ኣብ በይሩት ዝተተኮሰ ባርዕ ሓደ ኣውስትራሊያዊ ዝርከቦም 73 ሰባት ክሞቱከለዉ፡ ልዕሊ 3,700 ሰባት ቆሲሎም።
ቀዳማይ ሚኒስተር ስኮት ሞሪሰን ከምዝገለጾ፡ ኣብ ሊባኖስ ክሳብ 20,000 ኣውስትራሊያዊያን ኣብ ዋና ከተማ ሊባኖስ ዝነብሩ ከምዘለዉን ሓደ ኣውስትራሊያዊ በዚ ሓደጋ ከምዝተቐትለን ኣረጋጊጹ ኣሎ
እቲ ከቢድ ነትጒ ኣብ ሓደ ናይ በይሩት ዝርከብ ንሓደ ኣብ ወደብ ዝርከብ መኽዘን ብትሪዑ ድሕሪ ምብራዑ ኣብ መላእ እታ ዋና ከተማ ሊባኖስ ከቢድ ምንቅጥቃጥ ፈጢሩ፡ መሳዂቲ ሓሸምሸም ኢሉን ህንጻታት ፈሪሱን ኣሎ።
ብውሕዱ 73 ሰባት በቲ ነትጒ ዝሞቱ ክህልዉከለዉ ልዕሊ 3,700 ቆሲሎምን ኣለዉ። እንተኾነ ናይ ረዲኤት ጉጅለ ብህንጻታት ተቐቢሮም ዘለዉ ንምድሓን ኣብዝጽዕርሉ ዘለዉ ብዙሕ ካብዚ ተጠቒሱ ዘሎ ብዝሒ ንላዕሊ ዝሞቱ ሰባት ክህልዉ ከምዝኽእሉ ተፈሊጡ ኣሎ።
እዚ ሓደጋ ንብዙሕ ዓመታት ኣብ በይሩት ዘይተራእየን መሬት ዘንቀጥቀጠን እዩ።
“ከቢድ ዕንወት ኢና ርኢና,” ክብል ሓላፊ ቀይሕ መስቀል ቀይሕ መስቀል ጆርጅ ከታኒ ገሊጹ.
በቲ ናይቲ ከባቢ ኣቆጻጽራ ሰዓት 6 ናይ ሚሸት እቲ ነትጒ ምስተፈጥረ ንሰለስተ ሰዓታት ሰማያት በይሩት ብሓዊ ዝተሓወሶ ትኪ ተሸፊኑ።
ኣብ በይሩት ዝርከቡ ሆስፒታላት ስለዝመልኡ ቁሱላት ካብ በይሩት ወጻኢ ይውሰዱ ከምዘለዉ ተገሊጹ ኣሎ።
እቲ ዝነቶገ ባርዕ ኣብ ናይ በይሩት ወደብ ዝርከብ ሓደ መኽዘን ተኸዚኑ ዝነበረ 2,750 ቶን ኣሞኒዩም ናይትሬት ዝተባህለ ቀመም ከምዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስተር ሓሳን ዲኣብ ገሊጹ።
Ammonium nitrate
" 2,750 ቶናት ኣሞኒዩም ናይትሬት ን 6 ዓመታት ብዘይ ግቡእ ሓለዋ ተኸዚኑ ክጸንሕ ቅቡል ኣይኮነን።" ክብል ገሊጹ።
እቲ ነትጒ ከቢድ ካብ ምዃኑ ዝተላዕለ ነበርቲ እታ ከተማ ነቲ ኣብ 1975 ክሳብ 1990 ዝነበረ ዉግእ ሓድሕድን ዝነበረ ነትጒታትን ከምዘዘኻኸሮም ተገሊጹ።
ዝቖሰሉ፡ ዝበኽዩን ዝተጎድ ኡ ሰባት እታ ከተማ ን ቀረቦም ንምድላይ ናብቲን ናብቲን ዝብሉ ኣብ ጽርግያታት እታ ከተማ ፈሲሶም ይረኣዩ።

People injured in the Beirut Port explosion receive first aid at Najjar Hospital in Al-Hamra area in Beirut, Lebanon. Source: EPA
እቶም ካብቲ ሓደጋ ኣጋጢምሉ ዘሎ ቦታ 2 ኪሎ መተር ርሒቖም ነቲ ኩነታት ብቪድዮ ዝቐድሕዎ ዝነበሩ እቲ ነትጉ ሰፍሲፉ ከምዝደርበዮም ተፈሊጡ።
ሚኒስተር ጥዕና ሊባኖስ ልዕሊ 25 ሰባት ከምዝሞቱን ልዕሊ 2,500 ሰባት ምቑሳሎምዩ ገሊጹ።

Lebanese port workers walk at the explosion scene that hit the seaport of Beirut, Lebanon, Tuesday, 4 August, 2020. Source: AAP
ናይ ሓዘን መዓልቲ
ናይ ሊባኖስ ፕረሲደንት ሚቸል ኣወን ናይታ ሃገር ካውንስል ምክልኻል ህጹጽ ኣኼባ ክገብር ጸዊዑ ኣሎ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ሓሳን ዲኣብ ንረቡዕ ናይ ሓደ መዓልቲ ናይ ሓዘን ክኸውን ብምውሳን ናይዚ ሓደጋ ተሓተቲ ዋጋ ክከፍሉ እዮም ኢሉ።
“እዚ ኣሰቃቒ ሓደጋ ሓላፍነት ዝወስደሉ ክህሉ ምዃኑ ቃል እ ኣትወልኩም" ክብል ኣብ ተለቪዥን ቀሪቡ ተዛሪቡ።

People injured in the Beirut Port explosion receive first aid at Najjar Hospital in Al-Hamra area in Beirut, Lebanon. Source: EPA
“ብዛዕባቲ ካብ 2014 ተኸዚኑ ዝነበረ ሓደገኛ ነገር እንታይ ምዃኑ እቲ ሓቂ ክግለጽ እዩ፡ ሕጂ ግና ቅድሚቲ ዝግበር መርመራ ርእይቶ ክህብ ኣይደልን" ክብል ድማ ወሲኹ ገሊጹ።
እዚ ነትጒ ዝተፈጸመ ዉሕሃ ዝድግፎ ቤት ፍርዲ ብዛዕባቶም ኣብ 2005 መጥቃዕቲ ቦምባ ፈጺሞም ንቀዳማይ ሚኒስተር ራፊቕ ኣልሓሪሪን ካል ኦት 21 ሰባት ዝቐተሉ ጥርጡራት ናይ ሽዓ ጉጅለ ሕዝቡላህ ፍርዶም ከፍልጥ ሰለስተ መዓልቲ ምስተረፎ እዩ።

Destroyed vehicles following an explosion at the Beirut Port, Lebanon. Source: DAR AL MUSSAWIR
ምኽንያት ናይቲ ብሰሉስ ተፈጺሙ ዘሎ ነትጒ ዛጊት ኣይተፈልተን ዘሎ።
ናይ ዉሽጢ ጸጥታ ሓላፊ ዓባስ ኢብራሂም ነቲ ከባቢ ወደብ ዑደት ምስገበረ ቅድሚቲ ዝግበር መርመራ ርእይቶ ክህብ ከምዘይደሊ ገሊጹ።
እቲ ምስ ሊባኖስ ንብዙሕ ዓመታት ኣብ ባእሲ ትርከብ እስራኤል ምስዚ ነትጒ ዘተኣሳስር ነገር ከምዘይብላ ሓደ በዓል መዚ እስራኤል ገሊጹ።

A view shows the damaged Cavalier Hotel in Al-Hamra area in Beirut after the port explosion. Source: EPA