ኣውስትራልያ ሰለስተ ጋዕገልጠም ዝበዝሖም ዓመታት ኣብ ልዕሊ ቁጠባ፣ ጥዕና ሃገርን ግሎባዊ ጸጥታን ብምዝዛም 21 ግንቦት 2022 ዝቕጽል መንግስትን ቀዳማይ ሚኒስተርን ንምምራጽ ድምጺ ክትህብ'ያ።
ስኮት ሞሪሰን ንባይቶ ኣውስትራልያ ክብትን ዘለዎ ድሌት ንምግላጽ ንሹመኛ ንግስቲ ኤሊዛቤጥ ጋቨርነር ጀነራል ደይቪድ ሀርሊ ኣብ መንበሪ መንግስቲ ከይዱ ድሕሪ ምሕባሩ እቲ ምርጫ ክካየድ ምዃኑ ኣፍሊጡ።
ሚስተር ሞሪሰን ድሕሪ ጆን ሃዋርድ ኣብ መሪሕነት ስልጣን እንከሎ ክልተ ምርጫታት ዝተዓወተ ቀዳማይ ሚኒስተር ንምዃን እዩ ዝዕልም ዘሎ።
እንተኾነ ግን ተቓዋሚ ሰልፊ ለይበር ኣብ መለክዒ ርእይቶታት ህዝቢ ወይ ፖልስ ብቐጻሊ ካብ ሰነ 2021 ኣብ መሪሕነት ይርከብ፣ ኣብ'ዚ እዋን ከኣ ክልቲኤን ሰልፍታት ዝረኽብኦ ተዛማዲ ናይ ተመራጺ ድምጽታት ምስ ዝረአ ኣብ 55% ይርከብ።
ሚስተር ሞሪሰን ቀዳም ነዛ ሃገር ዘጋጠምዋ ተፈጥሮኣዊ ዕንወታት፣ ዘይርጉእ ሃዋህው ግሎባዊ ጸጥታን ቁጠባ ኣውስትራልያ ዝገጥምዎ ተኽእሎ ሓደጋታትን ብምምልካት ሓደ ቪድዮ ዘርጊሑ።
ንሱ ኣብ'ቲ መልእኽቱ "ኩሉ ግዜ መሰናኽላት የጋጥሙ'ዮም። ኩሉ ግዜ ምሉእ ዘይኮነ ሓበሬታ ይህልው'ዩ። ነገራት ከበድቲ ምዃኖም'የ ክገልጽ ደልየ ዘለኹ፣ ጽንኩራት ከኣ ኔሮም። ድርቂ ኔሩ፣ ምዕልቕላቓት ኔሮም፣ ባርዕ ሓዊ፣ ለበዳ ኮቪድ። ሕጂ ኸኣ ኲናት ኣሎ። ካብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ዝነበረሉ ግዜ ንንየው ዝያዳ ርግኣት ዘይብላ ዓለም ኢና ንነብርን ንመርሕን ዘለና።" ድሕሪ ምባል ሰልፉ ደጊሙ ክምረጽ ተማሕጺኑ።