ክታበት ኮሮናቫይረስ ኣውስትራልያ፡ መዓስ'ዩ ዝወሃበናን ናብ ኩልና ዝባጻሕን

መንግስቲ ኣውስትራልያ ገንዘቡ ኣውፊርሎም ዘሎ ሰለስተ ኣማራጺታት/ዓይነታት ክታበትን ኣገዳስነት ተሳትፎ ኩሎም ኣውስትራልያውያን ኣብ ምዝርግሖምን ኤስቢኤስ ኣብ'ዚ ብሰፊሑ ገሊጽዎ'ሎ።

Australia vaccine graphic

Australia is due to roll out a vaccine in 2021. Source: SBS News

ክታበታት ክመሃዝሉን ክምዕብልሉን ዝኸኣሉ ናህሪ ንዝበዝሐ ክፋል ናይ'ዛ ዓለም ኣገሪሙ'ዩ።

ብሪጣንያን ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ናይ ህጹጽ እዋን ፈቓድ ንክታበታት ፋይዘር/ባዮኤንቴክ ሂበን ኣለዋ -  - እቶም ተኣፈፍቲ ክፋል ማሕበረሰባት ድሮ ቀዳማይ ክታበት ተዋሂቦም ኣለው።

ቁጽሪ መልከፍቲ ኮቪድ-19 ኣብ ኣውስትራልያ ደጊሞም ኣብ ዝውስኽሉ ዘለው እዋን ብዙሓት ዝርጋሐ'ቲ ክታበት ኣብ'ዚ መዓስ ኮን'ዩ ክጅመር ኢሎም ክሓቱ ቀሲብዎም ኣሎ።

ፈደራል መንግስቲ እቲ ክታበት ይመጽእ ከም ዘሎ ንህዝቢ መረጋገጺ ብምሃብ ኣብ ቀዳማይ ርብዒ 2021 ዝርጋሐ ክጅምር ሓደ ሓፈሻዊ ውጥን ከዳሉ ጀሚሩ ይርከብ፡ ግን ኣብ እምኒ ተወቂሩ ዝተርፍ ነገር ዋላ ሓደ የለን። እዚ እቲ ክሳብ ሕጂ ፈሊጥናዮ ዘለና'ዩ።

ኣውስትራልያ ንምንታይ እያ ክሳብ ሕጂ ዝኾነ ክታበት ዘየጽደቐት፧

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሳውዝ ኣውስትራልያ ተመራማሪ ተመሓላለፍቲ ሕማማትን ምቁጽጻሮንምን ፕሮፌሰር ኣድሪያን ኤስተርማን እቲ መልሲ ቀሊል'ዩ ይብል፡ ዘሀውኽ ነገር የለን።
Allergic reactions to the Pfizer/BioNtech vaccine are said to be incredibly rare.
Allergic reactions to the Pfizer/BioNtech vaccine are said to be incredibly rare. Source: Photonews
ንሱ ክታበት ፋይዘር/ባዮኤንቴክ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያን ኣሜሪካን 'ናይ ህጹጽ እዋን ፈቓድ' ጥራይ ከምዝተዋህቦ ምዝካር ኣገዳሲ'ዩ ይብል፡ እዚ ማለት ከኣ ደረጃ ሰለስተ ፈተነታት ምርመራ ገና ተኻይዶም ኣይተወድኡን ማለት'ዩ፡ ግን እቲ ጠለብ ኣዝዩ ልዑል ስለዝኾነ ምጽባይ ተመራጺ ኮይኑ ኣይተረኽበን።

"እዚ ንህጹጽ እዋን ኣብ መዓላ ክውዕል ዝብል ዘይተለምደ እዩ፡ ግን ከም በዓል ዓባይ ብሪጣንያን ኣሜሪካን ዝኣመሰላ ሃገራት ንኮቪድ-19 ብዝምልከት ኣብ ኣዝዩ ዝኸፍአ ኩነታት ስለዝርከባ ካብ'ዚ ንላዕሊ ክጽበያ ብሓቂ ኣይከኣላን... እዚ ኸኣ ርዱእ እዩ፡" ኢሉ።

 

ኣውስትራልያ መዓስ እያ ክታበት ምሃብ ትጅምር፧ 

“እቲ ነዚ ዝከታተል በዓል መዚ [the Therapeutic Goods Administration] ምሉእ ውጽኢታት ናይ'ቶም ፈተናታት/መጽናዕታት ክህልዎ ክጽበ ይመርጽ፡ ብጥንቃቐ ክምልከቶም፡ ቅኑዓት ኢሉ ዓቢይ ምልክት ክህቦምን፡ ድሕሪኡ ክታበት ክንጅምር ንኽእል ኢና፡" ይብል ፕሮፌሰር ኤስተርማን ቀቅድሚ'ቶም ኣብ ሲድኒ ኣብ'ዚ ቀረባ ግዜ ዝተኸስቱ ኣብ ማሕበረሰብ ዝተረኽቡ መልከፍትታት ቫይረስ።

ንሱ እዚ መስርሕ ንክታበት ፋይዘር/ባዮኤንቴክ "ከባቢ መጋቢት" 2021 ክውድኣሉ'ዩ ክብል ትጽቢት ይገብር።

መን'ዩ ፈለማ ክታበት ዝወሃቦ፧

ግዝያዊ ላዕለዋይ በዓል መዚ ጥዕና ኣውስትራልያ ፖውል ኬሊ ዝኾነ ክታበት ብመስርዕ ቀዳምነታት ዝተዋህቦም ጉጅለታት ክዝርጋሕ ምዃኑ ኣረጋጊጹ፡ ብዕድመ ዝደፍኡን ካልኦት ሕዱር ጸገማት ጥዕና ዘለዎምን እቶም ኣብ ቅድሚት ዝስርዑ'ዮም።

ንሱ እቶም ልዑል ተኽእሎ ሓደጋ ምቅላዕ ናብ'ቲ ቫይረስ ዘለዎም፡ ንኣብነት ሰራሕተኛታት ጥዕናን ኣለይቲ ኣረጋውያንን፡ ኣብ'ዚ ዝርዝር ኣብ ካልኣይ ደረጃ ይኾኑ፡ እቶም ኣብ ኣገልግሎታት ህጹጽ ሓደጋን ኣድለይቲ ስርሓትን ዝሰርሑ ከኣ ድሕሪኦም ይስርዑ ይብል።

ኣውስትራልያ ዘውፈረትሎም ሕጹያት ዓይነታት ክታበት ኣየኖት እዮም፧

ሕጹይ ክታበት ናይ ዩኒቨርሲቲ ኲንስላንድ ክውንዘፍ ወይ ክግደፍ ድሕሪ ምውሳኑ መንግስቲ ኣውስትራልያ ኣብ'ዚ ሕጂ እዋን ሰለስተ ኣማራጺታት ኣለውዎ። ኩሎም'ዞም ኣማራጺታት ንነብሲ ወከፍ ሰብ ክልተ ግዜ ዝወሃቡ ዓቐናት ይህልውዎም፡ 25 ሚልዮንን ልዕሊኡን ዝኸውን ህዝቢ ኸኣ ክሽፍኑ ይድለ።

  • ኣስትራዘነካ (AstraZeneca)

AstraZeneca
Source: SBS News
መንግስቲ ኣብ'ዚ ወርሒ ነቲ ኣዚዝዎ ዘሎ ክታበት ኣስትራዘነካ ናይ ኦክስፎርድ ዩኒቨርሲቲ ካብ 33.8 ሚልዮን ናብ 53.8 ሚልዮን ዓቐናት ክውስኸሉ ወይ ከደንፍዖ ወሲኑ። ክሳብ ሕጂ ኣብ ዝኾነ ቦታ ኣይተፈቕደን ዘሎ፡ ውጽኢታት ከምዘመልክትዎ ግን ክሳብ 90% ውጽኢታዊ'ዩ።

"እዚ ክታበት 'ቫይራል ቨክተር' ኢልና ንጽውዖ'ዩ። ዘይጓዳእ ናይ ህበይ (ቺምፓንዚ) ቫይረስ ተጠቒሙ ክለኽፈና ይገብር፡ ድሕሪኡ እዚ ነቲ ክታበት ይፈጥር፡" ይብል ፕሮፌሰር ኤስተርማን።

ኣውስትራልያዊ ኩባንያ ስነህይወታዊ ቴክኖሎጂ (ባዮቴክኖሎጂ) ሲኤስኤል (CSL) ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣብ መልበርን 50 ሚልዮን መጠን'ዚ ኣማራጺ ክታበት ከፍሪ ቃል ኣትዩ'ሎ። እቲ ኩባንያ ድሮ መስርሕ ፍርያት ጀሚሩ'ሎ፡ እንተኾነ ግን ቅድሚ ክዝርጋሕ ምኽኣሉ ኣስትራዘነካ ክጸድቕ ወይ ፈቓድ ክረክብ ክጽበይ ኣለዎ።

  • ኖቫቫክስ (Novavax)

Novavax
Source: SBS News
እቲ ካልእ ኣማራጺ ዘሎ 51 ሚልዮን መጠናት ናይ'ቲ ኣሜሪካዊ ኩባንያ ዝኾነ ኖቫቫክስ ክታበት'ዩ፡ እዚ'ውን ክሳብ ሕጂ ኣብ ደረጃ ሰለስተ ፈተነ መጽናዕቲ ወይ ምርመራ እዩ ዘሎ።

እዚ እቲ ፕሮፌሰር ኤስተርማን 'ክታበት ፕሮቲን' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝበሎ'ዩ፡ ንሱ ኣብ ገለ እዋን ኣብ ዝመጽእ ዓመት ፈቓድ ክወሃቦ ትጽቢት ዝገብረሉ ፍቱን ሜላ'ዩ።

ንሱ “ደረጃ ሰለስተ መርመራታት ኣብ ወርሒ መስከረም ድሮ ተጀሚሮም ኣለው፡" ኢሉ።

"ስለ'ዚ እዚ'ውን ምናልባት ብውሑዱ ክሳብ ግንቦት ወይ ሰነ ናይ ዝመጽእ ዘሎ ዓመት ቅሩብ ኣይክኸውንን እዩ።"

  • ፋይዘር/ባዮኤንቴክ (Pfizer/BioNTech)

Pfizer/BioNtech
Source: SBS News
ዓሰርቲ ሚልዮን ዓቐናት/መጠናት ፋይዘር/ባዮኤንቴክ ክታበት - 95% ውጽኢታዊ ዝተባህለ - ኣብ ዶባት ኣውስትራልያ ቀዳሞት ኮይኖም ክበጽሑ ዝለዓለ ተኽእሎ ዘለዎም'ዮም። እቲ ቴክኖሎጂ ናይ'ዚ ክታበት፡ ኤምኣርኤንኤ (mRNA) ተባሂሉ ዝጽዋዕ፡ ብተዛማዲ ሓድሽን ቅድሚ ሕጂ ክታበት ንምስራሕ ኣብ ጠቕሚ ፈጺሙ ዘይወዓለን'ዩ።

እንተኾነ ግን ዋላ'ውን እዚ ክታበት ቀዲሙ ውጽኢታዊ ምዃኑ እንተኣመስከረ፡ ክልተ ግዜ ዝውሰድ ዓቐን ስለዘድልዮ፡ ሓሙሽተ ሚልዮን ኣውስትራልያውያን ጥራይ ክወሃቦም ወይ ክረኽብዎ እዮም።

ምክትል ፕረዚደንት ሕክምናዊ ማሕበር ኣውስትራልያ ዶክተር ክሪስ ሞይ እቲ ብዙሓት ውዕላት ናይ ምግባር ወይ ምውሓስ ስትራተጂ ፈደራል መንግስቲ ኣገዳሲ'ዩ ኔሩ ኢሉ።

"ብቕንዕና እንተርኢናዮ፡ እቲ ጉዳይ ዝነበረ ዕድልና ከም ሃገር ኣብ'ቶም ክዕወቱ ዝበዝሐ ተኽእሎ ዘለዎም ክታበታት ክትረክብ ኣብ ምኽኣል ምስ ምፍታን ምትሕሓዙ'ዩ ኔሩ" ኢሉ። "ኣብ ሓደ ኣማራጺ ጥራይ ተኣማሚንካ 'ኩሉ እንቋቕሖኻ ኣብ ሓደ ዘንቢል' ዝብል ሜላ ምሓዝ ዝከኣል ኣይነበረን።”

ስልፊ ለይበር ግን ሰለስተ ተስፋ ዘለዎም ውዕላት ክታበት ጥራይ ምህላው እኹል ኣይኮነን ድሕሪ ምባል እቲ ዓለምለኻዊ ብሉጽ ልምዲ ዘሎ ሓሙሽተ ወይ ሽዱሽተ ኣማራጺታት ክህልወካ'ዩ ኢሉ።

ክታበት ፋይዘር ከተቐምጦ ከቢድ/ኣጸጋሚ ዶ ኣይኮነን፧

እወ። ኩሉ ግዜ ከባቢ -70 ዲግሪ ሰሊሸስ ዛሕሊ ኣብ ዘለዎ'ዩ ክቕመጥ ዘለዎ፡ እዚ ንምዝርጋሕ'ቲ ክታበት ቁሩብ ዝያዳ ዝተሓላለኸ ይገብሮ።

“ብፍሉይ ኣብ ዝተሰርሑ መትሓዚታት'ዩ ክቕመጥ ዘለዎ። ልክዕ ከም ኤስኪስ (ብኢድካ ተሰኪምካዮም ክትጓዓዝ ትኽእል መቐመጢ ሰናዱቕ) ማለት'ዩ፡ ግን ኣብ ኣዝዩ ዝዘሓለ ሙቐት ዘጽንሖ ናይትሮጅን ብፈሳሲ መልክዕ ዝሓዘ፡” ኢሉ ፕሮፌሰር ኤስተርማን።
داروشناسی در حال تحویل‌گیری نخستین محموله واکسین کرونا در شفاخانه‌ای در لندن.
The Pfizer/BioNTech vaccine must be kept at very cold temperatures. Source: Getty
ኣውስትራልያ እዚ ተወሳኺ ብድሆ ኣብ ሎጂስቲክስ ጽቡቕ ጌራ ክትክእሎ ድያ ተባሂሉ ምስ ተሓተተ ንሱ "ክግበር ይካኣል'ዩ" ኢሉ። 

“ፋይዘር ኣብ'ዞም ፍሉያት መትሓዚ ሰናዱቕ የእትዩ ናብ መላእ ኣውስትራልያ ክልእኮም እዩ። ዋላ'ኳ ብምኽንያት ኣድላይነት'ቲ ዘየቋርጽ ሰንሰለት ዛሕሊ ኣዝዩ ኣሸጋሪ እንተኾነ፡ ኣብ ኣውስትራልያ ብቐሊሉ ክተሓዝ/ክትግበር ይኽእል'ዩ።"

ከም በዓል ክታበት ፋይዘር/ባዮኤንቴክ ዝኣመሰሉ ክታበታት mRNA ብተወሳኺ ኣብ'ዚ ኣብ ኣውስትራልያ ክፈርዩ ይኽእሉ'ዮም፡ ምኽንያቱ ሓድሽ ዓይነት ቴክኖሎጂ ዘካተቱ ስለዝኾኑ።

"ነዞም ክታበታት mRNA ባዕልና ናይ ምፍራይ ብቕዓትና ብዛዕባ ነማዕብለሉ ኩነታት ዝርርባት ኣለው፡ ኣነ እዚ ንሓደ ኣብ መጻኢ ዝህሉ ለበዳ ጽቡቕ ሓሳብ ክኸውን'ዩ ኢለ ይሓስብ።" ይብል ፕሮፌሰር ኤስተርማን።

ክታበት ዩኒቨርሲቲ ኲንስላንድ ዩኲ/ሲኤስኤል (UQ/CSL) እንታይ እዩ ኣጋጢምዎ፧

ነቲ ኣውስትራልያ ተካይዶ ክታበት ናይ ምምዕባል/ምፍጣር ጻዕሪ ዓቢይ ጽፍዒት ዝኾነ፡ ኩሎም እቶም ንፈተነ ክታበት ዝተዋህቦም ተሳተፍቲ ናይ ሓሶት-ኣወንታዊ ውጽኢት ኤችኣይቪ ምስ ተረኽቦም ። 

“ተኽእሎ ሓደጋ መልከፍቲ ካብ ኤችኣይቪ ኣይነበሮን፡" ይብል ፕሮፌሰር ሮበርት ቡዊ፡ ክኢላ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ካብ ዩኒቨርሲቲ ሲድኒ።

“እቲ ብልክዕ ዝተጠቕምሉ ሓደ ንእሽቶ መጠን ፕሮቲን እዩ፡ ምስ'ቲ ናይ ብሓቂ ተላባዒ ዝኾነ ቫይረስ ዝኾነ ርክብ የብሉን።"
እንተኾነ ግን ተመራመርቲ እቲ ክታበት ምሉእ ብምሉእ ውሑስ እንተነበረ'ውን ሻቕሎት ኔርዎም፡ ናይ ሓሶት-ኣወንታዊ ውጽኢታት ኤችኣይቪ ምስ መደብ መርመራ ኤችኣይቪ ናይ ኣውስትራልያ ክተሓዋወስ ወይ ከተዓናቕፍ ይኽእል'ዩ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ተበግሶታት ምልጋስ ደም፡ ህዝባዊ ተቐባልነትን እምነትን'ውን ካልእ ዘሻቕሉ ሳዕቤናት ኔሮም።

ኣውስትራልያውያን ብዛዕባ ምውሳድ ክታበት እንታይ ይሓስቡ፧

ዝኾነ ጎስጓስ ክታበት ዕውት ክኸውን ዝበዝሐ ክፋል ሕብረተሰብ ጽቡቕ ኣፍልጦ ክህልዎን ፈቓደኛ ክኸውንን የድሊ።

ሓፈሻዊ ሓኪም ኣብ መልበርን ዝኾነ ዶክተር ኣቢሸክ ቨርማ ዝበዝሕ ክፋል ናይ'ዚ ዓመት ሻቕሎት ተሓከምቱ ብዛዕባ ኮቪድ-19 ከህድእ ድሕሪ ምሕላፉ ሕጂ ብዛዕባ እቶም ንመጻኢ ዝወሃቡ ክታበታት ዘለው ብሂላት ወይ ጌጋ ኣረኣእያታት ይእርም ኣሎ።

ንሱ "ብዛዕባ'ቶም ክታበታት ብዙሓት ሕቶታት መጺኦምና፣ ምኽታብ ደሓን ድዩ ክኸውን፧ ግዴታዊ ድዩ ክኸውን? ከም ተኽእሎ ሓደገኛ ድዩ ክኸውን፧" ዝኣመሰሉ ሕቶታት ይመጹና ኢሉ።
ኣብ'ቲ ቅድድም ንምምዕባል እቲ ክታበት ኣቋራጭ መንገዲ ተወሲዶም ከይኮኑን ድሕነት ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ኣትዩ ከይከውንን ኣብ ኣእምሮ ብዙሓት ተሓከምቱ ዝመላለሱ ሻቕሎታት ኔሮም።

“ንሕና ንገብሮ ዘለና ክፉታት ዘተታት ምስ ተሓከምትና ምግባርን ሻቕሎታቶም ምምላስን'ዩ፡" ክብል ገሊጹ።

“ንሕና በቶም ካብ ክፍሊ ጥዕናን ክሊኒካዊ መርመራታትን ንረኽቦም ኣሃዛት ተጠቒምና ነዞም ዕድላት ክንጥቀመሎም ንፍትን፡ ነቲ ድሕነቱ ውሑስን ውጽኢታዊን ዝኾነ ክታበት ንምትብባዕ ኣብ ጭብጢ-ዝተሞርኮሱ ልምድታትን ተግባራትን ክንጥቀም ንፍትን።"

ኣብ ወርሒ ሕዳር፡ ሓደ ብኣውስትራልያ ናሽናል ዩኒቨርሲቲ ዝተኣከበ መለክዒ ርእይቶ ህዝቢ ናይ 3061 ኣብ በጽሒ ዝርከቡ ኣውስትራልያዊያን፡ 58.5% ብርግጽ ክታበት ክንወስድ/ክንክተብ ኢና ከምዝበሉ መደምደምታ ሂቡ። 6% ከኣ ብርግጽ ኣይፋልን ኢሎም።

ኩሎም ማሕበረሰባት ኣውስትራልያ ኣብ ምዝርግሑ ክሳተፉ ድዮም፧

ዶክተር ቨርማ ይብል፡ ንገለ ሓደስቲ መጻእቲ ማሕበረሰባት፡ መሰናኽላት ቋንቋን ሕጽረት ባህላዊ ተቐባልነት ዘለዎም ኣማራጺታት ክንክን ጥዕና ምህላዎምን ብዙሕ ግዜ ካብ'ቲ ዘተ ይግለሉ'ዮም ማለት እዩ።

"ከም ልምዲ ኩሉ ግዜ ብመጠኑ ምስ ተገለሉ ወይ ሸለል ምስ ተባህሉን ኣብ ሓፈሻዊ ሕክምናታት ይኹን ቀዳምነታት ዝወሃቦም ክንክናት ክተሳትፎም/ክትጸምዶም ከቢድ ኮይኑ ጸኒሑ'ዩ፡" ይብል ዶክተር ቨርማ። "ስለ'ዚ ኣነ እዞም ሰባት ፍሉያት መሰናኽላት ክህልውዎም'ዮም ኢለ ይሓስብ፡ ምኽንያቱ ካብ ቅኑዓት ምንጭታት ነቲ ሓበሬታ ይረኽብዎ እንተዘይሃልዮም ጌጋ ሓበሬታ ናብ ምርካብ ዝተቓልዑ ክኾኑ ይኽእሉ'ዮም።"

ግዝኣታዊን ፈደራላዊን ክፍልታት መንግስቲ ኣብ ግዜ ለበዳ ኣብ ርክባት ሓበሬታ ምስ ብባህልን ቋንቋን ዝተፈላለዩ ማሕበረሰባት ኣውስትራልያ ንዝፈጸምዎ ጌጋታት ተነቒፎም እዮም። ካብ ብድኹም ብቕዓት ዝተተርጎመ ሓበሬታ፡ ክሳብ ምስ ተወከልቲ'ቶም ባህላውያን ማሕበረሰባት ዘይምምኽኻርን ማለት፡ ገለ ኣባላት'ዞም ማሕበረሰባት ብዛዕባ'ቲ ቫይረስ ሓበሬታ ንምርካብ ናብ ዘይወግዓውያን ምንጭታት ከይዶም ማለት'ዩ።
ዓድል ሳልማን፡ ኣፈኛ እስላማዊ ቤት ምኽሪ ቪክቶርያ፡ ከምዝብሎ "ዝበዝሐ እቲ ምዝርጋሕ ጌጋ ዝኾነ ሓበሬታ ብዛዕባ ክታበት ኣብ መርበብ ወይ ኦንላይን'ዩ ዝካየድ ዘሎ"፡ ምቅላስ ጌጋ ሓበሬታታት ብዛዕባ ክታበት ንውሁዳን ማሕበረሰባት ኣውስትራልያ ጥራይ ዝገጥሞም ዘሎ ብድሆ ኣይኮነን፡ ንመላእ ህዝቢ'ውን እዩ።

"ኣነ እቲ ቅኑዕ ኣቀራርባ ሓበሬታ ብብቕዓት ክመሓላለፍ ኣዝዩ ጠቓምን ኣገዳስን'ዩ ኢለ ይሓስብ ምኽንያቱ ብዙሕ ምዝርጋሕ/ምልዕዓል ፍርሒ፡ ብዙሕ ምስፍሕፋሕ ዘይተጻረዩ ወይ ዝጋጨው ስነ ሓሳባት ክህልው ስለዝኾኑ፡" ይብል ንሱ። "እቲ ኣቀራርባ መልእኽቲ ነዚታት ኩሉ በቲኹ ወይ ሰይሩ ክሓልፍ ምዃኑ ከነረጋግጽ ኣሎና። ነዚ መልእኽቲ ብግቡእ ኣገባብ ዘብጽሑ እሙናት ዝኾኑ ምንጭታት ኣለውና።"

ንሱ ፈደራላዊ መንግስቲ ቅድሚ'ቲ ምዝርጋሕ ክታበት ምጅማሩ ጎስጓስ ሓበሬታ ክጅምር ይጽውዕ ኣሎ።
ሓደ ኣፈኛ ሚኒስተር ጥዕና ግሬግ ሃንት ንኤስቢኤስ ኒውስ ከምዝሓበሮ መንግስቲ "ካብ'ቶም ዝለዓሉ ብዝሐ ባህላዊ ማሕበራትን ዝምልከቶም ኣካላትን ኣብ ግብረመልሲ ንኮቪድ-19 ዘተ ምክያድን ምኽሪ ምሕታትን ክቕጽሎ'ዩ፡ እዚኦም ከኣ ምዕባለን ቀረብን ኣወሃህባ ክታበትን ሜላታት ርክብ ወይ ምዝርጋሕ ሓበሬታን ዘካተቱ ይኾኑ።" 

መንግስቲ ብተወሳኺ ንፈለማ ግዜ ኣብ'ዚ ወርሒ ኣኼባ ዘካየደ ሓደ ኣማኻሪ ጉጅለ ጥዕና ኮቪድ-19 ናይ ብባህልን ቋንቋን ዝተፈላለዩ ማሕበረሰባት (Culturally and Linguistically Diverse Communities COVID-19 Health Advisory Group) ኣቚሙ'ሎ።

ክለዓሉ ዝኽእሉ ሕልኽላኻት እንታይ እዮም፧

ፕሮፌሰር ፓውል ግሪፊን፡ ክኢላ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኲንስላንድ፡ ዝርጋሐ ክታበት ኣውስትራልያ ዝተሓላለኸ ክኸውን ይኽእል'ዩ ይብል።

"ኣነ እቶም ሎጂስቲክስ፡ ከምኡ'ውን ምጥርጣራት ኣብ'ቲ ክታበት፡ እቶም ንቕድሚት ኣብ እንምርሸሉ ዘጋጥሙና ክልተ ቀንዲ ጸገማት እዮም ኢለ ይሓስብ። ኣነ ሓዲኦም'ውን እንተኾነ ክንምልከቶን ክንፈትሖን ዝኣክል ሰሪሕና ዲና ርግጸኛ ኣይኮንኩን።" ኢሉ።
"እቶም ሎጂስቲክስ ኣዝዮም ዝተሓላለኹ ክኾኑ'ዮም። ብመሰረቱ፡ ቅድሚ ሕጂ ከም'ዚ ዓይነት ፈጺምና ጌርና ኣይንፈልጥን ኢና።"

“ንሕና ደሓን ዝኾነ ዝርጋሐ ቀረባት ኢንፍሉወንዛ/ፍሉ ኣለና፡ እዚ ግን ክታበታት ናብ ሰባት ዝበጽሑሎም ብዙሓት ዝተፈላለዩ መንገድታት ዘካተተ'ዩ፡ እዚ ኮይኑ'ውን ምስ ክታበታት ኮቪድ ኣብ ዝተኣሳሰሩ ክንርእዮም ንደልዮም መጠናት ክሳብ ሕጂ ፈጺምና ኣይበጻሕናን።" ክብል ገሊጹ።

“እቶም ካልኦት፡ ኣተሓሕዛ መዝገብን ሰባት ክታበት ከምዝወሰዱ መረጋገጺ ከቕርቡሉ ዝኽእሉ ብቕዓትን ምህላው ኣገደስቲ እዮም። እቲ ክንህቦ ንጅምር ክታበት ብውሑዱ ክልተ ግዜ ዝወሃቡ መጠናት የድልይዎ፡ ሰባት ነቲ ካልኣይ ግዜ ዝወሃብ ዶዝ/ዓቐን እንተዘይተመሊሶም ንሕና ደረጃታት ምክልኻል ብዝለዓለ መጠን ነንእሶ/ነጉድሎ/ነዳኽሞ ክንህሉ ንኽእል ኢና።"

እቲ ክታበት ክሰርሕ ድዩ፧

ናይ'ቲ ዝዝርጋሕ መደብ ክታበት ናይ ሓጺር-እዋንን ነዊሕ-እዋንን ዕላማታት ዝያዳ ንጹርነት ክህልዎም ኣለዎ ይብል ዶክተር ሞይ።

"እዚኦም ንስኹም ከይትሓሙ ኣብ ምክልኻል ብቑዓት እዮም፡ እንተኾነ ግን ኣብ'ዚ እዋን ነቲ ቫይረስ ከይለኽፈኩም ብልክዕ ደው ከብልዎ ወይ'ውን ናብ ካልእ ከይተመሓላልፍዎ ኣብ ምግባር ክሳብ ክንደይ ብቑዓት እዮም ርግጸኛታት ኣይኮናን።" ኢሉ።

“ነቲ ውልቀሰብ ጥራይ ዘይኮንና ክንከላኸለሉ ንፍትን ዘለና ኣብ ማሕበረሰብ ከይላባዕ/ከየስፋሕፍሕ'ውን ኢና ደው ከነብሎ ንፍትን ዘለና። ብሓፈሽኡ ኣብ'ዞም ኩሎም ክታበታት ረብሓታትን ክሳራታትን ኣለው፡ ገለ ውሑዳት ነገራት'ውን ኣለው ክሳብ ሕጂ ኣበየኖት ይምደቡ ዘይተወሰኑ፡ ንኣብነት ክሳብ ክንደይ ይጸንሑ ዝብል ሕቶ።"

መዓስ ኢና ዝያዳ ኣፍልጦ ንረክብ፧

ፕሮፌሰር ኬሊ ምሉእ ዝርዝራት ሓበሬታ ብዛዕባ ዝርጋሐ ክታበት ኣውስትራልያ ኣብ ወርሒ ጥሪ ንህዝቢ ክዝርጋሕ እዩ ኢሉ።

ኣብ ኣውስትራልያ ሰባት ብውሑዱ 1.5 ሜትሮ ካብ ካልኦት ክርሕቁ ኣለዎም። ደረታት ብዝሒ ኣብ ምትእኽኻባት መምርሒታት ግዝኣትኩም ተወከሱ። ምልክታት ጉንፋዕ ወይ ፍሉ/ኢንፍሉወንዛ ይስመዓኩም/ይረኣየኩም እንተሃልዩ ቆጸራ መርመራ ክትሕዙ ናብ ዶክተርኩም ደውሉ ወይ ከኣ ሃገራዊ ሓበሬታ ጥዕና ኮሮናቫይረስ ዝህብ Coronavirus Health Information Hotline ብቁጽሪ 1800 020 080 ደውሉ።

ዜናታትን ሓበሬታታትን ብ63 ቋንቋታት ኣብ’ዚ ኣለኩም  

ነቶም ኣገደስቲ መምርሒታት ንግዝኣትኩም ወይ ምምሕዳራዊ ዶብኩም ብኽብረትኩም ኣብ'ዚ ተመልከቱ፡   


Share
Published 26 December 2020 2:15pm
Updated 12 August 2022 3:09pm
By Amelia Dunn, Marcus Megalokonomos


Share this with family and friends