ለበዳ ኮሮና ቫይረስ መስርሕ ቪዛ ክደናገን ጉዕዞታት ክሰናኸልን ኣገዲዱ ኣሎ።
ሓዲሽ ሓበሬታ ከምዝገልጾ፡ ኣብ ፋይናንሲያዊ ዓመት 2019/20 ክሳብ 30 ሰነ 140,366 ቪዛ ተዋሂቡ ኔሩ።
እዚ ቑጽሪ ካብቲ መንግስቲ ነቲ ዓመት ክህቦ ዝወጠኖ 160,000, aዝተሓተ ኾይኑ፡ ብገምጋም ንዝሓለፉ 10 ዓመታት ክህቦ ዝጸንሐ ዓመታዊ 175,000 ቀዋሚ ቪዛ ዝተሓተ ኮይኑ ተረኺቡ።
እዚ 160,000 ቀዋሚ ቪዛ ዝተዋህበ ቅድሚ ኮሮና ቫይረስ ምኽሳቱ እዩ።
ካብ Australian National University ተመራማሪት ዝኾነት Liz Allen ከምትገልጾ ኮቪድ-19 ኣህጉራዊ ጉዕዞ ተዓናቒፉ፡ ቪዛ ምሃብ ተደናጉዩን ቁጽሪ ዘመልክቱን ጎዲሉን ኣሎ።
"ነዚ ኮቪድ ኣብ ግምት ኣእቲኻ ናብ ኣውስትራሊያ ዝ ኣትዉ ህዝቢ ክውሕዱ ትጽበዮ ነገር እዩ።"
እቲ ናይ ቀዋሚ ስደት ዘጠቓልሎ ብመገዲ ናይ ኪኢላ ስደት፡ ብመገዲ ናይ ስድራ ከም ኡውን ብውሑድ ቁጽሪ ዝምልከቶም ስደተኛታት ዝወሃብ ቪዛ እዩ።
እቲ ኣብዚ ቅሩብ እዋን ዝወጸ ሓበሬታ ማለት እቲ 90,499 ሰባት ቪዛኦም ዝተዋህቡ እቶም ድሮ ኣብ ኣውስትራሊያ ዝ ኣተዉ እዮም፣ ኣብዝሓለፈ ዓመት 84,260 ኣብ ዉሽጢ ኣውስትራሊያ ተዋሂቡ ኔሩ።
እዚ ቁጽሪ ዘመልክቶ ብሰንኪ ኮሮና ቫይረስ ነቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ዘይኮነስ ነቶም ድሮ ኣብ ዉሽጢ ዘለዉ ሰባት ክወሃብ ኣገዲዱ ኣሎ።
"ኣብ 2020/21 እቲ ናይ ሚግራሽን ፕሮግራም ኣብቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ር ኡይ ለውጢ እንተዘይተጌሩ ዝበዝሐ ቪዛ ነቶም ኣብ ዉሽጢ ኣውስትራሊያ ዘለዉ እዩ ክወሃብ" ክብል ሓደ በዓል መዚ ኢሚግረሽን ን SBS News ገሊጹ።