ኣብ ገዛ ኮይንካ ናይ ኮቪድ-19 ምርመራታት ካብ 1 ሕዳር ጀሚሩ ኣብ ኣውስትራሊያ ክግበር ከምዝከኣል ካብ ናይ ሓለዋ ጥዕና ተቖጻጻሪ ዉሳነ ቀሪቡ ።
ምምሕዳር ሕክምና ፡ እቲ ቅልጡፍ መርመራ ፀረ ጅን ኣብ ውሽጢ ሰሙናት ክግበር ፡ ማለት ናይ መወዳእታ መርመራ ክግበርን ተቐባልነት ክረክብን ምዃኑ ይገልጽ።
ኣብ ኣውስትራሊያ ናይ ገዛ መመርመሪ ፍቓድ ንኽወሃቦም ልዕሊ 70 መግለጺታት ከምዝተውሃበን ካብቶም ተቐባልነት ዝረኸቡ 33 ኣብ ናይ ምቁጽጻር መዓላ ንኽውዕሉ ከምዝተገበረን ተፈሊጡ ።
ሚኒስተር ፈደራል ጥዕና ግሬግ ሃንት እቲ ሓድሽ ፈተነ ኣዝዩ ወሳኒ ስጉምቲ ንቕድሚት ከምዝኾነ ገሊጹ ።
ሚስተር ሃንት ብሰሉስ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ "እዚ ንኣውስትራሊያውያን ኣገዳሲ ተወሳኺ ሓለዋ እዩ ።
"ሓደ ካብቲ ኣገዳሲ ነገር ፡ ነቲ ብPCR ዝግበር መርመራ፡ ማለት ናብ ናይ ሓባር ኃብቲ ወይ ክሊኒክ ናይ መንግስቲ - ምስ ናይ ገዛ መርመራ እንተኸይድና ኩላትና እንፈልጦ መርመራ ተወሳኺ ሓበሬታ ምሃብ ክሕግዝ እዩ።"
ወሃቢ ቃል ከምዝበሎ ናይ መምሕድዳር ግዝኣታትን ተሪቶርይታትን ሰባት ኣወንታዊ ውጽኢት ኮቪድ-19 እንተልይዎም ናይ ገዛእ ርእሶም ውጽኢት ምርመራ ዘርእይሉ ስርዓት ክምስርቱ ክህልዎም ይግባእ ። እቲ መርመራ ፣ ኣብ ውሽጢ 20 ደቒቕ ድማ ውጽኢት ክህብ ይኽእል እዩ ።
ኣብ ቀረባ እዋን ዝወጸ ናይ ክታበት ስታቲስቲክስ ከምዝሕብሮ ልዕሊ 76 ሚኢታዊ ዝኾኑ ኣውስትራሊያዊያን ዕድሚኦም ልዕሊ 16 ዓመት ዝኾኑ ናይ መጀመርያ ዶዝ ክታበት ተቐቢሎም ኣለው ፡ 52.6 ሚኢታዊ ድማ ንኽልቲኡ ዶዝ ተቐቢሎም ኣለው ።