ ኣእምሮኣዊ ጥዕናኦም: ንርእሶም ኣብ ምኽኣል: ከምኡውን ኣብ ውጥረትን ጭንቀትን ኣብ ዘጋጥሞም ነገራት ብዙሕ ወሰኽ ርኢና ኢና ።

"ሰባት ኣቐዲምና ርኢናዮ ዘይንፈልጥ ብዝሒ እዮም ዝብጽሑ ዘለዉ።"

ሚስተር ብሮግደን ፡ ኣእምሮኣዊ ጥዕናኦም ንምብራኽ ፡ እቶም ዝቃለሱ ሰባት ንቡር ንጥፈታት ክገብሩን ኣዘውቲሮም ኣካላዊ ምውስዋስ ክገብሩን ሓገዝ እንተ ኣድልይዎም ኺሓቱን ተማሕጺኑ።
"መልሲ ናይ ኣእምሮ ጥዕና ሰባት ብዛዕባ ናይ ኣእምሮ ጥዕና ባጀት ጥራይ ኣይኰነን: ንሰባት ናይ ገዛን ገንዘብን ውሕስነት ምሃብ እዩ" በለ ።
እቲ ዘቕረቦ ምምሕጻን በቲ ኣብቲ መጽናዕቲ ዝመለሱ ዝድገፍ ሓሳብ ኮይኑ፡ ማሕበራዊ ተነጽሎ ፡ ሽቕለት ኣልቦነትን ውሕስነት ስራሕን ፡ ከምኡ ድማ ምብትታን ስድራቤትን ዝምድናን ከም ዝዓበየ ሓደጋ መጠን ርእሰ-ቅትለት ገይሮም ይርእይዎ ።

ምክልኻል ርእሰ ቅትለት ኣውስትራሊያ ፥ ከምዝብሎ እቲ ቅልውላው ንመንግስታዊ ውሳኔታት ኣብ ግምት ዘእተወን ርእሰ-ቕትለታዊ ሓደጋ ንምምካት ዘኽእል ሕጊ ከምዘድልይ ይገልጽ ።

ክልተ ሲሶ ካብቲ መጽናዕቲ ኣብዝሃበ መልሲ፡ ኵሉ ውሳነታት መንግስቲ ፡ ርእሰ ቅትለት ናይ ምፍጻም ተኽእሎ ከም ዘሎ ኣብ ግምት ብምእታው ፡ ነቲ ድሕሪ እቲ ውሳነ ዘጋጥም ኣሉታዊ ጽልዋታት ንምምካት ንጹር መደብ ክህልዎ ከም ዘለዎ ተሰማሚዖም።

ዓሰርተ ሚኢታዊ ድማ ኣይተሰማምዑን ።

እቲ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ መብዛሕትኦም ኣብ ኣውስትራሊያ ከምቲ ኣብ ጃፓን ዘሎ ርእሱ ዝኸኣለ ናይ ነብሰ-ቅትለት ናይ ምክልኻል ዝምልከት ሕጊ ክህሉ መለስቲ ከምዝሰማምዑ ሚስ ሙረይ ገሊጻ።

"ኮቪድ-19 ዘስዓቦ ቊጠባውን ማሕበራውን ስግኣት: ክሳዕ ሓጋጊ ኣካል ዝመጽእ ክንጽበ ኣይንኽእልን ኢና" በለት ።

እቲ ዝተገብረ መጽኛዕቲ ምስቲ ኣብ 10 መስከረም ዝውዕል መዓልቲ ምክልኻል ርእሰ ቅትለት ፡ ዝወጽእ ናይ "The State of the Nation" ጸብጻብ ክቐርብ ዩ።


ደገፍ ዝደልዩ ሰባት ፡ ብ13 11 14 ፡ ኣብ ብዮንድ ብሉ ብ1300 224 636 ፡ ወይ ብዮንድ ብሉ ፡ Suicide Call Back Serviceብ1300 659 467 ደገፍ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም።


Share
Published 5 September 2021 11:51am
Source: AAP, SBS


Share this with family and friends