ኣውስትራሊያ ትቕበሎም ብዝሒ ቀወምቲ ስደተኛታት ካብዝሓለፉ 10 ዓመታት ሎሚ ኣብ ዝተሓተ ቁጽሪ ወሪዱ።

ብሰንኪ ኮሮና ቫይረስ ኣውስትራሊያ ንስደተኛታት ትህቦ ቪዛ ኣብቲ ዝተሓተ ቁጽሪ ከምዝወደቐ ሓድሽ ኣሃዝ ሓቢሩ።

Returning travellers have to quarantine in a hotel for two weeks.

Returning travellers have to quarantine in a hotel for two weeks. Source: AAP

ለበዳ ኮሮና ቫይረስ  መስርሕ ቪዛ ክደናገን ጉዕዞታት ክሰናኸልን ኣገዲዱ ኣሎ።

ሓዲሽ ሓበሬታ ከምዝገልጾ፡ ኣብ ፋይናንሲያዊ ዓመት 2019/20 ክሳብ 30  ሰነ  140,366  ቪዛ ተዋሂቡ ኔሩ። 

እዚ ቑጽሪ ካብቲ መንግስቲ ነቲ ዓመት ክህቦ ዝወጠኖ 160,000, aዝተሓተ ኾይኑ፡ ብገምጋም ንዝሓለፉ 10 ዓመታት ክህቦ ዝጸንሐ ዓመታዊ  175,000  ቀዋሚ ቪዛ ዝተሓተ ኮይኑ ተረኺቡ።

እዚ 160,000 ቀዋሚ ቪዛ ዝተዋህበ ቅድሚ ኮሮና ቫይረስ ምኽሳቱ እዩ።
ካብ Australian National University ተመራማሪት ዝኾነት Liz Allen ከምትገልጾ ኮቪድ-19 ኣህጉራዊ ጉዕዞ ተዓናቒፉ፡ ቪዛ ምሃብ ተደናጉዩን ቁጽሪ ዘመልክቱን ጎዲሉን ኣሎ።

"ነዚ ኮቪድ ኣብ ግምት ኣእቲኻ ናብ ኣውስትራሊያ ዝ ኣትዉ ህዝቢ ክውሕዱ ትጽበዮ ነገር እዩ።"

እቲ ናይ ቀዋሚ ስደት ዘጠቓልሎ ብመገዲ ናይ ኪኢላ ስደት፡ ብመገዲ ናይ ስድራ ከም ኡውን ብውሑድ ቁጽሪ ዝምልከቶም ስደተኛታት ዝወሃብ ቪዛ እዩ።

እቲ ኣብዚ ቅሩብ እዋን ዝወጸ ሓበሬታ ማለት እቲ 90,499 ሰባት ቪዛኦም ዝተዋህቡ እቶም ድሮ ኣብ ኣውስትራሊያ ዝ ኣተዉ እዮም፣ ኣብዝሓለፈ ዓመት 84,260 ኣብ ዉሽጢ ኣውስትራሊያ ተዋሂቡ ኔሩ።

እዚ ቁጽሪ ዘመልክቶ ብሰንኪ ኮሮና ቫይረስ ነቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ዘይኮነስ ነቶም ድሮ ኣብ ዉሽጢ ዘለዉ ሰባት ክወሃብ ኣገዲዱ ኣሎ።

"ኣብ  2020/21 እቲ ናይ ሚግራሽን ፕሮግራም ኣብቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ር ኡይ ለውጢ እንተዘይተጌሩ ዝበዝሐ ቪዛ ነቶም ኣብ ዉሽጢ ኣውስትራሊያ ዘለዉ እዩ ክወሃብ" ክብል ሓደ በዓል መዚ ኢሚግረሽን ን SBS News ገሊጹ።

 


Share
Published 16 September 2020 8:20pm
By Tom Stayner


Share this with family and friends