ኣብ በይሩት ብዝነቶገ ባርዕ ብውሕዱ 73 ሰባት ሞይቶም ልዕሊ 3,700 ሰባት ቆሲሎም።

ኣብ ዋና ከተማ ሊባኖስ ኣብ ባይሩት ብዝተባርዐ ተተኳሲ ካብቶም ዝሞቱ ሓደ ኣውስትራሊያዊ ከምዝርከቦም ቀዳማይ ሚኒስተር ስኮት ሞሪሰን ገሊጹ።

Smoke billows from harbor area with damage and debris after a large explosion rocked the harbor of Beirut, Lebanon, 4 August 2020.

Smoke billows from harbor area with damage and debris after a large explosion rocked the harbour of Beirut, Lebanon, 4 August 2020. Source: AAP

ኣብ በይሩት ዝተተኮሰ ባርዕ ሓደ ኣውስትራሊያዊ ዝርከቦም 73 ሰባት ክሞቱከለዉ፡  ልዕሊ 3,700 ሰባት ቆሲሎም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ስኮት ሞሪሰን ከምዝገለጾ፡ ኣብ ሊባኖስ ክሳብ 20,000 ኣውስትራሊያዊያን ኣብ ዋና ከተማ ሊባኖስ ዝነብሩ ከምዘለዉን ሓደ ኣውስትራሊያዊ በዚ ሓደጋ ከምዝተቐትለን ኣረጋጊጹ ኣሎ

እቲ ከቢድ ነትጒ ኣብ ሓደ ናይ በይሩት ዝርከብ ንሓደ ኣብ ወደብ ዝርከብ መኽዘን ብትሪዑ ድሕሪ ምብራዑ ኣብ መላእ እታ ዋና ከተማ ሊባኖስ ከቢድ ምንቅጥቃጥ ፈጢሩ፡ መሳዂቲ ሓሸምሸም ኢሉን ህንጻታት ፈሪሱን ኣሎ።

ብውሕዱ 73 ሰባት በቲ ነትጒ ዝሞቱ ክህልዉከለዉ ልዕሊ 3,700 ቆሲሎምን ኣለዉ። እንተኾነ ናይ ረዲኤት ጉጅለ ብህንጻታት ተቐቢሮም ዘለዉ ንምድሓን ኣብዝጽዕርሉ ዘለዉ ብዙሕ ካብዚ ተጠቒሱ ዘሎ ብዝሒ ንላዕሊ ዝሞቱ ሰባት ክህልዉ ከምዝኽእሉ ተፈሊጡ ኣሎ።

እዚ ሓደጋ ንብዙሕ ዓመታት ኣብ በይሩት ዘይተራእየን መሬት ዘንቀጥቀጠን እዩ።
“ከቢድ ዕንወት ኢና ርኢና,” ክብል ሓላፊ ቀይሕ መስቀል ቀይሕ መስቀል ጆርጅ ከታኒ ገሊጹ.

በቲ ናይቲ ከባቢ ኣቆጻጽራ ሰዓት 6 ናይ ሚሸት እቲ ነትጒ ምስተፈጥረ ንሰለስተ ሰዓታት ሰማያት በይሩት ብሓዊ ዝተሓወሶ ትኪ ተሸፊኑ።

ኣብ በይሩት ዝርከቡ ሆስፒታላት ስለዝመልኡ ቁሱላት ካብ በይሩት ወጻኢ ይውሰዱ ከምዘለዉ ተገሊጹ ኣሎ።

እቲ ዝነቶገ ባርዕ ኣብ ናይ በይሩት ወደብ ዝርከብ ሓደ መኽዘን ተኸዚኑ ዝነበረ  2,750 ቶን ኣሞኒዩም ናይትሬት ዝተባህለ ቀመም ከምዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስተር ሓሳን ዲኣብ ገሊጹ።

Ammonium nitrate

" 2,750 ቶናት ኣሞኒዩም ናይትሬት ን 6 ዓመታት ብዘይ ግቡእ ሓለዋ ተኸዚኑ ክጸንሕ ቅቡል ኣይኮነን።" ክብል ገሊጹ።

እቲ ነትጒ ከቢድ ካብ ምዃኑ ዝተላዕለ ነበርቲ እታ ከተማ ነቲ ኣብ  1975 ክሳብ 1990 ዝነበረ ዉግእ ሓድሕድን ዝነበረ ነትጒታትን ከምዘዘኻኸሮም ተገሊጹ።

ዝቖሰሉ፡ ዝበኽዩን ዝተጎድ ኡ ሰባት እታ ከተማ ን ቀረቦም ንምድላይ ናብቲን ናብቲን ዝብሉ ኣብ ጽርግያታት እታ ከተማ ፈሲሶም ይረኣዩ።
People injured in the Beirut Port explosion receive first aid at Najjar Hospital in Al-Hamra area in Beirut, Lebanon.
People injured in the Beirut Port explosion receive first aid at Najjar Hospital in Al-Hamra area in Beirut, Lebanon. Source: EPA

እቶም ካብቲ ሓደጋ ኣጋጢምሉ ዘሎ ቦታ 2 ኪሎ መተር ርሒቖም ነቲ ኩነታት ብቪድዮ ዝቐድሕዎ ዝነበሩ እቲ ነትጉ ሰፍሲፉ ከምዝደርበዮም ተፈሊጡ።

ሚኒስተር ጥዕና ሊባኖስ ልዕሊ 25 ሰባት ከምዝሞቱን ልዕሊ 2,500 ሰባት ምቑሳሎምዩ ገሊጹ።

Lebanese port workers walk at the explosion scene that hit the seaport of Beirut, Lebanon, Tuesday, 4 August, 2020.
Lebanese port workers walk at the explosion scene that hit the seaport of Beirut, Lebanon, Tuesday, 4 August, 2020. Source: AAP

ናይ ሓዘን መዓልቲ

ናይ ሊባኖስ ፕረሲደንት ሚቸል ኣወን ናይታ ሃገር ካውንስል ምክልኻል ህጹጽ ኣኼባ ክገብር ጸዊዑ ኣሎ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሓሳን ዲኣብ ንረቡዕ ናይ ሓደ መዓልቲ ናይ ሓዘን ክኸውን ብምውሳን ናይዚ ሓደጋ ተሓተቲ ዋጋ ክከፍሉ እዮም ኢሉ።
People injured in the Beirut Port explosion receive first aid at Najjar Hospital in Al-Hamra area in Beirut, Lebanon.
People injured in the Beirut Port explosion receive first aid at Najjar Hospital in Al-Hamra area in Beirut, Lebanon. Source: EPA
“እዚ ኣሰቃቒ ሓደጋ ሓላፍነት ዝወስደሉ ክህሉ ምዃኑ ቃል እ ኣትወልኩም" ክብል ኣብ ተለቪዥን ቀሪቡ ተዛሪቡ።

“ብዛዕባቲ ካብ 2014 ተኸዚኑ ዝነበረ ሓደገኛ ነገር እንታይ ምዃኑ እቲ ሓቂ ክግለጽ እዩ፡ ሕጂ ግና ቅድሚቲ ዝግበር መርመራ ርእይቶ ክህብ ኣይደልን" ክብል ድማ ወሲኹ ገሊጹ።

እዚ ነትጒ ዝተፈጸመ  ዉሕሃ ዝድግፎ ቤት ፍርዲ ብዛዕባቶም ኣብ 2005 መጥቃዕቲ ቦምባ ፈጺሞም ንቀዳማይ ሚኒስተር ራፊቕ ኣልሓሪሪን ካል ኦት 21 ሰባት ዝቐተሉ ጥርጡራት ናይ ሽዓ ጉጅለ ሕዝቡላህ ፍርዶም ከፍልጥ ሰለስተ መዓልቲ ምስተረፎ እዩ።

Destroyed vehicles following an explosion at the Beirut Port, Lebanon.
Destroyed vehicles following an explosion at the Beirut Port, Lebanon. Source: DAR AL MUSSAWIR
ሚስተር ሓሪሪ ዝተቐትለ ኣብ ጥቓ ሓደ ማያዊ ቦታ ካብ ሓንቲ ቦምባ ዝመል አት መኪና ዝተፈንጀረ እዩ።

ምኽንያት ናይቲ ብሰሉስ ተፈጺሙ ዘሎ ነትጒ ዛጊት ኣይተፈልተን ዘሎ።

ናይ ዉሽጢ ጸጥታ ሓላፊ ዓባስ ኢብራሂም ነቲ ከባቢ ወደብ ዑደት ምስገበረ ቅድሚቲ ዝግበር መርመራ ርእይቶ ክህብ ከምዘይደሊ ገሊጹ።
እቲ ምስ ሊባኖስ ንብዙሕ ዓመታት ኣብ ባእሲ ትርከብ እስራኤል ምስዚ ነትጒ ዘተኣሳስር ነገር ከምዘይብላ ሓደ በዓል መዚ እስራኤል ገሊጹ።

A view shows the damaged Cavalier Hotel in Al-Hamra area in Beirut after the port explosion.
A view shows the damaged Cavalier Hotel in Al-Hamra area in Beirut after the port explosion. Source: EPA
ስግር ባሕሪ 180 ኪሎ መተር ርሒቓ ትርከብ ናይ መዲተራኒያ ደሴት ስይፕረስ ዝርከቡ ህዝቢ ነቲ ኣብ በይሩት ዝተኸስተ ነትጒ ከምዝሰምዕዎ ገሊጾም።

 


Share
Published 5 August 2020 1:47pm
Source: Reuters, SBS


Share this with family and friends